ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ታሪኻዊ ዘውዲ ደፊኡ

ንጉስ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ዘውዲ ቅዱስ ኤድዋርድ ደፊኡ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ኣብ ለንደን ዌስትሚኒስተር ኣቢ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ንግስና ታሪኻዊ ዘውዲ ደፊኡ።

ንጉስ ቻርለስ፡ እተን ን 70 ዓመታት ዝነገሳ ወላዲቱ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ 08 መስከረም 2022 ምስዓረፋ እዩ ብቐጥታ ንጉስ ኰይኑ።

እቲ ንጉስ ብመሪሕነት ሊቀ-ጳጳስ ካንተርበሪ ጀስቲን ዌልቢ እዩ ዘውዲ ተደፊእሉ።

እዚ ኣብ ድሙቕ ፅንብል ታሪኻዊ ዘውዲ ዝደፍአ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ “ኣብ ዘበነ ንግስነቱ ሕጊ ከምዘኸብርን፡ ኣመንቲ ኩሉ ዓይነት እምነት ብነፃነት ዝነብርሉ ባይታ ከም ዘጣጥሕን” ቃል ኣትዩ።

በዓልቲ እንድኡ ንግስቲ ኮንሶርት ካሚላ እውን፡ ኣብዚ ስነ-ስርዓት ንግስነት፡ ንግስቲ ኰይና ቅብኣ ቅዱስ ተቐቢኣን ዘውዲ ደፊኣ። እታ ንግስቲ ቃለ-መሓላ ክትገብር ኣይተሓተትን።

ስነ-ስርዓት ፀሎት ምስ ተኻየደ ድማ፡ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይን ንግስቲ ካሚላን ቅዱስ ቁርባን ወሲዶም።

እዚ ኣብ ርእሲ ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ዝተደፍአ ብዋጋ ዘይትመን ብዝተፈላለዩ ክቡር መዓድናት ዘግየፀ ዘውዲ፡ መፈለሚ ናይ ንግስና ዘመን ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ ተገይሩ ዝውሰድ እዩ።

ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ

ነዚ ናይ ንግስና ስነ-ስርዓት ንምፅንባል፡ ስድራ እዚ ንጉሳዊ ቤተሰብ፣ ፍሉጣት ሰባትን መራሕቲ ሃይማኖትን ሓዊሱ 2200 ሰባት ኣብ ውሽጢ ዌስትሚኒስተር ኣቢ ተረኺቦም።

እዚ ዕደመ 360 ዓመት ዘለዎ ናይ ቅዱስ ኤድዋርድ ዘውዲ፡ ካብ 22 ካራት ወርቂ ዝተሰርሐን እንትኾን፡ 2.23 ኪሎግራም ክብደት ኣለዎ።

ቅድሚ እዛ ዕለት፡ ነዚ ዘውዲ ንመወዳእታ ግዘ ዝደፍኣ ዳግማዊት ንግስቲ ኤልሳቤት ነይረን።

እዚ ዘውዲ ቅዱስ ኤድዋርድ፡ ኣብ ርእሲ ንጉስ ቻርለስ ቅድሚ ምድፍኡ፡ እቲ ንጉስ ቅብኣ ቅዱስ ተቐቢኡ እዩ።

እዞም ኣብ ወርቃዊ ሰረገላ ኰይኖም ብወተሃደራዊ ዓጀባ ናብ ዌስትሚኒስተር ኣቢ ዝመፅኡ ንጉሳውያን መፃምዲ፡ ድሕሪ እዚ ኣብ ዌስትሚኒስተር ኣቢ ዝተኻየደ ፅንብል፡ ብምዕሩግ ዓጀባ ናብ ቤተ-መንግስቲ ባኪንግሃም ተመሊሶም፡ ኣብ ባርኮኒ ቤተ-መንግስቶም ኮይኖም ንህዝቢ ሰላምታ ሂቦም።

ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ንጉስ ቻርለስን ንግስቲ ካሚላን