ላህጃ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ስለምንታይ ተቐይሩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ላህጃ ናይተን ንነዊሕ እዋን ዘገልገላ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት፡ ኣብ ነዊሕ ዘመነ ንግስነተን ዝማዕበለን ኣብቲ እዋን ዘጋጠሙ ዓበይቲ ማሕበራዊ ለውጢታት ዘንጸባርቕን እዩ።
እዘን ን70 ዓመታት ኣብ ዝፋን ንግስነት ዝጸንሓ፡ ካብ ምክፋል ሾርባ ዓተር ክሳብ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ዓለማዊ ለበዳ ሕማምን ብዙሕ ለውጥታት ርእየን እየን።
ከም ዓለማዊት ምልክት ጽኑዕ መትከላትን ምርግጋእን ዝረኣያ እዘን ንግስቲ፡ ፍሉይን ክቡርን ውርሻ ሓዲገን እየን፡ ንሱ ድማ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተቐድሐ ምስ ግዜ ዝቕየር ድምጸን እዩ።
ኣብ ህዝባዊ መደረታት፡ ፈነወ ራድዮ፡ ተሌቪዥንን ኢንተርነትን ዝቐርብ ፍሉይ ላህጃ ግርማዊት ኤልሳቤጥ፡ ኣብ እዋን ንግስነተን ዓለም ብኸመይ ከም ዝተቐየረትን ንሰን እውን ብኸመይ ከምዝተቐየራ ዘመልክት እዩ።
ብተወሳኺ፡ ቅዲ ኣዘራርባና ኣብ ምሉእ ዕድመ ወዲ ሰብ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝሕሰብ ዝነበረ ንላዕሊ ተዓጻጻፊ ኰይኑ ከም ዝጸንሕን ንተመኵሮታትናን ዝኽርታትናን ከም ዘንጸባርቕን ዝሕብሩ መርትዖታት ዘጠናኽር እዩ።
ከምቲ ናይተን ንግስቲ ዝበለ ሃብታምን ዝርዝርን ዝተቐድሐ ድምጺ ዝገድፉ ሰባት ውሑዳት እዮም።
ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት፡ ኣብ 1947 ኣብ መበል 21 ዓመት ልደተን ዝተፈነወ መደረ እዘን ንግስቲ ተኸታቲሎም እዮም። ኣብቲ እዋን፡ ገና ልእልቲ ዝነበራ እተን ንግስቲ፡ "ይንዋሕ ይሕጸር ብዘየገድስ ምሉእ ህይወተይ ንኣገልግሎትኩም ዝተወፈየ ከምዝዀነ ኣብ ቅድመኹም ይእውጅ" ብምባል ድሮ ንህዝበን ቈሪጸን ከምዝተላዓላ ቃል ኣትየን ነይረን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንቕድሚት ናብዚ መበል 21 ክፍለዘመን ምስ እንመጽእ፡ ኣብቲ ናይ መወዳእታ በዓል ልደት ፈነወአን፡ ነፍስሄር በዓል ቤተን ብዘሕዝን መገዲ ዘኪረን፡ ነታ ብለበዳ ኮቪድ ሕሱም ዝተሃስየት ሃገረን ዘጸናንዕ ምዉቕ ቃላት ኣስሚዐን።
"ዋላ'ኳ ንብዙሓት ዓብይን ጽቡቕ ታሕጓስን ዝረኣየሉ እዋን እንተዀነ፡ በዓል ልደት ግን ነቶም ዝፈትውዎም ዝሰኣኑ ሰባት ከቢድ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዓመት፡ ስለምንታይ ከምኡ ከምዝዀነ ይርድኣኒ'ዩ" ኢለን።
ዋላ ንዘይሰልጠነ እዝኒ፡ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ቅዳሓት ዘሎ ፍልልይ ንጹር እዩ። ቀዳማይ ኣብ ድምጸን ባዕሉ ዝመጸ ለውጢ እዩ። ንመብዛሕትኡ ሰብ ከም ዘጋጥሞ፡ እተን ንግስቲ እናኣረጋ ምስ ከዳ ድምጸን እናዓሞቐን እናበሰለን ከይዱ።
ካብዚ ብተወሳኺ ግን፡ ኣብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተቐድሑ ድምጺታት ካልኦት ረቀቕቲ ለውጥታት ኣለዉ። እዚ ድማ ተመራመርቲ፡ ላህጃ ምስ ግዜ ብኸመይ ከም ዝምዕብል፡ ብማሕበራዊ፡ ባህላውን ቴክኖሎጂያውን ምዕባለታት ብኸመይ ክጽሎ ከም ዝኽእል ንክርድኡ ይሕግዞም ኣሎ።
"ለውጢ ድምጺ ኣዝዩ ደንጉዩ ዝመጽእ እዩ፣ ስለዚ ኣብ ዕድመ ሓደ ዓቢይ ሰብ ከመይ ከም ዝቕየር ክንርኢ እንተደሊና፡ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ሓደ ሰብ ዝተቐድሐ ድምጺ ክህልወና ኣገዳሲ እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ድምጽን ኣብ ሉድቪግ-ማክሲሚልያንስ ዩኒቨርሲቲ ዳይረክተር ኢንስቲትዩት ድምጽን ዘረባን ጆናታን ሃሪንግተን።
"ብሰንኪ እቲ ኣብ 60ታትን 70ታትን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተራእየ ዓቢይ ማሕበራዊ ለውጥታትን እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ምትሕውዋስ ማሕበራዊ ደርብታትን፡ እተን ንግስቲ ዝዛረባሉ ቅቡል ኣደማምጻ (Received Pronunciation) ብፍላይ ካብ 1950 ክሳብ 1980 ዘርኣዮ ለውጥታቱ መሳጢ'ዩ።"
ዋላ እኳ ብኸመይ ከምዝግለጽን ክሳብ ክንደይ ከምዝተዘርገሐን ነዊሕ ዝጸንሐን ክትዕ እንተሃለወ፡ ቅቡል ኣደማምጻ (Received Pronunciation) ካብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ከም ምዱብ ላህጃ እንግሊዝኛ ብሪጣንያ እዩ ዝቝጸር።
ምስ ኣሪስቶክራሲ፡ ንጉሳዊ ስድራቤት፡ ምስ ምምስራት እንግሊዝ፡ ዝተኣሳሰር ኣደማምጻ እዩ። ዋላ’ኳ ቢቢሲ እንተዘየገደደ፡ ቅድሚ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብዙሓት ኣዋጃት ኲናት ዘቕርቡ ጋዜጠኛታቱ ቅቡል ኣደማምጻ ይጥቀሙ ነይሮም።
"ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ብሪጣንያ ዝዀኑ ክሳብ ሕጂ ነቲ ላህጃ (ቅቡል ኣደማምጻ) ይፈትውዎን ከም ክብሪ ዘለዎ ላህጃ ይቘጽርዎን እዮም" ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሪዲንግ ዓባይ ብሪጣንያ ፕሮፌሰር ድምጺ ጄን ሴተር።
እተን ንግስቲ ናይ ገዛእ ርእሰን ኣዘራርባ ገለ መለለዪ ቅቡል ኣደማምጻ ኰይኑ እዩ። በዚ ምኽንያት እንግሊዝኛ ንግስቲ ክበሃል ክኢሉ። በብዓመቱ ኣብ በዓል ልደት ዝፍነው መደረ እተን ንግስቲ፡ ብፍላይ ኣብ ታሪኽ ድምጸንን ላህጃአንን ንምክትታል ዘተኣማምን መገዲ ኰይኑ’ሎ።
ሃሪንግተን ምስ መሳርሕቱ ኡልሪክ ሪቦልድ ብምዃን፡ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ህይወተን ላህጃአን ብኸመይን ስለምንታይን ከም ዝተቐየረ ንምርዳእ፡ እተን ንግስቲ ካብ ካብ 26 ክሳብ 91 ዓመተን ኣብ ዝነበራሉ እዋን ዘቕረባኦ 35 ፈነወታት ልደት ብዕምቈት ተንቲኖም።
"ኣብተን ንግስቲ ለውጢ እንተረኺብና፡ ሽዑ ኣብ መብዛሕትኦም ዓበይቲ ሰባት ተመሳሳሊ ለውጢ ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ ኢልና ምድምዳም ርትዓዊ'ዩ" ይብል ሃሪንግተን።
መጽናዕቶም፡ ላህጃና ወይ ኣደማምጻ ቓላትና ድሕሪ ምዕባይና ዘርእዮ ብዝሕ ለውጢ የለን ዝብል ሓሳብ ቅኑዕ ከምዘይኮነን ቀጻሊ ለውጢ ከርኢ ከምዝኽእልን ንምርዳእ ዝሕግዝ እዩ።
ብሰፊሑ ክርአ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ዕድመ ንድምጽን ላህጃን ወዲ ሰብ ዝቐርጹ ረቛሒታት ኣብ ክልተ ዓውድታት ይምቀሉ። ገለ ለውጢ ብሰንኪ ፊዚዮሎጂካዊ መስርሕ ጥራይ ዘጋጥሙ እዮም፤ እናኣረግና ክንከይድ እንከለና፡ ስርዓተ ድምጽና ቅርጹ ክቕየር እንከሎ፡ ኣውታር-ድምጽና ድማ እናረቐቐን እናተረረን ይኸይድ። እዚ ድማ ድምጺ "ቀጢንን" ድኹምን ዝዀነ ዝለዓለ ቅኒት ክህልዎ ይገብር። ኣብ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣውታር-ድምጺ ክረጉድ፡ ጸኒሑ’ውን ትሑት ቅኒት ከስዕብ ይኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትንተና ፈነወታት እተን ንግስቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብተን ቀዳሞት ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ንግስነተን፡ ላህጃአን ናይ ፍሉይ ላዕለዋይ ደርቢ ምዃኑ ቀኒሱ ናብቲ ንቡር ወይ ልሙድ ዝዀነ ላህጃ ተጸጊዑ። ንኣብነት፡ " happy" ኣብ ዝብል ቃል ኣብ መወዳእታ ዘስምዕኦ ድምጺ፡ ከምቲ ኣብ "bit" ዘሎ "eh" ዝብል ድምጺ ዘይኮነስ ዝያዳ ከምቲ ኣብ "freeze" ዘሎ "ee" ዝብል ድምጺ ናብ ምዃን ተቐይሩ።
ሃሪንግተንን ሮቦልድን ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበርዎ ትንታነ ግን፡ ምናልባት ዝያዳ ዘገርም ነገር ይገልጽ። ኣብተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ህይወተን፡ ላህጃአንናብቲ ኣብ እዋን ንእስነተን ዝነበረ ኣደማምጻ ተመሊሱ።
እተን ንግስቲ ኣብ 1950ታት መንእሰይ ከለዋ ፍሉይ ላዕለዋይ ደርቢ ላህጃ ነይርወን። ንኣብነትኣብ "sat" ዘሎ "a" ዝያዳ ከም "set" "family" ድማ "famileh" የድምጽኦ ነይረን። ንግስነተን እናቐጸለ ምስከደ ግን ላህጃአን እናተቐየረ ከይዱ።
እዚ ክሳብ 1990ታት ዝቐጸለ ለውጢ’ዚ ምናልባት ኣብ ሰፊሕ ህዝብን ሕብረተሰብን ዝተራእየ ሰፊሕ ለውጢ ዘንጸባርቕ ክኸውን ከምዝኽእል ትንታነ ሃሪንግተንን ሮቦልድን ይሕብር።
"ድምጽታት ሓደ ማሕበረሰብ ዝመሓየሽ፡ ናይ ካልኦት ድምጻዊ ፍሉይነት ስለ ንቐድሕ እዩ" ይብል ሃሪንግተን። "ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተገብረ ፈተነታት መብዛሕትኡ ግዜ ብዘይፍላጥና ከምንቀዳዳሕ ኣረጋጊጹ'ዩ።"
ሽዑ ገለ ካብቲ ኣብ ላህጃ ንግስቲ ዝመጸ ለውጢ ነጸብራቕ ናይቶም ዝረኸበቶም ሰባት ክኸውን ዝኽእል ይመስል።
ብርግጽ ገለ መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ላህጃና በቲ እንርእዮ ተሌቪዥን ብረቂቕ መንገዲ ክጽሎ ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስለዚ፡ እተን ንግስቲ፡ ሰባት ኣብአን ዘለዎም ኣረኣእያ ንምቐያር ኰነ ኢለን ናይ ገዛእ ርእሰን ቅዲ ኣዘራርባ ቀይረን ክዀና ይኽእል’ዶ? መጽናዕቲ ሃሪንግተን ከምዝሕብሮ ግን እቲ ዝተቐየረ ላህጃ ቀስ ብቐስ ዝመጸ ከም ዝነበረ ዝሕብር እዩ።
ሓያል ነጸብራቕ ሰፊሕ ማሕበራዊ ለውጢ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ እቲ ኣብ ላህጃ ንግስቲ ዝተራእየ ለውጢ ናትና ኣገባብ ኣዘራርባናን ድምጽናን ባዕሉ ኣብ ምሉእ ህይወትና ከመይ ከምዝቐየር ዘመላኽት እዩ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ንእስነትን ጕርዝውናን ኣብ ድምጽና ዓበይቲ ለውጢ ከም ዘጋጥም ይግመት ነይሩ። ብድሕሪኡ ላህጃ ሓደ ሰብ ብመጠኑ ጽኑዕ እዩ ተባሂሉ ይሕሰብ ነይሩ። ሕጂ ግን፡ ድምጽና ካብቲ እንሓስቦ ንላዕሊ ተዓጻጻፊ ምዃኑን፡ ሕጂ’ውን ኣብ ምሉእ ህይወትና፡ ዋላ’ውን ኣብ እርጋንና ብዓቢኡ ክንቅይሮ ከም እንኽእል መጽናዕትታት ከርእዩ ጀሚሮም ኣለዉ።
እዚ ተዓጻጻፍነት’ዚ ኣብ ድምጺ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ድምጺ ካልኦት መላእ ዓለም ጽልዋ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሰፊሕ ህዝቢን ተራእዩ’ዩ።
ሓደ መግለጺ፡ ንናይተን ንግስቲ ናብ ኣደማምጻ ንእስነተን ምምላሰን፡ ምስቲ ምስ እርጋንናን ዝኽርታትና ዝሰርሓሉ ኣገባብ ዝተኣሳሰር ክኸውን ከም ዝኽእል ሃሪንግተን ይሕብር።
ንጉስ ቻርለስ ሳልሳይ፡ ንጉስ ምዃኑ ኣብ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ህዝባዊ መደረ፡ ልክዕ ከምቲ እተን ንግስቲ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ን"ፍቑር ኣቦአን" ዝዘከራኦ ንኣደኡ ኣመስጊኑ እዩ። እቲ ንጉሳዊ ላህጃ ብኸመይ ከም ዝቕጽሎ ድማ ኣብ ቀጻሊ ክርአ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







