መስርዕ ከይተጸበየ ናብ ሳንዱቕ ሬሳ ንግስቲ ተፀጊዑ ዝተባህለ ሰብ ተኸሲሱ

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ንንግስቲ ንምስንባት ኣብ ዝነበረ መስርዕ ተርኡ ከይተጸበየ ናብቲ ሳንዱቕ ሬሳ ዝቐረበ ውልቀሰብ ተኸሲሱ።
እቲ ወዲ 28 ዓመት ውልቀሰብ፡ ህዝባዊ መምርሒ ብምጥሓስ እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።
ኣብ ምብራቕ ለንደን ዝነብር መሓመድ ካን ፅባሕ ሶኑይ [19-09-2022] ኣብ ቤት ፍርዲ ዌስት ሚኒስተር ክቐርብ እዩ።
መሓመድ ካን ብመሰረት ሕጊ ህዝባዊ መምርሒ ክሲ ከምዝቐረበሉ ፖሊስ ሜትሮፖሊታን ኣፍሊጡ።
እቲ ውልቀሰብ ካብ ዝነበሮ መስርዕ ወጺኡ ናብ ሬሳ ንግስቲ ምስ ተፀግዐ እቲ ካብ ኣዳራሽ ዌስት ሚንስትር ዝመሓላለፍ ዝነበረ ቀጥታዊ ፈነወ ተቛሪጹ።
ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ ምብራቕ ለንደን ዝነብር ወዲ 28 ዓመት መሓመድ ካን ትማሊ ቀዳም ትንኮያ፣ ጭንቀት ወይ ዝርብሽ ኩነታት ፈጢሩ ብዝብል ብመሰረት ሕጊ ህዝባዊ መመርሒ ተኸሲሱ’ሎ" ኢሉ።
መሓመድ ምስቲ ንግስቲ ንምስንባት ዘሎ ሰልፍን ሪጋን ብዝተኣሳሰር ገበን ፈፂሙ ተባሂሉ ዝተኸሰሰ ካልኣይ ሰብ ኮይኑ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ሓደ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ቪክቶርያ ታወር ፓርክ ኣብ ዝነበረ ሪጋ ዕርቃን ነብሱ ተራእዩን ንሓዘንተኛታት ደፊኡን ብዝብል ከምዝተኸሰሰ ይዝከር።
ኣዲዮ ኣዲሺኔ ክልተ ክስታት ጾታዊ ትንኮያ ዝቐረበሉ ኮይኑ፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ቤት ፍርዲ ሳውዝዋርክ ክራውን ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ቀብሪ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዳግማዊት ሶኑይ 19 መስከረም 2022 ክሳብ ዝፍፀም ኣስከሬነን ኣብ ኣዳራሽ ሚኒስተር ምዕራብ ክጸንሕ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







