ኮሶቮ - ሰርብያ፡ ዓለም ሓድሽ ጐንጺ የስግኣ ድዩ?

ኣብዚ ሕዚ እዋን 4500 ወተሃደራት ኔቶኣብ ኮሶቮ ዓስኪሩ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ ሕዚ እዋን 4500 ወተሃደራት ኔቶ ኣብ ኮሶቮ ዓስኪሩ ኣሎ

ኣሜሪካ ሰርብያ ምስ ኮሶቮ ኣብ ዘዋስና ዶብ ዘስፈረቶ ዓቢ ወተሃደራዊ ሓይሊ እዩ ዝበለቶ ክትስሕቦ ሓቲታ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ኣብ መንጎ ውሑዳት ዓሌት ሰርብያን ዝበዝሑ ኣልባኒያውያንን ኮሶቮ ወጥሪ እናዓበየ መጺኡ ኣሎ።

ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ "ህሉው ኩነታት" ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ ኣብቲ ከባቢ ምስ ዓቃብ ሰላም ኔቶ ዝጽንበሩ ሰራዊት ትልእኽ ከም ዘላ ገሊጻ።

እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሰሜን ኣብ ዝርከብ ገዳም ብዝተፈጠረ ምትፍናን ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶም ስዒቡ ሓይሉ ከዳሉ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ዝተራቐቓ ታንክታትን መዳፍዕን ዝተራእዮ "ዓቢ ወተሃደራዊ ምውፋር"፡ "ኣዝዩ ርግኣት ዘየምጽእ ምዕባለ" ክብል ገሊጽዎ።

"ዘሰክፍ'ዩ። ነዚ ንምፍጻም ዝተኣኻኸቡ ዕስለ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ኣይመስልን። ስለዚ ሰርብያ ነቶም ሓይልታት ካብ ዶብ ክትስሕቦም ንጽውዕ ኣለና” ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ኪርቢ፡ እቲ ምውፋር ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዘጋጠመ እኳ እንተገለጸ፡ ዕላምኡ ግን ገና ንጹር ከም ዘይኰነ ሓቢሩ።

ወሲኹ ድማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ሰርብያ ኣሌክሳንደር ቩቺች ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ እቲ ወጥሪ "ብቕልጡፍ ክሃድእን ናብ ዘተ ክምለስን" ከም ዝተማሕጸነ ገሊጹ።

ብተወሳኺ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮሶቮ ኣልቢን ኩርቲ ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ።

ፕሬዝደንት ቩቺች ኣብ ቀረባ እዋን ምድላው ወተሃደራት ከም ዘየለ’ኳ ብቐጥታ እንተዘይክሓደ፡ ሓይልታት ሃገሩ ኣብ ተጠንቀቕ ከም ዝነበሩ ዝገልጽ ክሲ ግን ነጺግዎ።

"ብዛዕባ ዝለዓለ ደረጃ ድልውነት ውግእ ሓይልታትና ዝዝረቡ ዘለው ነጺገዮም ኣለኹ፤ ምኽንያቱ ኣነ ነዚ ኣይፈረምኩን፤ ቅኑዕ’ውን ኣይኰነን። ፍርቂ ናይቲ ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ወርሒ ዝነበረና ሰራዊት'ውን የብልናን” ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ቁሸት ባንጅስካ ኣብ ዝርከብ ገዳም ኦርቶዶክስ ሰርብያ ኣብ ዝተፈጸመ ከበባ ሓደ ፖሊስ ኮሶቮን ሰለስተ ሰርብያውያን ዕጡቓትን ድሕሪ ምሟቶም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ውጥሪ ዓሪጉ።

መንግስቲ ኮሶቮ፡ መንግስቲ ሰርብያ ነቲ ፍጻመ ደጊፉ ክብል ከሲሱ።

ብዓርቢ ምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ቀንዲ ፖለቲካዊ ሰልፊ ኮሶቮ- ሰርብያ ዝዀነ ሰርብ ሚላን ራዶይቺች ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ከም ዝወደቦ ድሕሪ ምእማኑ ካብ ስልጣኑ ከም ዝለቐቐ ይፍለጥ።

እንተዀነ ካብ ሰርብያ ዝዀነ ሓገዝ ኣይረኸብኩን ኢሉ።

እዚ ግጭት ኣብ ኮሶቮ ንዓመታት ካብ ዘጋጠመ ከቢድ ምዕባለታት ሓደ ኰይኑ፡ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ወገናት ንኣዋርሕ ዝወሰደ ወጥሪ ስዒቡ ኣሎ።

ኣብ 1999 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ኮሶቭ ልዕሊ 13 ሽሕ ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1999 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ኮሶቭ ልዕሊ 13 ሽሕ ሰባት ሞይቶም

ድሕሪ ምብትታን ዩጎዝላቭያ ኣብ 1990ታት፡ ኮሶቮ - ሓንቲ ዞባ ዩጎዝላቪዝያ - ናጽነት ጠሊባ።

ሰርብያ ድማ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ኣልባንያ ኣረሜናዊ ጨፍጫፍ ብምፍጻም ምላሽ ሂባ።

እዚ ድማ ኣብ 1999 ኣብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሰነ ኣብ ልዕሊ ሰርብያ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኔቶ ተዛዚሙ።

ሓይልታት ሰርብያ ካብ ኮሶቮ ስሒቦም - ንብዙሓት ኣልባንያውያንን ሰርብያውያንን ኮሶቮ ግን እቲ ግጭት ተፈቲሑ ኣይፈልጥን።

ኮሶቮ ኣብ 2008 ናጽነታ እኳ እንተኣወጀት ሰርብያ ግን - ቀንዲ መሓዙት ሃገራት ቻይናን ሩስያን ሓዊሱ- ኣፍልጦ ኣይሃበታን።

ብዙሓት ሰርብያውያን ኮሶቮ ከም ትውልዲ ሃገሮም ይቖጽርዋ።

ካብቶም ኣብ ኮሶቮ ዝነብሩ 1.8 ሚልዮን ሰባት ግን 92% ብሄር ኣልባንያውያን ክዀኑ እንከለዉ፡ 6% ጥራይ ድማ ብሄር ሰርብያውያን እዮም።

ወጥሪ እናዓረገ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ሓላፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ብሓሙስ "ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ንምፍታሕ ተወሳኺ ሓይልታት ፍቓድ ሂቡ" ኢሉ።

ኔቶ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ሓይልታቱ ኣብታ ሃገር ከሐይል ንኻልኣይ ግዚኡ እዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ኣስታት 4,500 ብኔቶ ዝምራሕ ሓይሊ ኮሶቮ (KFor) ዓስኪሮም ኣለዉ።

ብዓርቢ ሚኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ 500 ክሳብ 650 ዝዀኑ ወተሃደራት ዝሓቖፈ ቦጦሎኒ ንኬፎር ከም ዘዳለወ ገሊጹ።

እቲ ሰራዊት ኣብ ቀረባ እዋን ንነዊሕ እዋን ንዝተሓሰበ ልምምድ ናብቲ ዞባ ከም ዝኣተወ ሓቢሩ።