ምጽጻይ ዓሌት ዝሰግኡ ኣርመንያውያን ይስደዱ ኣለው

ብዙሓት ናብ ቁሸት ኮርኒድዞር ክኣትዉ ጸኒሖም እዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP VIA GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት ናብ ቁሸት ኮርኒድዞር ክኣትዉ ጸኒሖም እዮም

ኣዘርባጃን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ኣካታዒ ዞባ ናጎርኖ -ካራባክ ድሕሪ ምቍጽጻራ፡ ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ዓሌት ኣርመንያ ካብቲ ከባቢ ይሃድሙ ኣለው።

ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 6,500 ሰባት ካብቲ መብዛሕትኦም ኣስታት 120 ሽሕ ዓሌት ኣርመንያ ዝነብሩሉ ከባቢ ናብ ኣርመንያ ሰጊሮም ኣለዉ።

እዚኦም፡ ኣብ የረቫን ዝርከብ መንግስቲ በቲ ውግእ ብዘይ መጽለሊ ዝተረፉ ሰባት ንምግዓዝ መደብ ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጹ እዮም ተበጊሶም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣርመንያ፡ ኣብቲ ዞባ ምጽጻይ ዓሌት “ይካየድ ኣሎ” ኢሉ ከም ዘጠንቀቐ ይዝከር።

ኒኮል ፓሺንያን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “እዚ ሕጂ'ዩ ዝፍጸም ዘሎ፤ እዚ ድማ ኣዝዩ ዘሕዝን ሓቂ'ዩ፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ንማሕበረሰብ ዓለም ክንላቦ ጸኒሕና ኢና” ኢሉ።

ኣዘርባጃን ነቶም ዓሌት ኣርመንያ ዳግማይ “ማዕረ ዜጋታት” ሃገራ ገይራ ከተወሃህዶም ከም እትደሊ ገሊጻ።

ኣብ ከተማ ካራባክ ኣብ መዐደሊ ነዳዲ ዝተፈጸመ ነትጒ ልዕሊ 200 ሰባት ብኸቢድ ከም ዝቝሰለ ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ከባቢ ጌጋም ስቴፓንያን ብኤክስ፡ (ትዊተር ነበር) ሓቢሩ።

ጠንቂ ናይቲ ነትጒ ግን እንታይ ምዃኑ ዛጊት ኣይተነጸረን።

ሰባት ክሃድሙ እንከለዉ፡ ኣብ ዶብ ኣርመንያ ብዙሕ ጻዕቂ ። ቢቢሲ ንገለ ካብቶም ትማሊ ሰንበት ናብታ ናብ ዶብ ካራባክ ቀረባ ዝዀነት ከተማ ጎሪስ ኣርመንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣዘራሪቡ።

“ምሉእ ህይወተይ ንዓደይ ኣወፍየዮ። እዚ ካብ ዝርኢ ግን እንተዝቐትሉኒ ምሓሸ” ይብል ሓደ ካብኣቶም።

ቬሮኒካ ዝተባህለት ጓል ኣንስተይቲ ብወገና፡ ንኻልኣይ ግዜኣ ስደተኛ ምዃና ገሊጻ። ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2020 እቲ ጐንጺ ኣብ ዝተልዓለሉ እዋን ተሰዲዳ ነይራ።

'ዋላ ሓንቲ የብልናን'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣውራ ጅራ ፍየሪ ጎሪስ ጻዕቂ ሰባት ኣለዎ።

ኣብ ጥቓኡ ዝርከብ ትያትር ናብ ማእከል ቀይሕ መስቀል ተቐይሩ።

ዶክተርን ሓላፊት ናይቲ ሕጂ ኣብ ጎሪስ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝሕግዝ ዘሎ ፋውንደሽን ሓካይምን ወለንተኛታትን ታቲያና ኦጋነስያን፡ ናብቶም ሓካይም ዝመጽኡ ሰባት ድኻም፡ ሕጽረት መግቢ ከም ዘለዎምን ስነልቦናኦም ከም ዝተሃሰየን ንቢቢሲ ገሊጻ።

“ሰባት ሰንቢዶም’ዮም ዘለው፡ ከኒና የድልየኒ ኣሎ፡ ሰማያዊ'ዩ ይብሉና ኣለዉ፡” ትብል።

ድሕሪኡ ሓካይም እቲ ዝወስድዎ ዝነበሩ መድሃኒት እንታይ ምዃኑ ክፈልጡ ኣለዎም።

ሓንቲ ገና ናብ ጎሪስ ዝኣተወት ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ። ካብ ገዛኣ ሒዛቶ ክትመጽእ ዝኸኣለት ሓደ ጐልፎ ጥራይ ምዃኑ ብኣጻብዕታ እናመላኸተት፡ “ዋላ ሓንቲ የብልናን” ትብል

ወዳ ኣብ ጥቓኣ ምርኩስ ሒዙ ይርአ።

ኣብታ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ እትርከብ ቁሸት ኮርኒድዞር ዝኣተው ስደተኛታት፡ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ኣዘርባጃን ውሕስና ክንረክብ ኢና ዝብል እምነት ከም ዘይብሎምን፡ ንሓዋሩ ናብ ሃገና ክንምለስ ኢና ዝብል ትጽቢት ከም ዘይነበሮምን ይገልጹ።

መንግስቲ ኣርመንያ ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣማኢት ካብቶም ስደተኛታት ድሮ ብመንግስቲ ዝምወል ኣባይቲ ከም ዝተዋህቦም ሓቢሩ።

እታ ሃገር ከጋጥማ ንዝኽእል ዋሕዚ ሰባት ብኸመይ ክትኣልዮ ከም እትኽእል ግን ንጹር ውጥን ኣይዘርግሐትን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፓሺንያን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክሳብ 40 ሽሕ ስደተኛታት ንምቕባል መደባት ተታሒዙ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣርመንያውያን ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ዕቑባ ንምሕታት ድልዋት ምዃኖም ገሊጾም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ድሕሪ’ቲ ዳሕረዋይ ተቓውሞታት መንግስቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ከተማ የረቫን ልዕሊ 140 ሰባት ከም ዝተኣስሩ ማዕከናት ዜና'ታ ሃገር ንሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብምጥቃስ ጸብጺበን።

ማዕከን ዜና ታስ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣብ ከተማ የረቫን ጽርግያታት ዝዓጸዉ ሰልፈኛታት ምእሳር ጀሚሮም ኣለው ኢላ።

ፖሊስ፡ ኣብቲ ኣብያተ ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከበሉ ቀንዲ ህንጻ መንግስቲ ሰይሮም ንምእታው ዝፍትኑ ዝነበሩ ተቓወምቲ ደው ንምባል ተዋፊሩ’ዩ።

ነበርቲ እታ ከተማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ነቲ ኣብ ናጎርኖ-ካራባክ ዘጋጠመ ቅልውላው ዝነበሮ ኣተኣላልያ ዝምልከት ተቓውሞታት ጀሚሮም ኣለው።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፓሺንያን ንኣዘርባጃን ብዙሕ ሕድገታት ብምሃብ ተኸሲሱ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ድማ ይጽውዑ።

ኣብቲ ግዝኣት ዝርከቡ ተገንጸልቲ ሓይልታት ኣርመንያ፡ ድሕሪ’ቲ ከም በርቂ ዝቐልጠፈ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣዘርባጃን ትማሊ ረቡዕ ዕጥቆም ክፈትሑ ተሰማሚዖም።

ኣርመንያ ብተደጋጋሚ ካብቲ ዞባ ዘጋጥም ስደት ሓላፍነት ሰበስልጣን ኣዘርባጃን ክኸውን እዩ ክትብል ጸኒሓ።

ፓሺንያን ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣዘርባጃን “ሓቀኛ ኵነታት መነባብሮ”ን “ኣንጻር ምጽጻይ ዓሌታት ዝከላኸል ውጽኢታዊ ኣገባባትን” እንተዘይኣቕሪባ፡ ብዙሓት ኣብ ውሽጢ እቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት “ካብ ዓዶም ምስጓግ ከም እንኮ መውጽኢ መንገዲ ክርእዩ እዮም” ኢሉ።

መንግስቲ፡ “ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ብፍቕሪ ክቕበል” ድሉው ምዃኑ ደጊሙ ገሊጹ።

ኣማኻሪ መራሒ ዓሌት ኣርመንያ ናጎርኖ-ካራባክ ሳምቨል ሻህራማንያን ዝዀነ ደቪድ ባባያን ግን ዳርጋ ኵሉ ሰብ ክወጽእ ትጽቢት ከም ዘለዎ ንሮይተርስ ገሊጹ።

ህዝቡ “ኣካል ኣዘርባጃን ኰይኑ ክነብር ኣይደልን - 99.9% ካብ ታሪኻዊ መሬትና ክወጽእ ይመርጽ” ኢሉ።

“ዕጫ ድኻ ህዝብና ንህዝቢ ኣርመንያን ንመላእ ስልጡን ዓለምን ከም ውርደትን ነውርን ኰይኑ ኣብ ታሪኽ ክሰፍር'ዩ። እቶም ንዕጫና ተሓተትቲ ዝዀኑ ድማ ሓደ መዓልቲ ንሓጢኣቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክምልሱ ክግደዱ እዮም” ኢሉ።

ናጎርኖ-ካራባክ፡ ኣብ ደቡባዊ ካውካሰስ ዝርከብ ኣኽራናዊ ዞባ፡ ብደረጃ ዓለም ከም ኣካል ኣዘርባጃን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ን30 ዓመታት ግን ዓሌት ኣርመንያ ተቘጻጺሮምዎ ጸኒሖም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰራዊት ኣዘርባጃን ኣብ ዝኣተወሉ እዋን ሓሙሽተ ዓቃብ ሰላም ሩስያ - ምስ ብውሑዱ 200 ዓሌት ኣርመንያን ዓሰርተታት ወተሃደራት ኣዘርባጃንን ተቐቲሎም።

ትማሊ ሰንበት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣዘርባጃን፡ ብዝሒ ዘለዎም ሮኬታት፡ መዳፍዕ፡ ነተጕትን ተተኮስትን ዝኣመሰሉ ተወሳኽቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከም ዝወሰደ ገሊጹ።

ተገንጸልቲ፡ ተዅሲ ደው ምባል ካብ ዝቕበሉን ዕጥቈም ክፈትሑ ካብ ዝሰማምዑን ንደሓር፡ ክሳብ ሕጂ ሓንቲ 70 ቶን መግቢ ዝሓዘት መብጽሒት ሃገዝ ጥራይ እያ ተፈቒዳ።

መራሕቲ ዓሌት ኣርመንያ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብዘይ መግቢ ወይ መጽለሊ ኣብ መሬት፡ ህንጻ ኣብያተ ትምህርቲ ይኹን ኣብ ግዳም ይድቅሱ ከምዘለዉ ይዛረቡ።