ተቓወምቲ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ይግስግሱ ኣለዉ

ዕጡቓት ኤም23 ናብታ ከተማ ብዘይ ዝዀነ ተቓውሞ'ዮም ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ኤም23 ናብታ ከተማ ብዘይ ዝዀነ ተቓውሞ'ዮም ኣትዮም

ብርዋንዳ ከም ዝድገፉ ዝንገረሎም ተቓወምቲ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኤም 23፡ ትማሊ ሰንበት ብዘይ ዝዀነ ተቓውሞ ንኸተማ ቡካቩ ተቘጻጺሮምዋ።

እዛ ከተማ ኣብ ምብራቕ ደሞክራስያዊት ኮንጎ ብግዝፋ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ ኰይና፡ ርእሰ ከተማ ዞባ ደቡብ ኬቩ'ያ።

ኤም 23 ናብታ ከተማ ኣብ ዝኣተዉላ፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ጐደናታት ወጺኦም ብሓጐስ ከም ዝተቐበልዎም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተዘርግሐ ቪድዮታት የርኢ።

ዕጡቓት ኤም 23፡ ነታ ብማዕድናት ሃብታም ዝዀነት ከተማ ጎማ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ድሕሪ ምቍጽጻሮም'ዮም ንደቡብ ሸነኽ ብምግስጋስ ንኸተማ ቡካቩ ተቘጻጺሮምዋ ዘለዉ።

መንግስቲ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ'ውን እታ ከተማ ኣብ ኢድ ኤም 23 ከም ዝኣተወት ብምእማን፡ ሰባት ዒላማ እቶም "ነታ ከተማ ዝሓዝዋ ሓይልታት ንኸይኰኑ" ኣብ ገገዛኦም ንኽጸንሑ ኣተሓሳሲቡ።

ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን፡ እቲ ኣማኢት ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ንኽፈናቐሉ ምኽንያት ኰይኑ ዘሎ ኲናት፡ ናብ ዞባዊ ኲናት ከይዓርግ ስግኣቶም ገሊጾም ኣለዉ።

ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ተቐማጢ ከተማ ቡካቩ፡ ብሰንበት ነባሪ እታ ከተማ ፈሪሑ ኣብ ገዛኡ ተሸጒጡ ከም ዝውዓለ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር "ካብ ትማሊ [ቀዳም] ጀሚሮም መንእሰያትን ቈልዑን ብረት ካብ መኻዚኖታት ናይ መንግስቲ ወሲዶም ፈቐድኡ ክትኵሱ ውዒሎም፣ ስርቂ ፈቐድኡ'ዩ ዘሎ፡" ኢሉ።

"ሎሚ ንግሆ [ሰንበት] ኤም 23 ናብታ ከተማ ምስ ኣተዉ ሰብ ብሓጐስ ተቐቢልዎም። እቲ ህዝቢ ክቐበሎም ናብ ጐደና ዝወጽኣሉ ግን ካብ ፍርሒ ተበጊሱ ድዩ ዋላ ሰብመዚ እታ ሃገር ኣብታ ከተማ ስለ ዘየለዉ ክፍለጥ ኣይክእልን'የ። ኣብዚ ዝነብረሉ ከባቢ ግን እቲ ተዅሲ ገና ኣየቋረጸን ዘሎ፡" ኢሉ።

ኤም 23 ብዓርቢ ነቲ ካብታ ከተማ 30 ኪሎሜተር ንሸነኽ ሰሜን ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ቡካቩ ተቘጻጺሮምዋ፡ ካብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ብምብጋስ ከኣ ናብታ ከተማ ገጾም ክግስግሱ ጀሚሮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ጅን ጃኪስ ፕሩሲ ሳዲኪ እታ ከተማ ብሰንበት ኣብ ኢድ ኤም23 ከም ዝኣተወት ንሮይተርስ ክሕብር እንከሎ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ውሽጢ ከተማ ዝግበር ኲናት ዕንወት ከስዕብ ከም ዝኽእል ብምግንዛብ ካብታ ከተማ ከም ዝወጽአ'ዩ ኣረዲኡ።

ሰራዊት መንግስቲ ካብታ ከተማ ብቐዳም ምስ ወጽአ፡ እታ ከተማ መንግስቲ ኣልቦ ኰይና ስርቂ ብብዝሒ ከም ዝተረኣየን፡ እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ሰይሮም ከም ዝሃደሙን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ውድብ መግቢ ዓለም ኣብታ ከተማ ኣብ መኻዚኖ ዝነበረ ኣስታት 7 ሽሕ ቶን ንረድኤት ዝተዳለወ እኽሊ ከም ዝተሰርቀ ገሊጹ።

እታ ኣስታት ክልተ ሚልዮን ነበርቲ ዘለዉዋ ኣብ ደቡብ ቀላይ ኬቩ ትርከብን ምስ ርዋንዳ ትዳወብን ከተማ ቀንዲ መተሓላለፊት ባህላውያን ዓደንቲ እቲ ከባቢ'ያ።

ኤም 23 ኣብ መጀመርታ 2021 ጀሚሮም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ትርር ዝበለ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ካብ ዝጅምሩ፡ ኣብዚ እዋን ንፕረዚደንት ፍሊክስ ትሽሰከዲ ድቃስ ከልኢዎ ይርከብ፣ እቲ ምስፍሕፈሖም ክሳብ ኣበይ ክቕጽል ይኽእል'ውን ክግመት ዝኽእል ኣይኰነን።

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፓትሪክ ሙያያ፡ ርዋንዳ ንግዝኣታዊ ሓድነት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብምግሃስ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ትፍጸም ከም ዘላ ገሊጹ።

መንግስቲ ደሞክራስያዊት ኮንጎ፡ ንርዋንዳ ሰራዊታ ኣዋፊራ ኣብታ ሃገር ዕግርገር ብምፍጣር ንባህርያዊ ሃብቲ ኮንጎ ትምዝምዞ ኣላ ብምባል'ያ ትኸሳ። ርዋንዳ ግን ነዚ ክሲ እዚ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ'ያ።

ፕረዚደንት ፍሊክስ ትሽሰከዲ፡ ቀንዲ ኣበጋሲ ናይዚ ተኸሲቱ ዘሎ ዕግርግር ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ'ዩ ብምባል፡ ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ክንበር ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ'ዩ።

ፖል ካጋመ ብወገኑ ንኽሲ ኮንጎ ብምንጻግ፡ ድሕነትን ጸጥታን ርዋንዳ ኣብ ቅድሚት ዝስራሕ ከም ዝዀነ'ዩ ደጋጊሙ ክገልጽ ጸኒሑ።

ብዘይካ እዚ ፖል ካጋመ፡ መንግስቲ ኮንጎ፡ ነቶም ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዓስኪሮም ዝርከቡን ርዋንዳ ከም ስግኣት ተቘጽሮሙን ተቓወምቲ ኤፍኤልዲኣር ኣብ ምውጋድ ድኽመታት ኣርእዮም'ዮም ብምባል ይኸሶም'ዩ።

ኤፍኤልዲኣር መብዛሕትኦም ዓሌት ሁቲ ኰይኖም፡ መንግስቲ ርዋንዳ ኣብቲ ኣብ 1994 ዝተኻየደ ዓሌታዊ ምጽናት ርዋንዳ ዝተሳተፉ ኣባላት ኣለዉዎም ብምባል ይኸሶም'ዩ።

ኣብ 1994 ሁቲ ኣብ ልዕሊ ቱትሲ ብዝፈጸምዎ ዓሌታዊ ምጽናት ኣብ 100 መዓልታት ኣስታት 800 ሽሕ ዓሌት ቱትሲ ከም ዝተቐትሉ ይግለጽ።

ወተሃደራት ኤም23 መብዛሕትኦም ካብ ዓሌት ቱትሲ ኰይኖም፡ ብሰንበት ናብ ከተማ ቡካቩ ኣብ ዝኣተውሉ ላዕለዋይ ኣዛዚ እቶም ዕጡቓት በርናልድ ብያሙንጉ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኰይኑ ንሕቶታቶም ብቛንቋ ስዋሂሊ እናመለሰሎም እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ።

ንሱ እቶም ኣብ ገዛውቲ ተሓቢኦም ዘለዉ ሰራዊት መንግስቲ ኢዶም ክህቡ ብምጽዋዕ፡ መንግስቲ ዘዋፈሮም መንእሰያት ኣብታ ከተማ ኣብ ስርቂ ተዋፊሮም ከም ዝጸንሑ ከሲሱ።

ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስሩዕ ኣኼባ ዘካየደ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዕጡቓት ኤም 23 ብረቶም ከውርዱ ተማሕጺኑ።