ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ዩጋንዳ ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣዛዚ ሓይሊ ምድርን ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳን ዝኾነ ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣለየ ተፈሊጡ’ሎ።
ይኹን እምበር ኣብ ሰራዊት ዩጋንዳ ዝለዓለ መዓርግ ዝኾነ ሽመት ምሉእ ጀነራል ረኺቡ እዩ።
ኣብ ፍሉይ ስርሒታት ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ ኮይኑ ከምዝቐጽል’ውን ተሓቢሩ።
እቲ ጀነራል ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ንኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዛዕባ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝህቦ ርእይቶታት ኣዘራራቢ ኮይኑ እዩ ቀንዩ።
እንተኾነ ግና እቲ ካብ ስልጣኑ ምእላዩ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዘርግሖ ርእይቶ ቀጥታዊ ርክብ እንተለዎ ንጹር ኣይኮነን።
ኣብ ሶማልያ ዝነበሩ ልኡኽ ሰራዊት ኡጋንዳ ዝመርሐን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ምስ ዝርከቡ ዓመጽቲ ሕብረት ዲሞክራስያዊ ግንባር (Allied Democratic Front) ዝዋጋእ ዘሎ ጕጅለ ዝመርሕ ጀነራል ካያንጃ ሙሃንጋ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ምድር ኮይኑ ተመዚዙ'ሎ።
ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ንትግራይን ኬንያን ዝመልከቱ ኣካታዕን ኣዘራረብትን ጽሑፋት ክዝርግሕ ከምዝጸንሐ ይዝከር።
እቲ ጀነራል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ትዊተር፡ ንሓይልታት ትግራይ ከምዝድግፍ ዝገልጽ ጽሑፍ ለጢፉ ነይሩ።
እንተዀነ ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ዩጋንዳ ኣብ ወርሒ ሓምለ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ጽሑፍ ንምክልኻል ዩጋንዳ ከምዘይውክል ብምሕባር ውልቃዊ ርእይቶኡ ከምዝዀነ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
እቲ ጀነራል ሕጂ’ውን ንትግራይን ኬንያን ንካልኦት መራሕቲ ሃገራትን ዝምልከቱ ጹሕፋት ምዝርግሑ ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ።
ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ፡ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ንምቁጽጻር ንዕኡን ንሰራዊቱን ክልተ ሰሙን ጥራይ ከምዝወስደሎም ብሰኑይ ኣብ ትዊተሩ ዘስፈሮ ጽሑፍ ድማ ኣብ ልዕሊ ኬንያውያን ቅረታ ኣልዒሉ ኣሎ።
ብዛዕባ ኢትዮጵያ
ሰንበት 22 መስከረም 2015 ዓ.ም (ግእዝ) ኣብ ትዊተር ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ትግራይ ኩሉ ግዜ ኣብ ልበይ እያ ዘላ! ንትግራይ ከፍቅርን ክሕልዋን ካብ ፈጣሪይ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበኒ ትእዛዝ እዩ" ኢሉ።
እቲ ወዲ 48 ዓመት ጀነራል ድሕሪ ዝተወሰኑ ሰዓታት ድማ "ሚኒሊክ ዳግማዊ ኣቦሓጎና እዩ። ኢትዮጵያ ኣካል ምብራቕ ኣፍሪቃ እያ። ክትዓኑ ኣይንፈቅድን። ንኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነፍቅር!" ኢሉ ካልእ ጽሑፍ ዘርጊሑ።
ነዚ ስዒቡ ብፍላይ ኣብ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያውያን መዛረቢ ከምዝኾነ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ዝዝርግሑ ጽሑፋት የመልክቱ።
እቲ ጀነራል ኣብ ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ንሓይልታት ትግራይ ከምዝድግፍ ኣብ ትዊተር፡ "ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ . . . ነቲ ዕላማኹም ይድግፎ እየ። ንተጋሩ ኣሓትና ዝደፈሩን ንኣሕዋትና ዝቐተሉን ክቕፅዑ ኣለዎም" ክብል ከምዝጸሓፈ ይዝከር።
ኮይኑ ግን መንግስቲ ኡጋንዳ፡ እቲ ርእይቶ ናይቲ ጀነራል ከምዝኾነን ንመርገጺ ሰራዊት ዩጋንዳ ከምዘይውክልን መግለጺ ኣውጺኡ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ በቲ ጽሑፍ ቅረትኡ ዝገለጸ ዂይኑ፡ እቲ ጀነራል ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሃገሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ኣካይዱ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ እውን ከምዝተራኸበ ይዝረብ።
ብዛዕባ ኬንያ
እቲ ነኣቡኡ ዮወሪ ሙሰቨኒ ብምትካእ ቀጻሊ መራሒ ኡጋንዳ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ጀነራል ካብ ትማሊ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኬንያውያን’ውን ኣዘራርቢ ኮይኑ’ሎ።
"ኣነን ሰራዊተይን ንርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ንምሓዝ ክልተ ሰሙን ይኣኽለና'ዩ" ኢሉ።
“ሰራዊትና ንናይሮቢ ምስ ሓዘ ኣበይ ምንባር ክጅምር ኣለኒ? ዌስትላንድስ ድዩ ወይስ ሪቨርሳይድ?” ክብል ኣብ ናይሮቢ ዝርከቡ ከባቢታት ብምጥቃስ ኣብ ትዊተር ገጹዝዘርግሖ ጽሑፍ ንኬንያውያን ዘሐጎሰ ኣይነበረን።።
ብቲ ጽሑፍ ዝተቖጥዑ ኬንያውያን ሙሰቨኒ ዝለበሶ ክዳን ብምጥቃስ "መጀመርታ ሰፋይ ክዳን ኣቦኻ ተቖጻጸር" ብምባል መልሲ ሂቦም።
ብተወሳኺ ኬንያውያን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነቲ ጀነራል ክነቕፍዎ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ገሊኦም ግን እቲ ጀነራል ስልጣን ኣቡኡ እንተሒዙ፡ ንሃገሮም ስግኣት ክኾኑ ከምዝኽእል ጽሒፎም ኣለዉ።
ካልኦት ድማ ኣብ መንጎ ኬንያን ኡጋንዳን ንዘሎ ዲሞክራሲ ብምንጽጻር፡ ስድራቤት ሙሰቨኒ ኡጋንዳውያን ዲሞክራሲ ከይረኽቡ ገይሮም ብምባል ነቒፎም።
መንግስቲ ኬንያ ይኹን ሰበስልጣን ኡጋንዳ ግን ብዛዕባ እቲ ጀነራል ዝሃቦ ርእይቶ ብወግዒ ርእይቶ ኣይሃቡን።
እቲ ጀነራል በዚ ከይተገደበ ንፕረዚደንት ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ዝምልከት ጽሑፍ’ውን ዘርጊሑ እዩ።
“ምስቲ ዝፈትዎ ዓቢ ሓወይ ዘለኒ እንኮ ጸገም ንሳልሳይ ዙር ዘይምውድዳሩ እዩ። ብቐሊሉ ክንዕወት ንኽእል ኔርና" ክብል ጽሒፉ።
ብመሰረት ቅዋም ኬንያ ሓደ ፕረዚደንት ክልተ እዋን ጥራይ እዩ ከገልግል ዝኽእል። ብመሰረት እዚ ኡሁሩ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ከይተሳተፈ ካብ ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ይዝከር።
ብዛዕባ ጣልያን
ኣዛዚ ሰራዊት ኡጋንዳ ኣብ ቐጻሊ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጣልያን ክትከውን ትጽቢት ዝግበራላ ጓል ኣንስተይቲ ፖሊቲከኛ ጂዮርጂ ሜሎኒ ዝምልከት ካልእ ኣዘራራቢ ጽሑፍ ዘርጊሑ እዩ።
ኣብቲ ናይ ትዊተር ጽሑፉ "ንቀጻሊት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ጣልያን ክንደይ ከብቲ ክትህቡ ትኽእሉ?" ኢሉ ይሓትት።
ወሲኹ’ውን “ኣውሮጳውያንነተን ዝፈትውወን ኣንስቲ ዕምባባ ይህብወን።ኣብ ባህሊ ሃገረይ ግን ነተን ንፈትወን ኣንስቲ ከብቲ ኢና ንህበን" ክብል ስእሊ ገዚፍ ቀርኒ ዘለወን ከብቲ ገይሩ ኣብ ትዊተርዘርጊሑ።
ቅድሚ ሕጂ፡ ኣምባሳደር ጣልያን ኣብ ኡጋንዳ፡ ዋጋ ገዝሚ ክደራደር ከምሽማግለ ከም ዝመረጸ ጽሒፉ ከምዝነበረ ተጸብጺቡ ነይሩ።
ግን ንምንታይ?
እቲ ኣዛዚ ሓይሊ ምድርን ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳን ዝኾነ ጀነራል ሙሆዚ ካይነሩጋባ ዝህቦ ርእይቶ ኣዘራራቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ ቁጥዐ ይፈጥር ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ ትዊተር ብዝሃቦ ኣካታዕን ፖለቲካዊ ርእይቶታት ብዙሕ ተኸታተልቲ ይረክብ ኣሎ። በዚ መንጽር፡ ዕላምኡ ኣዘራራቢ ብምዃን ብርክት ዝበሉ ተኸታተልቲ ምርካብ እዩ ዝብሉ ሰባት ኣለዉ።
መንግስቲ ኡጋንዳ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ትዊተር ናይቲ ጀነራል ስቕ ክብል ይመርጽ። ሓደ ሓደ ግዜ ግን ርእይቶ ናይቲ ጀነራል ርእይቶ ናይ ሓደ ውልቀሰብ እምበር መርገጺ መንግስቲ እታ ሃገር ከምዘይኮነ ይገልጽ።
ንኣብነት ነቲ ንኬንያ ዝምልከት ርእይቶ፡ ምላሽ ዝሃበሉ ይመስል። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኡጋንዳ፡ ሰሉስ መስከረም 24/2015 ዓ.ም. ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ “ጎረቤት ኣሕዋትና" ኬንያ "ዘሎ ድልዱል ክልተኣዊ ዝምድና" ነኽብር ኢና ይብል።
ዩጋንዳ፡ ምስ ዝኾነት ሃገር ብማሕበራዊ መራኸቢታት ወግዓዊ ርክብ ከምዘይትገብር እውን እቲ መግለጺ ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







