ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ስዑዲ-ኣፍሪቃ እንታይ ዝዓለመ'ዩ?

መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስ ንጉስ ሳልማን ኣብ መስከረም 2018፡ ጂዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣፍሪቃ ኣብቲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ተዳልዎ ዘላ ዋዕላ ንምስታፍ ናብ ርእሰከተማ ሪያድ ክውሕዙ ጀሚሮም ኣለዉ።

ዛጊት ኣብቲ ሎሚ 10 ሕደር ዝጅምር ኣኼባ ንምስታፍ ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ኣሕመድ ቲኑቡ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ፕረዚደንት ማላዊ ላዛረስ ቻክዌራን ዝርከብዎም መራሕቲ ድሮ ናብ ከተማ ሪያድ ኣትዮም ኣለዉ።

እቲ ኣኼባ ሃገራት ዓረብ-ኣፍሪቃ ከተአንግድ ክትዳሎ ዝቐነየት ስዑዲ፡ ብሰንኪ ኵነታት እስራኤልን ቓዛን እቲ ዋዕላ ብምስራዝ'ያ በይና ንመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ከተአንግድ ወሲና ዘላ።

እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ቍጠባዊ ተገዳስነት

ማካ፡ ስዑዲ ዓረብ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ ፈላሚ ዋዕላ፡ እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ንግስነት ኣብታ ብባህርያዊ ጸጋታት ዝተዓደለት ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘለዋ ተገዳስነትን ረብሓታትን ዝእምት እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ቍጠባዊ ምትእስሳር ስዑዲ ዓረብን ኣፍሪቃን እናዓበየ ክመጽእ ምጽንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብ መንጐ እታ ሃገርን ኣፍሪቃን ዘሎ ንግዳዊ ምልውዋጥ ልዕሊ 18 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ምዃኑ ትካል ፕረስ ስዑዲ ይጠቅስ።

ካብዚ እቲ ልዕሊ 13 ቢልዮን ብሰደድ ናብ ኣፍሪቃ ዝኣተወ ክኸውን እንከሎ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ኣስታት 5 ቢልዮን ዝግመት ፍርያት ናብታ ንግስነት ሰዲደን።

ስዑዲ ከም ሓጺን፡ ፕላስቲክ፡ ዝተፈላለዩ ባህርያዊን ዘይባህርያውን ቀመማትን ዘመናዊ ድዅዒን ዝበሉ ንግዳዊ ፍርያት ትሰድድ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሃገራት ኣፍሪቃ ብወገነን፡ ኮፐር፡ ስርሓት ሓጺን፡ ፍሩታታት፡ ቡን፡ ቆጽሊ ሻሂን ቀመማትን ዝርከብዎም ፍርያተን ናብ ስግር ቀይሕ ባሕሪ ይልእካ።

ኣስታት 50 ዝዀና ኩባንያታት ስዑዲ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ጸዓት፡ መግብን መስተታትን፡ ኣብ ንግዳዊን ፋይናንስያዊ ኣግልግሎታት ተዋፊረን ከምዘለዋ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካየደቶ ወፍሪ ልዕሊ 12 ቢልዮን ዶላር ይግመት።

እታ ኣባል ሃገራት ጕጅለ-20 ዝዀነት ንግስነት፡ ብመንገዲ እቲ ንቝጠባዊ ምዕባለ ዓለም ንምድንፋዕ ዝቈመ ምትእኽኻብ ኣቢላ ን38 ዝደኸያ ሃገራት ኣፍሪቃ ልዕሊ 5 ቢልዮን ዝግመት ዕዳ ክቃለለን ከምዝገበረት ትገልጽ።

እታ ቍጠባኣ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ነዳዲ ዝተሞርኮሰ ንግስነት፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ካልኦት ምንጭታት ኣታዊ ንምስፋሕን ወፍሪ ንምስሓብን፡ ዝተፈላለየ ቍጠባዊን ማሕበራዊን ለውጥታት ክትገብር ትርአ'ላ።

በዚ መንጽር፡ ኣብታ ቅልጡፍ ቍጠባዊ ዕብየት ተርኢ ዘላን፡ ብዘለዋ ብዝሒ ህዝቢ ዓቢ ዕዳጋ ዝዀነትን ብባህርያዊ ጸጋታት ዝመልአትን ኣህጕር ኣፍሪቃ ከተቋምት ምጅማራ ዘገርም ኣይኰነን።

ቻይና፡ ጃፓን፡ ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ህንድን ሩስያን'ውን ተመሳሳሊ ዋዕላታት መራሕቲ ኣፍሪቃ ብምውዳብ፡ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዎም ምትእስሳራትን ምሕዝነታትን ንምድንፋዕ ዳምዳም ክብሉ ጸኒሖም'ዮም።

ስዑድያ፡ ብመንገዲ እዚ ኣብ ሪያድ ዝጋባእ ዋዕላ፡ ነቲ ብዓለም ደረጃ ዝካየድ ዘሎ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጸጋን ውሽጣዊ ዓቕምታት ክትጥቀም ዘኽእል ጻዕርታት ከተሐይል ከምእትደሊ ገሊጻ'ላ።

'እታ ንግስነት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዘለዋ እወታዊ ጽልዋ ዝፈጠረ ወፍርታትን ልምዓታዊ ፕሮጀክትታትን ቍጠባዊን ማሕበራዊን ብልጫታት' ምስተን ሃገራት ክትደጋገፍ ዘለዋ ተስፋ ኣሚታ'ላ።

ምስተን ሃገራት ዘለዋ ማሕበራዊ ምትእስሳራት ንምድንፋዕ ብእትህቦ ናይ ማህደረ-ትምህርቲ ዕድላት'ውን ካብ 49 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ 2,795 ተምሃሮ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት እታ ንግስነት ተማሂሮም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ፡ 3,956 ስዑዳውያን ኣብ ዝተፈላለያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣፍሪቃ ከምዝተማህሩ ጸብጻባት እታ ሃገር ይጠቕሱ።

ጸጥታዊ ምትእስሳራት

ወተሃደራዊ ልምምድ

ምንጪ ስእሊ, MOD/EGYPT

መግለጺ ስእሊ, ግብጺ ዝተሳተፈቶ ወተሃደራዊ ልምምድ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ'ቲ ካብ 2011 ኣትሒዙ ኣብ የመን ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ቅልውላውን፡ ኣብ 2015 ናብ ደማዊ ግጭት ዝማዕበለን ኵነታት ምስ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ክትሻረኽ ተራእያ እያ።

ኣብቲ ንሳ እትመርሖ ኣንጻር ዕጡቓት ሑቲ ዝዋጋእ ዝነበረ ወተሃደራዊ ኪዳን፡ ሱዳንን ግብጽን ዝርከበአን ሃገራት ኣፍሪቃ ተሳቲፈን ምንባረን ይዝከር።

ሱዳን፡ ካብ ሃገራዊ ሰራዊትን እቶም ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ወተሃደራት ሰዲዳ ነይራ'ያ።

ኤርትራ'ውን ነቲ ስዑዲ ኣብ የመን ተካይዶ ዝነበረት ምትእትታዋት ብምድጋፍ፡ ንመሻርኽታ ዝነበረት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ከባቢ ዓሰብ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትሃንጽ ኣፍቂዳትላ ነይራ።

"እታ ንግስነት፡ ጸጥታን ምርግጋእን ኣብ ምንጋስ፡ ግጭታት ኣብ ምፍታሕ፡ ጥሩፍነትን ኣሸበርቲ ጉጅለታትን ኣብ ምቅላስ፡ ከምኡ'ውን ጸጥታዊ ዓቕሚ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምሕያልን ዝግበር ዓለምለኻዊን ዞባዊን ጻዕርታት ኣገዳሲ ተራ ትጻወት'ያ" ይብል እቲ ብኣጋጣሚ ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ዝወጸ መግለጺ ስዑዲ።

እታ ሃገር ነቲ ካብ ክፍላ ሚያዝያ ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት-ሓድሕድ ሱዳን ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክትሰርሕ ጸኒሓያ።

ዋላ'ኳ ሰራዊት ሱዳንን ብጀነራል ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታትን ውግእ ይቕጽሉ እንተለዉ፡ ብወኪላቶም ኣብ ጂዳ ይዘራረቡ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

እታ ኣብቲ ናይ 2018 ንክልቲአን ሃገራት ናይ 20 ዓመታት ኵነተ-ኲናት ከምዘብቅዕ ዝገበረ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢድ ከምዝነበራ ክትግለጽ ዝጸንሐት ስዑዲ፡ ንተራኣ ኣብቲ መስርሕ መርኣያ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዋ ሽርክነት ምዃኑ ኣብ ክሊ'ዚ ዋዕላ ገሊጻ'ላ።

"ንኣብነት፡ እቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተፈረመ ስምምዕ ጂዳ፡ ውጽኢት ናይቲ [ንግስነት ስዑዲ ዓረብ] እትገብሮ ጻዕርታት እዩ።"

ብ17 መስከረም 2018፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ድሕሪ'ቲ ኣብ ሓምለ ኣብ ኣስመራ ዝኸተምዎ 'ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን' ናብ ስዑዲ ብምኻድ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣ'ስዑድ፡ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝን ኣብ ዝተረኽብሉ ሓድሽ ስምምዕ ሰላም ምፍራሞም ይዝከር።

ብዘይካ'ዚ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ጸጥታ ናይቲ ኣገዳሲ መስመር ንግዲ ዝዀነ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ንምውሓስ ምስ ሃገራት እቲ ዞባ ክትላዘብ ጸኒሓ'ያ።

ኣብ ሚያዝያ 2019፡ ንኤርትራ፡ ጂቡቲ፡ ሱዳንን ሶማልያን ዘጠቓለለ ዋዕላ ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ኣአንጊዳ ነይራ።

እተን ሃገራት ኣብ 2020፡ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ክምስርታ ተሰማሚዐን ምንባረን ይዝከር።

ቀንዲ ሻቕሎት ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ እታ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ቀንዲ መቐናቕንታ ዝዀነት ኢራን ብመንገዲ የመናውያን ዕጡቓት ሑቲ ኣቢላ ኣብቲ ከባቢ መትከል እግሪ ከይትረክብ'ዩ።

ጉዳይ ሽበራን ቅርሰናን'ውን ንስዑዲን ንካልእ ዓለምን ዘየቕስን ሓደገኛን ስግኣት መስመር ንግዲ ቀይሕ ባሕርን፡ ወሽመጥ ዓደንን እዩ።

ግጭት እስራኤልን-ሓማስን ዝህልዎ ጽልዋ

ኣኼባ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን

ምንጪ ስእሊ, @hawelti

መግለጺ ስእሊ, ኣኼባ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን

እታ ንመበል 5ይ ሓፈሻዊ ዋዕላ ዓረብን-ኣፍሪቃን ክትዳሎ ዝጸንሐት ስዑዲ፡ ብሰንኪ ጉዳይ ግጭት እስራኤልን-ሓማስን ኣብ መንጐ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ ነቲ ዋዕላ ክትስርዞ ከምዝወሰነት ኣፍሊጣ'ላ።

"እቲ ኣብቲ ዞባ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ነቲ ኣብ መንጐ ዓረብን ኣፍሪቃን ዘሎ ሽርክነት ከይጸልዎ ምእንቲ፡ ምስ ሰክረታርያት ማሕበር ሃገራት ዓረብን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ብምውህሃድ" እቲ ኣብ ልምዓትን ቍጠባዊ ጉዳያትን ዘተኮረ ኣኼባ ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተወንዘፈ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ይገልጽ።

ብዛዕባ'ቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ኵነታት ንምዝርራብ ዋዕላታት ሃገራት ዓረብን ሃገራት ኣስላምን ክካየድ ምዃኑ'ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

ኣብ ክንድ'ቲ ብሕብረት ኣፍሪቃን ማሕበር ሃገራት ዓረብን ክካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ኣኼባ፡ ነዚ ፈላሚ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ርእሳ ክኢላ ከተካይዶ ምውሳና፡ ንደገፍ ኣፍሪቃ ንምኽሳብ ወይ ንሃገራት ኣፍሪቃ ንዘይምቕያም ዝገበረቶ ከይኮነ ከምዘይተርፍ ይግመት።