ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝገብሮ ሓገዝ ዳግማይ ጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ናብ ኢትዮጵያ ወሳኒ ሓገዝ ምግቢ ምልኣኽ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ሓንቲ ክልል እታ ሃገር ቀረብ ረድኤት ዳግማይ ክጅምር ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብታ ንኣስታት ክልተ ዓመት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ዝጸንሐት ትግራይ፡ ብሓድሽ መስርሕ ክትትል ተወሳኺ ቀረብ ተጀሚሩ ምህላዉ ኣፍሊጡ።
ኣብታ ክልል ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ነበርቲ እቶም ሓሙሽተ ሚልዮን ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም ከምዘለዉ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ነቶም ተጸበይቲ ረድኤት ተባሂሉ ዝተወሃበ ረድኤት ኣብ ዕዳጋ ይሽይጥ ከምዘሎ ድሕሪ ምርግጋጹ ነቲ ረድኤት ከም ዘቋረጸ ሓቢሩ ነይሩ።
ሕጂ ግን ፈለማ "ንልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት 15 ኪሎ ዝተዓሸገ ስርናይ" ብምቕራብ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ብሰንኪ ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከቡ እዩ ዝግለጽ።
ንኢትዮጵያ ዘቕርቦ መግቢ ምስ ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዘቋረጸ ዓለምለኻዊ ትካል ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ - ዩኤስአይድ ግን፡ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስርሑ ንምጅማር ዝዀነ መደብ ከም ዘይብሉ እዩ ገሊጹ።
ጉጅለታት ረድኤትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዝርከብዎም ነቐፍቲ፡ እቲ ምቁራጽ ሓገዝ ስነ-ምግባር ዘይብሉ ብምባል ነቒፎምዎ ነይሮም።
እቲ ውሳነ’ውን ብኣማኢት ኣብ ዝቑጸሩ ሰባት ብሰንኪ ጥሜት ሞት ከስዕብ ከም ዝኽእል ከሲሶም።
ኣሜሪካ ግና፣ ነቲ ከባብያዊ ምምሕዳራት ዝቆጻጸርዎ ስርዓት ንምጽጋን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ እትዘራረበሉ እዋን፡ እቲ ተቋሪጹ ዘሎ ሓገዝ መግቢ ክቕጽል ምዃኑ እያ ትገልጽ።
ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ካብ 4 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ኣብታ ክልል ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተፈናቐሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኤት ኰይኖም ከም ዘለዉን ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ግን እቲ ንስኡናት ተባሂሉ ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ዕዳጋታት ብቃልዕ ይሽየጥ ከም ዝነበረ ዝሕብር መርትዖታት ብስእሊ ተሰንዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ከም ዝተዘርገሐ ዝዝከር’ዩ።
ዩኤስአይድ ብዛዕባ እቲ ተሰሪቝ ኣብ ዕዳጋታት ዝሽየጥ ዘሎ ረድኤት ኣመልኪቱ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ስከፍታታቱ ክገልጽ እንከሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቶም ነዚ ተግባር [ስርቂ ሰብኣዊ ረድኤት] ዝፈጸሙ ተሓተትቲ ንምግባር ከም ዝሰርሑ እዮም ገሊጾም።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ጉዳይ ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ብምምልካት፡ ነቲ ጉዳይ ዝከታተል ሓይሊ ዕማም ብምቛም ተሓተቲ ውልቀሰባት ኣብ ሕጊ ከም ዘቕርብ ገሊጹ ነይሩ።
ብተወሳኺ፡ “ኣብ ልዕሊ ህዝብና ተደራቢ ጸገም ንምፍጣር ኣብ መሓውር መንግስቲ ኴንኩም ኮነ ብውልቃዊ ምንቅስቓስኩም ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ወፊርኩም ዘለኹም ኣካላት ብህጹጽ ካብ ተግባርኩም ክትእርነቡ ይግባእ” ክብል ኣጠንቂቑ እዩ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ “ለገስቲ ኣካላት ብሓፈሻ፡ ውድብ መግቢ ዓለም ድማ ብፍላይ ዘጋጠመ ጸገም ብልዑል ትዅረትን ኣብ ሓጺር ግዜን ሓቢርና ከም እንፈትሖ እናረጋገጽኩ ንሰብኣዊ ሓገዝ ኣመልኪትኩም ኣብዚ ቀረባ ዘመሓላላፍኩምዎ ውሳነ ኣብ ከቢድ ጸገም ንዝወደቐ ህዝብና ኣዝዩ ዝጐድእ ስለ ዝዀነ ደጊምኩም ክትርእዎን ዝተለመደ ሰብኣዊ ስራሕትኩም ኣጠናኺርኩም ክትቅጽሉሉን እላቦ” ክብል ተማሕጺኑ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







