ትግራይ፡ ብቕልጡፍ ዝላባዕ ዘሎ ሕማም ሸሮኽ ሞት የስዕብ

ለበዳ ሸሮኽ (ኮሌራ) ኣብ ብዙሓት ወረዳታት ትግራይ ብቕልጡፍ ይላባዕ ከም ዘሎን ንሞት 11 ሰባት ጠንቂ ከም ዝዀነን፡ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ንቢቢሲ ትግርኛ ገሊፁ።
ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ፡ ኣተሓባባሪ ምእላይ ሓደጋታት ጥዕና ሕብረተሰብ፡ መብራህቶም ሃፍተ ኣመሃ፡ ሕማም ሸሮኽ ብሓፈሻ ዳርጋ ኣብ ዓሰረተ ወረዳታት ትግራይ ከም ዝተራእየ ተዛሪቡ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ እቲ ለበዳ ብመዋስንቲ ወረዳ ክልል ኣምሓራ፡ ወረዳ ዋግሕምራ፡ ጣብያ ኣበርገለ፡ ኣቢሉ ናብ ትግራይ ዝተላብዐ ኰይኑ፡ ቀዲሙ ኣብ ክልተ ወረዳታት ሳምረን ሰለዋን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተራእዩ ነይሩ።
እቲ ለበዳ፡ ብዝተገብረ ሕክምናዊ ክትትል፡ ምቍፅፃር ተኻኢሉ እኳ እንተ ነበረ፡ ድሕሪ 20 መዓልታት ኣብ ካልኦት ወረዳታት ትግራይ ዳግማይ ከም ዝተራእየ እቲ ተሓባባሪ ወሲኹ ሓቢሩ።
"ድሕሪ 20 መዓልታት ኣብ ወረዳ ሰየምቲ ተራእዩ" ዝብል እቲ ሓላፊ፡ ምንጩ ካበይ ከም ዝዀነ ድማ ከም ዘፅንዑዎ ይዛረብ።
ክሳብ ሕዚ፡ እተን ለበዳ ሸሮኽ ዝተርኣየለን ወረዳታት፡ ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ደቡብ ምብራቕ፡ ማእከላይን ሰሜን ምብራቕን ዝርከባ እየን።
ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ፡ ኣብ ሸውዓተ ወረዳታት ማለት'ውን ኣብ ከም ዛና፡ ላዕላይ ቆራሮ፡ ኣስገደ ፅምብላ፡ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ፡ ሰየምቲ ኣድያቦ ብብዝሒ ዝርግሐ ከም ዘሎ እቲ ሓላፊ ኣረዲኡ።
ሕማም ሸሮኽ፡ 'ቫይብሮ ኮሌራ' ብዝበሃል ባክርተርያ ዝመፅእ ከም ዝዀነ፡ ብብዝሒ ድማ ብባህላዊ መንገዲ ወርቂ ኣብ ዝእረየለን ከባብታት ይስፋሕፋሕ ከም ዘሎ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ጠንቁ ብዝምልከት፡ ዛጊድ ዝተረጋገፀ ነገር ከም ዘየሎን፡ ኣብ ከባብታት ዋግሕምራ (ክልል ኣምሓራ) ብኸመይ ክለዓል ከም ዝኸኣለ ሓቲቶም፡ ዛጊድ ምላሽ ከም ዘይረኸቡን'ውን ኣቶ መብራህቶም ተዛሪቡ።
"ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኣብ ወረዳ ሰየምቲ ኣብ ወርቀኛታት እዩ ዝስፋፋሕ ዘሎ፡ ሓደ ዝሞተ'ውን ኣሎ፡" ዝበለ ኰይኑ፡ ካብ ሳምረ ብዝኸደ ውልቀሰብ ተላቢዑ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግምት።
"80 ሚኢታዊ በቲ ባክተርያ ዝተለኽፉ ምልክት ዘይከርእዩ ይኽእሉ እዮም፣ ብፍታን እዩ ዝመሓላለፍ፡ ማያዊ ኣካላት ምብካልን ጕድለት ፅሬትን ድማ ቀንዲ ጠንቂ፡" እዮም ዝበለ ኣቶ መብራህቶም፡ ምስቲ ኣብ ሰየምትን ከባቢኡን ብሓደገኛ ኬሚካል ዝካየድ ዘሎ ምዕዳን ወርቂ ዝተኣሳሰር ከም ዝዀነ ከረጋግፅ ኣይከኣለን።
እንተዀነ፡ ኣብ ካልኦት ወረዳታት'ውን ጥርጡራት ከም ዘለዉን እቲ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካለት ክትትል ይገብር ከም ዘሎን ሓቢሩ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ክሳብ ትማሊ ሰንበት፡ ብሓፈሻ 425 ሰባት በቲ ለበዳ ከም ዝተለኽፉ፡ ካብኣቶም ድማ 11 በቲ ሕማም ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።
ክልተ ድማ በቲ ሕማም ድዮም ወይስ ብኻልእ መንገዲ ዝሞቱ ጥርጡራት ከም ዘለዉ፡ ወሲኹ ኣብሪሁ።
ዝበዝሐ ዝተመዝገበ ሞት፡ ናብ ማእከላት ሕክምና ከይመፅኡ ከም ዘጋጠመ፡ ሕክምናዊ ክትትል እንተ ዘይተገይሩ፡ ካብ ዝተለኽፉ 50 ሚኢታዊት ሞት ናይ ምስዓብ ሓደጋ ከም ዘሎ ኣረዲኡ።
ስለዚ ድማ ማሕበረሰብ ፅሬቱን ክሕሉን ዝዀኑ ምልክታት ኣብ ዘርኣየሉ ድማ ኣብ ቀረብኡ ናብ ዝርከቡ ማእከላት ሕክምና ክኸይድ ምዒዱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ነሓሰ 2024፡ ብሕማም ሸሮኽ ሸውዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ጠቒሱ ቢቢሲ ትግርኛ ፀብፂቡ ምንባሩ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







