እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ሕማም ብውሕዱ 79 ቀቲሉ

ብዓልሞያ ጥዕና

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እንታይነቱ ዘይተፈልጠ ሕማም ብውሕዱ 79 ሰባት ቀቲሉ።

ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ከምዝበሎ፡ ዝበዝሑ ካብቶም ግዳያት ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 18 ዓመት ዝርከቡ’ዮም።

እቲ ሕማም፡ ረስኒ፡ ቃንዛ-ርእሲ፡ ጸረርታ ኣፍንጫን ምስዓልን ዝበሉ ምልክታት ዘለዎ’ዩ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

ልዕሊ 300 ሰባት በቲ ኣብ ደቡባዊ-ምዕራብ እታ ሃገር ዝተኸሰተ ሕማም ተለኺፎም ምህላዎም ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ።

ነቲ ኩነታት ንምጽናዕ ክኢላታት ጥዕና ዝሓቖፉ ጉጅለታት ናብቲ ኣብ ኣውራጃ ክዋንጎ ዝርከብ ፓንዚ ዝተባህለ ከባቢ ተላኢኸን ኣለዋ።

ቁጽሪ ዝተለኽፉ እናዓረገ ይኸይድ ብምህላዉ እቲ ኩነታት ዓቢ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ መራሒ ሲቪካዊ ማሕበር ሶፈሬን ማንዛንዛ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ተዛሪቡ።

"ፓንዚ ኣብ ገጠር ዝርከብ ከባቢ ብምዃኑ፡ ቀረባት መድሃኒት ምብጻሕ ኣጸጋሚ'ዩ" ኢሉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ብወገኑ፡ ሓደ ቅምሶ ዝእክብ ጉጅለ ናብቲ ከባቢ ሰዲዱ ከምዘሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ህዝቢ ነቲ ኩነታት ብህድኣትን ብንቕሓትን ክከታተሎ ሰብመዚ ተማሕጺኖም ኣለዉ።

ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ግን፡ ኣእዳዎም ብግቡእ ከሕጸቡ፡ ብብዝሒ ካብ ምእካብ ክቑጠቡን ዝኾነ ሬሳ ብኣእዳዎም ከይትንክፉ'ውን መኺሮም።

ሓደ ኣባል ባይቶ፡ ካብ 10 ክሳብ 26 ሕዳር ጥራይ 67 ሰባት ከምዝሞቱ ሓቢሩ።

"ብሰንኪ እቲ ለበዳ ሆስፒታል ፓንዚ ሕጽረት መድሃኒት ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ክፍለጥ ኣለዎ። ሓገዝ የድልየና ኣሎ" ኢሉ።

እታ ሃገር ኣብዚ ቀረባ እዋን'ውን ለበዳ በዲዶ ህበይ ኣጋጢሙዋ ምጽንሑ ይዝከር።

ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንነዊሕ ዓመታት'ውን ምስ ለበዳ ሕማም ኢቦላ ክትቃለስ'ያ ጸኒሓ።