በዲዶ-ህበይ፡ ህጻናት ዝያዳ በቲ ሕማም ይህሰዩ ኣለዉ

ኣደ ኣንሲማ መጀመርያ እቲ ኵነታት ሕማም ዕንፍሩር መሲልዋ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Glody Murhabazi

መግለጺ ስእሊ, ኣደ ኣንሲማ መጀመርያ እቲ ኵነታት ሕማም ዕንፍሩር መሲልዋ ነይሩ

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ በዲዶ-ህበይ ዓለምለኻዊ ስግኣት እዩ ብምባል ህጹጽ ኵነታት ከምዝኣወጀ ይፍለጥ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጥራይ ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ልዕሊ 450 ሞት ተመዝጊቡ እዩ።

ኣብታ ሃገር ብሰንኪ’ዚ ሕማም ኣዝዮም ካብ ዝተሃሰዩ ሰባት ህጻናት ይርከብዎም።

ሓደ ካብዚኦም ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኣማነ እዩ።

“ከም ንእሽቶን ነድሪ ዝመልኦ ሕበጥ’ዩ ጀሚርዎ። ኣደኡ [ነታ ሕበጥ] ምስ ጨፍለቐታ ማይ ዝመስል ፈሳሲ ነቲዑ። ድሕሪኡ ግን ካልእ ሕበጥ እውን ወጺእዎ፤ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ ኣብ መላእ ኣካላቱ ሕበጣት ወጺኦም” ክብል ኣቦኡ ኣላን ማታባሮ ወዱ ብኸመይ በዲዶ-ህበይ ከምዘማዕበለ ይገልጽ።

ኣብ ሙኒጊ ኣብ ዝርከብ ክሊኒክ ንኣርባዕተ መዓልታት ሕክምና ድሕሪ ምርካቡ ምልክታት ሕውየት የርኢ ኣሎ።

ኣብቲ ክሊኒክ ይሕከሙ ካብ ዘለዉ ኣስታት 75 ሚእታዊት ተሓከምቲ ትሕቲ 10 ዓመት ዝዕድመኦም ምዃኖም ኣብ ትካል ግብረ ሰናይ ሜዳይር ዝሰርሕ ዶክተር ፒየር-ኦሊቨር ንጋድጆል ይዛረብ።

ብፍላይ መንእሰያት ብሰንኪ እቲ ውሑድ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ለበዳ በዲዶ-ህበይ ኣዝዮም ዝተሃስዩ ይመስሉ።

ዶክተር ንጋድጆል፡ ኣብቲ ዞባ ብዘጋጠመ ግጭት ካብ ገዛኦም ንዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ዝተዳለወ መዓስከር ልዕሊ ዓቐን ብዝሒ ተሓከምቲ ምህላዎም ይወቅስ። ሓደ ካብቲ እቲ ሕማም ዝዝርግሓሉ መንገዲ ብምትንኻፍ እዩ። ህጻናት ድማ “ብሓባር ክጻወቱ እንከለዉ ብዛዕባ ማሕበራዊ ርሕቀት ብሓቂ ኣይግድሶምን’ዩ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ኣብ ገለ ስድራቤታት ኣብ ሓደ ዓራት ከይተረፈ ይሓድሩ’ዮም። ሰለስተ፡ ኣርባዕተ፡ ሓሙሽተ ቈልዑ ክትረክብ ትኽእል። ስለዚ እቲ ምትሕልላፍ መዓልታዊ’ዩ ዘጋጥም።”

ኣብ ሙኒጊ ዝርከብ ክሊኒክ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 10 ሓደስቲ ሕሙማት ይቕበል ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Glody Murhabazi

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሙኒጊ ዝርከብ ክሊኒክ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 10 ሓደስቲ ሕሙማት ይቕበል ኣሎ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ሰነ ጀሚሩ ኣብ ሙኒጊ ዝርከብ ክሊኒክ፡ ንረኽሲ ቆርበት ዝፍውስ ጸረ-ነፍሳት፡ ፓራሲታሞልን ውሑስ ዝስተ ማይን ዝርከብዎም ነጻ ሕክምና ይህብ። ዛጊት 310 ተሓከምቲ ኣተኣናጊዱ ኣሎ። ሕጂ ድማ ኣብ መዓልቲ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 10 ሓደስቲ ተሓከምቲ ይቕበል ኣሎ።

ሰባት ብኣጋኡ ሓገዝ ሕክምና ስለዝረኽቡ ክሳዕ ሕጂ በቲ ሕማም ዝሞተ ሰብ የለን።

“ብፍላይ ኣብዚ ኣምር’ዚ ነጻ ኣገልግሎት ጥዕና ምሃብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ይመስለኒ... [እዚ ማለት] ሰባት ዝዀነ ፋይናንሳዊ ዕንቅፋት ኣየጋጥሞምን’ዩ፣ ብኣጋኡ ናብቲ ትካል ጥዕና ዝመጹ’ዮም።”

ካብ ሙኒጊ ንደቡባዊ ምዕራብ 80 ኪ.ሜ ርሒቑ፡ ኣብ ካቩሙ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዘሎ ዛንታ ግን ዝተፈልየ እዩ።

ካብ ሰነ ጀሚሩ ሸሞንተ ሚእቲ ተሓከምቲ ዘተኣናገደ ኰይኑ፡ ካብኣቶም እቶም ሸሞንተ ሞይቶም እዮም። ኵሎም እቶም ዝሞቱ ድማ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት እዮም።

ጓል ክልተ ዓመት ኣንሲማ ካኒጎ ሓንቲ ካብቶም ሓሙሽተ ብበዲዶ-ህበይ ዝተለኸፉ ኣሕዋታ እያ።

ኣደኣ ንዚጊረ ካኒጎ፡ ኣብ መጀመርታ እንታይ ምዃኑ ዝዀነ ኣፍልጦ ኣይነበራን።

"ንመጀመርታ ግዜ እየ ዝረኣዮ ዘለኹ። ጓለይ ምስ ሓመመት፡ ካልኦት ወለዲ ሕማም ዕንፍሩር ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎምኒ። ንሕማም ዕንፍሩር ዝኸውን ሕክምና ሂብናያ ምስ ፈሸለ ግን ናብዚ ክንመጽእ ወሲንና" ትብል።

“ኣምላኽ ይመስገን...እቶም ሰለስተ ሓውዮም ኣብ ገዛ ኣለዉ። ሕጂ ኣብዚ ሆስፒታል እቶም ክልተ ጥራይ እዮም ዘለዉ።”

ዳይረክተር ሕክምና እቲ ሆስፒታል ዶክተር ሮበርት ሙሶለ፡ እቲ ለበዳ ብሰበስልጣን ኣቃሊልካ ክረአ ከምዘይብሉ’ዩ ዘጠንቅቕ።

“እቲ ኵነታት ናይ ብሓቂ ከቢድ’ዩ፡ ኣዝዩ ድማ ስራሕ በዚሑና ኣሎ፡ ምኽንያቱ ዘለና ዓቕሚ ንእሽቶ፡ ጠለብና ግን ዓቢ’ዩ” ይብል።

“እቲ ዘጋጥመና ቀዳማይ ብድሆ፡ ተሓከምቲ ምትእንጋድ እዩ። እቲ ካልኣይ ብድሆ ድማ መድሃኒት የብልናን።”

ኣብ መላእ ምብራቓዊ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ዕጡቓት ስለዝንቀሳቐሱ ካብ መረበቶም ዝሃደሙ ሚልዮናት ኣብ መዓስከራት ይርከቡ።

ጓል ክልተ ዓመት ኣንሲማ እትርከቦም ኵሎም ደቂ ንዚጊረ ካኒጎ ብበዲዶ-ህበይ ተለኺፎም እዮም

ምንጪ ስእሊ, Glody Murhabazi

መግለጺ ስእሊ, ጓል ክልተ ዓመት ኣንሲማ እትርከቦም ኵሎም ደቂ ንዚጊረ ካኒጎ ብበዲዶ-ህበይ ተለኺፎም እዮም

መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ ግዝያዊ መዕቘቢታት ተጸቓቒጦም ብዘይ ጽሬት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ይርከቡ፤ እዚ በዲዶ-ህበይ ንኽዝርጋሕ ዝምችእ ቦታ እዩ።

ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ኣብ ከባቢ እምባ ኒራጎንጎ ዝርከቡ ከም መዓስከር ሙድጃ ዝኣመሰሉ ቦታታት ክበጽሑን ሰባት ምስ ካልኦት ምልክታት ምስ ዝረኣዩ ሰባት ኣብ ዘለዎም ርክብ እንታይ ጥንቃቕ ክገብሩ ከምዘለዎም ክምህሩን ጸኒሖም እዮም።

ምስ ሓሙሽተ ደቃ ኣብቲ መዓስከር እትነብር ጆሴፊን ሲራንጉንዛ፡ “እዚ ሕማም እዚ፡ ኵላትና ከይንሓምም ብዙሕ ኣፍሪሑና እዩ” ትብል።

መንግስቲ እቲ ሕማም ንምዕጋት ዝሕግዙ ገለ መሰረታዊ ናውቲ ክህብ ከምዘለዎ ድማ ትዛረብ።

“ሓደ ሰብ ክሓምም ከሎ፡ ከመይ ገይርና ንነብስና ከምንከላኸል ንጭነቕ።”

እዚ 10 ቈልዑ ዘለዎ ቦስኮ ሰቡከ ዝተዛረቦ ስምዒት እዩ።

“[ብዛዕባ በዲዶ-ህበይ] ግንዛበ ተዋሂቡና እዩ፣ ኣብ መዕቆቢታትና ስለዝተጨናነቕና ግን ብፍርሒ ተዓብሊልና ኣለና። ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ኢና ንድቅስ፡ ኣብ ዓራት ብሓባር ኢና ንድቅስ፣ ስለዚ ምክልኻል ኣጸጋሚ ስለዝዀነ የፍርሓና ኣሎ” ይብል።

ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝተራእየ ለበዳ፡ ክላድ 1ቢ ዝበሃል ሓድሽ ዓይነት ሕማም በዲዶ-ህበይ ኰይኑ፡ ሕጂ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ይዝርጋሕ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኣሜሪካን ጃፓንን ዝተረኸቡ ክታበታት ክጅምሩ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ ነይሩ። ክሳብ ሽዑ ግን እታ ሃገር ኣብ ማእከል ለበዳ እናሃለወት ዝዀነ ዓይነት ክታበት ኣይክህልዋን።

ኣቦ ኣማኒ ዝዀነ ማታባሮ፡ ሕጂ ካብቲ ሕማም ይሓዊ ኣሎ፤ ክታበት ክጅመር ከምዝኽእል ብወረ ወረ ዝሰምዖ ሓበሬታ ተስፋ ከምዝሃቦ ይዛረብ።

ከምቲ ዶክተር ንጋድጆል ዝብሎ ግን፡ ክታበት ሓደ መዳይ ምንካይ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ጥራይ እዩ።

“እቲ [ዝቐለለ] ስጕምቲ፡ ጽሬት ምምሕያሽ እዩ። ብደረጃ ገዛውቲ ጽሬት ምስ እነመሓይሽ፡ ብደረጃ ማሕበረሰብ ጽሬት ምስ እነመሓይሽ፡ ሓደጋ ምትሕልላፍ ንምንካይ ኣዝዩ ቀሊል’ዩ” ይብል።

ሲራንጉንዛ እውን ንሓሳብ ናይቲ ሓኪም’ያ ተቃልሕ፡ “መራሕትና ምእንቲ ከይንልከፍ መድሃኒት፡ ሳሙናን ካልእ መከላኸሊ ስጕምትታትን ክሰዱልና ንገርዎም” ትብል።