ውድብ ጥዕና ዓለም በዲዶ-ህበይ ህጹጽ ዓለማዊ ስግኣት ምዃኑ ኣዊጁ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ገለ ክፋል ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ለበዳ በዲዶ-ህበይ (ኤምፖክስ - ‘mpox’) ዓለማዊ ቆላሕታ ዝጠልብ ህጹጽ ስግኣት ጥዕና ክብል ኣዊጁ።
እቲ ቅድም ክብል ብ ‘ማንኪ ፖክስ’ ዝፍለጥ ዝነበረ ኣዝዩ ተላባዒ ሕማም ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ኣብ ዝነበረ ናይ መጀመርታ ለበዳ ብውሕዱ 450 ሰባት ቀቲሉ።
ኣብዚ ሕጂ ድማ ኣብ ገለ ክፋል ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ተዘርጊሑ ኣሎ። ተለዋዋጢ ዓይነታት እቲ ሕማም ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ምህላዉን ብሰንኩ ዘጋጥም ልዑል መጠን ሞትን ንተመራመርቲ ኣሻቒልዎም ኣሎ።
ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃን ካብኣ ወጻእን ዝያዳ ናይ ምልባዕ ተኽእሎኡ "ኣዝዩ ዘተሓሳስብ'ዩ" ኢሉ።
"ነዚ ለበዳ ደው ንምባልን ህይወት ንምድሓንን ዝተዋደደ ዓለምለኻዊ ምርብራብ ኣገዳሲ'ዩ" ክብል እውን ኣተሓሳሲቡ።
በዲዶ-ህበይ ብኸም ጾታዊ ርክብ፡ ቆርበት ናብ ቆርበት ምንኽኻእ ዝበሉ ቀጥታዊ ምትንኻፍ ከምኡ’ውን ምስ ሰባት ተቐራሪብካ ብምዝርራብ ወይ ምስትንፋስ ይመሓላለፍ።
ጉንፋዕ ዝመስል ምልክታት፤ ቍስሊ ቆርበት ዘስዕብን ቀታሊ ክኸውን ዝኽእልን ኰይኑ፡ ካብ 100 ሕሙማት ነቶም ኣርባዕተ ናብ ሞት የቃልዑ።
ክልተ ዓይነት በዲዶ-ህበይ (ኤምፖክስ) ኣለዉ። ክላድ 1ን ክላድ 2ን ይበሃሉ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2022 ተኣዊጁ ዝነበረ ሓደጋ ህዝባዊ ጥዕና ብሰንኪ እቲ ብተዛማዲ ልኡም ዝኾነ ‘ክላድ 2’ እዩ ዝተበገሰ ነይሩ። ኣብዚ እዋን ግን እቲ ኣዝዩ ቀታሊ ‘ክላድ 1’ እዩ ዝረአ ዘሎ። እዚ ከኣ ክሳብ 10 ሚእታዊት ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ለበዳታት ዝሓመሙ ዝቐተለ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከባቢ መስከረም ኣብቲ ቫይረስ ለውጢ ከምዝነበረ ይግለጽ። እቲ ምልውዋጥ ከኣ ክላድ 1ቢ [Clade 1b] ናብ ዝበሃል ኣምሪሑ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ ብቕልጡፍ ተዘርጊሑ።
እዚ ሓድሽ ዓይነት ለውጢ ብሓደ ሳይንቲስት “ክሳብ ሕጂ እቲ ዝኸፍአ ሓደገኛ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።
ካብ መእተዊ እዚ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጐ ጥራይ ልዕሊ 13,700 ሰባት ብበዲዶ-ህበይ ዝተለኸፉ ክዀኑ እንከለው ብውሑዱ 450 ሰባት ሞይቶም።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ብሩንዲ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኬንያን ሩዋንዳን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ተረኺቡ።
በዲዶ-ህበይ ከም ህጹጽ ኵነታት ህዝባዊ ጥዕና ምእዋጁ፡ ከም ምርምር፣ ሓገዛት ከምኡ’ውን ምትእትታው ካልኦት ዓለምለኻዊ ስጕምትታት ህዝባዊ ጥዕና ንክቀላጠፍ ዝሕግዝ’ዩ።
ዶክተር ጆሲ ጎልዲን ካብ ዌልከም ትራስት ዝተበሃለ ዓለማዊ ግብረሰናይ ትካል "ከቢድ ምልክት" ክብል እንከሎ፡ ዶክተር በጉማ ቲታንጂ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኤሞሪ ድማ ስጕምቲ ውድብ ጥዕና ዓለም "ክብደት ናይቲ ቅልውላው ዘጕልሕ'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ሓምለ 2022 እቲ ልኡም ክላድ 2 ዝበሃል ዓይነት በዲዶ-ህበይ ኣብ ኣውሮጳን ኤስያን ሓዊሱ ናብ ኣስታት 100 ሃገራት ተዘርጊሑ ነይሩ።
ሽዑ ብቕልጡፍ ዝተዘርግሐ ኰይኑ ልዕሊ 87 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኽፉን 140 ከምዝሞቱን ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዝዀነ ሰብ በቲ ሕማም ክተሓዝ ዝኽእል'ኳ እንተዀነ፡ ብዓቢኡ ግን እቲ ለበዳ ኣብቶም ምስ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ደቂ ተባዕትዮ ዝጸዓቐ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ተቓላዕቲ ንዝዀኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ክታበት ብምኽታብ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትዩ።
ተመራመር ማእከላት ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ ህጹጽ ስግኣት ህዝባዊ ጥዕና ምዃኑ ብሰሉስ ኣዊጆም ኣለዉ።
ሓላፊ ናይቲ ትካል ጂን ካሴያ፡ ነቲ ሕጂ ዘሎ ለበዳ ንምግታእ ቅልጡፍ ስጕምቲ እንተዘይተወሲዱ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ክኸውን ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
"ነዚ ስግኣት ንምግታእን ንምውጋድን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ንጡፋትን ዕጡቓትን ክንከውን ኣለና" ክብል ኣተሓሳሲቡ’ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







