'ብዙሓት ኣይፈልጥዎን፤ ዝፈልጥዎ ድማ ኣብ ሃገሮም ይዝርጋሕ ከምዘሎ ኣይፈልጡን'

ኤጊደ ኢራምቦና፡ እቲ ሕማም ካብ ኣርኩ ከምዝተመሓላለፎ ይኣምን

ምንጪ ስእሊ, Mercy Juma / BBC

መግለጺ ስእሊ, ኤጊደ ኢራምቦና፡ እቲ ሕማም ካብ ኣርኩ ከምዝተመሓላለፎ ይኣምን

ወዲ 40 ዓመት ኤጊደ ኢራምቦና፡ ዋና ከተማ ቡሩንዲ ኣብ ዝዀነት ቡጁምቡራ ኣብ ሆስፒታል ይርከብ።

ኣብታ ምስ ካልኦት ክልተ ደቂ ተባዕትዮ ዝጸንሓላ ክፍሊ ሕክምና፡ ልዕሊ ሽምጡ ክዳኑ ከይለበሰ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢሉ ይርአ።

“ኣብ ጎሮሮይ ሕበጥ ጽክታት ነይሩኒ። ስቓይ ስለዝነበሮ ድቃስ ይስእን ነይረ። ሽዑ እቲ ቃንዛ ሃዲኡ ግን ድማ እግረይ ጀሚሩኒ” ክብል ብዛዕባ ሕማሙ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኤጊደ ኢራምቦና ብሕማም በዲዶ-ህበይ (ኤምፖክስ - ‘mpox’) እናተሰቓየ ይርከብ።

ንሱ ሓደ ካብቶም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ብሩንዲ ዝተመዝገቡ ልዕሊ 170 ዝተለኽፉ ሰባት እዩ።

ብሩንዲ ሓንቲ ካብተን ድኻታት ሃገራት ዓለምና እያ። ምስታ ኣብ ቀረባ እዋን ዝለዓለ ዝርግሐ በዲዶ-ህበይ ዝተራእየላ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ድማ ትዳወብ።

ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብዚ ዓመት ክሳዕ ሕጂ ብውሑዱ 450 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 14 ሽሕ ድማ በቲ ሕማም ከምዝተለኸፉ ይጥርጠር።

ክሳዕ ሕጂ ኣብ ብሩንዲ፡ ዝተመዝገበ ሞት የለን። እቲ ሕጂ ዝላባዕ ዘሎ 'ክላድ 1ቢ' ዝተበሃለ ሓድሽ ዓይነት እቲ ሕማም እውን ክሳብ ክንደይ ቀታሊ ምዃኑ ዛጊት ኣይነጸረን። ምኽንያቱ ከኣ ኣብቲ ዝተሃሰየ ከባቢታት መርመራ ንምክያድ እኹል ዓቕሚ ስለዘየለ እዩ።

ይኹን’ምበር፡ ናብተን ቅድሚ ሕጂ እቲ ሕማም ዘይተረኣየለን ሃገራትን ዞባታትን ብቕልጡፍ ክላባዕ ስግኣት ስለዘሎ ዓለማዊ ህጹጽ ኵነታት ጥዕና ተባሂሉ ተኣዊጁ ኣሎ።

ኢራምቦና ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኪንግ ካሌድ ን9ይ መዓልቲ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ኣሎ። እቲ ቫይረስ ዝላባዓሉ ሓደ መንገዲ ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ብቐረባ ብምትንካፍ ኰይኑ፡ ኢራምቦና ናብ በዓልቲ ቤቱ ዘመሓላለፈላ ይመስል።

ስለዝዀነ ድማ ንሳ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ሆስፒታል ሕክምና ትረክብ ኣላ።

“ሓደ ዕንፍሩራት ዝነበሮ ዓርከይ ነይሩ። ካብኡ ዝተመሓላለፈኒ ይመስለኒ። በዲዶ-ህበይ ምዃኑ ኣይፈለጥኩን። ኣምላኽ ይመስገን ሸውዓተ ደቅና ዝዀነ ምልክት ኣየርኣዩን” ይብል ብዝደኸመ ድምጺ።

እቲ ኣብ ቡጁምቡራ ዝርከብ ሆስፒታል ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከባ ሰለስተ ማእከላት ሕክምና በዲዶ-ህበይ፡ እቲ ሓደ ዝርከበሉ እዩ።

ካብቶም 61 ዓራውቲ እቶም 59 ብቲ ሕማም ብዝተለኽፉ ተሓከምቲ ዝተተሓዙ እዮም። ካብዞም ተሓከምቲ ሓደ ሲሶ ድማ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኰይኖም፡ ኣብታ ሃገር ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ህጻናት ምዃኖም ውድብ ጥዕና ዓለም የመልክት።

ዶክተር ኦዴት ንሳቭይማና ወሰኽ ቁጽሪ መልከፍቲ ከምዘሻቕላ ትዛረብ

ምንጪ ስእሊ, Mercy Juma / BBC

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ኦዴት ንሳቭይማና ወሰኽ ቁጽሪ መልከፍቲ ከምዘሻቕላ ትዛረብ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ሆስፒታል እትሰርሕ ዶክተር ኦዴት ንሳቭይማና፡ ቁጽሪ ሕሙማት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ተጠንቅቕ።

“ኣብ ደገ ዳሳት ነዳልው ኣለና” ክትብል ትውስኽ።

ድሮ ሰለስተ ተዳልየን ኣለዋ - ሓንቲ ንመፍለዪ፡ ሓንቲ ከምዝተለኸፉ ዝተጠርጠሩ ሰባት ዝዓርፉላ፡ ሳልሰይቲ ድማ ከምዝተለኸፉ ዝተረጋገጸሎም ሰባት ቅድሚ ናብ ክፍልታት ምስግጋሮም ዝጸንሑላ።

"ብፍላይ ዕሸላት ክመጹ ከለዉ ከቢድ'ዩ። በይኖም ክጸንሑ ስለዘይክእሉ ዋላ'ውን ምልክታት እንተዘይብለን ንኣደታቶም ኣብዚ ክነጽንሐን ኣለና። ... ከምዚ ዝኣመሰለ ከቢድ ኵነታት'ዩ ዘሎ" ትብል ዶክተር ንሳቭይማና።

ብሩንዲ ብንጹር ቁጽሪ መልከፍቲ በዲዶ-ህበይ ክውስኽ ትርእይ ኣላ።

"ብዛዕባ እቲ ቁጽሪ ይጭነቕ ኣለኹ። እናወሰኸ እንተኸይዱ፡ ነዚ ክንቆጻጸሮ ዘኽእለና ዓቕሚ የብልናን" ትብል እታ ዶክተር።

ነቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ካብ ካልኦት ተሓከምቲ’ቲ ሆስፒታል ንምንጻል ብዙሕ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ።

ሰበስልጣን ሕክምና ብውሱንነት ጸጋታት እናተጨነቑ ይርከቡ። ኣብታ ሃገር ብቅምሶ ደም መርመራ ክገብር ዝኽእል ሓደ ላቦራቶሪ ጥራይ እዩ ዘሎ። ንሱ’ውን እኹል ናውቲ መርመራን ክታበትን የብሉን።

ኣብ መላእ ቡጁምቡራ ከም ማይ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ጸጋታት ምርካብ ድሩት ስለዝዀነ፡ ኵነታት ጽሬት ምሕላው እውን ከቢድ እዩ።

ሃገራዊ ዳይረክተር ማእከል ህጹጽ ስርሒታት ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ሊልያነ ንከንጉሩትሰ፡ ብዛዕባ ዝቕጽሉ መዓልታት ክትሓስብ እንከላ ከምትሻቐል ትዛረብ።

“እዚ ናይ ብሓቂ ብድሆ እዩ። ምርመራ ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ ዝግበር ምዃኑ፡ ሓደስቲ ሕሙማት ንምፍላጥ የደናጉይ ኣሎ። ማእከላት ጥዕና ከምዝተለኸፉ ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣለና ኢለን ናብቲ ላቦራቶሪ ይድውላ ኣለዋ። ናይቲ ላብራቶሪ ጉጅለታት መርመራ ግን ናብቲ ዝተጠርጠረ ከባቢ ከይዶም ቅምሶ ክወስዱ ግዜ የድሊ’ዩ።” ትብል።

ቁጽሪ ብበዲዶ ህበይ ዝተለኸፉ ሰባት ምውሳኹ ስዒቡ ዳሳት ምድላው ግድን ኰይኑ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Mercy Juma / BBC

መግለጺ ስእሊ, ቁጽሪ ብበዲዶ-ህበይ ዝተለኸፉ ሰባት ምውሳኹ ስዒቡ ዳሳት ምድላው ግድን ኰይኑ ኣሎ

“ውጽኢት መርመራ ንምግላጽ ድማ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ’ዩ ዝወስድ። እንተወሓደ ግብረ መልስና ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንኽበጽሕ ኣስታት 14 ሚልዮን ዶላር የድልየና” ክትብል ነቲ ዘሎ ጸገም ተረድእ።

ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዋላ’ኳ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክታበት ከምትረክብ እንተተገለጸ፡ ኣብ ብሩንዲ ግን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ዝሕብሩ ጸብጻባት የለዉን።

ህዝቢ ብዛዕባ በዲዶ-ህበይ ዘለዎ ንቕሓት እውን ድሩት እዩ።

ቡጁምቡራ ካብ ዶብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናይ 20 ደቓይቕ መንገዲ ጥራይ’ያ ርሒቓ እትርከብ። ማእከል ስግረ-ዶባዊ ጉዕዞን ንግድን እውን እያ። ለበዳ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ግን ዝዀነ ኣቓልቦ ዝረኸበ ኣይመስልን።

ንጥፈታት ዝበዝሓ ከተማ እያ። ሕጂ'ውን እንተዀነ ሰባት ከምቲ ልሙድ ዕዳጋኦም ይገብሩ ኣለዉ። ምጭብባጥ፡ ምትሕቑቛፍን ኣዝዩ ጥቡቕ ርክብን ልሙድ እዩ። ኣብ መደበራት ኣውቶቡስ ነዊሕ ሪጋታት እዩ ዝርአ።

“ብዙሓት ሰባት ክብደት ናይዚ ጉዳይ ኣይርድኦምን። ኣብቲ ዝተለኸፉ ሰባት ዝተራእየሉ ቦታታት እውን እንተዀነ፡ ሰባት ይተሓዋወሱ ኣለዉ” ትብል ዶክተር ንከንጉሩትሰ።

ቢቢሲ ኣብ ቡጁምቡራ ንሓያሎ ሰባት ኣዘራሪቡ ነይሩ፤ መብዛሕትኦም በዲዶ-ህበይ እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጡን። እቶም ዝፈልጡ እውን እንተዀነ ኣብ ሃገሮም ይዝርጋሕ ከምዘሎ ኣይፈልጡን።

“ብዛዕባ እዚ ሕማም ሰሚዐ እየ፡ ብእኡ ዝሳቐ ሰብ ግን ርእየ ኣይፈልጥን። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጥራይ’የ ርእየ” ክብል ሓደ ሰብ ርእይቶኡ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ንዕሸላትን መንእሰያትን ከምዝጸሉ እፈልጥ እየ። የፍርሐኒ’ዩ፡ ኣብ ገዛይ ክውሸብ እየ ማለት ግን ኣይኰነን። ክሰርሕ ኣለኒ። ስድራይ ቀለብ የድልዮም’ዩ” ይብል ካልእ ድማ።

ሰራሕተኛታት ጥዕና፡ ኣብቶም ብዙሕ ቁጠባዊ ብድሆታት ዘጋጥሞም ዘሎ ዝጥርጠሩ ከባቢታት፡ ሰባት ዝያዳ ጥንቃቐ ክገብሩ ንምእማን ክኸብድ ከምዝኽእል ይፈልጡ እዮም።