‘ህወሓት ምርድዳእ ክገብር እንተዘይክኢሉ፡ ስልጣን ብልጽግና ክሕዞ’ዩ’ ኣቶ ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ መሪሕነት ህወሓት ዘጋጠሞ ፖለቲካዊ ጸገማት ብምርድዳእ ተፈቲሑ ክቐርብ መንግስቲ ፌደራል ከም ዘጠንቀቐ ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ትማሊ ኣብቲ ክልል ንዝርከባ ማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ነቲ ኣብ ኽልተ ተገሚዑ ዝርከብ ህወሓት ዝመርሑ ኣካላት፡ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ወረዳታትን ዞባታትን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ዕልዋ መንግስቲ’ ምፍጻም ቀጺሎምሉ ኣለው ክብል ከሲሱ።
ድሕሪ’ቲ ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉ ክሓትት ዝጸንሐ ገዛኢ ሰልፊ ህወሓት፡ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ዳግም ንምክዝገብ ዝተዋህቦ ውሳነ ብምንጻግ፡ ሓፈሻዊ ጕባኤ ድሕሪ ምክያዱ ኣብ መንጐ ላዕለዎት ኣመራርሓ ምግምማዕ ተፈጢሩ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
እዚ ናብ ናይ ስልጣን ንሕንሕ ከም ዝዓረገ’ውን ይፍለጥ።
ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዝመርሑዎም ክልተ ጕጅለታት ክኣ፡ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለው።
ኣቶ ጌታቸው፡ “ሙሉእ ንሙሉእ ስልጣን ክብሕቱ’ዮም ዝደልዩ” ዝበሎም ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ናብ መንግስቲ ፌደራል እናተመላለሱ “ስልጣን ክወሃቦም ይሓቱ’ዮም ዘለው” ክብል ተዛሪቡ።
“ሰለስተ ግዜ ናብ ፌደራል መንግስቲ ከይዶም፤ ከምኡ ዝብሃል ነገር የለን- ሓደ ኰይንዅም ክትመጽኡ ኣለኵም ተባሂሎም። እቲ ዘካየዱዎ ኣኼባ’ውን ከም ጕባኤ ኣይንቘጽሮን ተባሂሎም” ብምባል እቲ ውድብ ውሽጣዊ ልዝብ ብምክያድ ጸገሙ ንክፈትሕ ከም ዝተነግሮ ገሊጹ።
ኣቶ ጌታቸው ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኵነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ብምግላጽ፡ ህወሓት ንምድሓን ዝርርብ ንምክያድ ምምሕዳሩ ድልው ከም ዘሎ ኣመልኪቱ።
ንሱ ወሲኹ፡ መንግስቲ ፌደራል ህወሓት ውሽጣዊ ጸገማቱ ንክፈትሕ ጻውዒት የቕርብ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ እንተዘይኰይኑ ግን ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብልጽግና ከም ዝርከቦ ኣተሓሳሲቡ’ዩ ኢሉ።
እቲ ሰልፊ፡ ጸገማቱ ብምርድዳእ ክፈትሕ እንተዘይክኢሉ፡ ስልጣን ክልላዊ መንግስቲ “ብልጽግና ክሕዞ እዩ ተባሂሉ ተነጊሩዎም ኣሎ። ምኽንያቱ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ስልጣን ንህወሓት ጥራይ ኣይብልን” ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ መንጐ ኣቦ መንበር ህወሓትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ዘሎ ዘይምቅዳው ንምፍታሕ፡ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ውልቀሰባትን መራሕቲ ሃይማኖትን ጻዕሪ ክገብሩ ከም ዝጸንሑ ይግለጽ።
ብደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተፈላለዩ ክስታት ከቕርብ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዘይሻራዊ ክዀኑ ከም ዘለዎም እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ጻውዒት ከቕርብ ጸኒሑ እዩ።
ይኹን’ምበር፡ እቲ ጕጅለ ሽም ሓይልታት ጸጥታ የጸልም ኣሎ ብምባል፡ እዚ ድማ “ሓደገኛ” እዩ ክብል ኣተሓሳሲቡ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 28 ኵንታል ወርቂ ካብ ትግራይ ናብ መንግስቲ ፌደራል ከም ዝኣተወ ተዛሪቡ።
እንተዀነ፡ መንግስቲ ካብዚ “ታዕሪፋ’ውን ኣይረኸበን” ብምባል እዚ ናብ ፌደራል ኣታዊ ዝተገብረ መጠን ወርቂ ነቲ ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝዕደንን ዝወጽእን ዘሎ ሃብቲ ከም ዘይሓውስ ገሊጹ።
“ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ልዕሊ 28 ኵንታል ናብ ፌደራል ኣትዩ ኣሎ፤ እዚ ብኮንትሮባንድ ዝወጽአ ኣይሓውስን። ካብዚ ግን ሓንቲ ሳንቲም መንግስቲ ኣይረኸበን። ምኽንያቱ ኣብዚ ጕዳይ ዝተዋፈረ ሰፊሕ ሓይሊ ስለ ዘሎ” ይብል።
ኣብዚ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት፡ ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ትግራይ ዝርከቡ ውልቀሰባት፡ ሓለፍቲ ጸጥታ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ስቪላዊ ምምሕዳር ዝርከቡ ላዕለዎት ሰብ መዚ ዝሳተፍሉ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
“ነዚ ዝከታተል ሓይሊ ዕማም ኣቚምና፤ ስርሑ ንከይሰርሕ ግን ዝተፈላለየ ምስምስ ይቐርብ፤ ኣብ ዕደናን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ዝጥርጠሩ ሰባት ንዓቀብቲ ሕግን ዳኛን የፈራርሑ” ብምባል መሓውር ፖሊስ እቲ ክልል ኣገዳሲ ምትዕርራይ ከም ዘድልዮ ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ፡ ወርቂ ንምዕዳን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ዘለው ሓደገኛ ኬሚካላት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን ሰብን ጕድኣት የብጽሑ ከም ዘለው ሓቢሩ።
ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ፡ ካብ ትግራይ ናብ ማእከላይ ባንኪ ዝኣቱ ዝነበረ መጠን ወርቂ ብዝለዓለ መጠን ከም ዝነከየ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ድማ፡ ወርቂ ብዘይሕጋዊ መገዲ ይወጽእ ከም ዘሎ ይግለጽ።
ኣቶ ጌታቸው፡ ኣብዚ ተግባር ዝሳተፉ ዘለው ኣካላት ምስ ፖሊስ፡ ኣካላት ጸጥታን ፍትሕን ብምዃን ተሓተትቲ ከም ዝዀኑ እዩ ዝዛረብ።
ኣብ ከባቢታት ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝወጽእ መዓድን ወርቂ ዝምልከት፡ ክሳብ ሕጂ ብግልጺ ዝፍለጥ መረዳእታ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ብባህላውን ዘመናውን መገዲ ወርቂ ከም ዝዕደን ይፍለጥ።
ኣብቲ ክልል፡ ስምምዕ ፕሪቶሪያ መሰረት ብምግባር ተግባራዊ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ምፍታሕ ዕጥቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝተጀመረ ይዝከር።
ኣብዚ መስርሕ፡ 75 ሽሕ ዕጡቓት ዕጥቂ ብምፍታሕ ናብ ማእከላት ተሓድሶ ክኣትው’ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







