ኢትዮጵያ፡ ‘በዓል ልደት ቅድመኹም ኢና ንፈልጦ’- ኣካታዒ ሙዚቃ ጥምየት 77

ኦርቶዶክስ ክርስቲያን በዓል ልደት 7 ጥሪ 2025 እዮም ዘኽብሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኦርቶዶክስ ክርስቲያን በዓል ልደት 7 ጥሪ 2025 እዮም ዘኽብሩ

ቢቢሲ፡ ቅድሚ 40 ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጥሜት ዘርኢ ምስሊ ምስ ፈነወ፡ ፍሉጣት ስነ-ጥበባውያን ገንዘብ መተኣኻኸቢ ምርኢት ሙዚቃ ኣዳልዮም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን፡ ውሁድ እንግሊዝን ኣየርላንድን ዝዀነ ባንድ ‘በዓል ልደት ከም ዝዀነ ይፈልጡ ድዮም?’ ዝብል መጸውዒ ነይርዎ።

ስነ-ጥበባውያን ቦብ ጊልዶፍን ሚጅ ኡሬን ምስ ካልኦት ፍሉጣት ድምጻውያን ብምዃን ነዚ ገንዘብ ንምትእኽኻብ ዝዓለመ ሙዚቃ ዘርጊሖም።

ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ወርሒ ኸኣ ምርኢት ሙዚቃ ኣዳልዮም።

‘Do They Know It’s Christmas?’ ወይ ‘በዓል ልደት ከም ዝዀነ ይፈልጡ’ዶ?’ ዝብል ሙዚቃኦም ከኣ ድሕሪ 40 ዓመታት ተመሊሱ'ሎ።

ኣብቲ ግዜ፡ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ ሙዚቃታት ተዳልዮም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን ኣብ ስልጣን ዝነበረ፡ ስርዓት ደርግ ከም መሳርሒ ኲናት ከምዝተጠቕመሉ ዝንገረሉ ጥሜት፡ ኣብ መበል 21 ክፍል ዘበን ካብቶም ዝኸፍኡ ተጓንፎታት ሓደ ኰይኑ እዩ ዝጥቀስ።

እቲ ተጓንፎ ብፍላይ ኣብ ትግራይን ኣብ ሰሜን ወሎን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝወደአ እዩ።

ኣብቲ እዋን ሚልዮናት ካብ ኣፍ ሞት ዘድሐነ ምርኢት ሙዚቃ ግን፡ ሕጂ ኣዛራቢ ኰይኑ ዘሎ፡ ምስሊ ኣፍሪቃ ዘህስስ ኣገላልጻ እዩ ብዝብል እዩ።

ኣፍሪቃ ‘ዝዀነ ነገር ዘይተፍሪ፡ ዝናብ ዘይዘንበላ፡ ሩባ ዘይብላ’ ብዝብል ዝንቡዕ ምስሊ ዘትሕዝ እዩ ዝብል ስምዒታት ፈጢሩ።

ኣፍሪቃውያን ተጸበይቲ ረድኤት ከም ዝዀኑ ጌርካ ምቕራብ ክኣ ይንቀፍ።

ኣብ ኢትዮጵያ ጥምየት ኣብ ዝተኸሰተሉ ግዜ ብምዝራብ ዝፍለጥ ኣመራርሓ መንግስቲ ዝነበረ ዳዊት ጊዮርጊስ “በዓል ልደት ምዃኑ ይፈልጡ ድዮም?’ ኢልካ ምሕታት ንዓና ጸርፊ’ዩ። ሓቀኛ ኣይኰነን፤ ምስሊ ኢትዮጵያ ብግጕይ መገዲ ዘቕርብ እዩ። ኢትዮጵያ፡ ቅድሚ ኢንግሊዝ’ያ ናይ ክርስቲያን ሃገር ኰይና። ንሕና፡ ቅድሚ ኣቦ-ሓጓዓኦታቶም ኢና በዓል ልደት ንፈልጥ” ይብል።

እዚ ክብል እንከሎ፡ ድምጹ ነቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ሕርቃን የጋውሕ ነይሩ።

ኣብቲ ግዜ፡ ምስ መሓዙቱ ኰይኑ ኣብ ዙርያ እዚ ሙዚቃ ንዘቕረቦ ነቐፌታ ክኣ ይዝክር።

ኢንግሊዛዊ ጋዜጠኛ ማይክል ቡሬክን ኬንያዊ ክኢላ ስእሊ መሓመድ ኣሚንን ኣብቲ እዋን ዝሰርሑዎ ጸብጻብ ህይወት ብዙሓት ከም ዘድሓነ ግን ይኣምን እዩ።

ሓላፊ ኮሚሽን ምትሕብባር ረድኤት ኢትዮጵያ ኰይኑ ዝሰርሐ ኣቶ ዳዊት፡ ኣብቲ እዋን ዝነበረ መንግስቲ እዚ ናይ ጥምየት ዜና ንከይወጽእ እኳ እንተኸልከለ፡ ሓቢኡ ጋዜጠኛታት ክኣትው ገይሩ’ዩ።

ሕጂ ኣብ ናሚብያ ዝነብር ዘሎ ዳዊት፡ “ህዝቢ ኢንግሊዝ ለጋስ ኰይኑ መልሲ ምሃቡ፡ ንሰብኣውነት ዘለኒ ኣረኣእያ ክጥንክር እዩ ገይሩ” ይብል።

ኣብ ባንድ ኤይድ ዘለዎ ሰባት “መንእሰያት፡ ዘገርሙን ዝሰርሑዎ ዝፈትውን” እዮም ክብል ይገልጾም።

ብምኽንያት እዛ ሙዚቃ ዝድሓነ ህይወት ሰባት ኣሎ፤ በዚ ሙዚቃ ዝሓለፈ ምስሊ ኢትዮጵያ ይዅን ኣፍሪቃ ግን ሕጂ’ውን ኣካታዒ’ዩ።

ቢቢሲ ኣብ ጥቅምቲ 1984 ድሕሪ ዝፈነዎ ጸብጻብ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት፡ ቦብ ጌልዶፍ (ጸጋም)ን ሚጅ ኡረን (ጸጋም) ብርክት ዝበሉ ሙዚቀኛታት ኣብ ምዕራብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ስቱድዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቢቢሲ ኣብ ጥቅምቲ 1984 ድሕሪ ዝፈነዎ ጸብጻብ ድሕሪ ሒደት ሰሙናት፡ ቦብ ጌልዶፍ (ጸጋም)ን ሚጅ ኡረን (ጸጋም) ብርክት ዝበሉ ሙዚቀኛታት ኣብ ምዕራብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ስቱድዮ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ቀረባ፡ ዘ ኮንቨርሴሽን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ቦብ ጊልዶፍ “ናይ ፖፕ ሙዚቃ’ዩ፤ ቅድሚ ሕጂ ሓደገኛ ኣካይዳ’ዩ ተባሂሉ ነቐፌታ ቀሪቡ’ዩ። እዚ ሙዚቃ ግን ህይወት ኣሽሓት ወይ’ውን ሚሊዮናት ኣድሒኑ’ዩ” ኢሉ።

ኢትዮጵያውያን በዓል ልደት ከም ዘኽብሩ’ኳ እንተፈለጡ፡ ኣብቲ እዋን ግን “በዓል ከኽብር ኣይክኣሉን” ይብል።

ሓላፊ ፋይናንስ ትረስት ባንድ ኤይድ ጆ ካኖን፡ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ 3.8 ሚሊዮን ዶላር ገንዘብ ብምትእኽኻብ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ጫድን ንዝርከቡ 350 ሽሕ ሰባት ምሕጋዝ ከም ዝተኽኣለ ገሊጹ።

ባንድ ኤይድ፡ ‘ኣብ እዋን ጸበባ ኣቐዲሙ ዝበጽሕ’ ሓጋዚ ብምዃን ብኲናት ሓድሕድ ንዝተሃሰየ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝኸውን ሓገዝ ንምትእኽኻብ ጻዕሪ ብምግባር ንኻልኦት’ውን ከም ዘተባብዐ ወሲኹ ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር፡ እዚ ልግሲ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ሙዚቃ ዝለዓል ሕቶታት ከጥፍኦ ኣይክኣለን።

ድምጻዊ ኤድ ሺረን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን በቲ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ቫይረስ ኢቦላ ንምክልኻል ገንዘብ ንምትእኽኻብ ዝተሰርሐ ሙዚቃ ዝተኻተቱ ነገራት ሕጕስ ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ ነይሩ።

እዚ ሙዚቃ ብ2014 ዓ.ም [ኣ.ኤ] እኳ እንተተሰርሐ፡ “እቲ ክፈጥሮ ዝኽእል ተረኽ ግን ዝነበረኒ ኣረኣእያ ክቕየር ገይሩ’ዩ” ይብል።

ኢንግሊዛዊ ጋናዊ ራፐር ፉስ ኢዲጂ፡ ኣብዚ ሙዚቃ ንምስታፍ ፍቓደኛ ከይኰነ ተሪፉ እዩ፥

“ዓለም ክትቕየር እንከላ፡ ባንድ ኤይድ ኣይተቐየረን። ኣብ በዓል ልደት ኣብ ኣፍሪቃ ሰላምን ደስታን የለን ይብሉ ኣለው። ኣፍሪቃ ሕጂ’ውን ብሞት ተኸቢባ እያ ዘላ ይብሉ ኣለው” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

“ዓመታዊ ንበዓል ልደት ናብ ጋና ይኸይድ’የ፤ ኣብዚ ኣብ ኣፍሪቃ ሰላምን ደስታን ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ፎቘድኡ ሞት ከም ዘየለ ንፈልጥ ኢና። ባንድ ኤይድ ግን ሓደ ጸገም ወሲዱ ንመላእ እታ ኣህጕር በዚ መነጽር እዩ ዝርእያ” ክብል እቲ ራፐር ይዛረብ።

ኣፍሪቃውያን ረድኤት ብዘተኣኻኽቡ ስነ-ጥበባውያን ዝስኣልሉ መገዲ ጽልዋ ከም ዘሕደረሉ’ውን ይዛረብ።

“ሰባት ንዓይ እናርኣዩ የባጭዩ”።

ጸብጻብ ማይክል ቡርክ ኣብ 1984 ምስተፈነወ ዓብዪ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ጻዕሪ ኣበጊሱ
መግለጺ ስእሊ, ጸብጻብ ማይክል ቡርክ ኣብ 1984 ምስተፈነወ ዓብዪ ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ጻዕሪ ኣበጊሱ

ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ መምህር ዝዀነ ኢንግሊዛዊ ናይጄሪያዊ ኤድዋርድ ኣድሞሉ፡ ኣብዚ ጕዳይ መጽናዕቲ ገይሩ ኣሎ።

ንባንድ ኤይድ ስዒቡ ኮሚክ ሪሊፍ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሰርሖ ሓጺር ፊልም’ውን ርእዩ።

“ኣፍሪቃውያን ዘይፈልጡ፡ ሕማቕ ጨና ዘለዎምን ምስ እንስሳት ዘገዳም ማዕረ ከም ዝዀኑን ገይርካ’ዩ ዝስኣል። ተመሃሪ እናሃለኹ ኣፍሪቃውያን መሓዙተይ ኣፍሪቃዊ ምዃኖም ይክሕዱ ነይሮም” ይብል።

ስእሊ ሰብነቶም ኣዝዩ ዝማህመነ ኣፍሪቃውያን፡ መተኣኻኸቢ ረድኤት ኰይኑ ይውዕል።

ሰር ፒተር ብሌክ ዝሰርሖ ሙዚቃ ባንድ ኤይድ፡ ክልተ ኢትዮጵያውያን ቈልዑ ጸሊምን ጻዕዳን ክዳን ተኸዲኖም በሽኵቲ ክበልዑ የርኢ።

ምርኢት ሙዚቃ ኤይድ ክዳሎ እንከሎ ድማ፡ ስእሊ ብእንግዳዑ ዝተስኣለ ሓደ ዕርቃኑ ዘሎ ዝማህመነ ህጻን ቀሪቡ።

እዚ ምስሊ ብ2004 ዓ.ም [ኣ.ኤ]፡ ኣብ ስራሕቲ ስነ-ጥበብ ተኻቲቱ፤ ሕጂ’ውን ኣብቲ ኣብዚ ዓመት ዝተሰርሐ ሙዚቃ ዳግም ክኣቱ ተገይሩ።

ኣብ ምትእኽኻብ ረድኤት ዝሰርሑ ሰባትን ብዛዕባ ረድኤት ዘጽንዑ ሰባትን፡ ስለ ምንታይ እዞም ምስሊታት ብተደጋጋሚ ከም ዝጥቀመሉ ሕቶታት ይለዓሉ’ዮም።

ምስ ክርስቲያን ኤይድ፡ ሴቭ ዘ ችልድረን፡ ኦክስፋምን ካልኦት ልዕሊ 300 ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ዝሰርሕ ቦንድ፡ እዚ ሙዚቃ ከም ብሓድሽ ተሰሪሑ ምዝርግሑ ነቒፉ።

ሓላፊት ማዕርነትን ኣንጻር ዓሌታውነትን ቦንድ ሊና ብሬሆ፡ “ከም ባንድ ኤይድ ዝበሉ ግዝኦም ዝሓለፎም ተረኻት የጋውሑ፤ ኣተሓሳስባታት ዓሌታውነትን ባዕዳዊ መግዛእትን ክጠናኸር ይገብሩ። ክብሪ ሰባት’ዮም ዘውርዱ” ትብል።

ቦብ ጊልዶፍ፡ ባንድ ኤይድ ዝሰርሖም ስራሕቲ “ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ” ዝቓነዮም’ዮም ዝብል ርኢይቶ ከም ዘይቕበል ተዛሪቡ ነይሩ።

ትካል ድምጻዊ ኤድ ሺረን፡ ኣብ ላይቤሪያ ዝርከቡ ግዳም ሓደር ኣብ ሆቴል ክሓድሩ ብምግባር ተሸሊሙ’ዩ።

ኮሚክ ሪሊፍ፡ ኣብ ላይቤሪያ ዝሰርሖ ቪድዮ ብዝምልከት እቲ ትካል “ኤድ ሺረን ረድኤት እንክህብ ኣብ ክንዲ ምርኣይ ሰባት ከመይ ክተሓባበሩ ከም ዝኽእሉ እዩ ከርኢ ፈቲኑ” ኢሉ።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ራዲ ኤይድ ዝተባህለ ትካል ኖርወይ ኣፍሪቃን ኣፍሪቃውያንን ምስ ረድኤት ብዝተሓሓዝ ዝስኣልሉ መገዲ ንምቕያር ምንቅስቓስ ጀሚሩ።

መምህር ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ኢስት ኣንግሊያ ፕሮፌሰር ዴቪድ ጊርሊንግ፡ እዚ ምንቅስቓስ ለውጢ ከም ዘምጽአ ይዛረብ።

እዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ዝዓበየ ሻውል መጽናዕቲ ዝሰርሐ ሙሁር፡ ረድኤት ዝወሃቦም ሰባት ተቐበልቲ ካብ ምዃን ዕጫኦም ዝውስንሉ ኣገባብ ከርኢ ክኢሉ’ዩ ብምባል ይዛረብ።

ትካላት ረድኤት ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ብፍሉጣት ሰባት ክስራሕ ይደልዩ። ገለ መራኸብቲ ሓፋሽ’ውን ፍሉጣት ሰባት ዘይብሉ ጸብጻባት ረድኤት ክሰርሑ ድልየት የብሎምን።

ማርቲን ስኮት ዝተባህለ ክኢላ ዝሰርሖ መጽናዕቲ ግን፡ ፍሉጣት ሰባት ኣብ ውሽጢ ምትእኽኻብ ረድኤት ክኣቱ እንከለው እቲ ትዅረት ናብኦም ከም ዘዘንብል የመልክት።

ፍሉጣት ሰባት በዚ ክርብሑ ይኽእሉ፤ እቶም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ግን ዝረኽቡዎ ጥቕሚ የለን።

ኤድዋርድ ኣድሞሉ ድማ፡ “እቲ ዝኣረገ ሕሉፍ ተረኽ ብምግዳፍ ሓድሽ መገዲ ምፍጣር ይክኣል እዩ፤ ኣፍሪቃ ተቐባሊት ዘይኰነት ናይ ባዕላ ታሪኽ እትጽሕፍ ኣህጕር’ያ” ይብል።