ኢትዮጵያ ዓመታዊ ብክልተ ሚልዮን ዝውስኽ ብዝሒ ህዝባ ክትገትእ የድልያ ዶ ይኸውን?

ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ድሕሪ 40 ዓመታት 10.4 ቢልዮን ክበጽሕ ምዃኑ ግምት ሕቡራት ሃገራት የመልክት። ብመሰረት እዚ ትንበያ፡ ህንዲ እትርከበን ሸሞንተ ሃገራት ዓለም፡ ፍርቂ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ክሕዛ እየን።
ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብዘን ሸሞንተ ሃገራት እያ።
ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ። ዓመት መጸ ብኽልተ ሚልዮን ይውስኽ። ኣብ ቀረባ እዋን ማዕከን ስነህዝቢ ሕቡራት ሃገራት ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ጸብጻብ፡ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ 129 ነጥቢ 7 ሚልዮን በጺሑ።
እዚ ቍጽሪ ድሕሪ 28 ዓመት ብዕጽፊ ክውስኽ ይግመት። ብመሰረት እዚ ትንበያ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ 2044፡ 259 ነጥቢ 4 ሚልዮን ክኸውን ግምት ኣሎ። እዚ ድማ ካብቲ ሕጂ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ናይጀርያ ዝበዝሐ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።
ምኽንያት እዚ ወሰኽ እንታይ እዩ? ዘለዎ ሓደጋን ዕድልን ከ?
ኣብ ሕቡራት ሃገራት ተንታኒት መደባት ልምዓትን ብዝሒ ህዝብን ወ/ሮ ገዙ ብርሃኑ፡ ምኽንያት ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ንምፍላጥ ሰለስተ መሰረታዊ ጉዳያት ምልዓል ከምዘድሊ ገሊጻ።
እዚኦም ድማ ልደት፡ ሞትን ስደትን እዮም። ብዝሒ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ዝውሰን ነዚኦም ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። መጠን ውልደትን ስደትን ክውስኽን መጠን ሞት ክጎድልን ከሎ፡ ውጽኢቱ ድማ ምውሳኽ ብዝሒ ህዝቢ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ መጠን ውልደትን ሞትን ምስ ግዜ እናነከየ ይኸይድ ከምዘሎ ዝሓበረት እታ ተንታኒት፡ ብሰንኪ ስደት ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ቁፅሪ ኣብዚ እቶ ዝበሃል ከምዘይኮነ ገሊጻ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝረአ ዘሎ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ቀንዲ ምኽንያት በብዓመቱ ዝረአ ዘሎ 2.5 ሚእታዊ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ምዃኑ’ውን ጠቒሳ።
ምስ ዝሓለፉ ዓመታት እንክነጻጸር መጠን ውልደትን ሞትን እናነከየ'ኳ እንተመጸ፡ እቲ ምዕሪት ዝመጣጠን ስለዘይኰነ ኣብ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ለውጢ ከምዝተርኣየ ትገልጽ።
ኣብ 1990ታት ዓመታዊ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ልዕሊ ሰለስተ ሚእታዊት ዝነበረ ኰይኑ፡ ሕጂ 2.5 ሚእታዊት ኮይኑ ኣሎ። ማለት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብማእከላይ ገምጋም 7ን ልዕሊኡን ቈልዑ ትወልድ ነይራ፡ ሕጂ ግን እዚ ቁጽሪ ናብ 4.6 ወሪዱ ኣሎ።
"ኣህጉራዊ ስደት ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ጽልዋ የብሉን" ዝበለት ወ/ሮ ገዙ፡ ምኽንያቱ ድማ መጠን ውልደትን ሞትን ተፈጥሮኣዊ ዕብየት ዝውስንን ኣብ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ልዑል ኣበርክቶ ስለዘለዎን እዩ።
ብዝሒ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ክኸውን ከሎ፡ ደረጃ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ድማ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዝውስኽ ብዝሒ ህዝቢ የመልክት።
ስለዚ መጠን ውልደትን ስደትን ምስ መጠን ሞት ዘይመጣጠን እንተኾይኑ፡ ወይ ድማ መጠን ሞት ትሑት እንተኾይኑ፡ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ክህሉ እዩ፡ ዕብየት ህዝቢ ድማ ብመጠን ውልደት ይውሰን።
ብመሰረት መረዳእታ ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት መጠን ሞት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት ከምዝነከየ ተገሊጹ።
ንኣብነት ኣብ 1970 ካብ ሓደ ሽሕ ህጻናት 244 ዕሸላት ይሞቱ ነይሮም፤ እዚ ቍጽሪ ኣብ 2019 ናብ 50 ወሪዱ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ እውን ቅልጡፍ ኣይነበረን። እታ ክኢላ፡ "መጠን ውልደት ክውስኽን መጠን ሞት ክጐድልን ከሎ፡ እቲ ፍልልይ እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ" ትብል።
ኣብ 2016 ዝተገበረ መጽናዕቲ ከምዘመላኽቶ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብማእከላይ ገምጋም 4.6 ቈልዑ ትወልድ። እዚ ቍጽሪ ብፍላይ ብመንጽር መጠን ሞት ልዑል ምዃኑን፡ እዚ ድማ ንወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረን እታ ክኢላ ትገልጽ።
ብዝሒ ህዝቢ ብመንጽር ስፍሓት መሬት
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኢትዮጵያ 1.12 ሚልዮን ትርብዒት ኪሎሜተር ስፍሓት ኣለዋ። እዚ በቲ ሕጂ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ክምቀል እንከሎ፡ጻዕቒ ብዝሒ ህዝቢ ብትርብዒት ሜትሮ 107 ይኸውን።
እዚ ማለት ኣብ ሓደ ትርብዒት ኪሎ ሜተር ብማእከላይ ገምጋም 107 ሰባት ይቕመጡ። ኣብ ከተማታት ግን ካብኡ ንላዕሊ ጽቕጥቕጥ ህዝቢ ኣሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ብዝሒ ህዝቢ ቀዳማይ ደረጃ ዝሓዘት ህንዲ፡ ስፍሓታ 2 ሚልዮንን 973 ሽሕን 190 ትርብዒት ኪሎሜተርን ክኸውን እንከሎ ኣብ ሓደ ትርቢዒት ሜትሮ 488 ሰብ ይነብር ኣሎ ማለት እዩ።
ብኻልእ ሸነኽ ኢትዮጵያ'ውን ብሰብ ሰርሖን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ትፍተን ኣላ። ሽቕለት ኣልቦነትን ዋጋ መነባብሮን እናገደደ መጺኡ፤ መጠን ዝቕባበ ዋጋ እውን ወሲኹ ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ፕሮግራም ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ኢትዮጵያ ካብተን ብዙሓት ዜጋታተን ኣብ ድኽነት ዝነብሩለን ሃገራት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ።
6.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን 112 ሃገራት 1.1 ቢልዮን ህዝበን ኣብ ድኽነት ከምዝነብር እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ኣስታት ፍርቂ ካብኣቶም [48.2 ሚእታዊት] ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ክነብሩ እንከለዉ፡ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ሃገራት ደቡብ ኤስያ ይነብሩ።
ካብዘን ሃገራት ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ቅድሚት ይጥቀሳ።
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ 86 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ድኽነት እዩ ዝነብር። ሕቡራት ሃገራት፡ ዝሕቱል ቍጠባ ንዝመርሓ ሃገራት ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ሓደጋ ክኸውን ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ዋና ጸሓፊ ቍጠባውን ማሕበራውን ጉዳያት እቲ ትካል ሊ ዠንሚን፡ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ድኽነት ንምክልኻል፡ መኣዛዊ መግቢ ከምኡ’ውን ትምህርትን ጥዕናን ኣብ ምቕራብ ንዝግበር ጻዕሪ ብድሆ ከምዝዀነ ሓቢሩ።
ቅድሚ ሕጂ ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሉ ኣብ ለንደን ዝነብር ዓብዱልመናን መሓመድ፡ ዕብየት ብዝሒ ህዝብን ቍጠባን ዝነጻጸሉ ኣይኰኑን ኢሉ።
ብመሰረት እቲ ክኢላ ቍጠባዊ ዕብየት ውጽኢት ሰለስተ ኵርናዓት እዩ።
“ሓደ ጉልበት ሰብ እዩ። እቲ ካልኣይ ምውህላል ካፒታል ክኸውን ከሎ እቲ ሳልሳይ ድማ ምዕባለ ቴክኖሎጂ እዩ።”
ዓብደልመናን እዞም ሰለስተ ነገራት ብውህደት ምስራሕ እንተተኻኢሉ ንቍጠባዊ ዕብየት ጠቐምቲ ከምዝዀኑ ኣብሪሁ።
"ንኣብነት ዕብየት ብዝሒ ህዝበን ዝዘሓለ ሃገራት፡ ዕቝር ርእሰማለንን ቴክኖሎጅን እንተዘይሓጊዙወን ቍጠባአን ከዕብያ ኣይክእላን እየን።"
ብርግጽ ገለ ሃገራት ብቴክኖሎጂ ምዕቡላት'ኳ እንተዀና፡ ብዋሕዲ ህዝቢ ግን ይፍተና ኣለዋ። ዜጋታተን ንኽወልዱ ከይተረፈ ዘተባብዓ ሃገራት ኣለዋ።
ከም ጃፓን፡ ኮርያን ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራት እውን ብሰንኪ ትሑት መጠን ውልደት ሕጽረት ጉልበት የጋጥመን ኣሎ። በዚ ምኽንያት ቻይና ኣብ ቀረባ እዋን ዕድመ ጥሮታ ሰራሕተኛታታ ክብ ኣቢላቶ እያ።
ካልኦት ሃገራት ነዚ ሃጓፍ ንምምላእ ንሮቦት ሓዊሱ ሓደስቲ ቴክኖሎጂታት ይጥቀማ ኣለዋ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብኻልእ ሸነኽ ኣብታ ቍጽሪ መንእሰያት ዝበዝሓላ ኣፍሪቃ፡ ነበርቲ ብሽቕለት ኣልቦነትን ናህሪ ዋጋታት፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ፖለቲካውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ይሳቐዩ ኣለዉ።
ምሁር ስነ-ቝጠባ ዓብደልመናን እውን ነቶም ሰለስተ ኩርናዓት ዘይምጥቃም ፖለቲካዊ ጸገም ከስዕብ ከምዝኽእል ይገልጽ።
ዓብደልመናን ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ምዃኖም ብምሕባር፡ "መንእሰይ ስራሕ እንተዘይብሉ፡ ማሕበራውን ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው የስዕብ" ይብል።
ብኻልእ ወገን ወ/ሮ ገዙ፡ ሓንቲ ሃገር ብእትኽተሎ ፖሊሲታት ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ስግኣትን ዕድልን ናይ ምዃን ተኽእሎታት ኣለዎ ኢላ።
ግቡእ ፖሊሲ ስነ ህዝቢ ተነዲፉ ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን፡ ‘ኣፍራዪ ህዝቢ’ ሓደ ካብቶም ንልምዓት እታ ሃገር ዝውስኑ ኣገደስቲ ጉዳያት ስለዝዀነ፡ ህዝቢ ከም ሃብቲ’ዩ ዝቝጸር ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ 15 ክሳብ 64 ዓመት ዝዕድመኡ ህዝቢ ልዕሊ ፍርቂ እዩ።
ስለዚ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዝርከብ ህዝቢ ምውሳኽ ዕድል እምበር ስግኣት ኣይኰነን ትብል እታ ክኢላ። ዕድል ክኸውን ዝኽእል ግን እታ ሃገር በቲ እትኽተሎ ፖሊሲታት ኣቢላ ነዚ ሃብቲ ክትጥቀመሉ እንተኽኢላ እዩ።
ነታ ብሕጽረት መነባብሮ፡ ሽቕለት ኣልቦነትን ድሩት ተበጻሕነት ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ማሕበራውን ቍጠባውን ብቕዓት ዘይብሉ ወለዶ ዘለዋ ሃገር ስግኣት ከም ዝኸውን እታ ክኢላ ተረድእ።
ስለዚ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር ዕድል ወይ ስግኣት ዝገብሮ ፖሊሲ እታ ሃገር እዩ ትብል።
ከም ኣገላልጻ ወይዘሮ ገዙ፡ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ለውጢ ክሊማ፡ ምስፍሕፋሕ ከተማን ተሳትፎ መንእሰያትን ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲታት፡ እታ ሃገር ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ከምዘላ ዘመልክት እዩ። እንተዀነ መንግስቲ መንእሰያት ማእከል ዝገበሩ ፖሊሲታት ቍጠባ ሓንጺጹ ከተግብር ምዒዳ።
ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ተግባራዊ እትገብሮ ዘላ ፖሊሲ ስነ ህዝቢ ኣብ 1985 [ግ] ዝወጸ’ዩ። ክኢላታት እቲ ፖሊሲ ክመሓየሽ ብተደጋጋሚ ጸዊዖም እኳ እንተነበሩ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣይተመሓየሸን።
ይዅን እምበር እቲ ፖሊሲ ብሰንኪ ህሉው ኵነታት ክኽለስ ተወሲኑ ከምዘሎ ዝሓበረት ወ/ሮ ገዙ፡ ትሰርሓሉ ዘላ ትካል ንመንግስቲ ይድግፍ ከምዘሎ ጠቒሳ።
ፖሊሲ ብዝሒ ህዝቢ 1985 እንታይ ይብል?
ኢትዮጵያ ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝተኸተለቶ ፖሊሲ ኣብ መንጐ ወሰኽ ብዝሒ ህዝብን ቍጠባዊ ዓቕምን ዘሎ ጋግ ንምድልዳል ዝዓለመ እዩ።
ማእከላይ መጠን ውልደት ሓንቲ ኣደ ኣብ 2015 ካብ ዝነበሮ 7.7 ህጻናት ናብ 4 ምውራድ፤ ኣብ 2015 ኣርባዕተ ሚእታዊት ጥራይ ዝነበረ ቍጽሪ ተጠቀምቲ መከላኸሊ ጥንሲ ናብ 44 ሚእታዊት ምዕባይ፡ ሞት ኣደታትን ህጻናትን ምንካይ፡ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ምውሳኽ ዝብሉ ድማ ይርከብዎ።
ፖሊሲ 1985፡ ብዝሒ ህዝቢ ንምግታእ ዝዓለመ ከምዝነበረ ዘዘኻኸረት ወ/ሮ ገዙ፡ እቲ ሕጂ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ክኽልሶ ዝሓስቦ ዘሎ ፖሊሲ ግን ወሰኽ ህዝቢ ናይ ምግታእ ዕላማ ከምዘይብሉ ሓቢራ።
እቲ ዝመሓየሽ ፖሊሲ፡ 60 ሚእታዊት ናይቲ ኣፍራዪ ህዝቢ ከም ሓይሊ ብምጥቃም ቍጠባ እታ ሃገር ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ። ስለዚ "ልዕሊ ዓቐን ብዝሒ ህዝቢ ከም ሓደጋ ዝቝጸር ኵነታት የለን" ኢላ።
ወ/ሮ ገዙ ብእትሰርሓሉ ትካል ኣቢላ ዝሃበቶ ናይ ፖሊሲ ማዕዳ’ውን ንሱ ከምዝዀነ ኣብሪሃ። ይዅን እምበር ኣብ ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ስራሕ ምፍጣርን ምምሕዳራዊ ጉዳያትን ድሌት መንእሰያት ኣብ ግምት ምእታው ከምዘድሊ ኣስሚራትሉ።
ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ክበዝሓ ዶ ይዀና?
ሃገራት ምጣነ ጾታን ዕድመ ህዝበን ንፈተናታት ከቃልዐን ይርአ።ንኣብነት ኣብ ጃፓን ካብ ዓሰርተ ሰባት ሓደ ዕድመኡ 80 ዓመትን ልዕሊኡን እዩ።
ብመሰረት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ እታ ሃገር ካብ 125 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ልዕሊ 29 ሚእታዊት ዕድመኦም 65 ዓመትን ልዕሊኡን እዩ።
እዚ ድማ ኣብ ቍጠባ ልዑል ጽልዋ የሕድር ከምዘሎ ይንገር።
ኣብ ኢትዮጵያ መጠን ውልደትን ሞትን እናነከየ ብምምጽኡ ቍጽሪ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ብተዛማዲ እናነከየ ይኸይድ ከምዘሎን፡ ካብ 15 ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድመኦም ኣፍራዪ ህዝቢ ድማ ቁጽሪ እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ብመንጽር ጾታ ክንርኢ ከለና፡ ኣብ ዓለም ቍጽሪ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ቅሩብ ከም ዝዛይድ ኣብቲ ዓውዲ ኣመልኪቶም ዝተገበሩ መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ኣብ 2022 ዘውጽአ ጸብጻብ ከምዘመላኽቶ ኣርመንያን ዩክረይንን ዝበዝሐ ቍጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ዘለወን ሃገራት እየን።
ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ 2021 ቍጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ቍጽሪ ደቂ ተባዕትዮ ብ10 ሚልዮን ዝዛየደ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ብኣንጻሩ ኣብ ቐጠር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዖማንን ቍጽሪ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ቍጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ይዛይድ። ኣብታ 2.5 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ቐጠር፡ ቍጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 700 ሽሕ እዩ።
ኢትዮጵያ’ኸ?
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ጾታ ምዕሪት ዳርጋ ተመሳሳሊ ከምዝዀነ ዝሓበረት ወ/ሮ ገዙ 49.9 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ደቂ ተባዕትዮ፡ 50.1 ሚእታዊት ድማ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝዀነ ብምጥቃስ ኣብ ቀጻሊ እውን ምዕሪት ጾታ ብኸምዚ ክቕጽል እዩ ዝብል ግምት ከምዘሎ ኣረዲኣ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







