ትግራይ፡ ዘይተነግሩ ዛንታታት ዘተ ሰላም ፕሪቶርያ- ካብ ኣንደበት ተላዛቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕዳር 2022 – ናይ ሎሚ ክልተ ዓመት - ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ነቲ ከቢድ ደማዊ ኲናት ትግራይ ደው ብምባሉ ዝነኣድ እዩ።
እቲ ብተዓዛብነት ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን፡ ብቐጥታ ሸምጋልነት ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ዝተበጽሐ ‘ውዕል ፕሪቶርያ’፡ ዝተፈላለዩ መልክዓትን ዝተሓዋወሱ ስምዒታትን ዘለዎ ኰይኑ፡ ኣዛራቢ ኰይኑ ቀፂሉ ኣሎ።
ብሓደ ሸነኽ፡ ነቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ዕጽዋ ክባን ተሸሚሙ፡ ድምጺ ድሮን፡ ነፈርቲ ኲናትን ተዅስን ጥራይ ዝሰምዕ ዝነበረ ህዝብ ትግራይ ዓቢይ መስተርሆት ዝሃበ እዩ።
እዚ ዀይኑ ግን ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ በቲ ኲናት ዝተሃሰየ ህዝቢ፡ ዝዓነወ መሰረተ-ልምዓት ዝዀነ ጽገና ኣይተገበረሉን። ብተወሳኺ፡ ዝበዝሑ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣይተመልሱን።
ካብ ተላዘብቲ ልኡኻት ትግራይ ሓደ ዝዀነን፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ‘ቍጠባን ገቨርናንስን’ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትግራይ ዝዀነን ኣሰፋ ኣብርሃ [ኢንጂነር]፡ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ እቲ ውዕል ክፍረም ዝደረኹ ኵነታትን እቲ ዝነበረ መንፈስን ንድሕሪት ምልስ ኢሉ የዋግዕ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘ብጭንቂ ዝተመልኣ ሸውዓተ መዓልታት’
እቲ ግጭት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ [ኣብ ጅቡትን ሲሸልስን ሓዊሱ] ብዙሓት ናይ ሰላም ጻዕርታት ተፈቲኖም። ኣብ መወዳእታ ነቲ መሪር ኲናት ደው ዘበለን ግን እቲ ኣብዚ ቕነ ክልተ ዓመቱ ዘቝጸረ ውዕል ፕሪቶርያ እዩ።
እቲ ብጻዕሪ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ማይክ ሃመር ዝተማእዘነ ልዝብ፡ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዝፅበዮ ዝነበረ ኰይኑ፡ ሳልሳይ ዙርያ እቲ ኲናት ዝኸፍአ ደማውን ብዙሕ ሰብ ዝረግፈሉን ብምዃኑ፡ እቲ ዘተ ኣብ ኣጨናቒ ኵነታት ይካየድ ከምዝነበረ፡ እቲ ካብ ናይሮቢ ናብ ፕሪቶርያ ኣምሪሑ ኣባል ተዛታዪ ልኡኽ ትግራይ ዝዀነ ኣቶ ኣሰፋ ይዝክር።
“ኣብኡ ንልዝብ ተቐሚጥና እንተለና፡ ከቢድ ኲናት ይካየድ ስለዝነበረ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ዘጨንቕ [stressful] እዩ ነይሩ። እቲ ኣብኡ ዘሕለፍናዮ ግዜ ምጭንናቕ ዝመልኦ እዩ ነይሩ፤ ገሊኦም ኣብኡ ንድርድር ተቐሚጥና እናሃለና፡ ዝሐሸ ወተሃደራዊ ቁመና ኣለና ኢሎም፡ እንተተኻኢሉ ‘ምድምሳስ፣ እንተዘይኰነ’ውን፡ ስርሓይ ኢልካ ናይ ምድንጓይ ዝግበር ዝነበረ ይመስለኒ፤
“ብወገንና፡ ኵነታትና ፅቡቕ ኣይነበረን፤ በብመዓልቱ መስዋእቲ ይኽፈል ነይሩ። ብዓብዩ ድማ፡ ‘ሎሚ ኰረም ኣተና፡ መቐለ በፃሕና’፣ ዝብል ፕሮፖጋንዳ ይርብሸና ነይሩ። እቶም ኣሸማገልቲ’ውን እንተዀነ፡ በቲ ፕሮጋንዳ [ዲስኢንፎርሜሽን] እናተፀለዉ ይደናገሩ ስለዝነበሩ፡ ነቲ ኵነታት ይዘርጎ ነይሩ፡” ይብል።
እቲ ብድሮናትን ከበድቲ ኣጽዋርን ዝተሰነየ ኲናት፡ ድሕሪ ንንውሕ ዝበለ ምድላዋት ዝተኻየደ ብምዃኑ፡ ብዓፋር፡ ብደቡብ ትግራይ ከምኡ’ውን ብሰሜን ምዕራብ ትግራይን ብግንባር ዛላንበሳን ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ይካየድ ነይሩ።
ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተሰለፉ ሓይልታት፡ ንሽረ፡ ኣክሱምን ከባቢኡን ተቘጻጺሮም፡ ኣብ ጐቦታት ዓድዋ፡ ሓዝሒዘ ከይተረፈ ደማዊ ውግኣት ይካየድ ከምዝነበረ ፀብፃባት የመልክቱ።
ብፍላይ ብኣንፈት ዓፋር ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ውግኣት ይካየድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኰይኑ፡ ‘ንመቐለ ተቘጻጺርናያ’ ዝብል ወረ ብነጠፍትን ደገፍትን መንግስቲ ይንዛሕ ነይሩ።
ኣቶ ኣሰፋ፡ እቲ ኣዝዩ ‘ኣጨናቒ’ ዝበሎ ኣብ ግንባር ዝነበረ ኵነታት ኣብቲ ዘተ ከቢድ ፅልዋ የሕድር ምንባሩ ይኣምን።
“እቲ ዓሰርተ መዓልታት፡ በብመዓልቱ ምምሕያሻት [ፕሮግረስ] እናርአየ ንቕድሚት እትስጕመሉ ኵነታት ኣይነበረን፤ ብሓፂሩ ኣብ ዓንጫቕ ክትዕ ኢና ነይርና” ይብል።
ብፍላይ፡ እተን ስሩዓት ሸውዓተ መዓልታት ብዘይ ፍረ ምስተወድኣ፡ ደስ ዘይብል ስምዒታት ተፈጢሩ ከምዝነበረ እውን ይገልጽ።
![ኣቶ ኣሰፋ ኣብርሃ፡ ናብ ፕሪቶርያ ካብ ዘምረሓ ኮሚቴ ልኡኽ ተላዘብቲ ትግራይ ሓደ ዀይኑ፡ ካብ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ንጸጋም ዝርከብ እዩ። [ካብ ፀጋም መበል ሻድሻይ ዘሎ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/86cc/live/bc687760-9ad1-11ef-860d-e138112a1565.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, AA
‘ኬንያታ ከይወዳእኹም ኣይትወጹን ኢሉና’
ኣቶ ኣሰፋ፡ ‘ተወሰኽቲ ሰለስተ መዓልቲ ክንህበኩም’ ተባሂሉ፡ እቲ ዝርርብ ሰላም ከምዝቐፀለ ይዝክር።
ኣብተን ተወሰኽቲ ሰለስተ መዓልታት፡ ተስፋ ዝህብን ተገዳስነት ሸምገልቲ ዝሓየለሉን ከምዝነበረ ይዛረብ።
“እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ መጀመርታ ዘደራድረና ዝነበረ ኣካል፡ ‘ጉዳይ ኣለኒ’ ኢሉ ከይዱ፤ ክንዲ ፕረዚደንት ኦባሳንጆ፡ ፕረዚደንት ኬንያታ ብምትካእ፡ ጉልበት ዝነበሮን ቆራፅነት ዝመልኦን ልዝብ ተጀሚሩ።
“ፕረዚደንት ኬንያታ ምስ ሓዞ፡ ካባና ክልተ ሰባት ወጢጡ፡ ካብኣቶም’ውን ክልተ ሰባት ወጢጡ ሒዙ፡ ናብ ኣዲስ አበባ’ውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ብቐጥታ እናተደዋወለን እናተዘራረበን ፡ ‘ኣብ ሰለስተ መዓልቲ ግድን ውፅኢት ክረክብ ኣለኒ’ ኢሉ ሰሪሑ።”
መዓልቲ ዓርቢ እያ ነይራ፡ ፕረዚደንት ኦባሳንጆ ‘ጉዳይ ኣለኒ ኢሉ ስለዝኸደ’፡ እቲ ልዝብ ዝካየደሉ ቦታ’ውን ከምዝተቐየረ ኣቶ ኣሰፋ ይዝክር።
“ኣብቲ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዝዓረፈሉ [ሂልተን ሆተል] ሓደ ኣዳራሽ ተዓፅዩ፡ ‘ኣብዘን ጉዳያት እዚአን ግድን ክትውድኡ ኣለኩም፡ ክትረዳዳኡ ኣለኩም፤ ከይወዳእኹም ኣይተወፅኡን’ ኢሉ ክሳብ ሰዓት ትሽዓት [ሰዓት ሰለስተ ናይ ወጋሕታ ]ኣሕዲሩና” ይብል።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ዘይከም’ቲ ቅድሚኡ ዝነበረ፡ ኣብ ጭቡጥን ናብ መሬት ዝዓልብን ዝርርብ ክግበር ጀሚሩ።
“ነቲ ነገር ኬንያታ ኣስጢሙ ምስ ሓዞ፡ ‘ብሰላም ክንውድእ ግዲ ኢና’ ዝብል መሊስና ተስፋ ገይርና’ ይብል።
እዚ ኣብ ዝዀነሉ፡ እቲ ኣብ መሬት ዝነበረ ኵነታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናኸፍአ፡ ኲናት ገዲዱ ዘሰካሕክሕ እናዀነን ከምዝመጽአ ይገልጽ። ኣቶ ኣሰፋ ካብ ኣዘዝቶም ብቐጥታ ዝበፅሖም ዝነበረ መረዳእታት’ውን ነዚ ዘረጋግፅ እዩ።
“ብኽልቲኡ ወገን ሰብ ይሃልቕ ነይሩ፡ ከም ቆፅሊ ይረግፍ ነይሩ፤ ይመስለኒ ብወገንና ዝበዝሕ መስዋእቲ ይኽፈል ነይሩ። ካብ ኤርትራን ካብ ኵሉ ኣንፈት ብዙሕ ሓይሊ ደፊኡ መፂኡ ስለዝነበረ፡ እቲ ኵነታት ኣኽቢድዎ ነይሩ።
"እንተዀነ ብጽንዓት ፕረዚደንት-ኬንያ ነበር ኡሁሩ እቲ ልዝብ ቀፂሉ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት፡ ሓደ ቅርጺ [ፍሬምዎርክ] እቲ ስምምዕ ተዳልዩ፡ እቲ ዝተረዳድኡሉ ኣብ ሰነድ ሰፊሩ።
ንፈለማ እዋን ዳርጋ ክፍረም ዝኽእል ሓደ ረቂቕ ንሰኑይ ተነዲፉ ሓዲሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
‘ኣብ መወዳእታ ሰዓት’ ዝዓንቀፀት ዓንቀፅ
ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ካልኣይ ዙር ልዝብ ከይዱ ከይዱ ኣብ ሰነድ በጺሑ፡ ጋዜጠኛታት ተጸዊዖም፡ እቲ ውዕል ክፍረም ኣብ ድርኩኺት ምስ በፅሐ፡ ሰኑይ ንጐሆ ሓደ ዘይተሓስበ ዕንቅፋት ገጢሙዎ።
‘ኣብ መንጐኦም ገለ ምስሕሓባት ተፈጢሩ ነይሩ’ ዝብል ኣቶ ኣሰፋ፡ ኣብ መንጐ ተደራደርቲ ፈደራል ገለ ፍልልይን ዘይስኒትን ከምዝነበረ ከምዘስተብሃለ ይገልጽ።
እቲ ንኣቶ ሬድዋን ሑሴንን ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቴዎስ ዝርከብሉ ሸውዓተ ኣባላት ዝሓዘ፡ ኮሚቴ ማእከላይ መንግስቲ፡ ‘ፈደራላዊ ስለዝዀነ ዝተፈላለዩ ድሌታት እቶም ተዛተይቲ ከንጸባርቕ’ ይፍትን ከምዝነበረ ይዝክር።
ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን፡ ብፍላይ ካልኣይ ዙር እቲ ኲናት ብሰፊሑ ዝተኻየደለን ስለዝነበራ በቲ ኵነታት ኣዝየን ዝተጸልዋ እየን፤ ብምዃኑ’ውን ኣብቲ ልዝብ ቀጥታዊ ፅልዋ የሕድራ ከምዝነበራ ኣቶ ኣሰፋ ይዛረብ።
ብፍላይ ድማ ክልል ኣምሓራ፡ እቲ ኲናት ምውልዑ ስዒቡ፡ ‘ሕቶ ይግበኣኒ’ ዘልዕለሎም ሰፋሕቲ ግዝኣታት ብሓይሊ ተቘጻጺሩ ስለዝነበረ ምስቲ ዝርርብ ብዝተኣሳሰር፡ ስግኣታት ከምዝነበርዎ ይዝረብ።
ስለዝዀ’ውን፡ “እምበኣርከስ ‘ፅባሕ ፈሪምና ዓድና ክንኣቱ ኢና’ እናበልና ተስፋ ገይርና እናሃለና፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ሓደ ዝርብሽ ኵነታት ተፈጢሩ” ክብል ይጅመር።
“ብወገንና እቲ አካይዳ ጥሙር እዩ ነይሩ፤ ርእይቶ እንተለወና’ውን ነቲ መራሒ እቲ ልኡኽ፡ ብመስታወሻ ብገለ ምዝኽኻራት ንገብር ነይርና’ምበር ናይ ቅዋም ኣፈላላያት ኣይነበረን። በቶም ሓደ ግን ከምኡ ኣይነበሩን። ካብ ኣምሓሩ ነይሮም፤ ካብ ዓፋር’ውን ነይሮም፤ ኦሮሞ’ውን ነይሮም። ናይቲ ፈደራል ውሁድ ዘንፀባርቕ ጕጅለ ስለዝዀነ፡ ክሳኻዕ ክፍረም ዝደልዩ ሓይልታት ነይሮም፡ በብእዋኑ ቀንጠ -መንጢ እናልዐሉ ዝህውኹ’ውን ነይሮም። ክፍርሙ ምስ ተዳለው፤ ሚድያ ተፀዊዑ፤ ኣብ መወደእታ ‘እዚ ዝብል ዓንቀፅ እንተዘይኣተወ’ ኢሎም ገሊኦም ኣብቲ ሰነድ ሰኲዖሙዎ መፂኦም።”
እታ ዓንቀፅ እንታይ እያ ነይራ? ብኸመይከ ተወዲኡ?
ኣብቶም ዓበይቲ መትከላት-መርሖታት እቲ ውዕል፡ ዶባት ይኹን ካልእ ምስሕሓባት፡ ‘ነቲ ሕገ-መንግስቲ ማእኸል ገይርካ ይፍታሕ’ ኣብ ዝብል ቁም ነገር ኢና ተሰማሚዕና፡ ዝብል ኣቶ ኣሰፋ፡ “እዚ እናሃለወ ግን፡ በቲ ናታቶም ቃል፡ ‘"እቶም ዘሳሓሕቡ ኣብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዘለዉ ከባብታት፡ ክሳብ ህዝበ-ውሳነ [ሪፈደረንደም] ተገይሩ መዕለቢ ዝረኽቡ፡ ኣብ ኢድ ፌዴራል መንግስቲ ይጽንሑ" ዝብል ዓንቀፅ ተወሲኹ ከምዝሓደረ ይዛረብ።
ኣቶ ኣሰፋ፡ ኣብቲ እዋን እታ ዓንቀፅ ዝፈጠረትሎም ስምዒታት ብኸምዚ ይገልጽ፤
“ብፍላይ እኒ ኣቶ ጌታቸውን [ጀነራል] ፃድቃንን፡ ንሕና ሰላም ዘምፅእ ጉዳይ ንምርካብ’ምበር መንነትን ግዝኣትን ተጋሩ ክንሽንሽን ኣይመፃእናን፤ ከምኡ ናይ ምግባር 'ማንዴት' የብልናን፤ እንድሕር እዚ ኰይንኩም ትደልዩ፡ ነቲ ሰላም ኣይትደልዩዎን ማለት እዩ፡ በቃ ነናብ ዝመፃእናዮ ንፈላለ’ ኢሎም ዳርጋ ረጊፆም ወፂኦም፤ ክዳኖም ተኸዲኖም ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ነይሮም።”
“ሽዑ ኣነ ኣዝየ ጉህየ ነይረ’’ ዝብል ኣቶ ኣሰፋ፡ እቲ ተስፋ ናብ ዜሮ ወሪዱ፡ ቅሩብ ስንባደ ፈጢሩ ከምዝነበረ ይዝክር።
“ሽዑ’ውን ኬንያታ ኣብ መትከሉ ፅኑዕ እዩ ነይሩ፤ ‘በሉ ክንድዚ ዝኣክል ዕድል ሂብናኩም ኢና፡ ሓደ ክልተ ሰዓት ኣለኩም፤ ሚድያ ተፀዊዑ ተዳልዩ እዩ ዘሎ፤ ስለዚ እቲ ዝርርብ ክዕፆ ግድን እዩ፤ ክዕፆ እንተሎ ግን፡ ‘ተሰማሚዕና ነይርና፤ ተሰማሚዖም ነይሮም፤ ትግራይ ሰላም ደልዮም፤ ተረዳዲእና ምስ ወዳእና ብሰንክኹም [ብመንግስቲ ፌዴራል] ፈሪሱ’፤ ኢለ ከውግዘኩም እየ’ ኢሉዎም።
ኣቶ ኣሰፋ ነቲ ዝነበረ ህሞት ከብርህ እንተሎ፡ እቲ ዳሕረዋይ ዓንቀፅ ናብ ድርድር’ውን ዝኣቱ ከምዘይነበረን፡ ‘ጠቕላላ እቲ ዓንቀፅ ኣውፅእዎ’ ከምዝተብሃለን ይዝክር።
“እታ ዓንቀፅ ኣውፂኦሙዋ። እቲ ሰነድ ተፈሪሙ። ካብኡ ኣብ ስራሕ ንክውዕል፤ ተዅሲ ጠጠው ንክብል፡ ሰዓታት’ውን ኣይወደአን። ካብ ክልተና ድሌት ሰላም ከምዝነበረ እዩ ዘርኢ። ክልተና ተዳኺምና ኢና ነይርና”።

ፕሪቶርያ ጠንቂ ምግምማዕ ህወሓት ድዩ?
ፈራሚ እቲ ውዕል ዝዀነ ውድብ ህወሓት፡ በቲ ውዕል መሰረት፡ ‘ግበረ-ሽበራ’ ዝብል ብይን ዝተልዓለሉ እንተዀነ’ኳ፡ ዛጊድ ሕጋዊ ሰብነቱ ክምለሰሉ ኣይከኣለን።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ብሰንኪ ኣብ መንጐ ኣቦ-መንበር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤልን [ዶ/ር] ፡ ምክትሉ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ፡ እቲ ውድብ ንኽልተ ተገሚዑ ኣብ ሕምስምስ ይርከብ።
ሓደ እቲ ጕጅለ፡ ብቦርድ መረፃን ብማእከላይ ኮሚሽን ቁፅፅርን፡ 'ሕጋዊነት የብሉን' ዝተበሃለ ‘ጉባኤ’ ብምክያድ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብመሰረት እቲ ውዕል ዝቘመ ‘ግዝያዊ ምምሕዳር’ ሓንጊዱ ይርከብ።
ኣብዚ እዋን፡ መራሕቲ ህወሓት ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ክካሰሱን 'ምስጢር' ከውፅኡን ዝስምዑ ኰይኖም፡ እቲ ምግምማዕ፡ ዋላ ፀኒሑ እንተገንፈለ፡ ካብ ፕሪቶርያ ዝነቅል ከምዝዀነ ኣቶ ኣሰፋ ይዛረብ።
ንሱ ከምዝብሎ፡ ‘ግዝያዊ ምምሕዳር’ ይጣየስ ዝብል ዓንቀፅ፡ ቀንዲ ጠንቂ እቲ ምግምማዕ መሪሕነት እዩ።
“ምስቲ ኣብ መሬት ዝነበረ ጭቡጥ ኵነታት ዝሓሸ ዝበሃል ውፅኢት ሒዝና መፂና ኢና ንብል፤ እንተዀነ ሽዑንሽዑ ጌታቸው ዀነ [ጀነራል] ፃድቃን ካብ ፕሪቶርያ ከይተመለሱ፡ ፖሊት ቢሮ ህወሓት ተኣኪቦም ‘ጠሊሞምና’ ዝብል ክሲ ኣቕሪቦም። ንገሊአና ድማ ሽም ኣውፂኦምልና፤ እዚ ውዕል እዚ ክቕደድ እዩ ዘለዎ፡ እቶም ሰባት’ውን ብኽሕደት ክእሰሩ እዩ ዘለዎም ዝብል 'ሞሽን 'ናብ ማእከላይ ኮሚቴ ኣቕሪቦም” ይብል።
ኣቶ ኣሰፋ፡ ነቲ ምቛም ‘ግዝያዊ ምምሕዳር’ ዝብል ዓንቀፅ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መቐለ ዝነበረ መሪሕነት ህወሓት፡ ክልተ ዓይነት ስግኣት ከምዝፈጠረሉ የረድእ።
እቲ ሓደ፡ ኣብ እዋን ስርዓት-ኢህወዴግ ምስ ሰብኣዊ ገበናት ብዝተኣሳሰር፡ ካብ ውልቃዊ ስግኣታት [insecurity] ተበጊሱ፡ ‘ምስ ኢትዮጵያ ዓይንን ሓመድን’ ኰይኑ ‘ሰላም’ ዝበሃል ክሰምዕ ዘይደሊ ኣካል ኣሎ፤ ካልኣይ ድማ “ኣሳታፊ ግዝያዊ መንግስቲ ይጣየስ” ስለዝተብሃለ፡ ስልጣኑ ዝተሓደገ ዝመስሎ መሪሕነት’ውን ከም ዘሎ ይዛረብ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ህወሓት ዝዕብልሎ'ኳ እንተዀነ፡ ከም በዓል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ካልኦት ሓዊሱ፡ ብመሰረት እቲ ውዕል ‘ኣሳታፊ’ ንምግባር ዝተፈተነ ዀይኑ፡ ድሕሪ ልዕሊ ሽድሽተ ወርሒ ዝወሰደ ላዕልን ታሕትን እዩ ቖይሙ።
እንተዀነ፡ ብፍላይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከይከውን ኣትሪሩ ዝተቓወመ ነባር መሪሕ እቲ ውድብ [ኦልድ ጋርድ]፡ ካብ'ቲ እዋን ጀሚሩ ስኒት ስኢኑ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ፕሪቶርያ ንዅላትና እዩ ፈላልዩና'
ብመሰረት እቲ ውዕል፡ ኣብ ደቡብ ትግራይን ኣብ ወረዳ ፀለምትን ገለ ተመዛበልቲ ናይ ምምላስን፡ መሊስካ ናይ ምጥያስን ጻዕርታት’ኳ እንተተረኣዩ፡ ብፍላይ ኣብቲ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝተመዛበለሉን ሓደ ርብዒ ኢድ እቲ ክልል ዝዀነን፡ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝተርአየ ምምሕያሽ የለን።
ኣቶ ኣሰፋ፡ “ሓቂ ንምዝራብ ንሳቶም ኣብቲ ጉዳይ ሓድነት የብሎምን፤ ሕኹትኩት እናበሉ ዘደናጐዩዎ ኵነታት ኣሎ ፤ ብኣና ወገን’ውን ካብ ኣብዚ ጉዳይ ሓደ ዀይና ዝሞገትናሉን ዝተቓለስናሉን፡ ኣብ ናይ ውሽጥና ሕኹትኩት እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ከውድቕ እናሓንከለን እናሸፈጠን ዘሕለፎ ግዜን ጉልበትን ይበዝሕ።
እዚ፡ ብቐጥታ ምስ ‘ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ዘይምኽባር’ ዝተኣሳሰር ኰይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ ከቢድ ብረትን ኣፅዋርን እንተረከቡ’ኳ፡ መሊኦም ዕጥቂ ዘይምፍትሖም በቲ ካልእ ወገን ቅረታ ይለዓል እዩ።
ስለዝዀነ፡ ጉዳይ ምዕራብ ትግራይን ዳግም ግጭት ኣልዒሉ፡ ነቲ ስምምዕ ንድሕሪት ከይመልሶ ስግኣታት ኣሎ።
እታ ነቲ ውዕል ኣብ መወዳእታ ክትብትኖ ቀሪባ ዝነበረት ዘካተዐት ዓንቀፅ ካብቲ ሰነድ ውዕል ደኣ ትውፃእ ‘ምበር፡ ብጭቡጥ ኣብ መሬት ግን ከምኡ ዶ ኣይኰነን ዘሎ? ንዝብል ሕቶ ኣቶ ኣሰፋ፤
“እወ፤ ምፅናሕስ ኣብ ኢድ መንግስቲ ፈደራል ፀኒሑ እዩ፤ ግን ክሳብ ህዝበ-ውሳነ ዝካየድ ኣይኰነን ኣብ ኢዶም ዘሎ። ክሳብ ዘረክቡና እዩ፤ ናይ ምርካብ ጉዳይ ደንጒዩ እዩ፤ ስለምንታይ ደንጉዩ ዝብል ሕቶ ምልዓል ይከኣል እዩ፤ እቲ ቦታ ናይ ብዙሓት ሓይልታት ኢንተረስት [ረብሓ] ዘለዎ ዀይኑ እዩ ወፂኡ።
"ካብ ውዕል ፕሪቶርያ ዘይተሓጐሱ ሓይልታት ኣለዉ። ንገሊኦም ሽዑ ንሽዑ ፈላልዩዎም፡ ንገሌና ድማ ፀኒሑ ይፈላልየና ኣሎ። ብባህሪኡ፡ ኵሉ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝተቐበሎን ዝተሓጐሰሉን ጉዳይ ኣይነበረን። ሻዕብያ [መንግስቲ ኤርትራ] ድማ ሽዑ ንሽዑ ብግልፂ ተቓዊምዎ፤ ደሓር ከምዝተረዳእናዮ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ድራፍት [ረቂቕ] ተረዳዲኡ ነይሩ እዩ፤ ደሓር ግን ‘ጠሊምኩምኒ’ ዝብል ናብ ምትሕንኻር [ኣትዩ]፤ ካብኡ ጀሚሩ ነቲ ውዕል ንምዕንቃፍ ይሰርሕ ኣሎ” ኢሉ።
ኣብ ኲናት ትግራይ መሻርኽቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበረ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ውዕል ፕሪቶርያ ምፍልላይ ከምዝተፈጥረ ዝዝረብ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ናይሮቢ ካብ ጋዜጠኛታት ንዘቐረበሉ ሕቶ ነዚ ክሲታት ነጺጉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







