ኲናት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ መርትዖታት ጃምላዊ ቅትለት ይቃጸል ኣሎ - መሰኻኽር ዓይኒ

ካብ ኲናት ትግራይ ዝሃደሙ ኢትዮጵያውያና ኣብ ሃምዳይት ሱዳን 22 ሕዳር 2020

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ምጽጻይ ዓሌት ዘመላኽት መርትዖታት ንምጥፋእ ብዝተወደበ መልክዕ ብዝካየድ ዘሎ ወፍሪ፡ ኣስከሬናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኮነ ተባሂሉ ከምዝዓኑ ይግበር ከምዘሎ ምስ 15 መሰኻኽር ዓይኒ ካብ ዝተገብረ ቃለመሕትት ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ዝቐጸለ ኲናት፡ ተወለድቲ ትግራይ ዕላማ ከምዝኾኑ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጹ ጸኒሖም እዮም።

እዚ ስጉምትታት ብኣኽባር ሕጊ ዓለምለኻዊ ቤትፍርዲ ፍትሒ ነበር፡ ፋቱ በንሶዳ ዝምራሕ ዘይሻራዊ መርማሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ክስታት ንምጽራይ ናብቲ ከባቢ ቅድሚ ምንቅስቓሱ ይውሰድ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ነቲ ከባቢ ተቖጻጺሮምዎ ዘለው፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ፡ ናይ ጃምላ መቓብራት ፍሒሮም፡ ብኣማኢት ዝቑጸር ኣስከሬናት ብምውጻእ፡ ኣቃጺሎም ነቲ ተረፍ ካብቲ ክልል የግዕዝዎ ከምዘለው መሰኻኽር ዓይኒ ብቴለፎን ኣብ ዝተገበረ ቃለመሕትት ተዛሪቦም።

መቓብራት ከምእተፋሕረ ዝገለጹ ሰብ መዚ ግና፡ እቲ መቓብራት፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ብዓሌት ዝተደረኸ ቅትለት ይፍጽም ምንባሩ ዘርእይ ምዃኑ ይሕብሩ።

ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ጎንደር፡ ምስ ህወሓት ርክብ ከምዘለዎ ዝተገለጸ ጃምላዊ መቓብራት ምርካቦም ገሊጾም ኔሮም።

ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት ጃምላዊ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ይኽሰሱ።

ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ግና፡ ብድሕሪ እቲ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተፈጸመ ምፅናት ዓሌት፡ ሰብ መዝን ሓይልታትን ኣምሓራ ከምዘለው ከሲሱ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መነጎ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፌደራላዊ መንግስትን እቲ ንዓሰርተታት ዓመተት ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ላዕለዋይ ኢድ ዝነበሮ ህወሓትን ዝተፈጥር ምስሕሓብ ኣብ ሕዳር 2020 ናብ ኲናት ምምርሑ ይዝከር።

ዝዓነወት ታንክ ኣብ ካሳጊታ ክልል ዓፋር 25 ለካቲት 2022

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ብኹሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ከምዝተፈጸመ ዝግለጽ በደላት ዝምርምር ነጻ ኣካል ክቐውም ወሲኑ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ ክቃወሞ እንከሎ፤ እቲ ውሳነ “መሳርሒ ፖለቲካዊ ጸቕጢ” ከምዝኾነ ብምግላጽ ከምዘይተሓባበር ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኢትዮጵያ ነቲ መርመራ በጀት ከይፍቀድ ፈተነታት ኣብ ዘካየደትሉ፡ ደገፍ ቻይናን ሩስያን ረኺባ እኳ እንተነበረት፡ ክትዕወት ግና ኣይከኣለትን።

ምቅፃል ኣስከሬናት

መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝገለጽዎ፡ እቲ ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ነቲ መርትዖታት ንምዕናው ወፈራታት ተጀሚሩ።

“ኣብ ከተማ ሑመራ ብድሕሪ ቤት ትምህርቲ ሓምለ ሓሙሽተ ኣብ ዝርከብ ቃጽዖ፡ 200 ኣስከሬናት ሲቪላውያን ተጋሩ ኣብ ክልተ ጃምላዊ መቓብር ተቐቢሩ ነይሩ። እዚኦም ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ እቲ ኲናት ዝተጨፍጨፉ ሲቪላውያን እዮም፡” ኢሉ ሓደ ተወላዲ ወልቃይት ዝኾነ ነባሪ ሑመራ።

ተጋሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብሰንኪ እቲ ኲናት ወይ ካብቲ ከባቢ ሃዲሞም ወይከኣ ኣብ ማእሰርቲ እዮም ዝርከቡ፤ ተወለድቲ ወልቃይት ግና ኣብቲ ስፍራ ክህልው እንከለው፤ ዝረኣይዎ ተዛሪቦም ኣለው።

“ሚያዝያ 4፡ ምልሻታት ኣምሓራን ፋኖን ነቲ መቓብራት ፍሒሮምዎ። ዕንጨይቲ ኣኪቦም፡ ገለ ነገር ድሕሪ ምፍሳስ ነቲ ዝኣከብዎ ኣስከሬናት ኣቃጺሎምዎ። እቲ ኣስከሬናት ናብ ሓሙኽሽቲ ተቐዪሩ እዩ።”

እቲ ቃለ ምስክርነት ምስቲ ካብ ካለኦት ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝተዛረብዎ ተመሳሳሊ እዩ።

ምልሻታት ኣምሓራን ፋኖን ኣብ ካልእ ክፋል ሑመራ ተቐቢሩ ዝነበረ ኣስከሬናት’ውን ከም ዘዕነው እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።

“እቲ ኣስከሬናት ናይቶም ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ተታሒዞም ዝነበሩ ሲቪላውያን እዩ። ብድሕሪ ህዝባዊ ቤትጽሕፈት ኢንስቲትዩት ሕርሻ ሑመራ ኣብ ዝርከብ መሬት ከባቢ 100 ዝኸውን ኣስከሬናት ብጃምላ ተቐቢሩ ነይሩ፡” ኢሉ ካልእ ምስክር ዓይኒ።

“ነቲ ኣስከሬናት ናብ ቀጽሪ እቲ ኢንስቲትዩት ወሲዶም፡ ዕንጨይቲ፡ ሓውን ዘይንፈልጦ ኬሚካልን ተጠቂሞም ናብ ሓምኹሽቲ ቀዪሮምዎ። ነዚ ክገብርዎ እንከለው ገጾም ብማስኬራ ሸፊኖም ኣእዳዎም ጓንቲ ወድዮም እዮም ነይሮም።”

ካርታ ኢትዮጵያ

ኣብ ምዕራብ ትግራይ እትርከብ ኣደባይ ካልእ መርትዖታት ክዓኑ ዝተገበረላ ከተማ ምዃና መሰኻኽር ዓይኒ ይገልጹ።

"10 ሚያዝያ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ፡ ምልሻታት ኣምሓራ፡ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ኣቡነ ኣረጋዊ ዝነበረ ኣርባዕተ ጃምላዊ መቓብር ፍሒሮም፡" ይብል ተቐማጢ ኣደባይ።

"ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዝተገብረ ምጽጻይ ዓሌት ናይ ዝተቐትሉ 150 ኣስከሬን ሲቪላውያን ነይሩ። ነቲ ኣስከሬናት ኣብ ናይ ጽዕነት መኪና ጽዒኖምዎ ናበይ ከምዝወሰድዎ ኣይፈለጥናን" ክብል'ውን ወሲኹ ገሊፁ።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ካልእ ኣብ ከባቢ ቤትጽሕፈት ምምሕዳር ኣደባይ ዝነበረ ጃምላዊ መቓብር ከምእተፋሕረ መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም ኣለዉ።

ኣብቲ መቓብር ኣብ ጥቅምቲ 2021 ካብ ዓዲ ጎሹ ምስ ተገፉ ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ ዝተትሓዙ 39 ሲቪላውያን ተቐቢሮም ምንባሮም ይግለጽ።

ብመሰረት ሓበሬታ እቶም መሰኻኽር ዓይኒ፡ እቲ ኣስከሬናት ኣብ መኪና ተጻዒኑ'ዩ ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ተወሲዱ።

ኣብታ ኣብ መንጎ ትርካን ራውያን እትርከብ ከተማ ባዕኸር'ውን ተመሳሳሊ ንጥፈታት ምንባሩ ካልኦት መሰኻኽር ዓይኒ ተዛሪቦም።

"እቲ ኣስከሬናት ናይ'ቶም ኣብ ባዕኸር ዝተትሓዙ 70 ሲቪላውያን እዩ። ቅድሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ እዮም ተቐቲሎም" ይብል ሓደ ነባሪ እቲ ከባቢ።

"ብ 11 ሚያዝያ ምልሻታት ኣምሓራ ነቲ መቓብር ፍሒሮም ኣብ ክልል ኣምሓራ ናብ እትርከብ ከተማ ሳንጃ ወሲዶምዎ" ክብል ድማ የረድእ።

እቶም መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝሕብርዎ፡ እቲ ወፈራ ምዕናው መርትዖታት ብ4 ሚያዝያ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ብክኢላታት ዩኒቨርስቲ ጎንደር ክትትል ይግበረሉ እዩ።

"ሞያውያን ዩኒቨርስቲ ጎንደር ናብቲ ከባቢ ዑደት ድሕሪ ምግባሮም እዩ ጀሚሩ። ክመጽኡ ከለው፡ ኣብ ጻዕዳ ጀሪካናት ኬሚካላት ዝጸዓና መካይን ሒዞም እዮም መጺኦም። ኣብቲ ከተማ ንዝተወሰነ መዓልትታት እዮም ጸኒሖም፤ ነቲ ኣስከሬናት ከመይ ጌርካ ከምእተዕንዎ ስልጠናታት ድሕሪ ምሃብ ተመሊሶም ከይዶም" ኢሉ ሓደ ምስክር ዓይኒ።

እቲ ዩኒቨርስቲ ነዚ ክስታት ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሸ ኣይሃበን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግና መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ተመራመርቲ ዩኒቨርስቲ ጎንደር ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ 12 ጃምላዊ መቓብር ዝርከበሉ ስፍራታት መጽናዕቲ ክገብሩ ከምዝጸንሑን፡ ህወሓት ኣብ ምጽናት ዓሌት ተዋፊሩ ምንባሩ መረጋገጺታት ከምዝረኸቡን ገሊጹ ነይሩ።

ገለ ኬሚካላት ብምጥቃም ኣስከሬን ናይ ሰባት ምዕናው ከምዝከኣል ክኢላታት ይገልጹ።

ኣንድረያ ሴላ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር 'ኢንኦርጋኒክ ኬሚስትሪ' ኮይኑ፤ ኣስከሬን ናይ ሰባት ኣብ ብርቱዕ ሓዊ ናብ ሓምኹሽቲ ከምዝቕየር የረድእ።

ኣብ ኤቸን ዩኒቨርስቲ ጀርመን ክኢላ ኬሚካል ኢንጅነሪን ዝኾነ ዶክተር ገብረኪዳን ገብረስላሰ'ውን ኬሚካላት ብምጥቃም ፎረንሲካዊ መርትዖታት ምዕናው ከምዝከኣል ገሊጹ።

"እዞም ኬሚካላት ፎረንሲካዊ መርትዖታት ከዕንው ይኽእሉ እዮም. . . እንተኾነ ግና ብመንጽር ኬሚካል ሓምኹሽቲ'ውን ገለ መርትዖ ከመልክት ይኽእል እዩ። ምሉእ ብምሉእ ምዕናው ከቢድ እዩ" ኢሉ።

ቤትጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ንዝቐረበሉ ሕቶ ርእይቶ ኣይሃበን። እንተኾነ ግና ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣምሓራን ኣፈኛ ፓርላማ ፌደራልን ዝኾነ ኣገኘሁ ተሻገር፡ ነቲ መርትዖታት ከምዝዓኑ ይግበር ኣሎ ዝብል ክሲ ነጺግዎ'ሎ።

እቲ በዓል ስልጣን፡ መቓብራት ይፈሓር ከምዘሎ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ዝወጽእ ዘሎ መቓብራት ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ናይ ዝተቐትሉ ኣምሓሩ ምዃኑ ሓቢሩ።

"ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰንኪ እቲ ነዛ ሃገር ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓት፡ ነቲ ጃምላዊ መቓብራት ምፍሓርን ንዓለም ምርኣይን ዝከኣል ኣይነበረን" ኢሉ።

ህወሓት ኣብቲ ነታ ሃገር ካብ 1990ታት ክሳዕ 2018 ዝመርሕ ዝነበረ ልፍንቲ ኢህወደግ ዝለዓለ ኢድ ዝነበሮ ውድብ እዩ።

ኣቶ ኣገኘሁ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ምጽጻይ ዓሌት ተፈጺሙ ንዝብል ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዎችን ንዝቐረበ ክሲ'ውን ሓሶት ክብል ነጺግዎ።

"እዚኦም ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝጎሰዩ ስምዒታዊ ጸብጻባት እዮም" ኢሉ።

መግለጺ ቪድዮ, ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ‘ክደፍሩኒ ምስ ፈተኑ በዓል ቤተይ ንክልተ ወተሃደራት ቀቲሉ፡ ህይወቱ ኣጥፊኡ’