ቅልውላው ትግራይ፡ 'ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ገዛይ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን እግረይ ስኢነ'

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Negera / BBC
ብርሃነ ሃይሉ ኣብ ትግራይ ኣብ ኣኽራን ገጠራት ዓድዋ’ዩ ዝነብር። ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ካብ ቤት ትምህርቲ ብእግሩ ናብ ገዝኡ እናተጓዕዘ እንከሎ ህይወቱ ንዘልኣለም ክቕየረ ዝገበረ ሓደጋ ነታጒ ኣጋጢሙዎ።
እቲ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ መሬት ዝነበረ ነታጒ ምስ ረገጸ ዓጽምን ስጋን ጸጋማይ እግሩ ከምኡ ከኣ ኣጻብዕቲ ብኸቢድ ተሃስዩ።
ንዕኡ ስዒቡ ኣብ ሓያል ቓንዛ ከም ዝነበረ ይዝክር።
“እንታይ ከም ዝዀነ ኣይፈለጥኩን ነይረ፤ ምስ ተፈንጀረ ግን ቀሊዑ ደርብዩኒ። ሽዑ ድምጺ ዝሰምዑ ሰባት መጺኦም ናብ ሆስፒታል ወሲዶምኒ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
በዚ ሓደጋ ኣብ ሓያል ወጥሪ ዝኣተወ ወላዲኡን ካልኦት ነበርቲ እቲ ከባብን ንብርሃነ ብእግሪ ንክልተ ሰዓታት ተጓዒዞም ናብ ዓድዋ ተሰኪሞምዎ ይኸዱ።
ከተማ ዓድዋ ካብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል ዝዀነት መቐለ ኣስታት 162 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እያ ትርከብ፤ እዛ ከተማ ካብ ዶብ ኤርትራ’ውን ዝርሓቐት ኣይኰነትን።
ሓካይም ህይወቱ ከትርፉ ክኢሎም፤ ኣጻብዕቲ ኢዱን እግሩን ግን ንዘልኣለም ስኢንወን።
እታ ብርሃነ ዝነብረላ ጣብያ ወየንቲ ቁሸት ሰያቦ ኰይና፡ እቲ ብ2 ሕዳር 2022 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ዝተዛዘመ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ስዒቡ ብብዝሒ ዘይተፈንጀሩ ተተኰስቲ ዝርከበላ ከባቢ እያ።
እዚኦም ብቐንዱ ቦምባታትን ካልእ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝሃደሙ ተዋጋእቲ ገዲፎምዎም ዝወጽኡ ኣጽዋርን እዮም።
እንተኾነ ኣብቲ ካበቢ ኮነ ኢልካ ዝተቐበረ ጸረ ሰብ ነታጒ ከምዘየለ'ዩ ዝእመን፡ ሰራዊት ደርብይዎ ዝኸደ ተፈንጀርቲ ግን ፈቐድኡ'ዩ ዘሎ።
ኣብ መላእ ከባቢታት ትግራይ፡ ተረፍ መረፍ እቲ ኲናት ኣሎ።
ሓደጋ እቲ ኣብ ግራውትን ኣኽራናት ዝበዝሖ ከባቢታትን ዝተረፉ ተተኰስቲ ግን ብቐሊሉ ዝግመት ኣይኰነን።
ሰባት ብእግሮም ክጕዓዙ እንከለው፡ ናይ ሰራዊትን ውግእን መካይን እዮም ዝርእዩ።
እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት፡ ሚሊዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉን ተጸበይቲ ረድኤት ክዀኑን ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተራእዩ ደማዊ ጐንጺታት ሓደ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።
እዚ ኲናት፡ ኣብ መወዳእታ 2020 ኣብ ሞንጐ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ጐኖም ዝተሰለፉ ወተሃደራት ኤርትራን ብረት ዘልዓሉ ሓይልታት ትግራይን ክለዓል እንከሎ፡ ክልቲኦም ነታ ክልል ንምቁጽጻር ይዋግኡ ነይሮም።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጺን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝስዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።
እዚ ኲናት፡ ኣብ ፕሪቶሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተፈረመ ውዕል ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ደው ካብ ዝብል ክልተ ዓመት’ኳ እንተኣቑጸረ፡ ሰባት ግን ሕጂ’ውን ካብቲ ኲናት ብዝተረፉ ተተኰስቲ ይሞቱን ይቐስሉን ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Negera / BBC
ብርሃነ፡ ኣባጊዕን ኣጣልን ስድርኡ ኣብ ዝጓስየሉ ዝነበረ እዋን’ዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ።
ካብ 2023 ጀሚሩ፡ ኣስታት 400 ግዳያት ከም ናይ ብርሃነ ዝበለ ተመሳሳሊ ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ይገልጽ።
ካብዚኦም እቶም 80 ሚኢታዊት ቈልዑ ኰይኖም፡ እዞም ዘይተፈንጀሩ ተተኰስቲ ኣብ ዝሕዝሉ እዋን ኣእዳዎም ስኢኖም’ዮም።
እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ግን እቲ ኣሃዝ ግዳያት ተፈንጀርቲ ካብዚ ንላዕሊ ክኸውን ከም ዝኽእል ይሕብር።
ንግስቲ ግደይ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ከባቢ ዓድዋ ኣብ ዝርከብ ወረዳ ነዊ ብዘጋጠመ ፍንጀራ በዓል ቤታ ኣብ ዝሞተሉ እዋን ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሰ-ጾር እያ ነይራ።
በዓል ቤታ፡ ኣብ ናይ ህንጻ ስራሕ ክሕግዝ ወጺኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ነቲ ከይተፈንጀረ ዝጸንሐ ተተኳሲ ረጊጹዎ።
ድሕሪ እቲ ሓደጋ ናብ ሆስፒታል እኳ እንተኣተወ፡ ብህይወት ክተርፍ ኣይክኣለን።
ንግስቲ፡ እዞም ተተኰስቲ “ፎቘድኡ’ዩ ዘለው፤ ኣመሓደርቲ ዝዀነ ብረት ዝመስል ነገር ከይንትንክፍ እዮም ዝነግሩና” ኢላ።
ኣብ ከም ዋና መገዲ ዓድዋ ርሒቓ እትርከብ ንእሽቶ ቑሸት ጐረሮ ዝበሉ ገጠር ዓድታት ዘይተፈንጀረ ኣጽዋር ንምእካብ ጻዕርታት ተገይሩ።
ሰፊሕ ወፍሪ ምእላይ እዞም ኣጽዋር ንምክያድ ግን ኣጸጋሚ ከም ዝዀነ ሓላፊ ፖሊስ እቲ ከባቢ ሓዱሽ ገብረመድህን ተዛሪቡ።
እቲ ገለ ተኣኪቡ ዘሎ ተተኰስቲ ድማ ብሰንኪ ዋዒ ወይ ሃንደበታዊ ሓደጋ ባርዕ ከይፍንጅር ስግኣት ኣለዎ።

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Negera / BBC
እዚ ጕዳይ ኣብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ጐንጺታት ዝመጽእ ሳዕቤናት ኣብ ምግጣም ተሞክሮ ዘለዎም ተተኰስቲ ኣብ ምእላይ ዝነጥፉ ገበርቲ ሰናይ ኢዶም ክሕውሱን ሰፊሕ ዝተወሃሃደ ጻዕሪን ዝሓትት እዩ።
ሰብ መዚ ምምሕዳር ከተማ ዓድዋ፡ ነታጒ ብውሑስ መገዲ ንምምካን ንነብሶም ኣብ ዓቢ ሓደጋ ኣብ ዘእቱ ኵነታት ኰይኖም ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን እታ ከተማ ይእክቡዎ ኣለው።
ብርሃነ ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ግን ሕጂ’ውን ልዑል ስግኣት ኣሎ።
ኣብ እዋን እቲ ኲናት ዝተቛረጸ መሰረታዊ ኣገልግሎታት [ከም ኤሌክትሪክን ኢንተርነትን]፡ ድሕሪ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ሰያቦን ካልኦት ቑሸታትን ከተማታትን ናብ ንቡር ተመሊሱ እዩ።
ብርሃነ ድሕሪ ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለስ ክኢሉ።
ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2016 ዓ.ም [ኣ.ግ] ብዘጋጠሞ ሓደጋ ኣጻብዕቲ ኢዱን እግሩን ክስእን እንከሎ፡ ስድራኡ’ውን ብዙሕ መከራታት ኣጋጢሙዋ እዩ።
ኣብ እዋን ኲናት ኣባል ሓይልታት ጸጥታ ዝነበረ ዓብዪ ሓው ተቐቲሉ።
ሓንቲ ካብተን ኣሓቱ’ውን ተጋዳሊት ኰይና ቀዋሚ መጉዳእቲ በጺሕዋ ክሳብ ሕጂ ሕክምናዊ ናብዮት ትረክብ ኣላ።
ካሊእ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ትነብር ዝነበረት ሓፍቱ ድማ ብሰንኪ እቲ ኲናት ተፈናቂላ ትርከብ።
እቲ እትነብረሉ ዝነበረት ከባቢታት ኣድያቦ ምስ ጐረቤት ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘሰሓሕብ ዝርከብ ብምዃኑ ክሳብ ሕጂ ናብ መንበሪ ቤታ ክትምለስ ኣይክኣለትን።
ንሳ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ ግዝያቂ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ክትነብር ጸኒሓ፤ ሕጂ ግን ንሓዋ ትሕግዞ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Amensisa Negera / BBC
ብርሃነ ድማ፡ ሓደ ገባሪ ሰናይ ሰብ ዝሰርሖ እግሪ ክተኽለሉ ክኢሉ።
ቅድሚ ስንክልንኡ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ 20 ደቓይቕ ዝወስደሉ ዝነበረ መገዲ ሕጂ ኣስታት ሓደ ሰዓት እዩ ዝወስደሉ። ስለዚ ምስ ሓፍቱ ኣብ ከተማ ዓድዋ ገዛ ተኻርዮም ይነብሩ ኣለው።
ይኹን’ምበር፡ ሓፍቱ ረድኤት እናተጸበየት እትነብር ብምዃና እዚ ዝሓቶ ወጻኢታት ብኸመይ ከም ዝሽፍኑዎ ይጭነቑ።
ካብ ኵሉ ንላዕሊ ግን ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለስ ብምኽኣሉ ሕጕስ ምዃኑ ይዛረብ።
ብሰንኪ እቲ ዝበጽሖ ሓደጋ፡ ኣጻብዕ ኣእዳው ስለ ዝተቘረጻ መማህርቱ ኣብ ምጽሓፍ ይሕግዙዎ።
“ዝተሓዋወሰ ስምዒት እዩ ዝስምዓኒ፤ ሓሓሊፉ ይሓርቕ . . . ካልእ ግዜ ድማ ብህይወት ምትራፈይ ርእየ ከመስግን ከም ዘለኒ ይስምዓኒ” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቅድሚ እቲ ሓደጋ ሓረስታይ ክኸውን’ዩ ዝብህግ ነይሩ፤ ክሳብ እቲ ሓደጋ ዘጋጥሞ'ውን ንስድርኡ ኣብ ሕርሻ ይሕግዞም ነይሩ'ዩ።
ወዲ 17 ዓመት ብርሃነ፡ ትምህርቱ ወዲኡ ስድርኡ ብዝሓሸ መገዲ ክሕግዝ የመዓዱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







