ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ትግራይ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝተፈጸሞ 'ፈተነ ቅትለት' እንታይ ይብል?

ኣቶ ሰለሞን መዓሾ

ምንጪ ስእሊ, DW

መግለጺ ስእሊ, ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ትግራይ ኣቶ ሰለሙን መዓሾ

ብሰንበት 17 ሕዳር 2024፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ትግራይ ዝዀነ ኣቶ ሰለሞን መዓሾ 'ፈተነ ቅትለት' ከም ዝተፈጸመ ዝገልጹ ሓበሬታታት ወጺኦም ነይሮም።

እዚ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ብስራሕ ምኽንያት ካብ ኣክሱም ናብ ርእሰ ከተማ እቲ ክልል መቐለ ኣብ ዝጕዓዘሉ ዝነበረ እዋን ዝተፈጸመ ምዃኑ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ይግለጽ።

ነዚ ኣመልኪቱ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ወግዓዊ ሓበሬታ ብዘይምህላው፡ እቲ ፈተነ ቅትለት ከም ዘይተፈጸመ ዝገልጹ ሓበሬታታት ብማሕበራዊ መራኸቢታት ክወጽኡ ጸኒሖም ኣለው።

ኣብዚ ጕዳይ ንፈለማ እዋን ዝርዝር ርእይቶ ዝሃበ ኣቶ ሰለሞን መዓሾ ግን፡ ኣብቲ ዝተጠቕሰ ዕለትን ሰዓትን መኪናኡ ብጥይት ከም ዝተሃርመት ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ንሱ ብፍሉይ ንቢቢሲ ዝሃቦ ቃለመጠይቕ፡ እቲ ዘጋጠመ ኵነታት "ሓቂ'ዩ" ብምባል ኣብ ልዕሊኡ ፈተነ ቅትለት ተፈጺሙ ክኸውን ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

"ምንም ነገር ከም ዘይተፈጥረ ተገይሩ ዝቐርብ ዝነበረ ነገራት፡ ሕብረተሰብ ንምድንጋር ዝዓለመ'ዩ" ብምባል'ውን ከም ዘሕዘኖ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ሰለሞን፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

መስመር

ቢቢሲ፤ ሓቅነት ብሰንበት ኣብ ልዕሊ እትጕዓዘላ ዝነበርካ መኪና መጥቃዕቲ ጥይት ተፈጺሙ ዝብል ሓበሬታታት'ዶ ከተረጋግጸልና? ኣበይ'ከ እዩ ኣጋጢሙ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቶ ሰለሞን፤ ሓቂ እዩ፤ ብስራሕ ምኽንያት ካብ ኣክሱም ናብ መቐለ ንጕዓዝ ነይርና።ናብ መቐለ ንኸይድ ምህላውና እውን ንመሳርሕተይ ተዛሪበ'የ ከይደ።

ልክዕ ኣብ ማይቅነጣል ካብ ፈላፍል ዝበሃል ከባቢ ናብ ዕዳጋ ዓርቢ ምስ ተዓጸፍና፡ ዕሙቕ ዝበለ ከባቢ'ዩ ኣጋጢሙ -ብርግጽ ካብቲ ዋና መስመር ጽርግያ ምስ ወጻእና ናብቲ ጥይት ዝተተኰሰልና ዘሎ ርሕቐት ብኪሎሜትሩ ክንድ’ዚ ዝኣክል ክብሎ ኣይክእልን፤ንምግማቱ ቅሩብ ዘጸግም እዩ፤ ግን ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትር ክኸውን እዩ ኢለ እግምት።

እዚ ትኽክለኛ ዓቐኑ ካልእ መዓልቲ ለኪዕና እንፈልጦ ክኸውን'ዩ -እቲ ቦታ ስለ እንፈልጦ።

ኣብታ መኪና ሓደ ሓለዋ፡ መራሒ መኪናን ኣነን ነይርና። ኣብቲ ቦታ [ዝተጠቕሰ] ምስ በጻሕና ጥይት ተተኲሱ፡ ኣብታ ኣነ ዝቕመጠላ ወንበር ቅሩብ ድሕር ኢሉ ክኣ ወቒዑ።

ድምጺ [ጥይት] ምስ ሰማዕና እቶም ቈልዑ ወሪዶም - ጥይት ምዃኑ ምስ ፈለጥና፡ ቀጥታ እቲ መራሒ መኪና ናብ ቦታኡ ኣትዩ፤ እቲ ዓጃቢ ድማ ካብ ቦታኡ ወጺኡ ናብ ልዕሊ መኪና ወጺኡ፡ ጕዕዞ ቀጺልና።

እዚ ኵነታት ምስ ኣጋጠመና ህዝቢ ናብ ዘለዎ ከባቢ ኢና ከይድና፤ ምኽንያቱ እቲ ንሕና ዝነበርናሉ ሰብ ዝነበረሉ ገዛውቲ’ውን የብሉን፤ ሓውሲ ዘይሕረስ በረኻ መሬት እዩ።

ብቅድሚኡን ድሕሪኡን ርሑቕ ከይድኻ ግን ሰብ ዝነበርሉ ገዛውቲ ኣሎ፤ ስለዚ ናብኡ ብምኻድ ኣብ ምንታይ ከም ዝተወቓዕና? እንታይ’ዩ ዝብል? መረዳእታታት ክንሕዝ ሞኪርና።

ሽዑ፡ ንሚድያታት መግለጺ ኣይሃብናን፤ ንዝምልከቶ ኣካል ኢና ብስልኪ ሪፖርት ገይረና ኢና።ሽዑ ክሳብ መቐለ ንኣቱ ድማ፡ ኣበይ በጺሕኹም እናበሉ፡ ኣብ መገዲ ንዝነበሩ ኣካላት ጸጥታ ይመጽኡ ስለ ዘለው ተኸታቲልኩም ኣሕልፉዎም እናበሉ ሓጊዞምና።

ድሕሪኡ ግን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ካልኦት ሚድያታትን ብዙሕ ክብሃል ርእየ።ሓሶት ከም ዝዀነ ክዝረብ ርእየ፤ ኣብ መንግስታዊ ሓላፍነት ኰይኖም’ውን ብውልቀይ ኣጻርየ፡ ከም ዘይተፈጸመ ይፈልጥ’የ ኢሎም ነቲ ኵነታት ከህስሱ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት’ውን ኣለው።

ኣነ ክሳብ ሕዚ ከምዚ ዝበለ ሓይሊ ተኲሱ ወቒዑኒ ኣይበልኩን።ጥይት ተተኲሱ ኣብ መኪናና ዓሪፉ’ዩ፤ መስተዋታ ሰይርዎ እዩ። ስለዚ እቲ ኵነታት ተፈጺሙ’ዩ።ንሕና ግን ሰራዊት፡ ፖሊስ፡ ሚሊሻ ወቒዑና ኣይበልናን፤ እዚ ንመንግስቲ ኢና ንገድፎ።

ንምንታይ’ዩ ከምኡ ተፈጺሙ፡መን ወቒዑ ዝብል ዝምልከቶ ኣካል ከጻርዮ'ዩ። እቲ ተግባር ግን ብጭቡጥ ተፈጺሙ’ዩ።ፖለቲካሊ ግን ኣብ ልዕሌና ገበን ተፈጺሙ’ዩ ኢለ ይኣምን። መንግስቲ ኮሚቴ ኣጣይሹ ከጻርዮ ሕቶ ኣቕሪብና ኢና፤ ንጽበ’ውን ኣለና።

ተራ ገበን ኣይኰነን፤ መምሃሪ ስጕምቲ ክውሰድ ኣለዎ። እዚ ተጻርዩ መልክዕ እንተዘይሒዙ ጽባሕ ንግሆ ንዅሉ’ዩ ክበጽሖ። ኣብ ሓደ ናይ ኣመራርሓ መንግስቲ ጥራይ ደው ዝብል ኣይኰነን። ስለዚ መንግስቲ ኮሚቴ ኣጣይሹ ከጻርየልና ናብ ፕረዚደንት ኣቕሪብና ኢና።

ቢቢሲ፤ ቅድሚ እቲ ፈተነ ቅትለት ኣብ ልዕሌኻ ይዅን ኣብ ልዕሊ ካልኦትመራሕቲ ዞባኻ ዘጋጠሙ ጸቕጢታት ወይ ተርእዮታት ነይሮም ድዮም?

ኣቶ ሰለሞን፤ ቅድሚኡ ፈተነታት ተገይሮም’ዮም፤ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ቤት ጽሕፈት እናሃለና ካብ ሓይሊ ጸጥታ ዝተወጻጽኡ ናይ ቢሮ ማሕተም ክወስዱ መጺኦም’ዮም።

እዚ ክኣ መንግስቲ መግለጺ ሂብሉ’ዩ። ቀጺሉ ኣብ ልዕሊ መዝገብ ቤት ጸቕጢታት ተፈጢሮም’ዮም። እዚ ኣብ መስርሕ መርመራ ኣሎ።

እዝን እቲ ብሚድያታት ዝወጽእ ዘሎ መግለጺታትን ኣተሓሒዝካ ክርአ እንከሎ ግን ዝያዳ ክትጠራጠር ዝገብር ጕዳይ እዩ።

ቢቢሲ፤ ጸለመታት ክበጽሕ ይርኣይ’ዩ እሞ ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ምውራዱ ኣብ ልዕለኻን ካልኦት ሓለፍቲ ዕዮ ምምሕዳርካን ዝበጽሕ ስግኣት ጸጥታ ነይሩ ድዩ?

ኣቶ ሰለሞን፤ ኣነ ብውልቀይ ምስ ዝዀነ ይዅን ናይ ጸጥታ ሓይሊ [ኣብ ከባቢና ዘለው ይዅን ኣብ ላዕሊ] ናይ ውልቀ ጐንጺ የብለይን። [ኣብ መንጐ ኣመራርሓ ህወሓት] ፖለቲካዊ ምግምማዕ ምስ ተፈጥረ ግን ብዙሕ ጸለመታት ክቐርብ ጀሚሩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ገምጋም ህወሓት ኵላትና ተነቓቒፍና ተገምጊምና ኢና። ድሕሪኡ ዝመጽኡ ጠቐነታት ግን ኣለው።ደብረጽዮን ዝመርሖ ጕጅለ ብሚድያ ኣብ ልዕሌና ሰፊሕ ወፍሪ ጸለመ የካይድ እዩ። ነቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ እውን ሓሶት’ዩ ዝብሉ ዘለው ንሶም’ዮም።

ናይ ጸጥታ ሓይሊ ብፍሉይ ኣብ ልዕለይ ዘብጽሓለይ ጸቕጢ የለን። በቲ ሓደ ጕጅለ ግን መድረኻት፡ ሚድያታት ይጽለም፡ ኣብ ገዛ እናተሰርሑ ናብ ሚድያታት ይወጽኡ፤ በዚ ንብዙሕ ሕብረተሰብ ከደናግሩ ይምኩሩ’ዮም።

ስለዚ ካብቲ ዘይሕጋዊ ጕባኤ ዘካየደ ጕጅለ ዝመጽእ ጸቕጢ ቀሊል ኣይኰነን፤ ብፍላይ ብጸለመ። ኣብ ጸጥታ ግን ብዙሕ ፍሉይ ጸቕጢ ዝተገብረለይ ኣብዚ ሓጺር እዋን ኣብ ዞባና ዝነበረ ፖሊስ ምስ ተባረረ ዝጽሓፈለይ ጽሑፋት ኣሎ። ጸቕጢታት ዝመስል፤ እዚ’ውን ንመንግስቲ ኣፍሊጠ እየ።

ቢቢሲ፤ ትሕዝቶ እዞም ጽሑፋት እንታይ ይብል?

ኣቶ ሰለሞን፤ በቃ፡ ምፍርራሕ። እእእ. . . ዘንጊዕናኩም ዓይነት . . . ስጕምቲ ኣይወሰድና ዝብል ኣለዎ። ካብዚ ወጻእ ብፍሉይ ብሓይሊ ጸጥታ ዝበጽሓኒ ዝርድኣኒ ጸቕጢታት የለን፤ ዝስምዑ ነገራት ኣለው። ወረ ወረ እዩ።

ንዕኡ’የ ተተኲሱልና መኪናና ተወቒዓ እምበር መን’ዩ ናብ ዝብል ናብ መደምደምታ ዘይበጻሕዅ።

ሓደሓደ መግለጺታት ዝህቡ ካብ ሰራዊትን ካልእን ይሰምዕ እየ፤ ዘይተባህለ ከም ዝተባህለ ክከላኸሉ ይርኢ እየ፤ ማንም ዝበሎም የለን።

ንምንታይ’ዮም ናብ ምክልኻል ኣትዮም ዝብል ክትርእዮ ከለኻ ግን መሊሱ ሕቶ የልዕለልኻ። ዘይተኸሰስካ እናሃለኻ ብትእዝዞ ሚድያ ወጺእኻ ሓሳብ ምሃብ ግን ልክዕ ኣይኰነን።ነዚ እየ ንህዝቢ ግልጺ ክገብር ተገዲደ ዘለኹ።

ቢቢሲ፤ ኣብ ልዕሌኻን ምሳኻ ዝነበሩን ዝበጽሐ ኣካለዊ መጕዳእቲ ኣሎ ድዩ?

ኣቶ ሰለሞን፤ ኣብ ልዕሌና ዝበጽሐ ጕድኣት የለን፤ ኣብ መኪና ጥራይ እዩ።

ቢቢሲ፤ ሰዓት ክንደይ ነይሩ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ?

ኣቶ ሰለሞን፤ ብግምት 8፡00 ደቒቕን [ድሕሪ ቀትሪ ኣ. ኢትዮጵያ]። ኣብታ በረኻ ምስ ተወቓዕና፡ ደው ኢልና ወሪዶም ርእዮም። ውቃዕ ምስ ኰነ ምስ ፈለጥና ቀልጢፍና ሃዲምና ወጺእና።

ቢቢሰ፤ ክንደይ ግዜ ተተኲሱኩም?

ኣቶ ሰለሞን፤ ንበርር [መኪና ናህሪ ስለ ዝነበራ] ስለ ዝነበርና፡ ዝስሓቱና’ውን ክህሉ’ዩ፤ ዝወቕዑና’ውን ኣሎ። እቲ መስተዋት ኣብ ብዙሕ ቦታ’ዩ ተወቒዑ። ኣብ ሰለስተ ኣርባዕተ ቦታ ዝኸውን ምልክታት ኣሎ። ንጐዪ ስለ ዝነበርና ንክትፈልጦ ከቢድ እዩ። ከመይ ከም ዝተወቕዐ ግን ሰብ ሞያ ኣጻርዮም እንተዘቐምጡዎ’ዩ ዝምረጽ።

ካብቲ ዝተተኰሰልና ቦታ ወጺእና ሰብ ናብ ዘለዎ ቦታ ከይድና ስእሊ ክንወስድ እንከለና 8፡16 ነይሩ። ናይ ክንደይ ደቒቓ ኣፈላላይ ይህልዎ ክግምቶ ኣይክእልን።

ኣቶ ሰለሞን መስትያት መኪናኡ ጕድኣት ከም ዝበጽሖ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, Selemon Measho

መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ሰለሞን መስትያት መኪናኡ ጕድኣት ከም ዝበጽሖ ይገልጽ

ቢቢሲ፤ እዚ መጥቃዕቲ እንታይ ዘንቀሎ ይኸውን ኢልካ ትግምት?

ኣቶ ሰሎሞን፤ ሕዚ ምንም . . . ማለት ንምንታይ ከምኡ ተፈጢሩ? መን’ዩ ፈጢሩዎ? ዝብል ይጻረየለይ በሃላይ እየ። እዚ ምስ ተጻረየ እንተዝድምደም። ኣነ ዝግምቶን ዝሓስቦን ኣለኒ፤ ግን ግምትን ሓሳብን ስሕተት ክኸውን፡ ዘይኰነ መረዳእታ’ውን ክኸውን ስለ ዝኽእል እዚ’ዩ ክትብሎ ቅሩብ የጸግም’ዩ።

ኣብታ በረኻ ግን መኪናና ብጥይት ተወቒዓ እያ። ብመርመራ ምስ ሓለፈ ምሉእ ግምት እንተዝኸውን ርእይቶ’ዩ ዘለኒ።

ኣብ ኣክሱም፡ ማይቅነጣልን ዓቢይ ዓድን ኣኼባታት ከነካይድ መደብ ነይሩና። ፖሊስ ጸጥታ ንከኽብረልና ብደብዳበ ኣፍሊጥና ኢና። ሰንበት ክካየድ እዩ ነይሩ እቲ ሓሳብ፤ እቲ ኣኼባ ግን ብዝተፈላለየ መገዲ ተዓናቒፉ። ሽዓ ናብ መቐለ እናተጕዓዝኩ እንከለኹ እዩ እቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።

ከምዚ ዝበሃል ሓይሊ ፈጺምዎ ዝበሃል ሓሳብ ኣየቕረብኩን። ኣቐዲምካ ብዝቐርብኻ ሚድያታት ጸቕጢ እናፈጠርካ ዝግበር ምንቅስቓስ ግን ንሕዚ ይመስል፤ መወዳእትኡ ግን ኣብ ሓድሕዱ ክበጽሕ ይኽእል’ዩ። ስለዚ እዚ፡ መን’ዩ ዝብል ክጻረ ኣለዎ።

ስለዚ ከም ዝዀነ ኣካል ዝጥርጥሮ ኣሎ፤ ሕዚ እንታይ ኣንቂሉዎ ዝብል ግምትን መደምደምታይን እንተዝጸንሓለይ።

ቢቢሲ፤ መኪናኻ ናይ መንግስቲ ምዃና ትፍለጥ ድያ?

ኣቶ ሰሎሞን፤ እወ።

ቢቢሲ፤ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ ዘሎ ኵነታት ጸጥታ እንታይ’ዩ ዝመስል? ብሓፈሽኡ ኵነታት ጸጥታ እቲ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳርካ ዘሎ ዞባ ማእከል እንታይ’ዩ ዝመስል?

ኣቶ ሰለሞን፤ እቲ ቦታ ሰብ ዘይብሉ ቦታ’ዩ፤ ነባራይ የብሉን። ኣብ ቅድሚትን ድሕሪትን ሰባት ዝነብርሉ ኣሎ፤ ኣብታ ንዓና ጥይት ዝተተኰሰላ ከባቢ ግን ብጸጋም ጐቦታት፡ ብየማን ድማ ሓውሲ መገብቲ ሩባታት ዘለዎ እዩ።

ብድምር እቲ ጸጥታ ኣብ ሕማቕ ኵነታት እዩ ዘሎ። ብዙሕ ሰብ ይውቃዕ፡ ቅትለታት’ውን ኣሎ። ካብ ካልእ ከባቢ ዝተፈለየ ኣይኰነን፤ ግን እቲ ናይ ጸጥታ ጕድለታት ይርአ እዩ።

ኣብ ዓብዪ ዓዲ ሓደ ብካራ ዝተወቕዐ ኣሎ፤ ሰባት ወቒዖምኒ ኢሉ ሑቑኡ ሰፊሕ በሰላታት ዝወጽኦ ኣሎ፤ ኣብ ሓሓይለ’ውን ከምኡ ሰባት ኣለው።

ብጠቕላላ እቲ ጸጥታ ካብቲ ፖለቲካዊ ኵነታት’ዩ ዝቅዳሕ። እቲ ፖለቲካዊ ኵነታት ኣብ ሕማቕ ደረጃ ስለዘሎ ናቱ ውጽኢት ከኣ እቲ ጸጥታ ብዙሕ ሽግራት ዘለዎ እዩ። ከምዚ ናብ መኪና ዝተተኰሰ ጥይት ግን ኣጋጢሙ ኣይፈልጥን።

ንሓድሕዱ ዝብኣስ፡ ሓደ ሰብን ካልእ ዝፍጠር ግጭታት እንተዘይኰይኑ መኪና ክትከይድ ብጥይት ብዙሕ ዘጋጠመና ዝፈልጦ የለን።

ቢቢሲ፤ ኣብዚ ሰዓት ከ ንድሕነትካ ትሰግእ ዲኻ?

ኣቶ ሰለሞን፤ እቲ ዘጋጠመኒ ተጻርዩ ዕልባት እንተዘይተገይርሉ የስግእ እዩ። ኣነ ተጻርዩ ክፈልጥ ይደሊ እየ።

ኣባና ዝተፈጸመ ጕድለት መን ምዃኑ እንተዘይፈሊጥና ጽባሕ ዋሕስ ክህልወካ ኣይኽእልን። እዚ ተጻርዩ ክፍለጥ ክኽእል ኣለዎ።

እንተዘይኰይኑ፡ ስግኣት እዩ ክኸውን ዝኽእል፤ ዘጠራጥር ነገር የብሉን።