ፖለቲካ ትግራይ፡ ካብ ዕርቂ ናብ ዕልዋን ጭውያን?

ምንጪ ስእሊ, DW/TIGTV/BBC
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብ ዝቐውም ዓመትን መንፈቕን ኰይንዎ ከምዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብቲ ክልል ግቡእ መንግስታዊ ዕማማቱ ክሰርሕ ኣይከኣለን ተባሂሉ ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ።
ኣብዚ እዋን ድማ ጠቕሊሉ ስልጣኑ ከይስእን ስግኣታት ኣሎ።
ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት፡ ኣብ ክልተ ተገሚዖም ነንባዕሎም ክባልዑን ምስጢሮም ክቀላልዑን ይረኣዩ ኣለዉ።
እቲ ምግምማዕ፡ ሕቶ ክልላዊ ስልጣን ይግበአኒ ዘበገሰ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሒደት ሰሙናት ዝረአዩ ዘለዉ ፍጻመታት ድማ፡ ናብ ምቁጽጻር ስልጣን ዞባዊ ምሕደራታት ዝተሰጋገረ ይመስል።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራት ‘ዕልዋታት መንግስቲ ይፍጸሙ’ ኣለዉ ክብል ከሲሱ'ሎ። ሕግን ስርዓትን ናይ ምሕላው ዓቕሙ'ውን ኣብ ሕቶ ዝኣተወ ይመስል።
እቲ መግለጺ፡ “መደባት ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ምዕንቃፍ ሓሊፉ ግልጺ ዝዀነ ዕልዋ መንግስቲ ናብ ምፍጻምን ፍፁም ስርዓት ኣልቦነት ናብ ምስፍሕፋሕን ተሰጋጊሩ ኣሎ። ኣብ ከተማ መቐለ፣ ዞባታት ሰሜን ምዕራብን ማእኸልን ዝርኣዩ ዘለዉ ምልክታት ናይዚ ተግባር መረጋገጺ ኣብነታት እዮም” ይብል።
እቲ ንስልጣን ዝግበር ዘሎ ምጉያይን ንሓድሕድካ ምጽላምን፡ ንጸጥታን ድሕነትን እቲ ክልል ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራት ከምዝዀነ ገለ ተዓዘብቲ ይዛረቡ።
ንምዃኑ ኣብ ከተማ ኣክሱምን ካልእን እንታይ እዩ ኣጓኒፉ?
‘ንሓላፊት መዝገብ ቤት ጨውዮም'
ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ሰለሞን መዓሾ፡ ዛጊት ኣብ ሓላፍነት ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማ ኣክሱም ብዛዕባ ዘጋጠመ ኵነታት ብዝምልከት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ሂቡ።
‘ዘይሕጋዊ ጕጅለ’ እናበለ ዝጽውዖም ካብ ሚሊሻታት፡ ፖሊስን ፀጥታን ዝተዋጽኡ ኣካላት፡ ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ መዝገብ ቤት ዞባ ማእኸል ብምኻድ ተፈራሪሞም፣ ማሕተም እቲ ቤት ጽሕፈት ኣብ ኣገልግሎት ከይውዕል ከምዝኸልከሉ ኣረዲኡ።
“ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፀጥታ ተዋጺኦም ስሩዕ ስራሕቲ መንግስቲ ናብ ዝስረሐሉ ቤት ዕዮ ኣትዮም። 'ግዝያዊ መንግስቲ ከይግልገለሉ' ብምባል፡ ነታ ኣብ መዝገብ ቤት እትሰርሕ ውልቀሰብ ጽዕንቶ ገይሮምላ። ንሳ’ውን ናብ ምጭንናቕ ኣትያ” ይብል።

እዚ ብ 21 ጥቅምቲ ዘጋጠመ ክኸውን ከሎ ድሕሪ 4 መዓልቲ ማለት ጥቅምቲ 25 [ግእዝ] ድማ ተመሳሳሊ ተግባር ሓይሉ ከምዝቐፀለ የረድእ።
እቶም ብዝሖም ሓሙሽተ ዝኸውን ሰባት፡ ኣብቲ ዕለት ማሕተም ክምንጥሉ ከምዝፈተኑ ብምግላፅ፡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ደብዳበ ክጽሕፍ ከምዝተገደደ ይዛረብ።
“እቲ ድኹማት ተግባር ከምቲ ዝሓሰብዎ ኣይኰነሎምን” ዝበለ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ካብ ክልል ብዝመፅአ ጸቕጢ ከምዝፈሸለ'ኳ እንተገለጸ እቲ ጉዳይ በዚ ጠጠው ከምዘይበለ ኣረዲኡ።
ኣብቲ እዋን፡ እታ ሰራሕተኛ መዝገብ ቤት ‘እዚ ማሕተም መን ከምዝሃበኒ ኣጸቢቐ ይፈልጥ እየ፤ ብስርዓት እየ ተረኪበዮ። ናዕኹም ኣይፈልጠኩምን ኣይህበኩምን፡ ዋላ ምስ ማሕተመይ እሰሩኒ’ ኢላ ከምዘቕበጸቶም ዝገለጸ ኣቶ ሰለሞን፡ ንጽባሒቱ ግን ካብ ቤት ጽሕፈት ወጺኣ ናብ ገዛኣ ኣብ ኣትኸደሉ እዋን ኣብ ሰዓታት ኣጋ ግዘ “ኣብ መገዲ ጸኒሖም ጨውዮምዋ” ይብል።
“ካብ መንገዲ ጨውዮም ካብ ኣክሱም ናብ ዓድዋ ወሲዶምዋ። ኣብ ዓድዋ እያ ነቒሓ፤ 'ሃለዋተይ ስሒተ ነይረ'-እያ ትብል” ክብል ወሲኹ።
ብፖሊስ ዝተጀመረ ምጽራይ ምስ ተዛዘመ ብመንግስታዊ ኣካል ዝርዝር ሓበሬታ ከምዝወሃብ ብምግላጽ እቲ ዘጓነፈ ተግባር ግን፡ ኰነ ኢልካ ስራሕቲ መሓውር ግዝያዊ መንግስቲ ንምትዕንቓፍ ከምዝዀነ ከሲሱ።
‘በዚ ገበን ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝወዓለ ኣካል ኣሎ ድዩ?’ ክንብል ዝሓተትናዮ ኣቶ ሰለሞን፡ ‘ኣይፋል’ ኢሉ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌተቻው ረዳ ዝምራሕ ጕጅለ፡ ካብተን ኣብ ማእከላይ ዞባ ዝጠቓለላ ከተማታት፡ ኣክሱምን ዓድዋን ዕንቅፋት ከምዝገጠሞ ዝዝከር እዩ።
ብ12 መስከረም ኣብ ከተማ ሸረ ተወዲቡ ዝነበረ ኣኼባ ‘ጠርናፎ’ ከምዝዀና ብዝተነግረለን ኣንስቲ ኣውያትን ረብሻን ከምዝተኣጓጐለ ይዝከር።
ብግዝያዊ ምምሕዳር ነቲ ዞባ ከመሓድር ዝተሸመ ኣቶ ተኽላይ ፍቓዱ እቲ ብህውከትን ረበሻን ክቋረጽ ዝተገበረ መድረኽ ኣብ ቀጻሊ እኹል ምድላዋት ተገይርሉ ከምዝቕጽል ንቢቢሲ ሓቢሩ'ኳ እንተነበረ ዛጊት ግን ከምኡ ክግበር ኣይተራእየን።

ምንጪ ስእሊ, DW
'ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ'
ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ሰለሞን መዓሾ፡ እቲ ኣብ ኣክሱም ኣብ ልዕሊ ሓላፊት ቤት መዝገብ ዘጋጠመ ተጓንፎ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ሽረ ዝተፈጸመ ምዃኑ ይኣምን።
“ካብ ታሕቲ ጀሚርካ ናብ ላዕሊ ዝኽየደሉ ኵነታት እዮም ዝፍትኑ [ኤክሰርሳይስ ዝገብሩ] ዘለዉ” ኢሉ።
“እቲ ፍጻመ ‘ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ስልጣን ክንሕዝ ኣለና’፡ ካብ ዝብል ዝምንጩ እዩ። ብርግፅ እዞም ሰባት 'መን እዩ ልኢኹዎም፤ ምስ ፀጥታ ዘለዎም ምትእስሳራት እንታይ ይመስል? ብድሕሪት ኰይኑ ዘዋፍሮም ዘሎ መን እዩ' ዝብል ይጻረ ኣሎ” ክብል ገሊጹ።
ኣቶ ሰለሞን፡ “እዚ ከይዱ ከይዱ ኣብቲ ክልል መንግስቲ፣ ስርዓትን ሕግን ዘይብሉ ዓዲ - ስርዓት ኣልቦነት - ዘንግስ እዩ” ክብል ዝነቐፈ ዀይኑ፡ ኣብ ካልኦት ወረዳታት’ውን ከምኡ ዓይነት ፈተነታት ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።
ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ወረዳታት ሓሓይለ [ገጠር ዓድዋ]፣ ዓዴት [ኣብ ገጠር ኣክሱም] ከምኡ’ውን፡ ኣብ ወረዳ ነበለት ከምኡ ዓይነት ምንቅስቓሳት ከምዘሎ ኣረዲኡ።
ከልቲኦም ጕጅለታት ነንሕድሕዶም ኣፍልጦ ዝኸልኡ ኰይኖም፡ እቲ ብዶ/ር ደብረፅዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት፡ ነቶም ብግዝያዊ ምምሕዳር ዝተሸሙ ኣመሓደርቲ ዞባታት ብምንጻግ፡ ናይ ባዕሉ ሓደሽቲ አመሓደርቲ ኣብ ምሻም ይርከብ።
ቅድሚ ኣዋርሕ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከመሓድር ተመዚዙ ናብ ሽረ እንዳስላሴ ኣምሪሑ ዝነበረ ኣቶ ተኽላይ ፍቓዱ “እቲ ዝጸንሐ ምምሕዳር ነቲ ሓድሽ መሪሕነት ከረክብ ፍቓደኛ ኣይኮነን ዘሎ። እዚ ድማ ሽፍትነት ስለዝዀነ ብሕጊን ስርዓትን ክንከደሉ ኢና” ክብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣቶ ተኽላይ ፍቓዱ ክሳዕ ሎሚ’ውን እንተዀነ ስርሑ ከምዘይጀመረ ዝረኽብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ብምዃኑ'ውን፡ እቲ ሓደ ካብ ዞባታት ትግራይ ዝዀነ ከባቢ፡ ካብ ቁፅፅር ግዝያዊ ምምሕዳር ወፃኢ ኰይኑ ከምዝርከብ ቢቢሲ ካብ ፈለጥቲ ውሽጢ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ቢቢሲ ንሓላፊ ህዝባዊ ርክባት እቲ ክልል ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ንምዝራብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
እንተዀነ እዚ ዓይነት ተጓንፎታት ኣብቶም ካብቲ መንበር ግዝያዊ ምምሕዳር ርሕቕ ኢሎም ኣብ ዝርከቡ ከባብታት ጥራይ ኣይኰነን ዝኽሰት ዘሎ።
ርእሰ ከተማ ትግራይን መንበር እቲ ግዝያዊ ምምሕዳርን ዝዀነት መቐለ'ውን ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ወጻኢ እያ ትመሓደር ዘላ።
ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ነታ ከተማ ክመርሕ ዝጸንሐ ከንቲባ ተልዒሉ ኣብ ክንድኡ ዶ/ር ረዳኢ ዝተበሃለ ሓድሽ ከንቲባ ተመዲብላ።
እቲ ብጕጅለ-ደብረጽዮን ብዝተወከለ ከንቲባ ዝወሃብ ‘ትእዛዝ ኰነ ውሳነ ተፈጻምነት የብሉን’ ዝብል ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ናብ ኣብያተ ጽሕፈት እታ ከተማ ዝተዘርግሐ ደብዳበ፡ ካብ ቤት ምኽሪ መቐለ ተቓውሞ ከምዝገጠሞ ይፍለጥ። ኣብ ግብሪ ከምዘይወዓለ'ውን ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍልጦ ከምዘይህብን ንዕኡ ንምትካእ ከምዝሰርሕን ዝገለጸ ጕጅለ ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር) ምስ መንግስቲ ፈዴራልን ካልኦት ሓይልታት ጸጥታን ዝርርብ የካይድ ከምዝሎ ሓቢሩ ነይሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ግን ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዒዙ ዝተመልሰ ዝተባህለ ደብረጽዮን ኣብ መቐለ ንሱ ኣብ ዝመርሖ ህዝባዊ ኣኼባ ዝተረኽቡ ሓደ መራሒ ሃይማኖት ዝተዛረብዎ ትኹረት ብዙሓት ስሒቡ ቀንዩ'ሎ።
“ንስኻ ስለ ዝተዛረብካ ኣይንኣምነካን፤ ጌታቸው’ውን እንተዝመፅእ ከምኡ፤ ክልቴኹም ናብ ኣዲስ አበባ ትመላለሱ ዘለኹም እየሩሳሌም ክትስዕሙ ኣይኰነን። ስልጣን ክትልምኑ ኢኹም ትመላለሱ ዘለኹም። ንዅለኹም ኣይንኣምነኩምን። ሓቂ እንተለኩም ሓቢርኩም ኣብ ሓደ መድረኽ ቅረቡ” ኢሎም።

ምንጪ ስእሊ, TIGRAY TV
ካብ ዕርቂ ናብ ዕልዋ
ኣብ መንጐ መሪሕነት ህወሓት ዝተፈጥረ ምግምማዕ ንምጽባብ ብዝተፈላለዩ መገድታት ጽዕርታት ክግበር ከምዝጸንሐ ይዝረብ። ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ‘ዕርቂ ፈጢሮም’ ዝብል ሓበሬታ ተሰሚዑ ነይሩ።
መንግስታዊ ተሌቪዥን ከምዝጸብጸቦ፡ ክልቲኦም መራሕቲ እተን ጕጅለታት፡ ኣቦ መንበር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን (ዶ/ር) ምክትሉ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣብቲ መራሕቲ ሃይማኖት ዝተረኽብሉ መድረኽ፡ ሰላም ክበሃሃሉን ክተሓቛቘፉን ተራእዮም ነይሮም።
ቅድሚኡ ድማ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ “ካብ ርሑቕ ዝመፅእ ሰብ ኣየድልን- ኢልኩም፡ ሰላም ንክወርድ ትጽዕሩ ዘለኹም ግዱሳት ተጋሩ የቐንየልና። ዕርቂ ዝመስልዎ የለን” ክብል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብስእሊ ዝተደገፈ መልእኽቲ ጠቂዑ ነይሩ።
ኣብቲ ክልቲኦም ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝረኣዩሉ ስእሊ ኣብ ማእከሎም ኮፍ ኢሉ ዝረአ ውልቀሰብ ነቲ ተበግሶ ከምዝወሰደ ይንገረሉ።
ኣቶ ሳባዊ ደሳለኝ ዝተበሃለ ግዱስ ትግራዋይ በዓል ሃብቲ፡ እቲ ኣብ መንጐ መራሕቲ ህወሓት ዘሎ ፍሕፍሕ ሰላማዊ መዕልቦ ክረክብ እዩ ዝብል ተሰፋ ፈጢሩ ነይሩ ይብል።
“ህዝብና ኣብ ስግኣት ምንባር ይኣኽሎ፤ ናይ ጥይት ድምፂ ክሰምዕ የብሉን ዝብል እምነት ስለዘለኒ እዩ” ኢሉ።
እዚ ወረ ዕርቂ፡ ነቲ ኣብ ሻቕሎት ዘሎ፡ ገና ካብ ኲናት ዘይሓወየ ህዝቢ ተስፋ ፈጢሩሉ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይምልእ ‘ዕልዋ መንግስቲ ይፍጸመኒ ኣሎ’ ዝብል መግለጺ ወጺኡ።
እቲ ትማሊ ዝወጸ መግለጺ፡ ንዕርቂ ብዝምልከት፡ “ምስ ዝዀነ ኣካል ብዘይ ቅድመ ኵነት ንምልዛብ ድሉዋት [ኢና]። ይዅን እምበር መንግስታዊ ስልጣን መን ይሓዝ ኣብ ዝብል ብዝዀነ ይዅን መለክዒ ናብ ድርድር ከምዘይቐርብ ግልጺ ክኾን ይግባእ” ብምባል እቲ ዕርቂ ብሰንኪ እቲ ሓደ ጕጅለ ከምዝፈሸለ ይነቅፍ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋዊ ጕጅለ ስጕምቲ ክንወስድ ኢና’ ክብል ተደጋጋሚ መግለጺታት ኣውጺኡ ክሳብ ሕጂ ዝወሰዶ ስጕምቲ የለን።
ኣካል'ቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝዀነ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ሰለሞን መዓሾ፡ “ምምሕዳራዊ ወይ ድማ ጸጥታዊ ስጕምቲ ፍታሕ ኣይምፅእን- ኢልና ኢና ንኣምን። እቲ ጸገም ፖለቲካዊ ስለዝዀነ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክርከብ ኢና ንጽዕር ዘለና” ዝብል ምላሽ ሂቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







