ትግራይ፡ ህዝቢ ኢሮብ ዘሕልፎ ዘሎ ፀበባን ዘማዕድዎ ተስፋን

ኣብ ጥቓ ዶብ ኢትዮጵያ ኤርትራ እትርከብ ዓዲ ሰበያ በቲ ካብ 1998 ክሳብ 200 ኣብ መንጓዓኦ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ኲናት ካብ መንጐ ዝተሃሰዩ ከባቢታት ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ነባሪ ወረዳ ኢሮብ ዝዀኑ ካህን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፡ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብኣዝዩ ኣጸጋምን ጸድፊ ዝበዝሖን መገዲ ካብ ከተማ ደውሃን ትግራይ ናብ ዓዲግራት እናተመላለሱ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ይህቡ ኣለው።

ኣብዚ ዓመት ኣብቲ ከባቢ ጽቡቕ ዝናብ ስለ ዝነበረ፡ ዝኽኣለ ሓሪሱን ዘሪኡን ቅሩብ ምህርቲ ክረክብ ምኽኣሉ ተስፋ እዩ። ካብኡ ወጻእ ግን “ሕማቕ ኣለና” ይብሉ።

ወረዳ ኢሮብ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ መንጐ ማእከላይ መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ዝተላዕለ ደማዊ ኲናት ብኸቢድ ካብ ዝተሃሰያ ከባቢታት እቲ ክልል እያ።

ኣብቲ እዋን፡ እዚ ልዑል ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ዘስዓበ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ፕሪቶሪያ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ጻዕሪ፡ ኣብ ባይታ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ጽዑቕ ውግእ ክጽመዱ እንከለው፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ድማ ብኣመሪካ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኻት ኢጋድን ኲናት ደው ከብሉ ይሽምገሉ ነይሮም።

ኣብዚ ስምምዕ ንኽብጻሕ ኣብ ውሽጥን ግዳምን “ሓያል ክትዓት ከም ዝነበረ” ንልኡኻት ትግራይ ዝመርሐ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ።

ዋላ’ኳ እቲ ተዅሲ ደው እንተበለ ግን፡ ስእነት ኣገልግሎት ሕክምናን መድሃኒትን ከምኡ’ውን ካልኦት ማሕበራዊ ቅልውላዋት ዘስዕቡዎ ሞት ይቕጽል ኣሎ ክብሉ ቢቢሲ ካብታ ወረዳ ዘዘራረቦም ውልቀሰባት የመልክቱ።

‘ተስፋና ኣብ ሰማይ’ዩ’

ወረዳ ኢሮብ፡ ኣብቲ ንኢትዮጵያን ኤርትራ ካብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ጀሚሩ ዘሰሓሕበን ዶብ ዝርከበሉ ከባቢ ኰይኑ፡ ህዝቢ እታ ወረዳ ካብ 35 ሽሕ ከም ዘይዛይድ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣብ ሕዳር 2020፡ ኲናት ትግራይ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኖም ዝተዋግኡ ወተሃደራት ኤርትራ ነቲ ወረዳ ክቈጻጸሩዎ እንከለው፡ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ፕሪቶሪያ ብውሳነ ስምምዕ ኣልጀርስ ንኤርትራ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ተቘጻጺሮም ከም ዝርከቡ ይስማዕ።

ከባቢታት ወርዓትለ፡ እንዳልጌዳ፡ ክፋል ዓገራለን ክፋል ዓሊቴናን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ከም ዘለዋ ነበርቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ሰራዊት ኤርትራ ብወገኑ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ መሬቱ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።

ድሕሪ ኲናት ትግራይ፡ መብዛሕትኦም ናብ ከተማታት ዓዲግራትን መቐለን ክመዛበሉ እንከለው ኲናት ደው ካብ ዝብል ንደሓር ኣብ ዘለው ክልተ ዓመታት ዝዀነ ምምሕያሽ ድሕነትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ከም ዘየለ ነበርቲ ገሊጾም።

እቶም በቲ ኲናት ዝዓነዉን ዝተዘምቱን ማእከላት ጥዕና ጽገናታት ከም ዘይተገብረሎም፡ ሕጽረት ቀረብ ኣፋውስ ከም ዘሎ፡ ምሕደራን ጸጥታን እቲ ከባቢ ናብ ንቡር ከም ዘይተመልሰ’ውን ሓቢሮም።

“ኵነታት ህዝቢ ኢሮብ ዘሕዝን’ዩ” ዝብሉ እቶም ካህን፡ “ናብ መቐለን ዓዲግራትን ዝወስድ መገዲ ተዓጽዩ ብምህላው ዳርጋ ኣስታት 90 ኪ.ሜ እሞ ድማ ብሕማቕ መገዲ ተጓዒዝና፡ ጐቦ ዓሲምባ ሰጊርና ኢና ናብ ዓዲግራት ንኣቱ ዘለና” ኢሎም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቅድም፡ ህዝቢ እታ ወረዳ ዕዳጋን ካልኦት ምንቅስቓሳቱን ዘሳልጠላ ዝነበረት ሓንቲ ቅንዕቲ ናይ ጸጸር መገዲ’ኳ እንተነበረት፡ ሕጂ መሬት ኤርትራ’ዩ ተባሂሉ “ብሓይልታት ኤርትራ ተዓጽዩ ብምህላው ተዃሊልና ኢና ንኣቱን ንወጽእን” ክብሉ ተዛሪቦም።

ደውሃን ካብ ከተማ ዓዲግራት ኣስታት 45 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ወረዳ ኢሮብ’ያ።

እዚ ኣብ ሕሉፍ ካብ 80 ክሳብ 90 ብር ዝኽፈሎ ዝነበረ ጕዕዞ፡ ሕጂ ካብ ስሩዕ ታሪፍ መጓዓዝያ ወጻኢ ሓደ ሰብ፡ ሓደ ሽሕ ብርን ልዕሊኡን ክኸፍል ይግደድ ከም ዘሎ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይገልጹ።

ስምምዕ ፕሪቶርያ “ነቲ ከም ህዝቢ ከጥፍኣና ዝኽእል ዝነበረ ማዕበል ኲናት ደው ምባሉ ጽቡቕ’ዩ” ክብል ሓደ ነባሪ እታ ወረዳ ገሊጹ።

እዚ ብምኽንያት እቲ ሕጂ’ውን ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ስግኣት ጸጥታን ድሕነትን ሽሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ውልቀ ሰብ፡ ድሕሪ ምፍራም እቲ ስምምዕ ዝተራእየ ምምሕያሽ ከምዘየሎ እዩ ዝገልጽ።

“ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ናብ ማእከል ኢሮብ ዝመጽአ እንታይ’ዩ እሞ ክርኢ? ዝዓነወ መንበሪ ኣባይትን ቤት ጽሕፈት መንግስቲን፡ ዝዓነወ ማእከል ኣገልግሎት ጥዕናን ቤት ትምህርቲን፡ ዝዓነወ መስመር ጽሩይ ዝስተ ማይ ኢኻ ትርኢ። ማእከል ባህሊ ቱሪዝም ኢሮብ መአከቢ ጕሓፍ’ዩ ኰይኑ” ይብል።

ማሕበራዊ ናብራን ምትእስሳርን እቲ ሕብረተሰብ’ውን ንሓደጋ ምብትታን ዝተቓልዐ’ዩ ዝብል እዚ ነባሪ፡ እዅል ድሕነት፡ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያን ጥዕናን ብዘይምህላው ኣብ ቀጻሊ ምዝንባልን ጕስቁልናን ከም ዝርከብ ሓቢሩ።

“ወትሩ፡ መዓስ ክውዳእ ይኸውን ንብል፤ ምህርቲ ሕርሻ ኣብ ዝእከበሉ ግዜ ሰብ ዝዘርኦ ከይዓጸደ ይሃድም’ዩ ዘሎ። ንሕና ዘይንርእዮ ብእግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ዘረጋግእ ነገር ክፍጠር እንተዘይክኢሉ ካልእ ንርእዮ ተስፋ የለን። እንሪኦ ዘለና ዝረተጋግአ መንግስቲ ዘይምህላው፡ ምብትታንን ተስፋ ምቑራጽን’ዩ” ክብል ተዛሪቡ።

ስምዒት ተስፋ ምቑራጽ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ዝርእዮ ዘለዅ’ዩ ዝብሉ ካህን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢሮብ፡ “ብህይወት ንክቕጽሉ ግን ‘ክርስቲያን ተስፋ ኣይቈርጽን’ እናበልና ሞራል ክንህቦም ንቃለስ ኣለና። እምነትና ካብ ሰማይ እምበር ኣብ ምድሪ እንሪኦ ተስፋ የለን” ኢሎም።

ዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብ፡ እቲ ኲናትን ካልኦት ዓመጻትን ንዘስዓቡዎ ስምባደ [trauma] ተቓሊዑ ከም ዝርከብ ዝጠቐሱ እቶም ካህን፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራውን ስነልቦናውን ቅልውላው ብሰፊሑ ከም ዝርአ ሓቢሮም።

“ጾታዊ ዓመጽ ዝበጽሖም፡ ስድራኦም ዝተቐትሎም ኣለው። [ኣብቲ ከባቢ] ልዕሊ 500 መንእሰያት ደቈም ኣብ ውግእ ዝተሰውኡዎም ስድራ ተረዲኦም እዮም። ስለዚ እቲ ህዝቢ ብስጋ፡ ብመንፈስ፡ ብቍጠባን ምሕደራን ኣብ ጸገም እዩ ዘሎ። ብቐንዱ ሰባት ሰኣን ሕክምናዊ ረድኤት ይሞቱ’ዮም ዘለው፤ ሎሚ ኣብ ቀብሪ’የ ውዒለ። ክልቲአን ስኣን መድሃኒት’የን ሞይተን። ድሕሪ ፕሪቶሪያ፡ ተዅሲ ጥራይ’ዩ ዘየለ እምበር፡ ሰኣን ሰላም፡ ስነ ልቦናዊ በሰላታት፡ ሓዘን” ንስነ-ኣእምሮኣዊ ጸገማት ዝተቓልዑ ብዙሓት’ዮም ኢሎም።

ካብኡ ሓሊፉ፡ እቶም መንእሰያት ናብ ሊብያን የመንን ይስደዱን ግዳያት ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት ዝሓቱዎ ልዕሊ ዓቐን ገንዘብ፡ ምስርጣይን ሞትን ይዀኑ ከም ዘለው እዞም ውልቀሰባት ይጠቕሱ።

“ኵሉ መንእሰይ፡ ኣረጋውያን ወለዱ ኣብ ገዛ ዓጽዩ ይስደድ ኣሎ፤ ኣብ የመን ምስ በጽሑ ከኣ ሚልዮናት ይሕተቱ፤ ሓደ ሰብ ብውሑድ 1.7 ሚልዮን ብር ይሕተት ኣሎ”።

“ፈጣሪ ምሳና ከም ዘሎ ኢና ንኣምን፤ ብዓለማዊ ግን ተስፋ ዝህበና የለን። እዚ ጽቡቕ እዩ ንብሎም ክረምቲ ማይ ሃሪሙ፤ ማይ ረኺብና ሓንቲ ላሕሚ ዘላቶ ሳዕሪ ረኺቡ፡ እቶም ዘርኢ ስኢኖም ዘይሓረሱ እንተዀይኖም እቶም እኽሊ ዘንጠሩ ዓዓቕሞም ምህርቲ ረኺቦም እዮም። ግን ብምሉእ ልቦም ከፍርዩ ኣይከኣሉን። ኵሉ ሳዕ ኣብ ስግኣት እዮም ዘለው” ኢሎም።

ብዙሓት በቲ ኲናት ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ማእከላት ይርከቡ

ምንጪ ስእሊ, Goitom

ውዕሊ ኣልጀርስ እንታይ ነይሩ?

ብሰንኪ ምስሕሓብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998 - 2000 ኣብ መንጐ ህወሓት ዝመርሖ መንግስቲ ኢህወደግን መንግስቲ ኤርትራን ደማዊ ኲናት ምስ ተኻየደ፡ ዶባተን ብመሰረት ዉዕል ኣልጀርስ ብኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ክሕንጸጽ ውሳነ’ኳ እንተሓለፈ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ኣይተመልከተን።

ብ2018 መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ኤርትራ ዘካየዶ ዶባዊ ኲናት ዘብቅዐ ስምምዕ ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቕበሎን ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕልን ብምግላጽ፡ ከም ውጽኢት ድማ ናይቲ ኣብ 2002 ዝተዋህበ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ዝዀነ ይዅን ቅድመ ኵነት ከም ዝቕበሎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ብይን፡ ነታ ከም ምኽንያት ውግእ እትጥቀስ ከተማ ባድመ ንኤርትራ እዩ ወሲኑ። ብዘይካኡ ኣብ ምምሕዳራት ኢትዮጵያ ዝርከብ ዝነበረ ሓደ ሓደ ቦታታት ንኤርትራ፡ ገለ ክፋል ናይ ኤርትራ ድማ ንኢትዮጵያ ዝተዋህበ ኣሎ። ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ውግእ ክልቲአን ሃገራት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ከም ዝኸሰራ ይፍለጥ።

ካብ ሽዑ ክሳብ 2018፡ ኢህወደግ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ብይን ምቕባል ስለዝኣበየ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ን20 ዓመት ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም ጸኒሑ እዩ። ስለዝዀነ ኢትዮጵያ ካብቲ ዘሰሓሕብ ከባቢታት ከይስሓበት ብምጽንሓ፡ ኤርትራ መሬተይ ብሓይሊ ተታሒዙ ኣሎ ኢላ ክትከስስ ጸኒሓ ነይራ።

እዚ ዝፈጥሮ ዘይህዱእ ኵነታት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ገና ዘይዓረፈ ሻቕሎት ህልውናን ስግኣት ድሕነትን ሰፊኑ ኣሎ።

ቅድሚ እቲ ካብ መወዳእታ 2020 ክሳብ 2022 ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ተዛማዲ ርግኣት’ኳ እንተነበረ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ወተሃደራዊ መዓስከር ኢትዮጵያ ምንባሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ነባሪ ይጠቅስ።

በዚ ምኽንያት ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ልዕሊ ኣግራብ ዝወርድ ብርሰትን ካልኦት ማሕበራዊ ጸገማትን ከም ዝነበረ ሓቢሩ። እዚ ኲናት ካብ ዝልዓል ንደሓር ድማ፡ እቲ ዓመጻት ብዝተጋደደ መልክዑ ከም ዘጋጠመን ሕብረተሰብ ንዝኸፍአ ቅልውላው ክቃላዕ ከም ዝገበሮን ገሊጹ።

“ኣብቲ ሰራዊት ኤርትራ ዝሓዞ ከባቢታት፡ መንእሰያት ብፖለቲካዊ ምኽንያት፡ ብምስግጋር ሰባት እናተጠርጠሩ ይቕተሉ ኣለው። እዚ ኣብ ጣብያ ዓገራለ፡ እንዳልጌዳ ዘጋጥም ዘሎ እዩ። ካብኡ ዝገደደ ግን፡ እቲ ህዝቢ ተበታቲኑ፡ እዅል ረድኤት ኣብ ዘይረኽበሉ ኵነታት በጺሑ ኣሎ” ይብል እቲ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ሰብ።

ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ኣካል ኣየረጋገጾን። መንግስቲ ኤርትራ’ውን ብዛዕባ እቶም ኣብ ቍጽጽር ሰራዊቱ ኣለው ዝበሃሉ ከባቢታት ርእይቶ ሂቡ ኣይፈልጥን’ዩ።

“እቲ ዝዓበየ ስግኣትና፡ ናይ ድሕነት’ዩ፤ ድሕሪ ሕጂ ንሕና ዘይንርእዮ ብእግዚኣብሄር ዝፍጠር፡ ነቲ ህዝቢ ዘረጋግእ ነገር ክፍጠር እንተዘይክኢሉ ካልእ ንርእዮ ነገር የለን። እንሪኦ ዘለና ምብትታን፡ ግራትካ ከይዓጸድካ ምህዳም፡ ተስፋ ምስኣን፡ ዝረተጋግአ መንግስቲ ዘይምህላው፡ ረድኤት ዘይረክብ ህዝቢ ምርኣይ እዩ። ሕዚ እንሪኦ ጽቡቕ ነገር የለን” ይብል።

ኣብዚ እዋን ዋላ'ኳ እቲ ኲናት ደው እንተበለ፡ ኢትዮጵያ ሕጂ'ውን ሰላም የብላን። ኣብ ትግራይ ድማ ጽልዋ እቲ ኲናት ብሰፊሑ ይርአ ኣሎ።

ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝፈረመ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ እቲ ውዕል ኣብ ዝፈረመሉ ምሸት “እቲ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝነበረ ኲናት ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት በሊዑ’ዩ።

"ነታ ኣብ ጽቡቕ ቍጠባዊ ገስጋስ ዝነበረት ኢትዮጵያ ድማ፡ ናብ ሕማቕ መልክዕ ኣእቲይዋ፡ ንህዝቢ ትግራይ ስቓይ ኣምጺእሉ። ህዝብና ብጠያይት ጥራይ ዘይኰነ ብሕጽረት መግብን መድሃኒትን ሞይቱ’ዩ . . . ክልቲኦም ወገናት ድማ እቲ ዝፈረሙዎ ስምምዕ ድልየት ህዝብና ብዘዐግብ መልክዑ ከተግብሩዎ እዮም ኢለ ተስፋ ይገብር” ኢሉ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ፡ ንህዝቢ ትግራይ ኢሉ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ “ዘየድሊ ኲናትን ዘየድሊ ጕድኣትን ኣብዚ የብቅዕ፤ ንሕና ልብና ከፊትና ሰላም ንምምጻእ ድልዋት ስለ ዝዀንና ዝኣተናዮ ቃል ንከነኽብር ምስ ካልኦት ኣሓት ህዝብታት ብምዃን እጃምካ ከተበርክት፡ ውሑዳት ብዝፍሕስዎ ተንኮል ዳግም ኣብ ኲናትን ሓደጋን ንከየእትውኻ ህዝባውን ዜግነታውን እጃምካ ንከተብርክት ሓደራ” ክብል ከም ዝተዛረበ ይዝከር።

ሕጂ መራሕቲ እቲ ክልል፡ ኣብ ርሱን ፖለቲካዊ ወጠጥን ንሕንሕን ስልጣንን ተጸሚዶም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

እዚ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረተሰብ ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎ ዝገልጹ ካህን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢሮብ፡ “ሕጂ ዝርኣየኒ ብሩህ ተስፋ የለን፤ ክሳብ ሕጂ፡ እምነትና ካብ ሰማይ እምበር ካብ ምድሪ ንርእዮ ተስፋ የለን” ኢሎም።