ብቕትለት ኣርባዕተ ደቃ 20 ዓመት ዝተኣስረት ኣደ ክሲ ተሰሪዙ ነጻ ወጺኣ

ካትሊን ፎልቢግ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣብ ሓደ እዋን "ዝኸፍአት ኣደ ኣውስትራልያ" ዝብል ስም ዝተዋህባ ኣደ፡ ንኣርባዕተ ደቃ ብምቕታል ዝተዋህባ ፍርዲ ተሰሪዙ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ እቲ ኣብ ፈለማ ንካትሊን ፎልቢግ በቲ ገበን ንምእሳር ዝቐረበ መርትዖ "ዘተኣማምን ኣይኰነን" ኢሉ።

እታ 56 ዓመት ዝዕድመኣ ኣደ፡ ን20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽንሓ ኣብ ሰነ ብመንግስቲ እታ ግዝኣት ይቕረታ ተገይሩላ ነጻ ከም ዝተባህለት ይፍለጥ።

ወይዘሮ ፎልቢግ ነቲ ሓድሽ ዜና ብሓጐስ'ኳ እንተተቐበለቶ፡ መርትዖ ንጽህናኣ ግን ንዓሰርተታት ዓመታት "ዕሽሽ ተባሂሉን ተነጺጉን" ከምዝነበረ ገሊጻ።

"እቲ ስርዓት፡ ሓደ ሓደ ግዜ ህጻናት ብሃንደበት፡ ብዘይተጸበኻዮን ልቢ ብዝሰብርን ኵነታት ክሞቱ ከም ዝኽእሉን ከም ዝሞቱን ካብ ምቕባል ንዓይ ክወቅስ እዩ መሪጹ" ክትብል ብ ሓሙስ ኣብ ኣፍደገ ቤት ፍርዲ ተዛሪባ።

እቲ ጉዳይ ንሞት ኣርባዕተ ዕሸላት ደቃ፡ ካሌብ፡ ፓትሪክ፡ ሳራን ላውራን ዝምልከት እዩ ነይሩ። ኵሎም ከኣ ካብ 1989 ክሳብ 1999 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ መንጎ 19 መዓልትን 18 ኣዋርሕን ዕድመኦም ብሃንደበት ዝሞቱ እዮም። ኣብ ፍርዳ ዝነበሩ ኣኽበርቲ ሕጊ ንሳ ዓፊና ከምዝቐተለቶም ይኸሱ።

መስርሕ ፍርዳ ድማ፡ ዳያሪታታ ብምጥቃም ኣብ ኵነታዊ መርትዖታት ዝተመርኮሰ ኰይኑ፡ እቶም ውልቀ-መዘክራት ክኢላታት ወይ ሓኻይም ስነ-ኣእምሮ'ኳ እንተዘይተፈተሹ ንዕኦም መበገሲ ብምግባር ከም ዘይርግእቲ፡ ቁጥዕቲ፡ ሓረቕ ኣደ ገይሩ እዩ ኣቐሚጥዋ።

ኣብ 2003 ከኣ ብቕትለት ሳራ፡ ፓትሪክ፡ ላውራን ካሌብን ን40 ዓመታት ክትእሰር ተፈሪዳ፤ ድሒሩ ብይግባይ ናብ 30 ዓመት ወሪዱ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ግን ኣብ ጉዳያ ዝተኻየደ ፍሉይ መርመራ፡ ደቃ ብሰንኪ ንምእማኑ ዘጸግም ሳሕቲ ዝርአ ምልውዋጥ ጂን፡ ብተፈጥሮኣዊ ምኽንያት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ዝገልጽ ሳይንሳዊ ርኽበታት ኣብቲ ገበነኛ ዝተበሃለትሉ ጉዳይ ርትዓዊ ጥርጣረ ከምዘሎ ደምዲሙ።

ላዕለዋይ ዳኛ ኣንድሪው በል፡ ነታ ኣደ ካብቲ ኵሉ ክስታት ነጻ ክትወጽእ ዝደረኻ “እቲ ዓቢይን ሰፊሕን ኣካል” መርትዖ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ’ሎ።

ጠበቓታት ወይዘሮ ፎልቢግ፡ ድሕሪ'ቲ ውሳነ ምስራዝ ክሲ ብስማ ካሕሳ ከምዝሓቱ ገሊጾም ኣለዉ።

እዚ ጉዳይ ዓለምለኻዊ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ኰይኑ፡ ስርዓተ ሕጊ ኣውስትራልያ ንዝማዕበለ ሳይንስ ምላሽ ንምሃብ ደንጉዩ እዩ ዝብል ነቐፌታታት ድማ ኣስዒቡ።