ብቕትለት ተጠርጢሩ ን40 ዓመታት ክህደን ዝጸንሐ ሰብ ተታሒዙ

ምንጪ ስእሊ, HILLSBOROUGH COUNTY SHERIFF’S OFFICE
ኣብ ኣመሪካ ክፍለ ግዝኣት ፍሎሪዳ ንኣስታት ኣርባዓ ዓመታት ብቕትለት ተጠርጡሩ፡ ልዕሊ ሰልስተ ግዜ ኣብ ዝርዝር ቀንዲ ተደለይቲ ‘ገበነኛታት’ ሰፊሩ ክህደን ዝጸንሐ ውልቀሰብ ከምዝተተሓዘ ፖሊስ እታ ሃገር ሓቢሩ።
ወዲ 65 ዓመት ዶናልድ ሳንቲኒ፡ ኣብ 1984 ኣብቲ እዋን ጓል 33 ዓመት ዝነበረት ሰብ ቀቲሉ ተባሂሉ ክድለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 40 ዓመታት ልዕሊ 13 ዝተፈላላዩ ስማት ክጥቕም ከምዝጸንሐ ፖሊስ ድሕሪ ምትሓዝ ዶናልድ ሳንቲኒ ገሊጹ።
ዶናልድ ኣብ እዋን ምትሓዙ ኣብ ካሊፎርንያ ናይ ሓደ ክፈሊ ማይ ፕረዚደንት ክፍሊ ቦርዶ ኮይኑ’ዩ ክሰርሕ ጸኒሑ።
ዶናልድ ምስ ተተሓዘ ናብቲ ክሲ ዝተመስረተሉ ፍሎሪዳ ተመሓላሊፉ ኣሎ።
ዶናልድ ብቕትለት እታ ምስ ሰብኣያ ንኽትፋታሕ ኣብ ቤት ፍርዲ ትመላለስ ዝነበረት ሲንትያ ዎድ ተጠርጡሩ’ዩ ክድለ ጸቢሑ።
ኣብ እዋን ቕትለታ ጓል 33 ዓመት ዝነበረት ሲንትያ 6 ሰነ 1984 ንመወዳእታ ግዜ ምስኣ ዝተረኣየ እዚ ንኣስታት 40 ዓመት ብፖሊስ ክድለ ዝጸነሐ ዶናልድ ኮይኑ፤ ሬሳ ሲንትያ ኣብ ሓደ ጸቢብ ካናለ’ዩ ተቐርቒሩ ጸኒሑ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ፍሎሪዳ ድሕሪ መትሓዝ ዶናልድ ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ምትሓዝ ዶናልድ ሳንቲኒ፡ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ጠልጠል ኢሉ ዝጸንሓ ገበን መዓልቦ ዝህብን፡ ነቶም ንኣስታት ኣርብዓ ዓመት ፍትሒ ክጽበዩ ዝጸንሑ ስድራ ሲንትያ እፎይታ ዝህብን’ዩ” ኢሉ።
ሰብ መዚ፡ ዶናልድ በቲ ገበን ከምዝተጠርጠረ ምስ ፈለጠ ካብታ ገበን ዝተፈጸመላ ዞባ ሂልስብሮፍ ብቅጽበት ከምዝጠፈአ’ዮም ዝገልጹ።
ዶናልድ ኣብ 1990፡ 2005 ከምኡ ከኣ ኣብ 2013 ኣብ ኣመሪካ ካብ ቀንዲ ተደለይቲ ገበነኛታት ተባሂሉ ስእሉ ብብዝሒ ኣብ ተለቪዥን ይርአ ምንባሩ ተገሊጹ።
ኣብ ምድላይ ዶናልድ ሳንቲኒ ኤፍቢኣይ ዝርከቦም ሓያለ ክፍሊ ጸጥታ ኣማሪካ ተዋፊሮም ክሰርሐ ምጽንሖም’ዩ ዝንገር።
ኣካላት ጸጥታ ኣሜሪካ ንዶናልድ ሳንቲኒ ንምድለወይ ኣብ ቴክሳስ፡ ካሊፎርያን ዝርከብአን ሳንቲኒ ክንቀሳቐሰለን ይኽእል’ዩ ዝተባሃላ ክፍለ ግዝኣታትት ሓሊፎም ክሳብ ሃገረ ታይላንድ ከይዶም ምንባሮም ሰነዳት ፖሊሰ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, HILLSBOROUGH COUNTY SHERIFF’S OFFICE
ኣብ መወዳእታን ግን ፖሊስ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ናብ ሳንድያጎ ብምኻድ ነቲ ጥርጡር ክሕዞ ክኢሉ።
ዶናልድ ሳንቲኒ ብቀዳማይ ደረጃ ቅትለት ኣብ ሳንድያጎ ክሲ ቀሪብሉ’ኳ ኣንተነበረ፤ ጉዳዩ ኣብ ሂልስብሮፍ ንኽርአ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ክፍለ ግዝኣት ካሊፎርንያ ተወሲዱ።
ዶናልድ ኣብ ሳንድያጎ ኣብ እትርከብ ካምፖ እትብሃል ንኡስ ዞባ ዌልማን ሲሞንድ ብዝብል ስም’ዩ ክነብር ጸኒሑ።
ከም ነጻ ሰብ ኮይኑ ብምንባር ክሳብ ፕረዚደንት ቦርድ ክፍሊ ማይ እቲ እቲ ንኡስ ዞባ ኮይኑ’ውን ክሰርሕ ጸኒሑ።
ዶናልድ ድሕሪ ምትሓዙ ንሓንቲ መደበር ዜና ኣብ ዝልኣኾ 16 ገጽ ዘለዎ ብኢድ ዝተጸሓፈ ጽሑፍ “ንነዊሕ ዓመታት ክሃድም ዝተገደድክሉ ምኽንያት ፍቕሪ ዘለዎ ህዱእ ህይወት ንምንባር’ዩ” ኢሉ።
ዶናልድ ኣብ ጽሑፍ፡ ካብ ፖሊስ ኣብ ዝሃድመሉ ዝነበረ እዋን ኣብ ጀርመን ንሓንቲ ጓል ብምዕማጹ ኣብ ጀርመን ንዓመታት ተኣሲሩ ምንባሩ’ውን ኣብ ጽሑፉ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣብ 1983’ውን ንስርቒ ተሓባቢርካ ተባሂሉ ኣብ ቴክሳስ ተኣሲሩ ምንባሩ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







