ኣሜሪካ፡ ሓደ ሰብኣይ ንሓሙሽተ ደቁ፡ ሓማቱ፡ ሰበይቱን ገዛእ ርእሱን ቀቲሉ

ኣብ ኣፍደገ እቲ ገዛ ንበዓል ልደት ዝተሻለመ ኣፍደገ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣፍደገ እቲ ገዛ ንበዓል ልደት ተሸሊሙ ይርአ

ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ዩታህ ሓደ ወዲ 42 ዓመት ሰብኣይ፡ ብዓልቲ ቤቱ ንፍትሕ ድሕሪ ምሕታታ ንሸውዓት ኣባላት ስድርኡ ብምቅታል ንርእሱ ከምዝቐተለ ፖሊስ እታ ክፍለ ግዝኣት ሓቢሩ።

ፖሊስ ናብቲ ብረቡዕ ምሸት እቲ ክስተት ዘጋጠመሉ ገዛ ኣብ ዝኣተዉሉ ሸሞንተ ሬሳታት ኣባላት ሓንቲ ስድራ ረኺቦም።

ኣብቲ ገዛ ሬሳ እታ ፍትሕ ዝጠለበት ብዓልቲ-ቤት፡ ሓሙሽተ የሕዋት፡ ሓማቱ ንቐታልን ባዕሉ እቲ ነቲ ቅትለት ዝፈጸመን’ዩ ጸኒሑ።

በቲ ክስተት እታ 8,000 ነባሪ ዘለዋ ከተማ ኢኖክ ኣብ ዓቢ ስንባደን ሓዘንን ከምእትርከብ ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ገሊጹ።

ፖሊስ እታ ከተማ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ወዲ 42 ዓመት ሰራሕተኛ ትካል መድሕን፡ ሚካል ሃይት ኣብ ልዕሊ ጓል 40 ዓመት ብዓልቲ ቤቱ ታውሻ፡ ጓል 78 ዓመት ሓማቱ ጋይል ኢርልን ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ደቁ ቶኲሲ ብምክፋት ንዕኦም ድሕሪ ምቕታል’ዩ ንነብሱ ቀቲሉ።

እቶም ሓሙሽተ ቆልዑ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦም ኮይኖም እተን ደቂ ኣንስትዮ 17፡ 12 ከምኡ ከኣ 7 ዓመተን ክኾና እንለዋ እቶም ኣወዳት ደቂ 7 ከምኡ ከኣ 4 ዓመት ከምዝነበሩ ከንቲባ እታ ከተማ ሮብ ዶትሶን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ፖሊስ ካብ ነበርቲ እቲ ከባቢ ድሕሪ ዝተውሃቦም ሓበሬታ ናብቲ ገዛ ኣብ ዝኣተወሉ’ዩ ሬሳ ሸሞንተ ሰባት ኣብ ውሽጢ ገዛ ተዛሕዚሑ ጸኒሕዎም።

እቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ገዛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ገዛ

ሮብ ዶትሶን ኩሎም እቶም ግዳያት ብጥይት ከምዝተቐተሉ ክገልጽ እንከሎ፡ ሰብ መዚ እታ ከተማ፡ ብዓልቲቤቱ ንቐታሊ፡ 21 ታሕሳስ ናብ ቤት ፍርዲ ሕቶ ፍትሕ ኣቕሪባ ምንባራ ገሊጾም።

ነቲ ስድራ ቀራቢቱ ዝኾነት ቲና ብራውን ንመደበር ተለቪዥን ከይኤስቲዩ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ “ታውሻ ኣዝያ ቅንዕትን ካብ ኣፋ ሕማቕ ዘይወጽኣ ሰብ’ያ ነይራ፡ ንዝተሸገረ ኣብ ዝባና ዘሎ ክዳን ኣውጺኣ እትህብ ንሰብ ሓጊዛ ዘይትደክም ብርኽቲ ሰብ’ያ ነይራ” ኢላ።

ሰብ መዚ እታ ከተማ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ዝህብሉ ዝነበሩ ብሓዘን ተዋሒጦም ተራእዮም።

ሓደ ጎሮቤት እታ ስድራ ብወገኑ “ እቶም ንኣሽቱ ቆልዑ ኣዝዮም ምጭዋትን ኣብ ኣፍደገ ገዛና ምስ ደቀይ ክጻወቱን’ዮም ዝውዕሉ ነይሮም” ኢሉ።

ከተማ ኢኖክ ብሕርሻ እትፍለጥ ንእሽቶ ከተማ ኮይና፡ ካብ ከተማ ሳልት ሌክ ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ 394 ኪሎሜተር ርሒቓ ትርከብ።

እቶም ሓሙሽተ ቆልዑ ኣብ ኣርባዕተ ኣብያት ትምህርቲ ዝምሃሩ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ኩለን እተን ኣብያት ትምህርቲ ሓባራዊ ናይ ሓዘን መግለጺ ኣውጺአን ኣለዋ።

ኣመሓዳሪ ክፍለ ግዝኣት ዩታህ ስፔንሰር ኮክስ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ነቲ ክስተት “ትርጉም ዘይብሉ ጎነጽ” ብምባል ገሊጽዎ።

ፕረዚደንት ጆ ባደንን ብዓልቲ ቤቱ ጂል ባይደንን’ውን ነቲ ክስተት “ዘሰንብድ” ብምባል ናይ ሓዘን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።