ሓማትን መርዓትን ኣንጭዋን ድሙን ድየን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓማት ክበሃል ከሎ ናብ ኣእምሮኦም ጽቡቕ ሓሳባት ዘይመጸሎም ሰባት ሒደት ኣይኮኑን። መሰረት ዘይብሉ ፍርሒ ሓማት (ፔንተራፎቢያ) ከይተረፈ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ።
ኮይኑ ግን፡ ኣብ መንጎ ሓማታት ዘሎ ዝምድና፡ ሓድሕዳዊ ምድናቕ፡ ሓጐስን ዋላ’ውን ፍቕርን ናይ ምፍጣር ዓቐሚ ዝሓዘ እዩ።
ብክልሰ-ሓሳብ ደረጃ፡ ዝምድና ሓማት ማለት ሰባት ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ስድራቤትን ደገፍን ክረኽቡ ዕድል ይህብ።
መብዛሕትኦም መጻምድቲ ኣወንታዊ ርክብ ክህሉ ትጽቢት ብምግባር እዮም ናብ ሓዳር ዝኣትዉ።
እንተኾነ ግን፡ ሓያል ምትሕውዋስ ብኣቦነታዊ ዝተዓብለሉ ልምድታት፡ ኣብ ሚድያ ዝቐርቡ ዛንታታትን ገጸ ባህርያትን፡ እቲ ዝምድና ሓማታት - ብፍላይ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ - ሓያል ወጥሪ ዘለዎን መርዛምን’ዩ ዝብል ሓሳብ ልሙድ ክኸውን ገይሮምዎ እዮም።
ንኣብነት፡ ዲያብሎሳዊ ገጸ ባህርያት ሓሙ ንምርካብ ርሑቕ ምጥማት ኣየድልዮን። ኣብ ብዙሓት ፊልም፡ ተኸታተልቲ ምርኢታት፡ ልብወለዳትን ካልኦት ስነ ጥበባትን ንረኽቦም ገጸ ባህርያት ሓማታት ውዲት፣ ተንኮልን ገበንን ክፍጽሙ ምርኣይ ልሙድ እዩ።
ኣብ ሓቀኛ ህይወት ዝርከቡ ኣብነታት ተንኮለኛታት ሓማታት’ውን ሒደት ከም ዘይኮኑ ዝገልጹ ጸብጻባትን መርትዖታትን ኣለዉ።
ቪክቶርያ ቤክሃም ምስ በዓልቲ ቤት ወዳ፡ ኒኮላ ፔልትዝ ዘለዋ ቅርሕንቲ ዝምልከቱ ጸብጻባት ተዘርጊም ከም ዝነበሩ ይዝከር።
ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ንዘጋጠም ግጭት ዝምድና ሓማታት ዓቢ ትኹረት ዝህብ መራኸቢ ብዙሃን፡ ነቲ ኣብ ባህሊ ዝጸንሐና ሕማቕ ስእሊ ዝያዳ እናወሰኸሉ ይርከብ።
እዞም ውክልናታት እዚኣቶም፡ ነቲ ግርጭት ሓማታት ከም ንቡር ክርኣይ ይገብሩ ኣለዉ።
ብርግጽ ይብሉ ክኢላታት፡ ንሃልሃልታ ናይ ሓማት ግጭት ክብርኽን እቶም ከም ሕማቕ ዝሕሰቡ ዝምድናታት’ውን ኣዝዮም ክውን ክኾኑን ዝገብሩ ጽቡቕ መሰረት ዘለዎም ታሪኻዊ ምኽንያታት ከምኡ’ውን ውሱናት ደረጃታት ረጽሚን ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘ስግኣት ዘለዎ ማሕበራዊ ሃዋህው’
ዝምድና ሓማታት ዝተጸሓፈ ሕጊ ስለ ዘይብሉ ብዛዕብአን ዝግበር መርመራ ከጋግይ ዝኽእልን ጥበብ ዘድልዮን እዩ።
ሓደ ሰብ ምስ ሓማቱ ክሳብ ክንደይ ክቀራረብ ኣለዎ? መጻምድቲ በብኽንደይ ግዜ እንተበጽሕዎም ይምረጽ? ንሓማቶም እንታይ ዓይነት ሓላፍነት ክህብዎም ይኽእሉ? ነዞም ሕቶታት ዝኸውን ንጹር ምላሽ የለን።
ሓባራዊ እምነትን ሓድሕዳዊ ምርድዳእን ናይ ግድን ክህሉ ኣለዎ ማለት ከምዘይኮነ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካንተርቤሪ ኒውዚላንድ ፕሮፌሰር ዝኾነት ግሬቸን ፔሪ ትገልጽ።
ግሬቸን፡ ሰባት ምስ ናይ ገዛእ ርእሶም ስድራቤት ምትፍናን ክህልዎም ይኽእል’ዩ ትብል፡ ግን ምስ ሓማትኩም “ክትሰማምዑን ናይ ሓባር ረብሓታት ክህልወኩምን ዝያዳ ተኽእሎ” ከም ዘሎ ትገልጽ።
ታሪኻዊ ኣቃውማ እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ጾታታት ዝተመስረተ ኣቃውማ ስድራቤት፡ ምስ ሓማታት ንዝፍጠር ናይ ወጥሪ ሃዋህው ብኸፊል ተሓታቲ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ብፍላይ ድማ ምስሊ ናይታ ኢድ ኣእታውነት ሓማት ንኽፍጠር መሰረት ክኸውን ይኽእል።
ኣብ ገለ ኣባታዊ ሕብረተሰባት፡ ወለዲ ውላዶም ንመን ከም ዝምርዖ ይመርጹ፡ ሓንሳብ ምስ ተመርዓወ ድማ እታ መርዓት ምስ ስድራቤት በዓል ቤታ ትቕመጥ።
ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ሓዳራት፡ እታ ኣደ መርዓዊ ሓላፊት ናይቲ ዘቤታዊ ዓውዲ ትኸውን፤ ኣብ ልዕሊ ሰይቲ ወዳ ድማ ዝለዓለ ማሕበራዊ ደረጃን ወሳኒ ስልጣንን ይህልዋ።
“እታ ሓዳስ በዓልቲ ቤት (መርዓት) ካብቶም ዝያዳ ክከላኸሉላ ዝኽእሉ መበቆል ስድራቤታ ስለ ዝተፈልየት፡ ኣብ ስግኣት ዘለዎ ማሕበራዊ ሃዋህው ትኣትው ኣላ” ትብል ፔሪ።
“ከከም ኩነታት፡ ኣጸጋሚ፡ ቁጽጽርን ብዙሕ ግርጭታት ዘለዎ ሃዋህው ክኸውንይኽእል እዩ።”
ስለዚ፡ እቲ ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝርከብ ኢድ ኣእታውነት እታ ሓማት፡ ብኸፊል ብዚ ኣወዳድባ ዝተጸልወን እታ መርዓት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣዶ እትኣትወሉን ከም ዝኾነ ክኢላታት ይገልጹ።
ኣብዚ ዘለናሉ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት መነባብሮ ኣዝዩ ውሑድ እኳ እንተዀነ፡ ኣሃዛት ግን ሓንቲ መርዓት ካብ ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት እታ ስድራቤት ንላዕሊ፡ ምስታ ሓማት ናይ ምግጫው ተኽእሎአን ዝለዓለ ከም ዝኾነ የመልክቱ።
ኣብ 2022 ኣብ ኣመሪካ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ምስ ኣዴታቶም ንላዕሊ ምስ ሓማታቶም ዝያዳ ግርጭት ከም ዘጋጠሞም ይሕብር። ኣዴታት ድማ ካብ ምስ ደቀን ንላዕሊ ምስ ሰይቲ ወደን ዝያዳ ከም ዝጋጨዋ ኣመልኪተን።
ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዘካየደቶ መጽናዕቲ ኣብ 2008 ብመጽሓፍ ዘሕተመት ክኢላ ስነ-ኣእምሮን መምህርን ቴሪ ኣፕተር፡ 60 ሚእታዊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ምስ ሰይቲ ወደን ዘለወን ርክብ ንነዊሕ እዋን ሕጉሳት ከይኾና ከም ዝገበረንን ጸቕጢ ከም ዝፈጠረለንን ምግላጸን ትሕብር።
ክልተ ሲሶ ሰይቲ ወዲ፡ ኣደ በዓል ቤተን ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ወደን ቅንኢ ዝመልኦን ኣደኣዊን ፍቕሪ ከም እተርኢ ይኣምና።
75 ሚእታዊት ካብቶም መጻምድቲ ምስ ሓማቶም ቅርሕንቲ ከም ዘለዎም እኳ እንተገለጹ፡ 15 ሚእታዊት ጥራይ ግን ኣብ ዝምድና ሓማት/ሰብኣይ ጓል ወጥሪ ከም ዘለዎ ገሊጾም።
ኣተዓባብያ ቆልዑ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ሓማታት ወጥሪ ንኽፍጠር ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል፡ እዚ ድማ ንዝኾነ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ግጭት ከጋድዶ ይኽእል።
ኣብ ፊንላንድ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ውላድ ዘይብሎም መጻምድቲ ምስ ሓማቶም ናብ ቅርሕንቲ ናይ ምእታው ተኽእሎኦም ዝተሓተ ከም ዝኾነ የመልክት።
ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኦም መጻምድቲ፡ ቀዳማይ ቆልዓ ድሕሪ ምውላዶም ምስ ሓማቶም ግጭት ከም ዝወሰኸ ገሊጾም፤ እዚ ድማ፡ ኣደ-ዓባይ ኣያታትን “ኣብ ህይወት ካልኦት ኣባላት ስድራቤት ክጸልዉን ጣልቃ ክኣትዉን” ሓድሽ ምኽንያታት ስለ ዝህብ እዩ።
ኣብተን ናይ መጀመርታ ዓመታት ምዕባይ ቆልዑ፡ ሓደስቲ ኣዴታትን ሓማታተንን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝያዳ ብተደጋጋሚ ናይ ምርኻብ ዕድል ክህልወን ይኽእል እዩ።
ፔሪ፡ “ኣዴታት ኣብ እዋን ጥንሲ፡ ጡብ ኣብ ዘጥብዋሉን ዕሸላት ኣብ ዝከናኸናሉን እዋን፡ በዳሂ ግዜ ስለ ዘጋጥመን፡ ተወሳኺ ደገፍ የድልየን’ዩ” ትብል።
እታ ሓማት፡ ወዲ ወዳ ብሓደ መንገዲ ክዓቢ ትጽቢት ኣብ ትገበረሉ እዋን፡ ድኻም ዝመልኣ ኣደ ድማ ገለ ነገራት ብዝተፈልየ መንገዲ ክትገብር ጽኑዕ መርገጺ ክህልዋ ይኽእል። ብሰንኪ እዚ ድማ ናብ ዘይምርድዳእ ክኣትዋ ይኽእላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ረጽሚታት በዓል
እቶም ብብዝሒ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ዝረኣዩ ረጽሚታት ኣብ ሃይማኖታዊ በዓላት ዘጋጥሙ እዮም።
"ክልቲአን ሓማታት፡ ኩሎም ኣባላት ስድራ ናብ ናቶም ገዛ ክመጹ ዝደልዩ እንተኾይኖም፡ ጸገም ክፍጠር እዩ" ይብል ፕሮፌሰር ስነ-ልቦና፡ ኒውሮሳይንስን ባህርን ማርቲን ዳሊ።
“ከም በዓል ልደት ዝኣመሰሉ ኣጋጣሚታት ዓቢ ናይ ግርጭት ነጥቢታት’ዮም፣ ምኽንያቱ ሰባት ብሓባር ክኾኑ ትጽቢት ዝግበረሉ እዋን’ዩ።”
ይኹን እምበር፡ ስድራቤታት ብዙሕ ትጽቢት ዝግበረሎም ልምድታትን ስርዓታትን ዘካይዱ እዋን በዓላት፡ ሰባት ዝያዳ ቅርበት ክስምዖም ከም ዝገብር መጽናዕትታት ይሕብሩ።
ዝያዳ ነጻነት፡ ዝወሓደ ወጥሪ
ፔሪ፡ መጻምድቲ ብነጻነት ክነብሩ ዓቕሚ ኣብ ዘይብሎም ኩነታት፡ ኣደ-ዓባይን ኣያታትን ዝያዳ ቆልዑ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ይወስዱ።
እዚ፡ “ማሕበራዊ ጸገማትን ፋይናንሳዊ ሕጽረትን እቲ ግርጭት ንክውስኽ ክገብር ይኽእል’ዩ” ትብል።
"መጻምድቲ ነጻን ተዓጻጸፍቲን ክኾኑ እንተኽኢሎም፡ ዕዳ ከይተሰምዖም ካብ ሓማታቶም እንታይን መዓስን ሓገዝ ከም ዝሓቱ ክመርጹ ስለ ዝኽእሉ፡ ግርጭት ዝፍጠረሉ ዕድል ይንእስ" ብምባል ነጻነት ዝጻወቶ ተራ ትገልጽ።
ገለ ሰባት ምስ ዝምድናታት ሓማቶም ክቃለሱ ይኽእሉ’ዮም፡ ሰባት እወታዊ ዓስቢ ዘለዎ ርክብ’ውን ክሃንጹ ከም ዝኽእሉ ንጹር’ዩ።
ኣብ 2021 ኣብ ኣመሪካውያን ደቂ ኣንስትዮ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 51 ሚእታዊት ሰይቲ ወዲ ምስ ሓማተን ብዘለወን ርክብ ዕጉባት ወይ ኣዝየን ዕጉባት ክኾና እንከለዋ፡ ኣብ ሓማታት ድማ እቲ ቁጽሪ ክሳብ 75 ሚእታዊት ይበጽሕ።
ስለዚ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ምስ ሓማታት ዝረኣዩ መሰረታውያን ግጭታት ምንካይ ዘይከኣል ነገር ኣይኮነን።
እቲ ዝንገር ጽልዋታት ካብ ሓቂ ዝረሓቑ'ኳ እንተዘይኮኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ከም’ቶም ኣብ ተለቪዥን እንርእዮም ጽንፊ ዝሓዙ ኣይኮኑን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







