ጓል ውልቀ መላኺ ብኸመይ ንብረት 200 ሚልዮን ፓውንድ ከተጥሪ ክኢላ?

ጉልናራ ካሪሞቫ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጉልናራ ካሪሞቫን ገለ ካብቲ ኣብ ለንደን ትውንኖ ገዛውትን

ጓል ፕረዚደንት ኡዝበኪስታን ነበር ጉልናራ ካሪሞቫ፡ ጐድኒ ጐድኒ ዲፕሎማስያዊ ስርሓታ ንዝትወሰነ እዋን ደራፊት ቅዲ ሙዚቃ ፖፕ ኰይና’ውን ተቐልቒላ ነይራ’ያ።

እዛ ውልቀ ሰብ ልዕሊ 240 ሚልዮን ዶላር ዘወጽእ ቀዋምን ተንቀሳቓስን ንብረት ኣብ ለንደን፡ ሆንግኮንግን ካልኦት ቦታታትን ከምእትውንን ጸብጻባት ኣቃሊዖም።

ጉልናራ ካሪሞቫ፡ ጓል ፕረዚደንት ኡዝበኪስታን ብሽፋን ኩባንያታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ገዛውትን ነፋሪትን ንምዕዳግ ብብልሽውናን ብግቦን ዝረኸበቶ ገንዘብ ከምዝተጠቐመት እቲ ብ ‘ፍሪደም ፎር ኢሮዥያ’ ዝተበሃለ ትካል ኣቓሊዑ።

እቲ ጸብጻብ ኣተሓሒዙ፡ እታ ጓል ፕረዚደንት ኣብ ለንደንን ደሴታት ብሪቲሽ ቪርጂንን ቀዋሚ ንብረት ክትዕድግ እንከላ ትካላት ዓባይ ብሪጣንያ ኢድ ከምዝነበረን ኣቓሊዑ።

ጉዳይ ጉልናራ ካሪሞቫ ምስ ተቓልዐ፡ ነቲ ዓባይ ብሪጣንያ ‘ብዘይ ኣገባብ ዝተጠረየ ሃብቲ’ ኣብ ምቍጽጻር ትኽተሎ ኣገባብ ሃጓፍ ኣለዎ ዝብል ሓድሽ ክትዕ ኣለዓዒሉ ኣሎ።

መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ፡ ኣብ ደገ ብዘይኣገባብ ዝተኻዕበተ ገንዘብ ኣብ ምቍጽጻር ሰንኮፍ ኣካይዳ’ዩ ዝኽተል ተባሂሉ ክሕም ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ኣካይዳ ኸኣ ገበነኛታት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም ከምድላዮም ንብረት ንኸጥርዩ ዕድል ዝህብ ሃጓፋ ኣለዎ ክበሃል ጸኒሑ’ዩ።

ሓደ ከም ኣብነት ከኣ ጉዳይ ጉልናራ ካሪሞቫ ኰይኑ ዓቢ ክትዓት ኣለዓዒሉ ይርከብ።

እንተዀነ እተን ንጉልናራ ካሪሞቫ ንብረት ኣብ ምዕዳግ ተሓባቢረንኣ ዝተበሃለ ትካላት ዓባይ ብሪጣንያ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ እቲ ሰልዲ እዅል ኣፍልጦ ነይርወን ድዩ ኣይነበረንን ኣይተነጸረን። ምስዚ ዕድጊ ተተሓሒዙ ግን ዝተኸሰሳ ይዅን ዝተቐጽዓ ትካላት ዓባይ ብሪጣንያ ክሳብ ሕጂ የለዋን።

መፍለዩ መስመር

ጉልናራ ካሪሞቫ ነቲ ንኡዝበኪስታን ካብ 1989 ክሳብ እታ ዝሞተላ 2016 ዝመርሓ ኢስላም ካሪሞቭ ክትትክኦ’ያ ተባሂሉ’ዩ ዝንገረላ ነይሩ።

እንተዀነ ጉልናራ ካሪሞቫ ኣብ ስጳኛ ከም ኣምባሳደር ሃገራ እናሰረሕት፡ ሓደ ትካል እንዳ ሽልማት ወኒና ማዕረ ማዕረኡ ‘Googoosha’ ብዝብል ናይ መድረኽ ስም ኣብ ቅዲ ሙዚቃ ፖፕ ክትቐላቐል ጀሚራ፤ ብዙሕ ቪድዮታት ሙዚቃ’ውን ሰሪሓ።

ኣብ 2014 ግን ንነዊሕ እዋን ካብ ዓይኒ ሰብ ተሰዊራ።

ጸኒሓ ግን ኣቦኣ ኣብ ስልጣን እንከሎ ብብልሽውና ተጠርጢራ ተኣሲራ ምንባራን ኣብ ታሕሳስ 2017 ናይ ገዛ ሕይርቲ ክትከውን ከምዝተፈረደትን ተገሊጹ።

ኣብ 2019’ውን ነቲ ዝተበየነላ ናይ ገዛ መሓዩር ጥሒሳ ተባሂላ ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዳ።

ኣኽበርቲ ሕጊ ንጉልናራ ካሪሞቫ፡ ናይቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሩስያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝርከብአን 12 ሃገራት፡ ኣባል'ቲ ልዕሊ 1 ቢልዮን ዶላር ዝዋጋኡ ንብረት ዝውንን ጕጅለ ገበን ኢኺ ብምባል ክሲ ኣቕሪቦሙላ።

ሓደ ካብቶም ነቲ ‘ብፍሪደም ፎር ኢሮዥያ’ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝመርሑን ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድ ዝምህርን ቶም ማይን “ጉዳይ ጉልናራ ካሪሞቫ ሓደ ኣብ ዓለምና ካብ ዝተረኣዩ ምስ ጉቦን ብልሽውናን ዝተኣሳሰሩ ክስታት’ዩ” ይብል።

ጉልናራ ካሪሞቫ ኣብ 2012

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጉልናራ ካሪሞቫ ኣብ 2012
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እንተዀነ ጉዳይ ጉልናራ ብኣኽበርቲ ሕጊ እናተጸንዐ እንከሎ መብዛሕትኡ ካብቲ ትኽሰሰሉ ዝነበረት ቀወምቲ ንብረት ንሳን ተሓባበርታን ሸይጠሞ።

‘ፍሪደም ፎር ኢሮዥያ’ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ስዊዘርላንድ፡ ፈረንሳ፡ ዱባይን ሆንግኮንግን ዝነበረ ብውሕዱ 14 ዓበይቲ ቀወምቲ ንብረት ቅድሚ ኣብ ቀይዲ ምእታዋ ዓዲጋ ምንባራን ምንጪ እቲ ኵሉ ሃብታ ኸኣ ምስ ብልሽውና ዝተኣሳሰር ክኸውን ከምዝኽል ጥርጣረኦም ገሊጾም ኣለዉ።

እቲ ሰሉስ 14 መጋቢት 2023 ተሓቲሙ ዝተዘርገሐ ጸብጻብ፡ ‘ፍሪደም ፎር ኢሮዥያ’ ዝያዳ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ለንደን ዝተዓደገ ልዕሊ 50 ሚልዮን ፓውንድ ዝትመነት ሓሙሽተ ህንጻታት፡ ኣብ ከባቢ ቤልግረቭያ ካብ ቤተ መንግስቲ በኪንግሃም ንምዕራብ ዝርከብ ሰለስት ዓበይቲ ህንጻታት፡ ኣብ ካባቢ ማይፈር ዝርከብ ገዛን 18 ሚልዮን ፓውንድ ዝትመን ጃልባ ዘንቀሳቕስ ቀላይ ዘለዎ ዓቢ ህንጻን ኣተኵሮ ብምሃብ’ዩ ጸብጻቡ ኣዳልዩ።

እቲ ኣብ ቤልግረቭያ ዝነበረ ክልተ ዓበይቲ ህንጻታት ጉልናራ ካሪሞቫ ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምእታዋ ኣብ 2017 ናብ ካልእ ሰብ ዝተሸጠ’ዩ።

እቲ ካልእ ኣብ ማይፈይርን ኣብ ቤልግረቭያ ዝነበረ ሳልሳይ ህንጻን ክሽየጥ እናተዳለወ እንከሎ፡ ብቤት ጽሕፈት ምክትታል ብልሽውና መሸጣኡ ከምዝድስክል ስለዝተገበረ ኣይተሸጠን።

‘ፍሪደም ፎር ኢሮዥያ’ ብዘይካ እቲ ኣብ ውሽጥን ከባብን ለንደን ዝርከብ ገዛውቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ደሴታት ብሪቲሽ ቨርጂን ዝተዓደገ ንብረትን ብዛዕባ እታ ብካሪሞቫን ጕጅለኣን እትውነን ናይ ውልቂ ነፋሪት’ውን መጽናዕቲ ኣካይዱ’ዩ።

ዓርኪ ጉልናራ ካሪሞቫ ዝዀነ ሩስታም ማዱማሮቭን ካልኦትን ተሓባበርታን ካብ ብልሽውናኣ ረባሕትን’ዮም ተባሂሎም ኣብ ዝርዝር ሰፊሮም ኣለዉ።

እቶም ኣብ ዝርዝር ተሓባበርቲ ጉልናራ ካሪሞቫ ሰፊሮም ዘለዉ ውልቀ ሰባት ኣማኢት ሚልዮናት ዶላራት እዛ ተጠርጣሪት ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ኣብ ምዝውዋር ኢድ ኣሎዎም ዝብል ክሲ’ውን ቀሪብሎም ኣሎ።

ምስ መሸጣን ዕድግን ንብረታት ጉልናራ ካሪሞቫ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበረን ፔናሊ ሊሚትድን ኦደንቶን ሊሚትድን ዝተበሃላ ትካላት፡ ኣብ ጸብጻብ ‘ፍሪደም ፎር ኢሮዥያ’ ሽመን ተላዒሉ ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ ሓምለ 2010 ኤስኤች ላንደስ ዝተበሃለ ትካል፡ ብ 40 ሚልዮን ዶላር ንማዱማሮቭ ዝተበሃለ ውልቀሰብ ነፋሪት ከምዝሸጠሉ ዘመልክት ሰነድ ናብ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ኣረኪቡ፤ እንተዀነ ብድሕሪት ኰይና ነታ ናይ ውልቂ ነፋሪት ዝዓደገታ ግን ጉልናራ ካሪሞቫ’ያ ነይራ።

ብጉልናራ ካሪሞቫ ዝውነን ዝነበረ ኣብ ሎንደን ዝርከብ ህንጻ

ምንጪ ስእሊ, Freedom for Eurasia

መግለጺ ስእሊ, ብጉልናራ ካሪሞቫ ዝውነን ዝነበረ ኣብ ለንደን ዝርከብ ህንጻ

ትካል ኤስኤች ላንደስ ኣብ እዋኑ ብዛዕባ ምንጪ እቶት ነታ ነፋሪት ዝዓደጋ ውልቀሰብ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ “ብዛዕባ ምንጪ ውልቃዊ ሃብቲ ዓዳጊ እዛ ነፋሪት ንዓና ዝምልከት ኣይኰነን” ዝብል መልሲ’ዩ ሂቡ ነይሩ።

እዚ ሕቶ ዝተለዓለሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ክፍሊት ዋጋ ናይታ ዝተገዝአት ናይ ውልቂ ነፋሪት ካብ ሕሳብ ናይቲ ዓዲግዋ ዝተበሃለ ማዱማሮቭ ዘይኮነስ ካብ ካልእ ሰብ’ዩ ተኸፊሉ።

እቲ ንትካል ኤስኤች ላንደስ ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶታት ምስ ከረረ ግን፡ ምንጪ ሃብቲ ማዱማሮቭ ካብቲ ኣብ ኡዝበኪስታን ዘለዎ ኦዝዶንሮቢታ ዝተበሃል ትካል ሞባይል ከምዝዀነ ተገሊጹ።

ኣቐዲሙ ሽም ጉልናራ ካሪሞቫ ምስዚ ኣብ ኡዝበኪስታን ዝርከብ ኢዝዶንሮቢታ ዝተበሃለ ትካል ሞባይል ክልዓል ስለዝጸንሐ ነቲ ዝነበረ ጥርጣረ መራጐዲ ኮይኑ።

ኣብ 2004 ሞስኮ ታይምስ ዝተበሃለ መጽሄት፡ ጉልናራ ካሪሞቫ ብሽም እዚ ትካል ብስኑዕ ሰነድ 20 ሚልዮን ዶላር ከምዝወሰደት ዘቓልዕ ጽሑፍ ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ ነይሩ’ዩ።

ትካል ኤስኤች ላንደስ ድሕረ ባይታ ዓዳግን ምንጪ ኣታዊታቱን ከጽንዕ ከምዝነበሮ ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ኣብ 2012 ጸብጻቡ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣብ መስከረም 2013 ቀራቢ ጉልናራ ካሪሞቫ ዝዀነ ሽዑ ወዲ 30 ዓመተ ዝነበረ ጋያነ ኣቫክያን እቲ ጸብጻብ ጉዳይ መሻጣ እታ ነፋሪት ቅኑዕ ምዃኑ ብኽታሙ ከምዘረጋገጸ፡ ኣብቲ ‘ፍሪደም ፎር ኢሮዥያ’ ዘውጽኦ ጸብጻብ ተገሊጹ ኣሎ።

ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዓመት ቢቢሲ፡ ጋያነ ኣቫክያን ሓደ ካብቶም ብሚልዮናት ዶላራት ብልሽውና ዝኽሰስን ምስቲ ኣብ ኡዝበኪስታን ተፈጺሙ ዝበሃል ብልሽውና ምትስስሳር ኣሎዎ ዝበሃል ትካላት ዝውንኑ ሰባት’ዩ ኢሉ መርትዖ ዘለዎ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

በቲ ኢልካ በቲ ምስ ጉልናራ ካሪሞቫ ተተሓሒዙ ሽመን ዝልዓል ዘሎ ትካላት ዓባይ ብሪጣንያ ማእለያ የብለንን።

ንመጽናዕቲ ‘ፍሪደም ፎር ኢሮዥያ’ ዝመርሐ ቶማ ማይነ’ውን፡ ጉልናራ ካሪሞቫ ከመይ ገይራ’ያ ነዚ ዅሉ ንብረት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትገዝአ ክኢላ መልሲ ዘድልዮን ኣዝዩ ዘተሓሳስብን ከምዝዀነ’ዩ ሓቢሩ።

ቶም ማይነ፡ “ካልኦት ሃገራት ብጉልናራ ካሪሞቫ ዝውነን ንብረትን ሕሳባት ባንኪን ምስ ኣደስከላ ድሕሪ ዓመታት ሰብ መዚ ብሪጣንያ ክሳብ 2017 እውን እንተኾነ ዝኾነ ክገብሩ ኣይክኣሉን፡ ክሳብ ክንድዚ’ዩ ግዜ ወሲድሎም” ኢሉ።