ጓል ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ ኣብ ቀይዲ ክትኣቱ ትእዛዝ ተዋሂቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጓል ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር ኢዛቤል ዶስ ሳንቶስ ኣብ ቀይዲ ክትኣቱ ትእዛዝ ከምዝተመሓላለፈ ዋና ኣኽባር ሕጊ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ ክብላ ማዕከናት ዜና ኣንጎላ ጸብጺበን።
ዋና ኣኽባር ሕጊ ሄልደር ፒታ ግሮዝ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነታ ብዝምታ ሃብቲ ሃገራ እትኽሰስ ኢዛቤል ንምርካብ ምስ ዓለምለኻዊ ውደብ ፖሊስ (ኢንተርፖል) ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጹ።
ሓላፊት መንግስታዊ ትካል ነዳዲ፡ 'ሳናንጎል' ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዝፈጸመቶ ሕማቕ ምሕደራን ምጥፍፋእ ብቢልዮናት ዝቑጸር ገንዘብ ሃገርን'ያ ተኸሲሳ ዘላ።
መንግስቲ ኣብ ልዕሊኣ ሲቪላውን ገበናውን ክሰታት ብምቕራብ ልዕሊ 5 ቢልዮን ዶላር ክትከፍል'ዩ ዝጠልብ።
ኢዛቤል ንኣመሪካዊ ጋዜጣ 'ኒውዮርክ ታይምስ' ኣብ ዝሃበቶ ቃለመሕትት፡ ንዝቐርበላ ሕቶታት ክትምልስ ፍቓደኛ ምዃና ገሊጻ።
"ኣድራሻይ ፍሉጥ'ዩ፡ ኣበይ ከምዘለኹ'ውን ፍሉጥ'ዩ" ብምባል ኣብ ለንደን ትነብር ከምዘላ ነቲ ጋዜጣ ተዛሪባ።
"ካብ ሕጊ ዝሃድም ሰብ ኣይኮንኩን፡ ካብ ዝኾነ ሰብ ኣይተሓባእኩን" ዝበለት ኢዛቤል፡ እቲ ክስታት ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎ'ዩ ክትብል ትነጽጎ።
ንኣስታት ኣርባዕተ ዓሰርተ ዓመታት ነታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሃገረ ኣንጎላ ዝመርሐ ኣቦኣ ፕረዚደንት ኣንጎላ ዝነበር ጆሰ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ'ዩ ኣብ መበል 79 ዓመቱ ኣብ ስጳኛ ዓሪፉ።
ሓዋ ጆሴ ፊሎመኖ ዶስ ሳንቶስ'ውን ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ናይታ ሃገር ኣጠፋፊኡ ብዝብል ክሲ ን5 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ ነይሩ።
እቲ ወዲ 42 ዓመት፡ ሓላፊ ማዕከን ገንዘብ እታ ሃገር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላር ከጠፋፍእ ሓሲቡ ተባሂሉ ተኸሲሱ ነይሩ።
ካብ ካዝና መንግስቲ 500 ሚልዮን ዶላር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ናይ ባንኪ ሕሳቡ ከም ዘሰጋገረ እዩ ብዋና ኣኽባር ሕጊ'ታ ሃገር ተኸሲሱ።
ኣቡኡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ 5 ቢልዮን ዶላር ፋንድ ከንቀሳቕስ ሓላፍነት ተዋሂብዎ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘጠፋፈአ'ዩ ዝንገረሉ።
ኢዛቤል፡ ሰብኣያ ሲንዲካ ዶኮሎ ወዲ ኮንጎ ኮይኑ ኣብ ምእካብ ክቡር ቅብኣታት ዝተዋፈረ ነጋዳይ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብ ብሪጣንያ ዝተማህረት ኢዛቤል፡ ኣብዚ እዋን ድማ ኣብ ለንደን ትነብር።
ንሳ፡ ልዕሊ $2 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ዘለዋ፡ ካብ ኣፍሪቃ እታ ዝሃብተመት ጓል-ኣንስተይቲ ተባሂላ ትጥቀስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







