ንልዕሊ 38 ዓመት ንኣንጎላ ዝመርሓ ጆሰ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ ዓሪፉ

ጆሰ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዶስ ሳንቶስ ድሕሪ 38 ዓመታት'ዩ ኣብ 2017 ስልጣን ኣረኪቡ

መበል ካልኣይ ፕረዚደንት ኣንጎላ ዝነበረ ጆሰ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ፡ ኣብ መበል 79 ዓመቱ ኣብ ስጳኛ ዓሪፉ።

ሕማም ልቢ ከምዘጋጠሞ ዝተገልጸ ዶስ ሳንቶስ፡ ኣብ ከተማ ባርሰሎና ክእለ ድሕሪ ምጽንሑ'ዩ ሞይቱ።

እቲ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ንኣንጎላ ዝመርሓ ፕረዚደንት ነበር፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ከብቅዕ ብምግባሩ " ኣርኪተክት ሰላም" ተባሂሉ ብደገፍቱ ይዝከር።

እንተኾነ ግን፡ ሓድጉ በቲ ኣብ ዘመነ-ስልጣኑ ዝተራእየ መጠኑ ዝሓለፈ ብልሽውናን ምግሃስ ሰባዊ መሰላትን ዝጨቀወ'ዩ።

ኣብ 1969 ኣብ ሶቬት ሕብረት ነበር ብምህንድስና ነዳዲ ዝተመረቐ ዶስ ሳንቶስ፡ ወዲ 37 ዓመት እንከሎ'ዩ ፕረዚደንት ናይታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ክኸውን ኪኢሉ።

ኣንጎላ ኣብ 1975 ናጽነታ ካብ ፖርቱጋል ድሕሪ ምርካባ፡ ፈላሚ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝነበረ ኣንቶንዮ ኣጎስቲኖ ኔቶ ብሕማም ኣብ 1979 ድሕሪ ምማቱ'ዩ ዶስ ሳንቶስ ስልጣን ተረኪቡ።

ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ እዋን፡ ኣንጎላ በቲ ኣብ መንጎ'ቶም ኣንጻር መግዛእቲ ፖርቱጋል ዝተቓለሱ ውድባት፡ 'ኤም-ፒ-ኤል-ኤ' (MPLA)ን 'ዩኒታ' (UNITA)ን ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ትሕመስ'ያ ነይራ።

እቲ ን27 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ነታ ሃገር ኣዕንዩዋ'ዩ። ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታት ኣብቲ ግጭት ከምዝሞቱ ይግለጽ።

ዝተፈላለያ ሃገራት ወጻኢ'ውን፡ ንክልቲኦም ወገናት ብምድጋፍ ኣብቲ ኲናት ምስታፈን ይፍለጥ።

ብውሑዳት ዓሌታውያን ጸዓዱ ትመሓደር ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ወተሃደራታ ብምስዳድ ኣብ ጎኒ ዕጡቕ ጉጅለ ዩኒታ ክትስለፍ እንከላ፡ ሓይልታት ኲባ ብወገኖም ንመንግስቲ ኣንጎላ ብምድጋፍ ኣንጻር ዕጡቓት ዩኒታ ይዋግኡ ነይሮም።

እቲ ዶስ ሳንቶስ ዝመርሖ ዝነበረ ማርክሳዊ ውድብ ኤም-ፒ-ኤል-ኤ ክሳብ ምብቃዕ ዝሑል ኲናት ንኣንጎላ ዝመርሕ ዝነበረ እንኮ ሰልፊ እታ ሃገር'ዩ ነይሩ።

ኣብ ፈለማ 90ታት ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ኣብ ዝተገብረ ፈላሚ ብዙሕነት ሰልፍታት ዘሳተፈ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ቀንዲ ተቐናቐንቲ ዶስ ሳንቶስን መራሒ ዩኒታ ጆናስ ሳቪምቢን እዮም ነይሮም።

ጆሰ ኤድርዶ ዶስ ሳንቶስ ብጸቢብ ከምዝተዓወተ ምስተገልጸ፡ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ'ታ ሃገር ካልኣይ ዙርያ ምርጫ ክካየድ ተወሲኑ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ምርጫ ርትዓዊ ከምዘይነበረ ዝገለጸ ሳቪምቢ ኣብ ካልኣይ ዙርያ ከምዘይሳተፍ ብምግላጽ፡ ናብ ብረታዊ ቃልሱ ተመሊሱ።

ድሕሪ 10 ዓመት፡ ኣብ 2002 ወተሃደራት መንግስቲ ንጆናስ ሳቪምቢ ድሕሪ ምቕታሎም፡ ነቲ ኣማኢት ኣሽሓት ዝቐተለ ኲናት ሓድሕድ ዘብቅዐ ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ።

በዚ ድማ፡ ኣንጎላ ዳግም ተወሊዳ።

ኲናት ድሕሪ ምብቅዑ፡ ቀንዲ ኣድህቦ ዶስ ሳንቶስ፡ ዳግመህንጻን ዕርቀሰላምን ምንባሩ ይዝከር። ኣብቲ እዋን'ቲ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቐባልነት ኣጥርዩ ነይሩ። ሰልፊ ኤም-ፒ-ኤል-ኤ ኣብ 2008 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ 82 ሚእታዊት ብምርካብ ምዕዋቱ'ውን መርኣያ ዝነበሮ ተቐባልነት'ዩ።

ጆሰ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ (ጸጋም) ምስ ተቓዋሚኡ ነበር ጆናስ ሳቪምቢ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, AFP

ተራ ስድራቤቱን ዝምታ ሃብቲ ሃገርን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ግን፡ ኣብታ ሃገር ዝተቐልቀለ ክስታት ልዑል መጠን ብልሽውና (ብፍላይ ኣብ ጽላት ነዳዲ)፡ ሕማቕ ምሕደራ ቁጠባን ፖለቲካዊ ጸቕጥን ምድቋስን ተቓውሞታት ንስልጣኑ ዝደወኑ'ዮም ነይሮም።

እቲ ዝሑልን ካብ ህዝቢ ርሑቕን ምንባሩ ዝንገረሉ ዶስ ሳንቶስ፡ ብዛዕባ'ቲ ዝቐርበሉ ዝነበረ ክስታት ዝሃቦ ብዙሕ ግብረመልሲ ኣይነበረን። ኣንጻር እቲ ንሱ ዝመርሖ ዘነበረ ስርዓት ተቓውሞታት እናዓበየ ምስከደ፡ ናቱን ናይ ስድራቤቱን ድሕነት ከሐይል ተገዲዱ ነይሩ።

እቲ ሳሕቲ ናብ ሜድያ ዝቕልቀል መራሒ ኣብ 2013 ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ኣንጎላ ርግእቲ ምንባራን፡ እቶም ኣንጻሩ ዝኾኑ ጉጅለታት ኣዝዮም ንኣሽቱን "ኣጸቢቖም ዝተለለዩን" እዮም ክብል መሊሱ ነይሩ።

እቲ እዋን'ቲ 'ሰበይ-ሰብካ' ድሮ ሳዕሪሩ ዝነበረሉ ግዜ'ዩ።

ብዕድመ እናደፍአ ዝኸይድ ዝነበረ ዶስ ሳንቶስ፡ ንኣባላት ስድራቤቱን መቕርቡን ኣገደስቲ ዝብሃሉ መዝነታት ክህብ ጀሚሩ። እቲ 'ዘኑ' ብዝብል ዝፍለጥ ወዱ፡ ጆሰ ፊሎመኖ ዶስ ሳንቶስ፡ ሓላፊ ናይቲ ንሃብቲ ናይታ ሃገር ዘመሓድር ልኡላዊ ማዕከን ሃብቲ ኣንጎላ ኮይኑ። ብድሕሪኡ'ውን፡ ጓሉ ኢዛበል ዶስ ሳንቶስ ሓላፊት ሃገራዊ ኩባንያ ነዳዲ፡ ሶናጎል፡ ከትከውን መዚዙዋ። ብድሕሪኡ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝሃብተመት ጓልኣንስተይቲ ክትከውን ከምዝበቕዐት ይንገረላ።

በቶም ዝውሰዱ ዝነበሩ ስጉምቲታት፡ ኣንጎላ ናብ ምልካውነት ትሰጋገር ዝነበረት ሃገር መሰለት። ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት፡ ተሓለቕቲ ሲቪላዊ መሰላት፡ ከምኡ'ውን ጋዜጠኛታት፡ ክሰራጠዩ፡ ክሳደዱን ክቕተሉን ተራእዮም።

ብፍላይ ጉዳይ ናይቶም ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዝረኸቡ፡ "ገበናት ምልዕዓል"ን ፈተነ ዕልዋ መንግስቲን ፈጺሞም ተባሂሎም ዝተኣስሩ 17 ተሓለቕቲ ንሓድጉ ዝደወነ'ዩ።

ገበኖም? ኣብ 2015 ብኣመሪካዊ ጸሓፊ ጂን ሻርብ ዝተደርሰ፡ 'ካብ ምልኪ ናብ ደሞክራሲ፡ ስነሓሳባዊ መቓን ንሓርነት' (From Dictatorship to Democracy: A Conceptual Framework for Liberation) ዝብል መጽሓፍ ከንብቡ ስለዝተረኽቡ።

ፕረዚደንት ዶስ ሳንቶስ (ጸጋም) ስልጣን ንፕረዚደንት ጃኦ ሎሬንኮ እናረከበ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ስልጣን ዝተረከቦ ጃኦ ሎሬንኮ ንጃልባኡ ዘናውጻ ኣይመሰሎን ነይሩ

ኣብ 2017፡ ነቲ ን38 ዓመታት ሒዝዎ ዝጸንሐ ስልጣን፡ ኣረኪቡ ምውራዱ ንብዙሓት ዘገረመ ሃንደበታዊ ፍጻመ'ዩ ነይሩ።

ነቲ ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ጃኦ ሎሬንኮ ስልጣን ከረክቦ ከኣ ሓረዮ።

ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ፡ ካብ መሪሕነት ገዛኢ ሰልፊ ኤም-ፒ-ኤል-ኤ ወሪዱ። ነቲ ሰልፊ ኣብ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ መደረ፡ ኣብቲ ነዊሕ ዘመነ-ስልጣኑ ጌታታት ከምዝፈጸመ ተኣሚኑ ነይሩ።

"ጌጋታት፡ ኣካል መስርሕ ምምሕያሽ ስለዝኾኑ'ዩ፡ ካብ ጌጋና ንመሃር ዝበሃል" ክብል ተዛሪቡ።

ርእሱ ቅንዕ ኣቢሉ ብሓበን ካብ ስልጣኑ ከምዝተሳነበተ ዝገለጸ ዶስ ሳንቶስ፡ በቲ ሰልፊ "ናይ ክብሪ ፕረዚደንት" ዝብል መጸውዒ ተዋሂብዎ'ዩ።

ኩነታቱ ግን ውሕስነት ዘይብሉን ተነቃፍን'ዩ ዝነበረ።

ማእሰርቲ ወዱ

ኣንጻር ብልሽውና ክቃለስ ከምዝተበገሰ ዝገልጽ ሓድሽ ፕረዚደንት ጃኦ ሎሬንኮ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ሓለቓኡ ዝነበረ ዶስ ሳንቶስ ተላዒሉ- ግና ብቐጥታ ዘይኮነስ ብደቁ ኣቢሉ።

ንኣብነት ወዱ፡ ዜኑ፡ 500 ሚልዮን ዶላር ኣጠፋፊኡ ተባሂሉ ንሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። እቲ ገንዘብ ካብ ባንክ ኣንጎላ ናብ ሓደ ኣብ ብሪጣንያ ዝነበረ ሕሳብ ከምዝተሰጋገረ'ዩ ዝግለጽ።

ጓሉ፡ ኢዛበል፡ ብወገና "ኣብ ከቢድ ብልሽውና ብምስታፋ" ናብ ኣመሪካ ከይትኣቱ ከምዝተኣገደት ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ይሕብር።

ኣብ 2020፡ ቢቢሲ ብዛዕባ ዘኻዕበተቶ ሃብቲ ዝገልጽ ልሒኲ ዝወጸ ሰነዳትን ጸብጺቡ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኢዛበል ንሃብቲ ሃገራ ብምዝማትን ብመንገዲ ብልሽውናን ልዑል መጠን ሃብቲ ክትውንን ኪኢላ'ያ።

ዶስ ሳንቶስ፡ 5 ዓመት ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ፓሪስ፡ ፈረንሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዶስ ሳንቶስ፡ 5 ዓመት ስልጣን ድሕሪ ምርካቡ ኣብ ፓሪስ፡ ፈረንሳ

ንሳ ግን፡ እቲ ዝቐረበላ ክሲ ምሉእ ብምሉእ ሓሶት ምዃኑን፡ ንፖለቲካዊ ዕላማታት መንግስቲ ኣንጎላ ዝሰንዖ ምዃኑ'ያ ትምጉት።

ዶስ ሳንቶስ፡ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ፡ ናብ ስደት ብምምራሕ ኣብ ከተማ ባርሰሎና (ስፔን) ክነብር ምጽንሑ ይፍለጥ።

ዋላ'ኳ ቤተሰቡ ብወግዒ እንተዘየተኣመኑ፡ ብንጹር ብዘይተፈልጠ ሕዱር ሕማም ክሳቐ ምጽንሑ ማዕከናት ዜና ኣንጎላ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ መስከረም 2021 ንመወዳእታ ግዜ ናብ ሃገሩ በጺሑ ምንባሩን ክሳብ መጀመርታ 2022 ኣብኡ ምጽንሑን ይፍለጥ። ኣብ ኣንጎላ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ክልተ ግዜ ምስ ፕረዚደንት ሎሬንኮ ተራኺቡ ነይሩ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ርክባት ንቤተሰብ ዶስ ሳንቶስ ዘምጽኦ እፎይታ ይኹን፡ ኣብ ሓድጉ ዘሎ ማክያ ንምጽራይ ፋይዳ ኣይነበሮን።

ኣብ ኣንጎላ ሰላም ክሰፍን ብምግባሩ ከም ሓርበኛ ክቑጽር ይኽእል'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ስልጣን ንነዊሕ እዋን ብምጽንሑ፡ ብጨቋኒ ምሕደርኡን በቲ ዝነገሰ ክቱር ብልሽውናን ሓድጉ ተደምሲሱ'ዩ።