ወዲ ፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር ብምጥፍፋእ ገንዘብ ተኸሲሱ ን5 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ

ወዱ ንፕረዚደንት ኣንጎላ ነበር ጆሴ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ፡ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ናይታ ሃገር ኣጠፋፊኡ ብዝብል ክሲ ን5 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።
ወዲ 42 ዓመት ጆሴ ፊሎመኖ ዶስ ሳንቶስ፡ ሓላፊ ማዕከን ገንዘብ እታ ሃገር ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣስታት 1.5 ቢልዮን ዶላር ከጠፋፍእ ሓሲቡ ተባሂሉ ተኸሲሱ ነይሩ።
ንሱ፡ ካብ ካዝና መንግስቲ 500 ሚልዮን ዶላር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ስዊዘርላንድ ባንኪ ሕሳቡ ከም ዘሰጋገረ እዩ ብዋና ኣኽባር ሕጊ'ታ ሃገር ተኸሲሱ።
እዚ ወዲ ፕረዚደንት ኣንጎላ-ነበር ኣቡኡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ 5 ቢልዮን ዶላር ፋንድ ከንቀሳቕስ ሓላፍነት ተዋሂብዎ'ኳ እንተነበረ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘጠፋፈአ'ዩ ዝግለጽ።
ኣቡኡ፡ ሆዘ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ ንኣንጎላ ን38 ዓመታት መሪሕዋ እዩ።
ፕረዚደንት ዶስ ሳንቶስ፡ ነታ ሃገር ካብ 1979 ጀሚሩ ክሳብ 2017 ክመርሓ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2017 ብድልየቱ ካብ ስልጣን ወሪዱ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ቀረባ ዓመታት ግን ኣብታ ሃገር ተርእዮታት ብልሽውና እናገነነ ብምምጽኡ፡ ቁጠባ ኣንጎላ ብምንቁልቋሉን ብዙሕ ክውቀስ ከም ዝጸንሐ ጸብጻት ይሕብሩ።
ብተመሳሳሊ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝሃብተመት ጓል-ኣንስተይቲ ምዃና ዝንገረላ ኢዛቤላ ዶስ ሳንቶስ ዝተባህለት ሓፍቱ፡ ብምጥፍፋእ ሓደ ቢልዮን ዶላር ተኸሲሳ ኣላ። ንሳ ግና ነቲ ክሲ ነጺጋቶ።
ጓል 46 ዓመት ኢዛቤል ሓንቲ ካብ ሃብታማት ዓለም ኮይና፤ መጽሄት ፎርብስ፡ 2.2 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ ከም ዘለዋ ብምጥቃስ ካብ ደቂ ኣንስትዯ ኣፍሪቃ ብሃብቲ ኣብ ቅድሚት ይሰርዓ።
ሓዲሽ ፕረዚደንት ኣንጎላ ጃኦ ሎረንኮ ኣብ 2017 ስልጣን ምስ ሓዘ፡ ብኡንብኡ ንደቂ ፕረዚደንት ነበር ካብ ስልጣኖም ኣባሪዎም።
ጸጋታት ነዳዲን ወርቂን ዝተዓደለት ኣንጎላ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝምስገን ምዕባለን ውዕውዕ ወፍርን እኳ እንተርኣየት፡ ኣሽሓት ዜጋታታ ግን ኣብ ደልሃመት ድኽነት ከም ዝርከቡ ጸብጻባት የመልክቱ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







