ዝጒሓልዎ ገንዘብ ህዝቢ ኣብ ዓዶም ‘ኢንቨስት’ ክገብሩ ዝሕተቱ ዘለዉ ኬንያውያን

ናንሲ ጊታንጉ

ምንጪ ስእሊ, Twitter/ @OAG_Kenya

ሃብቲ ህዝቢ ዝጒሕሉ ኬንያውያን ነቲ ገንዘብ ናብ ወጻኢ ሃገራት ካብ ምውሳድ ኣብ ሃገሮም ከውፍሩዎ ክተባብዑ ከም ዘለዎም ተገሊጹ።

ኦዲተር ጀነራል እታ ሃገር ናንሲ ጊታንጉ፡ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝዘዋወር ገንዘብ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክዋፈር እንተተፈቒዱ፡ ኣብ ዕብየት ሃገራት ኣበርክቶ ክህልዎ ከም ዝኽእል ገሊጻ።

ኬንያውያን ሰብ መዚ ጒሒሎም ኣብ ባንክታት ወጻኢ ዝሓብእዎ ገንዘብ መንግስቲ፡ ኣስታት 2.6 ቢልዮን ዶላር ከም ዝግመት ባንኪ ዓለም ኣብ 2020 ዘውጸኦ ጸብጻብ የመልክት።

ናንሲ ጊታንጉ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተሳለጠ ኣኼባ “ ምናልባት ገንዘብ ሰሪቕኩም ዘህደምኩም እንተሃሊኹም ኣብቲ ዝሰረቕኩምሉ ሃገር ኣውፍርዎ ዝብል ጎስጓስ ክንጅምር ኣለና። ካብ ኬንያውያን እንተሰሪቕኩምዎ፡ ኣብ ኬንያ ኣውፍርዎ።“

“ኣዝዩ ዘይተለመደ ክመስል ይኽእል እዩ፤ግና ምናልባት ኣብ ዓድና ዕብየት ተመዝጊቡ ክንርእይ ንኸውን። ድሕሪኡ “ካበይ ኣምጺእካዮ?’ ኢልና ንሓትት” ኢላ።

እዚ መስርሕ ኣብቲ ቀጠና ዝርከቡ ኦዲተር ጀነራላት ይሓስቡሉ ከም ዘለዉ እውን እታ በዓልቲ መዚ ተዛሪባ።

ሓሳብ እታ ኬንያዊት ካብ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተፈላለየ ግብረ መልሲ ረኺቡ ኣሎ።

ገለ ሰባት እታ ኦዲተር ጀነራል፡ጭቡጥ ኩነታት ዝተረደአት ኢሎም እንተንእድዋ፡ ገለ ሰባት ግና ገንዘብ ህዝቢ ንምምሕዳር ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ምውዳቑ ዘርእይ እዩ ክብሉ ሻቕሎቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ቤት ጽሕፈት ኦዲተር ጀነራል ኬንያ፡ ኣጠቓቕማን ምሕደራን ሃብቲ መንግስቲ ዝቆጻጸር ዘይሻራዊ ትካል እዩ።