ኣመሪካ 3.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ርሻን ፕረዚደንት ጋምብያ ነበር ወሪሳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ፡ ፕረዘዲንት ጋምብያ ነበር ያሕያ ጃመ ዝገዘኦ 3.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት መንበሪ ገዛ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ሜሪላንድ ዝርከብ ርሻን ብስም በዓልቲ ቤቱ ዘይነብ ጃመ ዝተጣየሸ ትካል ዝገዝኦ ከምዝዀነ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ብልሽውና ክውረስ ከምዝተገበረ ተገሊጹ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ዝወጸ መግለጺ ከምዝሕብሮ፡ እቲ መንበሪ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ያሕያ ጃመ ክሲ ብልሽውና ካብ ዝቐርበሉ ካብ 2020 ኣትሒዙ ዝተዋህለለ ክራይ'ውን ተታሒዙ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ "ኣመሪካ ነቲ ርሻን ብምሻጥ፡ እቲ ገንዘብ ነቶም ብብልሽውናን ምሕደራን ፕረዘዲንት ነበር ጃመ ጉድኣት ዝወረዶ ህዝቢ ጋምብያ ክወሃብ ንጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ኣሚማ'ላ፡" ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ምስ ስድራቤቱን ተሓባበርቱን ተመሳጢሩ፡ ትካላት ሼልን ማሕበራት ወጻኢን ተጠቒሙ ብብልሽውና ንዝረኸቦ ሃብቲ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ከምዘሳገረ ክስታት ይቐርበሉ።
ኣብዚ ሰሙን መንግስቲ ጋምብያ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ዘመነ ስልጣኑ ፈጺምዎ ብዝበሎ፡ "ማእለያ ዘይብሉ ገበናት" ክቐጽዖ ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ያሕያ ጃመ ነቲ ዝቐርበሉ ክሲታት ይነጽጐ።
ኣብ 1994 ብዕልዋ ናብ ስልጣን ዝደየበ ጃመ፡ ክሳብ 2017 ንጋምብያ ዝመርሐ ኰይኑ፡ ብመረጫ ምስተስዓረ'ዩ ካብታ ሃገር ሃዲሙ።
57 ዓመት ዝዕድመኡ ጃመ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ እዩ ተዓቝቡ ዘሎ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







