ጓላ ሓራ ክተውጽእ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዓጽያ ዝቐረየት ኣሜሪካዊት ኣደ

ካርሊ ሞሪስ

ምንጪ ስእሊ, CARLY MORRIS

ኣብ መጀመርታ፡ ኣሜሪካዊት ኣደ ካርሊ ሞሪስ፡ ምስታ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጓላ ታላ ናብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣተወት ኩሉ ጽቡቕ ይመስል ነይሩ።

ስዑዳዊ ኣቦ ጓላ፡ ንስኮላርሺፕ ናብ ኣሜሪካ ኣብ ዝመጸሉ እዋን ተፋሊጦም ሓዳር ገይሮም ነይሮም። ደሓር ተፋቲሖም።

ንሱ ንሓጺር ዕረፍቲ ናብ ስዑዲ ንክትመጽእ ኣእሚንዋ። ወለዱ ንመጀመርታ ግዘ ምስ ጓል ወዶም ክራኸቡም ምእንቲ፡ ንኽልቲአን ናይ ሰላሳ መዓልቲ ቪዛ ኣዳልዩለን።

ካርሊ ስምዒታ ክርበሽ ዝጀመረ፡ ናብቲ በዓል ቤታ ነበር ንዓኣን ንታላን ዝሓዘለን ሆቴል ክትኣቱ ከላ እዩ።

እቲ ክፍለን መስኮት ወይ ኢንተርነት የብሉን። ሞባይል’ውን ኣይሰርሕን። ካርሊ ነዊሕ ከይጸንሐት ካልእ ብዙሕ ዘጨንቑ ነገራት ከጋጥምዋ ጀሚሮም።

"ድሕሪ ዝመጻእናሉ ሰሙን ንሱ ናይ [ታላ] መውጽኢ ፍቓድ ንምድላው ናተይ ፓስፖርትን ምስክር ወረቐት ልደትን ሓቲቱኒ። ድሒረ ከም ዝፈለጥክዎ እቲ ብሓቂ ዝገበሮ፡ ዜግነታ ናብ ስዑዲ ዓረብ እዩ ቀይርዎ።"

ድርብ ዜግነት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣፍልጦ ስለ ዘይብሉ ካብዚ ንደሓር ኣብ ኣሜሪካ ተወሊዳ ዝዓበየት ታላ ከም ዜጋ ስዑዲ ጥራይ እያ ትቑጸር።

እዚ ማለት ድማ ​​ብመሰረት ስርዓት ሞግዚት ደቂ ተባዕትዮ እታ ሃገር፡ ስዑዳዊ ኣቦኣ እንተዘይተሰማሚዑ ካብታ ሃገር ክትወጽእ ኣይትኽእልን እያ። እዚ ድማ ከም ዘይገብር ንጹር ክኸውን ግዜ ኣይወሰደን።

ካርሊ፡ ስዑዳዊ በዓል ቤታ ነበር ንግሆ ንግሆ ታላ ወሲዱ ክሳብ ምሸት ከምዘይመልሳ ትዛረብ።

ምሉእ መዓልቲ ኣብ ክፍላ በይና ትውዕል። ዝነበራ ገንዘብ ውሑድ ስለዝኾነ ንሱ ዝገድፈላ ዝተዓሸገ ምግቢ ጥራይ ትበልዕ ነይራ።

ካርሊ ንኣስታት ክልተ ዓመት ጓሎም ክትወስድ ለሚና። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ኣባላት ባይቶ ኣሜካን ናብ ካልኦት ክሕግዙዋ ዝኽእሉ ሰባትን ክትጽሕፍ ጀሚራ።

እዚ ድማ ነቲ በዓል ቤታ ነበር ከም ዘቖጥዖ ትዛረብ።

"ካብ ስዑዲ ወጻኢ ንዝኾኑ ሰባት ሓገዝ ይሓትት ከም ዘለኹ ምስ ፈለጠ፡ ንጓለይ ንኽልተ ወርሒ ጨውዩዋ። ንሱን ስድርኡን ከይተረፈ ካብ ገዝኦም ጠፊኦም። ኣብቲ ዝጠፍእሉ ግዜ፡ ኣላዪ ጓለይ ንምዃን ጥርዓን ኣቕሪቡ።"

ኣብቲ ከም ኣካል ናይቲ ናይ ምእላይ መስርሕ ዝቐረበ ወረቓቕቲ፡ ኣቦ ታላ ንጓሉ ከምዝጨወየ ክሒዱ።

ካርሊ ካብ ኣሜሪካውያን ፖለቲከኛታት ዝኾነ ሃናጺ መልሲ ድሕሪ ምስኣና፡ ናብ ዋይት ሃውስ ጽሒፉ። ሕጂ'ውን እንተኾነ መልሲ ኣይረኸበትን።

ግና፡ ብዝኾነ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ ሓምለ ናብ ሪያድ ምስ በጽሐ ተስፋኣ ልዕል ኢሉ።

ሽዑ’ውን እንተኾነ፡ እንተላይ ናብ ኣብ ሪያድ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣሜሪካ ዘቕረበቶ ጻውዒት ፍረ ኣየፍረየን።

ኣብ ኣሜሪካ፡ እታ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ትጭነቕ ዘላ ኣደ ካርሊ፡ ደኒስ ዋይት፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ኣገዳስነት ስዑዲ ዓረብ ማለት ዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካ ስጉምቲ ክወስዱ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን ማለት ምዃኑ ክትኣምን ጀሚራ።

ስዑዲ ዓረብ ሓንቲ ካብቶም ዓበይቲ ኣፍረይቲ ነዳዲ ዓለምና ብምዃና፡ ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዘሎ ቅልውላው ጸዓት ሓያል ፖለቲካዊ ምትእስሳር ኣለዋ።

ኣደ ካርሊ ኣብ ካሊፎርንያ ካብ ዝርከብ ገዝኣ ኮይና ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ታላ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ናብ ቤት ትምህርቲ ከምዘይከደት ድሕሪ ምሕባራ፡ ብዛዕባ ሕጽረት ትምህርቲ ጓል ጓላ ኣዝዩ ከምዘሻቕላ ሓቢራ።

ካርሊ፡ ኣብ ዘይዓበየትሉ ሃገር ኣብ ማእከል ናይ ኣላይነት ሙግት ዝኣተወት ጓላ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ከምዝበጽሓ ስግኣታ ሓዲርዋ’ዩ።

ቢታንያ ምስ ጓላ

ምንጪ ስእሊ, BETHANY ALHAIDARI

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ሰራሕተኛታት ማሕበራዊ ጉዳያት ናብዚ ክመጹ ከለዉ ምስ ዝኾነ ሰብ ክትዛረብ ክገብራ ኣይክእልን። ምስ ዝኾኑ ጓኖት ኣይትዛረብን እያ። ንስድራይ ቪድዮ ክልእኸሎም እንተፈቲነ ካብ ካሜራ ትሕባእ። ናይ ብሓቂ ማሕበራዊ ኩነታታ የጨንቐኒ ኣሎ።"

ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዝኣከቦ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ካርሊ ሓንቲ ካብተን ንዜጋታት ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምምርዓወን ደቀን ካብ ስዑዲ ዓረብ ንምውጻእ ዝቃለሳ ዘለዋ ኣስታት 50 ኣሜሪካውያን ኣደታት ምዃና ይሕብር። እዚ ድማ ብዙሓት ካብ ካናዳ፡ ብሪጣንያን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ዝመጻ ከይሓወሰ እዩ።

ኣብቲ ትካል ትሰርሕ ቢታንያ ኣልሃይዳሪ፡ ንባዕላ ንጓላ ናይ ስዑዲ ዓረብ መውጽኢ ቪዛ ንምርካብ ንኽልተ ዓመታት ጽዒራ እያ። ንሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝኾነት ዝተዓወተት ኣደ ከምዘየላ ትዛረብ። ብዙሓት ካብ ናይ ገዛእ ርእሰን መንግስታት ዘድልየን ሓገዝ ከምዘይረኽባ ተስምር።

"ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካ'ውን እንተኾነ፡ 'ንነብስኺ ከምዚ ጌርኪ፡ ዝሓሸ ክትፈልጢ ነይሩኪ' ዝብል ስምዒት ኣሎ። ስለዚ በዚ ኣተሓሳስባ ብዙሕ ግዘ ዕንቅፋት ዝገጥመና ኮይኑ ይስምዓኒ።"

ኣብ ሪያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ድሕነት ዜጋታት ኣሜሪካ "ዝለዓለ ቀዳምነት" ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ምዃኑን፡ እቲ ኤምባሲ ምስ ካርሊን ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብን ስሩዕ ርክብ ከምዘለዎን ሓቢሩ።

ድሕሪ ነዊሕ ናይ ቤት-ፍርዲ ሙግት ካርሊ ኣብ መወዳእታ ናይ ታላ ኣላይነት ተዋሂብዋ፡ እንተኾነ ግና ይትረፍ’ዶ ካብ ስዑዲ ካብታ እትሓድረላ ዘላ ከተማ ከይትወጽእ ተነጊርዋ እዩ።

ናይ ገዛእ ርእሳ ገንዘብ ስለዘይብላ፡ ኣብ ውሽጢ ክፍላ እስርቲ ከምዝኾነት ትዛረብ።

ቢታንያ ምስ ጓላ

ምንጪ ስእሊ, BETHANY ALHAIDARI

"ኣብቲ እዋን'ቲ ደገ ከይረገጽኩ ክልተ ዓመት ገይረ። ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ውሽጢ እዚ ክፍሊ ኮፍ ኢለ የሕልፍ። ገጸይ ዝረኣየ ዋላ ሓደ ሰብ የለን... ማዕጾይ ዘንኳሕኩሐ ዝኾነ ሰብ የለን።”

ካርሊ፡ ኣብዚ ጉዳይ ድምጻ ካብ ተስምዕ ንደሓር ብሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ "ህዝባዊ ስርዓት ዘሪጋ" ተባሂላ ተኸሲሳ’ላ፡ ዓቃቢ ሕጊ ድማ ከም መቕጻዕቲ ክትእሰር ይሓትት ኣሎ።

ካብዚ ዝዓቢ ሓድሽ ስክፍታ እውን ኣጋጢምዋ ኣሎ። ቅድሚ ምስ በዓል ቤታ ምርኻባ፡ ካርሊ እምነታ ናብ እስልምና ቀይራ ነይራ። ካብ ሽዑጀሚራ ብእምነታ ምስ ጸንዐት እያ።

ኣላይነት ጓላ ዳግማይ ድሕሪ ምዕታራ ሒደት መዓልታት ጸኒሑ፡ ኣቦ በዓል ቤታ ነበር ንእምነታ ኰኒና ንስዑዲ ዓረብን ንኹሎም ኣስላምን ኣዋሪዳ ክብል ብወግዒ ከሲስዋ።

እዛ ጓላ ናብ ዓዳ ክትመልሳ ስለዘይከኣለት ኣደ፡ ሕጂ ድማ ናይ ሞት ፍርዲ ክፍረዳ ይኽእል'ዩ።

እንተኾነ ግና መብዛሕትኡ ግዜ ነብሳ እያ ትወቅስ።

"ኣጠንቂቖሙኒ ነይሮም። ብዙሓት ሰባት፡ ናብታ ሃገር ኣይትእተዊ። እንተኣቲኺ ጓልኪ ፈጺምኪ መሊስኪ ኣይትረኽብያን ኢሎምኒ ነይሮም። ኣነ ግን ኣይሰማዕኹን... ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣለኹ።"

ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብን በዓል ቤት ካርሊ ነበርን ርእይቶ ክህቡ ተሓቲቶም እኳ እንተነበሩ፡ ዛጊድ ግና መልሲ ኣይሃቡን።