ንፈለማ እዋን ካብ ዲኤንኤ ቈርበት ሰብ ዝተፈጥረ ድቂ

ቤተፈተነ

ምንጪ ስእሊ, OHSU/Christine Torres Hicks

ወዲ ሰብ፡ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምስ እንቋቝሖ ጓለንስተይቲ ክራኸብ እንከሎ'ዩ ጥንሲ ዝፍጠር፤ እዚኦም ድቂ ንምፍጣር ምስ ተወሃሃዱ ድሕሪ ትሸዓተ ኣዋርሕ ቈልዓ ይውለድ።

ሕጂ ተመራመርቲ፡ ነዚ ይቕይሩዎ ኣለው። እዚ ሓድሽ ፈተነ ብቈርበት ሰብ እዩ ጀሚሩ ዘሎ።

ተመራመርቲ ኣመሪካ፡ ንፈለማ እዋን ካብ ዋህዮ ቈርበት ዝተወስደ ዲኤንኤ ተጠቒሞም፡ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብምድቓል ድቂ ከም ዝፈጠሩ ገሊጾም።

እዚ ሓድሽ ርኽበት፡ ብምኽንያት እርጋን ወይ ሕማም ዘጋጥም መኻንነት ከትርፍ ዝኽእል እዩ ተባሂሉ።

እዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሰብነት ዝርከብ ዝዀነ ዓይነት ህዋሳት ብምጥቃም ክስራሕ ከም ዝኽእል እውን ተገሊጹ።

እቶም ሰብ ሞያ፡ እዚ ዝነኣድ ወጽኢት'ዩ እኳ እንተበሉ፡ ሳይንስ እንታይ ይሰርሕ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ግን ምስ ህዝቢ ግልጺ ዝርርብ ክግበር ይግባእ ኢሎም።

ኣባላት ጕጅለ ምርምር ጥዕናን ሳይንስን ዩኒቨርሲቲ ኦሪገን፡ ሰብነት ንምህናጽ ዘድልዩ ቅድሓት ጀኔቲክ ኮድ ዝሓዘ ኒዩክለስ ካብ ህዋሳት ቈርበት ወሲዶም።

እዚ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ካብ ለጋሲት ዝተረኽበ እንቋቝሖ ክቕመጥ ይግበር።

ብ1996 (ኣ.ኤ)፡ ንፈለማ እዋን 'ዶሊ' ዝተባህለ በጊዕ ንምፍጣር ኣብ ረብሓ ዝወዓለ ክሎኒንግ ዝተባህለ ቴክኒክ ግብራዊ ብምግባር እዩ ተሰሪሑ ነይሩ።

እንተዀነ፡ እዚ እንቋቝሖ ሙሉእ ክሮሞዞም ስለ ዘለዎ፡ በቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ንክራባሕ ድልዊ ኣይኸዉንን።

ካብ ነፍሲ ወከፍ ወለዲ፡ 23 ዲኤንኤ ብድምር 46 ዝውረስ ኰይኑ፡ እዚ ድማ እቲ እንቋቝሖ ኣቐዲሙ ዝሕዞ እዩ።

ስለዚ፡ እቲ ቐጺሉ ዝህሉ ስጕምቲ እቲ እንቋቝሖ ፍርቂ ናይቲ ክሮሞዞም ከወግዶ ምግባር እዩ።

እቶም ተመራመርቲ፡ ነቲ መስርሕ "ሚቶሜይዮስስ" ክብሉ ሰይሞምዎ ኣለው። እዚ ቃል፡ ሚቶሲስን ሚዮሱስን ካብ ዝበሃሉን ሴላት ዝከፋፈሉሎም ክልተ መገዲታት ዘርእዩን እዮም።

ኔቸር ኮሚዩኒኬሽን ዝተባህለ መጽሄት ኣብ ዘሕተሞ መጽናዕቲ፡ 82 ድሉዋት ዝዀኑ እንቋቍሖ ከም ዝተሰርሑ የርኢ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚኦም፡ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዝተራኸቡ ኰይኖም፡ ገሊኦም ናብ ደረጃ ድቂ በጺሖም ኣለው። ንልዕሊ ሽዱሽተ መዓልቲ ግን ከይተዳለው እዮም ጸኒሖም።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ጥዕናን ሳይንስን ኦሪገን፡ ዳይሬክተር ማእኸል ሕክምና ሓረግን ዋህዮ ጥንስን ፕሮፌሰር ሹክራት ሚታሊፖቭ፡ "ዘይክኣል ዝብሃል ነገር ኢና ኣዐዊትና" ኢሉ።

እቲ እንቋቍሖ፡ ነየናይ ክሮሞዞም ክድርቢ ይደሊ ዝብል ናይ ምምራጽ ተኽእሎ ስለ ዘለዎ፡ እቲ ቴክኒክ ድልዊ እዩ ምባል ኣይክኣልን።

[ክሮሞዞም ማለት ካብ ፕሮቲንን ሓደ ዝደቐቐ ዋህዮ (ሞለኪዩል) ዲኤንኤን ዝተሰርሐ ፈትሊ-መሰል ቅርጺ እዩ]።

ሕማም ንምክልኻል ካብ መንጐ ዝሕግዙ 23 ዓይነታት ነቲ ሓደ ክሕዝ ይግባእ። ግን ድማ፡ ሓሓሊፉ ክልተ ክሕዝ ወይ'ዉን ባዶ ክኸዉን ይኽእል።

ኣብዚ ዓውዲ ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎ ፕሮፌሰር ሚታሊፖቭ፡ "እዚ መስርሕ ፍጹም ክንገብሮ ይግባእ፤ ኣነ ከም ዝመስለኒ፡ መጻኢና ናብዚ ዘምርሕ ይመስል። ምኽንያቱ ቈልዓ ክወልዱ ዘይኽእሉ ተሓከምቲ ይበዝሑ'ዮም ዘለው፡" ኢሉ።

እዚ ቴክኖሎጂ፡ ኣካል 'ኢንቪትሮ ጌምቶጀነሲስ' ተባሂሉ ብዝፍለጥን ካብ ሰብነት ወጻእ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይንን እንቋቝሖን ንምፍራይ ዝግበር ዓውዲ መጽናዕቲ እዩ።

እቲ መስርሕ ገና ኣብ መጀመርታ ደረጃ ሳይንሳዊ ምርምር እዩ ዘሎ።

እቲ ዕላማ፡ ነቶም ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ወይ እንቋቝሖ ዘይብሎም፡ ከምኡ'ውን ኣይቪኤፍ [ካብ ማህፀን ወፃኢ ተባዕታይን ኣንስታይን ዘርኢታት ክራኸቡ ብምግባር ድቂ ዝፍጠረሉ መይላ) ክጥቀሙ ዘይክእሉ መጻምድቲ ምሕጋዝ እዩ።

እቲ መጽናዕቲ እንቋቑሖ ዘይብለን ብዕድመ ዝደፍኣ ደቀንስትዮ፡ እዅል ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ፡ ወይ ድማ ብሰንኪ ሕክምና መንሽሮ መኻንነት ዝነበሮም ሰባት ክሕግዝ ይኽእል እዩ።

እቲ ዓቢ ዓንኬል ብማይክሮስኮፕ ዝርአ እንቋቑሖ እዩ። ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጻዕዳ ነጥቢ ካብ ዋህዮ ቈርበት ዝተወስደ ኣብ ውሽጡ ዝተዓቀበ ጀነቲካዊ ቁስ እዩ

ምንጪ ስእሊ, OHSU

መግለጺ ስእሊ, እቲ ዓቢ ዓንኬል ብማይክሮስኮፕ ዝርአ እንቋቑሖ እዩ። ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጻዕዳ ነጥቢ ካብ ዋህዮ ቈርበት ዝተወስደ ኣብ ውሽጡ ዝተዓቀበ 'ጀነቲካዊ' ነገር እዩ

እቲ ምርምር፡ ንወላድነት ሓድሽ ትርጕም ዝህብ ክኸዉን እዩ ተባሂሉ ኣሎ፤ እዚ ሜላ፡ዋህዮ ቈርበት ደቀንስትዮ ምጥቃም ኣየድልዮን፤ ናይ ወዲ ተባዕታይ ግን ክጥቀም ይኽእል።

እዚ ድማ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ፡ ምስ ክልቲኦም መጻምድቲ ብጀነቲካዊ ምትእስሳር ዘለዎም ቈልዑ ንኽወልዱ ኣፍደገ ክኸፍት ይኽእል።

ንኣብነት፡ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ተባዕታይ እንተዀይኖም፡ ቈርበት ሓዲኦም ነቲ እንቋቝሖ ንምስራሕ ክውዕል ይኽእል። እዚ ድሕሪኡ ምስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እቲ ካልኣይ መጻምዲ ይራኸብ።

"እዚ ኣገባብ እዚ ነቶም ብሰንኪ ሕጽረት እንቋቝሖ ወይ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ መኻን ዝዀኑ ሚልዮናት ሰባት ተስፋ ዝህብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም መጻምድቲ ምስ ክልቲኦም ብጀነቲካዊ ምትእስሳር ዘለዎም ቈልዑ ክወልዱ ዘኽእል'ዩ፡" ትብል ፕሮፌሰር እቲ ዩኒቨርሲቲ ፓውላ ኣማቶ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃል ፕሮፌሰር ሕክምና ስርዓተ ስነ-ተዋልዶ ሮጀር ስቱርሚ፡ ነቲ መጽናዕቲ "ኣገዳስን" "ዘሐጕስን" ክብል ገሊጽዎ።

"ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ምስ ህዝቢ ብዛዕባ ከምዚ ዓይነት መጽናዕቲ ቀጻሊ፡ ግልፂ ዘተ ክካየድ ይፅውዕ፡" ክብል ወሲኹ ገሊፁ።

"ኣብ ዙርያ ከምዚ ዓይነት መፅናዕቲ ተሓታትነት ንምርግጋፅን እምነት ህዝቢ ንምህናፅን ዝሓየለ ምቁፅፃር ከም ዘድሊ ዘርእየና'ዩ።"

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤዲንበርግ ምክትል ዳይሬክተር ማእከል ጥዕና ተፈጥሮ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ኣንደርሰን፡ ሓደስቲ እንቋቍሖ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ "ዓቢ ስጕምቲ ንቕድሚት፡" እዩ ኢሉ።

"ዋላ'ኳ ርኡይ ስክፍታታት እንተሃለወ፡ እዚ መጽናዕቲ ዝያዳ ደቀንስትዮ ካብ ናይ ገዛእ ርእሰን ጂን [ዘርኢ] ቈልዑ ንኽወልዳ ዝሕግዝ ስጕምቲ'ዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።