ብሕሱር ዋጋ ክሽየጥ ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ሓድሽ መድሓኒት ኤችኣይቪ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ንምክልኻልን ጸረ-መልከፍትን ኤችኣይቪ ዘገልግል ሓድሽ መድሓኒት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ናብ ትሑት እቶት ዘለወን ልዕሊ 100 ሃገራት ብርትዓዊ ዋጋ ክቐርብ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ስጕምቲ'ዚ ሚልዮናት ሰባት ሕክምና ክረኽቡ ክሕግዞምን ናብ ምውጋድ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ገጹ ክወስድ ከም ዝኽእልን ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ።
እዚ ሌናካፓቪር ዝበሃልን ብመርፍእ ዝወሃብን መድሓኒት፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ክዝርጋሕ ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ መድሓኒት ዋጋኡ 28,000 ዶላር ንሓደ ሰብ ንሓደ ዓመት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ብረቡዕ ዝወጽአ መግለጺ ግን ምስ ትካላት መድሓኒት ብምዝርራብ ነቲ ዋጋ ናብ 40 ዶላር ጥራይ ክውርዶ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
እቲ ብዝሓሰረ ዝሽየጥ ዓይነት፡ ኣብ 2027 ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን 120 ሃገራት ክዝርጋሕ እዩ።
ተመራመርቲ ስነፍልጠት፡ እቲ መድሓኒት፡ ነቲ ቫይረስ ኣብ ውሽጢ ዋህዮታት ከይባዛሕ ከም ዝዓግቶ ይገልጹ።
ኣብ መንጎ ተባጻሕነት ጥዕና ክሊንተንን ጌትስ ፋውንዴሽንን፣ ከምኡ'ውን ካልኦት ትካላት ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት እዩ ብሕሱር ዋጋ ናብተን ሃገራት ክለኣኽ።
ፕሮፌሰር ሳይካ ሙሊክ ካብ ዊትስ ኣርኤችኣይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለወን ብዙሓት ሃገራት፡ መድሓኒት ምክልኻል ኤችኣይቪ ብዝሓሰረ ዋጋ ክረኽብኦ ምኽኣል መጋየጺ ዘይኰነስ ኣድላዪ እዩ፡" ኢላ።
"ሌናካቪር ነቶም ብዙሕ ግዜ ናብ ክሊኒካት ክኸዱ ዝሽገሩ ሰባት ብፍላይ ንመንእሰያትን ትሑት ኣገልግሎት ዝረኽቡ ሕብረተሰባትን ክሕግዝ ዓቕሚ ኣለዎ፡" ክትብል ኣብሪሃ።
ሌናካፓቪር ኣብ መርመራታት ኣዝዩ ጽቡቕ ውጽኢት ዘምጽአ ኰይኑ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ብውድብ ጥዕና ዓለም ወግዓዊ ፍቓድ ረኺቡ።
እቲ ብመርፍእ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ዝውሰድ መድሓኒት፡ በብሽዱሽተ ወርሒ ጸረ ረኽሲ ኤችኣይቪ መከላኸሊ ይህብ።
ከም ሌናካፓቪር ዝኣመሰሉ ነዊሕ ዝጸንሑ ብመርፍእ ዝውሰዱ መድሓኒታት፡ ብፍላይ ኣብቶም ዝለዓለ ሓደጋ ዘለዎም ጕጅለታት (ጐራዙ ደቀንስትዮ፡ ሕደ-ጾታ ሰባት፡ ሰራሕተኛታት ጾታዊ ርክብን ሓሽሽ ዝጥቀሙ ሰባትን) ሓደስቲ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ደው ከብል ከም ዝኽእል ክኢላታት ትጽቢት ይገብሩ።
እዚ፡ ነቲ ኣስታት 40 ዶላር ንዓመት ዋጋኡን መዓልታዊ ዝውሰድን ዘሎ ከኒና PrEP ከምኡ'ውን ፕሮፊላክሲስ ክትክእ ይኽእል እዩ። እዞም ዕለታዊ ዝውሰዱ ኣጸገምቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብመሰረት ጸብጻብ ጌትስ ፋውንደይሽን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ካብቶም ካብ PrEP ተጠቀምቲ ክዀኑ ዝኽእሉ 18% ጥራይ እዮም ቀረብ ዝረኽቡ።
ሌናካፓቪር ድሮ ኣብዚ ዓመት ብምምሕዳር መግብን መድሓኒትን ኣመሪካን ኮምሽን ኤውሮጳን ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰነ፡ ኣመሪካዊ ኩባንያ መድሓኒት ጊልዓድ፡ ፈተነ መድሓኒት ሌናካፓቪር 100% ዕዉት ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ሓድሽ ዓይነት መድሓኒት፡ ገና ብተቘጻጻሪ ኣካል ፍቓድ ክወሃቦ ይጽበ እኳ እንተሎ፡ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ ኣብ ዕዳጋ ክህሉ ተስፋ ይግበር።
ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ቀረብ ናይዚ መድሓኒት ን4% ካብ ህዝቢ ክበጽሕን ክሳብ 20% ሓደስቲ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ክከላኸል ከም ዝኽእልን ይሕበር። ንምክልኻል ከምኡ'ውን ድሮ ዝተለኽፉ ሰባት ንምሕካም ክውዕል እዩ።
ዩኤንኤይድስ ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 40 ሚልዮን ሰባት ምስ ኤችኣይቪ ይነብሩ ከም ዘለዉ ይገልጽ።
ካብ 2000 ጀሚሩ መጠን መልከፍቲ ኤችኣይቪን ሞት ብሰንኪ ኤይድስን እኳ እንተ ነከየ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 1.3 ሚልዮን ሰባት ብኤችኣይቪ ተለኺፎምን ልዕሊ 600,000 ድማ ምስ ኤይድስ ብዝተኣሳሰሩ ሕማማት ሞይቶምን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







