ኣብ ጨናዊ ጫማ ብዝገበርዎ መጽናዕቲ ንሽልማት ዝበቕዑ መምህርን ተምሃራዩን

ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ተማሃሮ፡ ብጨና ናይ ገዛእ ርእሶም ወይ ናይ ካልኦት ሰባት ጫማ ሓፊሮም እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ተምሃሮ፡ ብጨና ናይ ገዛእ ርእሶም ወይ ናይ ካልኦት ሰባት ጫማ ሓፊሮም እዮም።

ዝዀነ ገዛ፡ እንተወሓደ ሓደ ንኣፍንጫ ዘሸግር ጨናዊ ጫማ ኣይሰኣኖን።

እዚ ኣብ ከባቢና፡ ኣብ ኣፓርታማና እሞ ሕሰብዎ! መቸም ነዞም ጨነውቲ ጫማታት ብሓባር እንተንእክቦም ከቢድ ዓለማዊ ጸገም ምሃለወና።

ክልተ ህንዳውያን ተመራመርቲ ግን ኣብቲ ጨና ዘይኮነስ፡ ኣብ ሳይንሳዊ ምልክዑ ከድህቡ ወሲኖም።

ጨነውቲ ጫማታት፡ ንመደርደሪ ጫማና ብኸመይ ከም ዝቕይርዎ ንምጽናዕ ተበገሱ።

ከምኡ ብምግባሮም ድማ ናብ ኣዳራሻት እቲ ክቡር ሽልማት ኢግ ኖቤል ኣተዉ።

ሽልማት ኖቤል ኢግ ብቐሊል፡ ዋዛ ዝመልኦ፡ ግን ከኣ ንሳይንሳዊ፡ ፈጠራዊ ጻዕሪ ዝወሃብ እዩ።

ወዲ 42 ዓመት ቪካሽ ኩማር፡ ካብ ደልሂ ወጻኢ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሺቭ ናዳር፡ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዲዛይን እዩ።

ወዲ 29 ዓመት ሳርታክ ሚታል ድማ፡ ናይ መጀመርታ ዲግሪኡ ኣብ ዝሰርሓሉ እዋን፡ ተምሃራይ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መምህርን ተምሃራይን ከሎ እዩ ብዛዕባ ጨናዊ ጫማ ክመራመር ዝወሰነ።

ሚታል፡ ኮሪደርታት ናይቲ ዝነብረሉ ኣፓርታማ ብጫማታት መሊኡ ክረአ ይዝክር።

እቲ ፈለማ ብልጭ ዝበሎም ሓሳብ ቀሊል እዩ ነይሩ።

ንምንታይ ንተምሃሮ ዝምችእ መቐመጢ ጫማ ዘይትነድፍ?

ሕስብ እንተበሉ ግን፡ ተምሃሮ ጫማኦም ኣብ ኣፍደገ ንኽድርብዩ ዝገብሮም ዝነበረ፡ ዋሕዲ መቐመጢ ዘይኮነስ፡ ጨና ምዃኑ ተረድኡ።

እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ሓደ ኩባንያ ሶፍትዌር ዝሰርሕ ሚታል፡ "ሕጽረት ቦታ ወይ ስእነት መቐመጢ ኣይነበረን። ኣብቲ ክፍሊ እኹል ቦታ ነይሩ። እቲ ጸገም ቀጻሊ ረሃጽን ኵሉ ግዜ ሓደ ዓይነት ጫማ ምግባርን'ዩ ነይሩ፡" ይብል።

ሽዑ እዩ እቲ መምህርን ተምሃራይን ኣብቲ ናይ ተምሃሮ መንበሪ ኣባይቲ፡ ቀሊልን ሰብኣዊን ሕቶ እናሓተቱ ክዘሩ ጀሚሮም።

ጫማና ጨና እንተሃልይዎ፡ ንመቐመጢ ጫማና ኣየበላሽዎን ድዩ?

መምህር ቪካሽ ኩመር (ጸ)፡ ተምሃራዩ ዝነበረ ሳርታክ ሚታል (የ)
መግለጺ ስእሊ, መምህር ቪካሽ ኩመር (ጸ)፡ ተምሃራዩ ዝነበረ ሳርታክ ሚታል (የ)
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ 149 ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ መረዳእታ ተኣኪቡ።

እቶም 80 ሚእታዊት ደቂ ተባዕትዮ ነይሮም፣ ብዙሓት እንፈልጦ ግን ከኣ ሳሕቲ እንቕበሎ ሓቅታት ዘረጋግጽ እዩ።

ልዕሊ ፍርቆም ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ወይ ካብ ጫማ ካልእ ሰብ ጨና እግሪ ኣጋጢምዎም ይፈልጥ።

ዳርጋ ኵሎም ጫማኦም ኣብ ገዛኦም ኣብ መደርደሪ ጫማታት የቐምጡ ነይሮም።

ብዛዕባ ጨና ዘወግዱ ፍርያት ዝሰምዐ ድማ ኣይነበረን።

ጨናታት ንምውጋድ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ባህላዊ ሜላታት፡ ከም ከረጢት ሻሂ ኣብ ጫማ ምእታው፡ ሶዳ ምግቢ ወይ ዲኦዶራንት ምንፋሕ፡ ነቲ ጨና ደው ኣየበሎን።

ድሕሪኡ እቶም ክልተ ተመራመርቲ ናብ ሳይንስ ኣቕኒዖም።

ሳይንስ፡እቲ ጠንቂ ኪቶኮከስ ሴደንታሪየስ ዝተባህለ ባክተርያ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ፤ እዚ ባክተርያ ረሃጽ ኣብ ዝመልኦ እግሪ እዩ ዝነብር።

መጽናዕቶም ከም ዘመልክቶ፡ ሓጺር ማዕበል ዘለዎ ኣልትራቫዮለት ብርሃን ነቲ ባክተርያ ክቐትሎን ነቲ ጨና ከወግዶን ይኽእል።

"ዳርጋ ዅሉ ገዛውቲ ህንዲ ዝዀነ ዓይነት መቐመጢ ጫማ ኣለዎ። ጫማኻ ካብ ጨና ነጻ ዝገብር መቐመጢ ጫማ ምህላው ድማ ወሳኒ እዩ" ይብሉ እቶም ተመራመርቲ።

ነቲ ጨናዊ ጫማ ከም ዕድል ተጠቒሞም፡ ነቲ ባህላዊ መቐመጢ ጫማ ዳግማይ ዲዛይን ብምግባር፡ገለ ምምሕያሽ ገይሮምሉ ኣለዉ።

ውጽኢቱ?

እቲ መጽናዕቲ ብዛዕባ ባህርያት ሰባት ኣይኰነን።

ፍሽኽ ዘብል ሓሳብ እዩ፤ ጫማ ዝዕቅብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ረኽሲ ክከላኸል ዝኽእል ጨረር ብርሃን [ዩቪሲ] ዘለዎ መቐመጢ ጫማ እዮም ፈጢሮም።

ነቲ ፈተነ፡ እቶም ተመራመርቲ፡ ብዙሕ ጨና ዘለዎም ስፖርተኛታት ዩኒቨርሲቲ ዝገብሩዎ ጫማ ተጠቒሞም።

እቲ ባክተርያ ኣብ ከባቢ ኣጻብዕቲ እግሪ ስለ ዝእከብ፡ ነቲ ጨረር ብርሃን ኣብኡ ኣተኲሮም።

እቲ መጽናዕቲ፡ ነቲ ናይ ምቅላዕ ግዜ ብምዕቃን መጠን ጨና እዩ ዓቂኑ።

ከምኡ'ውን ነቲ ባክተርያ ንምቕታልን ነቲ ሕማቕ ጨና ንምውጋድን ካብ 2-3 ደቓይቕ ዝኸውን UVC -ጨረር ብርሃን- ተጠቒሞም።

ርግጽ፡ ቀሊል ኣይነበረን። ብዙሕ ጨረር ምጥቃም ማለት ብዙሕ ሙቐት ምፍጣር ማለት እዩ፤

እዚ ድማ ንጎማ ጫማ ንምንዳድ እኹል እዩ።

ኣብ መደርደሪ ዝተቐመጡ ጫማታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images Via Hindustan Times

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መደርደሪ ዝተቐመጡ ጫማታት

እቶም ተመራመርቲ ኣብቲ ጫማ UVC -ጨረር ብርሃን ጥራይ ዘይኰነ፡ ነፍሲ ወከፍ ጨና እውን ይዕቅኑ ነበሩ።

ኣብ መጀመርታ እቲ ጨና "ኣዝዩ ሓያል፡ ሓያል፡ ከም ዝበስበሰ እንቋቑሖ" ተባሂሉ ተገሊጹ።

ድሕሪ ክልተ ደቓይቕ፡ ናብ "ኣዝዩ ትሑትን ልኡምን ዝነድድ ጨና ጎማ" ወሪዱ።

ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ደቓይቕ እቲ ሕማቕ ጨና ዳርጋ ጠፊኡ፤ወይ ድማ ናብ "ዝቃጸል ዓይነት ጎማ" ተተኪኡ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ደቓይቕ፡ እቲ ጫማ ጨና ዝበሃል ዘይብሉ ዀነ።

ድሕሪ 10 ክሳብ 15 ደቓይቕ ግን እቲ ጨና ናብ "ሓያል ዝነድድ ጎማ" ተቐየረ፣ እቲ ዝተቓጸለ ጫማ ድማ ክጨኑ ጀመረ። ሳይንስ'ውን ነዚ የረጋግጽ እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቶም ክልተ ተመራመርቲ፡ጨረር ብርሃን ዝተገጠመሉ መደርደሪ ጫማ ሰሪሖም ኣቕሪቦም።

እቲ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ፡ ትካል ሽልማት ኖቤል ኣይጂ ብዛዕባ መጽናዕቶም ሰሚዑ ክሳብ ዝረኽቦም፡ ቍሊሕ ኢሉ ዝረኣዮም ሰብ ኣይነበረን።

እቲ ብመጽሔት ኣናልስ ኦፍ ኢምፕሮባብል ​​ሪሰርች ዝተዳለወን ብጕጅለ ሃርቫርድ-ራድክሊፍ ዝምወልን 34 ዓመት ዘቍጸረ ኣይጂ ኖቤል፡ ኣብ ዓመት 10 ዕውታት ይሽልም።

ኩማር፡ "ብዛዕባ እቲ ሽልማት ዝዀነ ሓሳብ ኣይነበረናን" ኢሉ።

"ናይ 2022 ወረቐት'ዩ ነይሩ፤ ናብ ዝዀነ ትካል ኣይሰደድናዮን። ጕጅለ ኖቤል ኣይጂ ረኺቦምና፤ ደዊሎምልና። እዚ ድማ ንባዕሉ ኣስሒቑናን ደጊምና ክንሓስብን ገይሩና።"

ጨና ዝፈጥሩ ባክተርያ ንምቕታል ጨረር ብርሃን ዘለዎ ክልተ ጽምዲ ጫማ ክሕዝ ዝኽእልን መደርደሪ

ምንጪ ስእሊ, Sarthak Mittal

መግለጺ ስእሊ, ጨና ዝፈጥሩ ባክተርያ ንምቕታል ጨረር ብርሃን ዘለዎ ክልተ ጽምዲ ጫማ ክሕዝ ዝኽእልን መደርደሪ

ን35 ዓመታት ዕብየት ጽፍሪ እግሪ ክከታተል ዝጸንሐ ተመራማሪ ታሪኽን ምስጢር ቅርጺ ፓስታ ንምፍታሕ ዝሰርሐ ክኢላ ፊዚክስን እውን ኣካል ናይቲ ሽልማት ነይሮም።

ነቶም ህንዳውያን ተመራመርቲ፡ ብጨናዊ ጫማ፡ ምስዞም ተዓወትቲ ስሞም ምጽውዑ መስተንክር እዩ።

"ክንዮ ኣፍልጦ፡ ሓላፍነት ሒዙ'ዩ ዝመጽእ።ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዘየስተብህልሉ ነገራት ዝያዳ መጽናዕቲ ክንገብር ኣለና" ይብል ኩማር።

ብኻልእ ኣዘራርባ ናይ ሎሚ ጨናዊ ጫማ፣ ጽባሕ መበገሲ ዓይኒ ዘንቍሕ ፈጠራ ክኸውን ይኽእል እዩ።