ኵሉ ሰብ ድዩ ተወሰኽቲ ቫይታሚናት ክወስድ ዘለዎ?

ከኒና እትወስድ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣመጋግባና እኹል ቪታሚን ኣብ ዘይህልወሉ እዋን፡ መመላእታ ቪታሚን ምውሳድ ይምከር። ይዅን እምበር፡ ንዅሉ ጸገማት ክፈትሕ እዩ ማለት ኣይኰነን።

ናይ መመላእታ ቪታሚናትን ማዕድናትን ዕዳጋ፡ 32.7 ቢልዮን ዶላር ከም ዝግመት ይግለጽ። 74 ሚእታዊት ናይዚ ተጠቀምቲ ኣመሪካውያን እዮም።

ክልተ ሲሶ ናይቲ ብጽሒት ዜጋታት ዓባይ ብሪጣንያ ይሕዙ።

ይዅን'ምበር፡ ገለ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ እዞም ተወሰኽቲ ቪታሚናትን ማዕድናትን ብዙሕ ረብሓ ከም ዘይብሎም፡ ገሊኦም ድማ ጐዳእቲ ምዃኖም ከይተረፈ ይምጕቱ።

ስለዚ፡ ኵሉ ሰብ መመላእታ ቪታሚን ክወስድ ኣለዎ ድዩ? እንታይ ረብሓታትከ ኣለዎ እዚ ጽሑፍ ዝምልሶ ክኸውን እዩ።

ቪታሚናት ኣብ ኢድ ናይ ሰብ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተወሰኽቲ ቪታሚናትን ማዕድናትን ምውሳድ እንታይ ረብሓታት ኣለዎ?

ብርግጽ መመላእታ ቪታሚንን ማዕድናትን ዝወስዱ ሰባት ብዙሓት እዮም። ኣካላትና ድማ ነዞም ክልተ መኣዛታት ኣየፍርን፣ ንጥዕና ግን ኣገደስቲ እዮም።

ኣካላትና ከፍርዮም ዘይክእል መኣዛታት ካብ መግቢ ኢና ንረኽቦም። ቫይታሚን ኤ፡ ቪታሚን ሲን ቪታሚን ኬን ጽቡቕ ኣብነታት ናይዚ እዮም።

ቫይታሚን ኤ ንምርኣይን ጥዑይ ቆርበትን ክህልውናን ይሕግዝ። ቫይታሚን ሲ ንናይ ምክልኻል ዓቕሚ የሐይሎ። ቫይታሚን ኬ ደምና ንኸይረግእ ይሕግዝ።

ብተወሳኺ፡ ካብ መግቢ ካልሲየም፡ ማግነዝየምን ፖታስየምን እውን ንረክብ።

ኣካላትና ካብ ካርቦሃይድረይት፡ ፕሮቲንን ስብሕን ብውሑድ መጠን ቪታሚናትን ማዕድናትን የድልዮ።

ኣብዚ ክንፈልጦ ዘለና ግን ዝዀነ ተወሳኺ ቪታሚን ወይ ማዕድን ንጥዑይ ኣመጋግባ መተካእታ ኣይኰነን።

ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ዓሳታት፡ ስጋን ካልኦት መግብታትን ድሌታት ኣካላትና ንምምላእ ኣገደስቲ እዮም።

ፕሮፌሰር ቤት ዳውሰን-ሃጊስ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ቱፍትስ ተመራማሪት ሕርሻን ኣመጋግባን እያ።

መብዛሕትኦም ኣመሪካውያን፡ ኣስታት ፍርቂ ናይቲ ብስነፍልጠት ዝምከር መጠን ኣሕምልትን ፍረታትን ከም ዝበልዑ ይዛረቡ።

ካብ መግቢ ዘድልዮም መኣዛታት ዘይረኽቡ ሰባት፡ ቪታሚናትን ማዕድናትን ብምምልላእ ክኽሕሱ ይፍትኑ።

ይዅን'ምበር፡ እዚ ክሳብ ክንደይ ነቲ ክፍተት ክመልእ እዩ ንዝብል ግን ቀጥታዊ መልሲ የሎን።

ኣብ ሰብዓታት ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሊነስ ፓውሊንግ፡ ልዑል መጠን ቪታሚን ሲ ምውሳድ፡ ንሕማማት ስርዓተ ምስትንፋስ፡ እንተላይ ንሰዓል፡ ሕማም ልቢ፡ መንሽሮ ከይተረፈ ክፍውስ ከም ዝኽእል ይምጕት።

ስነፍልጠታዊ ምርምር ግን ካብ ልሙድ ሰዓል ወጻኢ ካልእ ሕማማት ቫይታሚን ሲ ብምውሳኽ ክፍወስ ከም ዘይክእል እኳ እንተ ኣረጋገጸ፡ ብዙሓት ግን ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ጽውጽዋይ ይኣምኑ።

ተጽዕኖ ፈጠርቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብወገኖም፡ ካብ 500 ሚእታዊት ክሳብ 1,000 ሚእታዊት ዝያዳ መኣዛታት ንምውሳድ ይጕስጕሱ።

እንተዀነ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ቪታሚናትን ማዕድናትን ምጥቃም ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቪታሚን ዲ ብብዝሒ ወሲዶም ሆስፒታል ዝኣተዉ ሰባት ናይዚ ኣብነት እዮም።

ጽምእን ብተደጋጋሚ ሽንቲ ምፍሳስን ምልክታት ምብዛሕ ቪታሚን ዲ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ናብ ሃለዋታ ምስሓትን ሞት ከይተረፈን ከብጽሕ ይኽእል።

ሃገራዊ ትካል ጥዕና ኣመሪካ ከም ዝሕብሮ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ቫይታሚን ኤ፡ ሕማም ርእሲ፡ ጸገም ምርኣይ፡ ምሕንካስን ቃንዛ ጭዋዳታትን ከስዕብ ይኽእል።

ፍሩታታት ዝመትር ሰብኣይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቪታሚናትን ማዕድናትን ዘተኰሩ መጽናዕትታትከ እንታይ ይብሉ?

ኣብ ቪታሚናትን ማዕድናትን ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ተጋራጫዊ ውጽኢት ኣምጺኡ እዩ።

እዚ ማለት፡ ተወሳኺ ቪታሚናትን ማዕድናትን ምውሳድ ዘለዎ ረብሓ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ እዩ።

ኣብ ልዕሊ 'ናጻ ራዲካላት' እውን መጽናዕትታት ተኻይዱ እዩ። ናጻ ራዲካላት ንዋህዮታትን ጂናትን ዝጐድኡ ሞለኪዩላት እዮም።

ነዚ ጕድኣት ንምንካይ ኣንቲኦክሲደንትታት ምውሳድ ጠቓሚ ምዃኑ እኳ እንተ ተኣመነ፡ እዚ ግጉይ ኣረኣእያ ምዃኑ ግን መጽናዕትታት ኣረጋጊጾም።

ኣብ ሃርቫርድ ዩኒቨርሲቲ ተመራማሪት ህዝባዊ ጥዕና ብዝዀነት ፕሮፌሰር ጆኣን ማንሰን ዝተመርሐ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ እቶም ኣንቲኦክሲዳንት ዝዀኑ ቪታሚን ሲን ቪታሚን ዲን ንመንሽሮን ሕማም ልብን ከም ዘይከላኸሉ ይሕብር።

ብብዝሒ ኣንቲኦክሲዳንትታት ምውሳድ ንጥዕና ጐዳኢ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘርእዩ መጽናዕትታት'ውን ተጠቒሶም እዮም።

ብፍላይ ኣትከኽቲ ሽጋራ ንመንሽሮ ሳንቡእ ንኽቃልዑ ዝለዓለ ሓደጋ ኣለዎም።

መጽናዕትታት ከም ዝሕብርዎ፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ቫይታሚን ኤ ምውሳድ ወቕዒ ከስዕብ ይኽእል።

ፕሮፌሰር ጆኣን ብወገና፡ "ቫይታሚን ኤ ንደም የቐጥኖ። ደም ንኸይረግእ ይከላኸል፡ እዚ ድማ ደም ናብ ሓንጎል ክውሕዝ ይኽእል። ካብ መጠን ንላዕሊ ኣንቲኦክሲዳንት ምውሳድ'ውን ናህሪ ኦክሳይድ ክውስኽ ይኽእል'ዩ፡" ትብል።

ቫይታሚን ዲ ንምንታይ ይጠቅም?

ዝዀነ መኣዛ ጥራይ ካብ መጠን ንላዕሊ ምውሳድ፡ ካልኦት መኣዛታት ናይ ምውሳድ ዓቕምና የዳኽሞ እዩ።

ካብቲ መዓልታዊ ዝምከር መጠን ንላዕሊ ኣንቲኦክሲዳንት ምውሳድ ጥዕና ዘለዎ ኣይኰነን።

ብፍላይ ድማ እቲ ጥዑይ ኣዕጽምቲ ንኽህልወና ዝሕግዘና ቫይታሚን ዲ ከም ካልኦት ቪታሚናት ኣይኰነን።

ብዙሓት ሰባት እኹል ቪታሚን ዲ ኣይረኽቡን እዮም።

እኹል ጸሓይ ክሳብ ዝረኸብና ግን ኣካላትና ቫይታሚን ዲ የፍሪ። ብተወሳኺ፡ ካብ መግቢ እውን ክርከብ ይከኣል እዩ።

ኣብተን ብርሃን ጸሓይ ብብዝሒ ዘይረኽባ ሃገራት ምዕራብ ምስ እንነብር ድማ ኣብ እዋን ቍሪ መመላእታ ቪታሚን ዲ ምውሳድ ይምከር።

ኣብ 25,000 ኣmeሪካውያን ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ተወሳኺ ቫይታሚን ዲ ወይ ኦሜጋ-3 ስብሒ ኣሲድ ምውሳድ፡ ንሓደጋ መንሽሮ፡ ሕማም ልብን ወቕዒን ከም ዘጕድሎ ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ ክንፈልጦ ዘለና ግን ተወሳኺ ቫይታሚን ዲ ምውሳድ ማለት፡ ንሕማም ምሉእ ብምሉእ የወግድ ምለት ኣይኰነን።

ንኽልተ ዓመት ዝኣክል ቪታሚን ጥራይ ዝወሰዱ ሰባት፡ ብሰንኪ መንሽሮ ናይ ሙማቶም ሓደጋ ናብ 25 ሚእታዊት ክወርድ ከሎ፡ ምዕቡል መንሽሮ ናይ ምግዳድ ተኽእሎኦም ድማ ናብ 17 ሚእታዊት ክወርድ ተራእዩ።

ፕሮፈሰር ጆኣን፡ "'ቫይታሚን ዲ ኣብ ልዕሊ ዋህዮታት ዝወርድ ጕድኣት ንምንካይ ክሕግዝ እምበር፡ ንመንሽሮ ንምምካት ኣይሕግዝን፡" ትብል።

ኣካላትና ብጌጋ ንጥዑያት ዋህዮታት ከጥቅዕ ከሎ ዝፍጠር ሕማማት (autoimmune disease) ኣብ ምክልኻል ተራ ቫይታሚን ዲ ቀሊል ኣይኰነን።

ብተወሳኺ፡ መመላእታ ቫይታሚን ዲ ምውሳድ ብፍላይ ንኣረጋውያን መስበርቲ ዓጽሚ ክከላኸል ይኽእል።

ከኒና ትወስድ ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ፈረንሳ ኣብ 2000 ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብ መዕበዪ ኣረጋውያን ዝነብራ ኣረጋውያን ደቀንስትዮ ካብ ቫይታሚን ዲ ተጠቀምቲ ምዃነን ኣርእዩ።

ብኣንጻሩ፡ ቫይታሚን ዲ ምውሳድ መስበርቲ ዓጽሚ ክከላኸል ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ዝሕብር መጽናዕትታት እውን ተሓቲሙ ኣሎ።

"እቲ መጽናዕትታት ኣብቶም ትሑት መጠን ቪታሚን ዲ ዘለዎም ኣረጋውያን ኣይተኻየደን፡" ክብል ፕሮፌሰር ቤስ ይምጕት።

ውህደት ቪታሚናትን ማዕድናትን ዝዀኑ ማልቲቪታሚናት ግን ኣብ ኣረጋውያን እወታዊ ጽልዋ ከም ዘርኣዩ ይፍለጥ።

ፕሮፌሰር ጆኣን መጽናዕታ ቅድሚ 20 ዓመት እያ ጀሚራ።

መጽናዕቶም ከም ዘመልክቶ፡ ነዞም ከኒናታት እዚኣቶም ን11 ዓመታት ዝወሰዱ ሰባት ብመንሽሮ ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም ብ8 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ይሕብር።

ኣብ ልዕሊ 70 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ሓደጋ መንሽሮ ብ18 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ተገሊጹ።

ፕሮፌሰር ጆኣን፡ "እዚ ውጽኢት ብሰንኪ ድሩት ኣመጋግባ ኣረጋውያን ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" እያ ትብል።

ፕሮፌሰር ቤስ ኣብ 2023 ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ መዓልታዊ ማልቲቪታሚን ዝወስዱ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ዓመት ናይ ኣእምሮኣዊ ምንቍልቋል ሓደጋኦም ብ60 ሚእታዊት ከም ዘጕድል ረኺቡ።

ምስ እርጋን ዝተኣሳሰሩ ጸገማት ከም መንሽሮን ምርሳዕን ኣብ ምንካይ እውን ውጽኢታውያን ኰይኖም እዮም።

መን እዩ ቪታሚን ክወስድ ዘለዎ?

ብመሰረት ፕሮፌሰር ቤስን ፕሮፌሰር ጆኣንን ዝበዝሑ ሰባት መመላእታ ቪታሚን ክወስዱ የብሎምን። ጥዑይን ሚዛናውን ኣመጋግባ እቲ ዝበለጸ ኣማራጺ እዩ።

  • ኣብ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዝርከቡ ሃገራዊ ትካላት ጥዕና፡ ነፍሰጾራት ማልቲቪታሚንን ፎሊክ ኣሲድን ክወስዳ ይመኽራ። እዚ ንጥዑይ ምዕባለ ዕሸላት ይሕግዝ።
  • በላዕቲ ሓምልን ዓሳ ዘይበልዑ ሰባትን ኦሜጋ-3 ዝሓዘ ዘይቲ ዓሳ ክወስዱ ይግባእ።
  • ኣካላትና ቪታሚናት ብግቡእ ከይመጥጥ ዝኽልክሉ ሕማማት (Crohn's disease እና ulcerative colitis) ዘለዎም ሰባት መመላእታ ቪታሚናት ብምውሳድ ክጥቀሙ ይኽእሉ።
  • ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ዓበይቲ ሰባት ንሓደጋ መንሽሮን ምጕዳል ኣእምሮኣዊ ጥዕናንን ንምንካይ መዓልታዊ ማልቲቪታሚን ክወስዱ ይምከር።

ይዅን'ምበር፡ ካብቲ ዘድሊ ንላዕሊ መጠን ቪታሚናት ምውሳድ (ሜጋ-ዶዚንግ) ግቡእ ከም ዘይኰነ ክኢላታት ይዛረቡ።

ፕሮፌሰር ጆኣን፡ "ማልቲቪታሚን ምውሳድ ኣይጐድእን እዩ፡" ብምባል፡ "እቶም ሚዛናዊ ኣመጋግባ ዝጐደሎም ሰባት፡ ዘድልዮም ቪታሚናትን ማዕድናትን ንምርካብ፡ ማልቲቪታሚን ክወስዱ ይኽእሉ፡" ብምባል'ውን ትመክር።