ኣሜሪካ ካብ ሑቲ ዝተተኮሳ ድሮናት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣውዲቓ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ መራኽብ ንግዲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዱ፡ መራከብ ኵናት ኣሜሪካ ሰለስተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ - ድሮናት ወቒዓ ከም ዘውደቐት ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ ገሊፁ።
መርከብ ውግእ ዩኤስኤስ ካርኒ ብሰንበት ንብሪጣንያ ሓዊሱ ምስ 14 ሃገራት ምትእስሳር ዘለወን መራኽብ፡ በቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ዕላማ ድሕሪ ምዃነን ሓገዝ ከምዝገበረት እቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ዋላ’ኳ ክልተ ካብተን መራኽብ ብሚሳይላት እንተተወቕዓ፡ ኣብ ህይወት ሰብ ዘጋጠመ ጉድኣት ከም ዘየለ'ውን ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል ሑቲ፡ ሓይሊ ባሕሪ እቲ ጕጅለ ንኽልተ መራኽብ እስራኤል ከም ዘጥቀዐ ገሊፁ።
ሓይሊ ባሕሪ እስራኤል ግን እተን መራኽብ ምስ እስራኤል ርክብ የብለንን ኢሉ።
ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ 2014 ንመንግስቲ እታ ሃገር ካብ ዝዓልው ንነጀው ንገለ ክፋላት የመን ተቘፃፂሮምዎ ይርከቡ፤ ብሰንኩ ዝሰዓበ ኲናት ሓድሕድ ድማ ገና ይቕጽል ኣሎ።
ኵናት እስራኤል ቓዛ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ምስ እስራኤል ርክብ ንዘለወን መራኽብ ዒላማ ክገብር ጀሚሩ።
ሴንትኮም ተባሂሉ ዝፍለጥ ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ፡ ‘ዩኤስኤስ ካርኒ’ ብሰንበት ንግሆ፡ ኣብ ጥቓ እታ ብብሪጣንያ እትውነንን ባንዴራ ባሃማስ ተንበልብንን መርከብ ዩኒቲ ኤክስፕሎረር፡ ፀረ መርከብ ባላስቲክ ሚሳይል ከም ዝተተኮሰ ኣፍሊጡ።
ድሒሩ ከኣ እታ ኣሜሪካዊት መርከብ ኲናት ናብኣ ገጻ ትቐርብ ዝነበረት ድሮን ወቒዓ ከም ዘውደቐት'ኳ እንተገለጸ፡ ዒላማ እታ ድሮን እታ መርከብ ኲናት ኣሜሪካ እንተነይሩ ግን ኣየነጸረን።
መርከብ ዩኒቲ ኤክስፕሎረር፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ፡ ካብ ሑቲ ብዝተወንጨፈ ሚሳይል መጠናዊ ጉድኣት ኣጋጢምዋ።
መርከብ ኵናት ኣሜሪካ ካብታ መርከብ ንዝመፅኡ ጻውዒታት ረድኤት ምላሽ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ ኵነት፡ ካልእ ድሮን ሃሪሙ ኣውዲቝ።
ጸኒሑ ከኣ ካልኦት ክልተ ባንዴራ ፓናማ ዘንበልብላ መራኽብ ብሚሳይል ከምዝተሃረማ ተገሊጹ። መርከብ ኣሜሪካ መርከብ ኲናት ነታ ካልኣይቲ መርከብ ንምሕጋዝ ትንቀሳቐሰሉ ኣብ ዝነበረት እዋን ሳልሳይቲ ድሮን ወቒዓ ኣውዲቓ።
ማእከላይ እዚ ኣሜሪካ፡ እቶም ብሑቲ ዝተፈፀሙ መጥቃዕትታት፡ ዜጋታት ብዙሓት ሃገራት ዝዀኑ ኣብተን መራኽብ ዝሰርሑ ሰባት፡ “ህይወት ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ’ዩ” እዚ ድማ ንዓለምለኻዊ ንግዲን ጉዕዞ ባሕርን ስግኣት’ዩ” ኢሉ።
ወሲኹ፡ “ዋላ’ኳ እዞም መጥቃዕትታት ኣብ የመን ብዝርከቡ ሑቲ እንተተፈፀሙ፡ ብኢራን ከም ዝድገፉ ንኣምን” ክብል ንኢራን ከሲሱ።
ምስ ኢራን ርክብ ዘለዎምን ንርእሶም ‘ዘንጊ ተጻዋርነት’ ኢሎም ዝፅውዑን ሑቲ፡ ንእስራኤል፡ ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ብምቅዋም ይንቀሳቐሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







