ፑቲን፡ ሃንደበት ንማሪዮፖልን ክረሚያን ዑደት ኣካይዱ

ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ሚካኤል ራዝቮዛየቭ ኣመሓዳሪ ሰቫስቶፖል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ሚካኤል ራዝቮዛየቭ ኣመሓዳሪ ሰቫስቶፖል ብቐዳም ኣብታ ብሩስያ ዝተጐብጠት ክሪሚያ ኣብ ዝበጽሓሉ

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብታ ዝበዝሐ ክፋላ ናብ ዑና ከም ዝተቐየረት እትግለጽ፡ ብሓይልታት ሩስያ ተታሒዛ ዘላ ወደባዊት ከተማ ማሪዩፖል፡ ከምኡ’ውን ኣብታ ብ2014 ብሩስያ ዝተታሕዘት ክረሚያ ሃንደበታዊ ዑደት ከምዘካየደ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ይሕብራ።

እቲ ዝተዘርግሐ ወግዓዊ ቪድዮ፡ ፕረዚደት ፑቲን ብለይቲ ኣብ ጐደናታት መኪና እናዘወረ፡ ድሕሪኡ ናብ ሓደ ኣዳራሽ ክበጽሕ እንከሎ ዘርኢ እዩ። ቢቢሲ ግን ነቲ ቦታ ዛጊት ኣየረጋገጾን።

እዚ ዑደት ፑቲን፡ ናብቲ ሓድሽ ዝተታሕዘ ግዝኣት ዩክረይን ዝፍጸም ዘሎ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ክኸውን እዩ።

ኣገልግሎት ዜና ታስ፡ እቲ ፕረዚደንት ብሄሊኮፕተር ናብቲ ቦታ ከምዝኸደን ምስ ገለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምዝተራኸበን ይገልጽ።

ኣብቲ ቪድዮ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ሩስያ ንፕረዚደንት ፑቲን እታ ከተማ ብኸመይ ዳግማይ ትህነጽ ከምዘላ ክገልጸሉ እንከሎ ይስማዕ።

ወደባዊት ከተማ ማሪዩፖል ኣብ ሓደ ካብቲ ዝነውሐን ደማዊን ውግኣት ናይቲ ግጭት ድሕሪ ምዕናዋ ንልዕሊ 10 ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ሩስያ ዘላ ግዝኣት ዩክረይን እያ። .

ጸብጻብ ዑደት ፑቲን ናብ ማሪዮፖል ዝቃላሕ ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ኣማኢት ሲቪላት ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ኣዳራሽ ትያትር ማሪዩፖል ደብዳብ ነፋሪት ሩስያ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣብ ዓመቱ እዩ።

ብሰንኪ’ቲ ሽዑ ዝተፈጸመ ደብዳብ እቲ ህንጻ ፈሪሱ፡ ብውሕዱ ኣብኡ ተዓቝቦም ዝነበሩ 300 ሰባት ከምዝሞቱ ይግመት።

ዩክረይንን ጕጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ገበን ኲናት ከም ዝዳረግ ይገልጹ።

እዚ ፍጻመ፡ ፑቲንን ምምሕዳሩን ብሕጋዊ መንገዲ ተሓተትቲ ክዀኑ ካብ ዝኽእሉ ፍጻመታት ሓደ ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ እዩ።

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብዘይሕጋዊ ምግዓዝ ህጻናት ዩክረይን ናብ ሩስያ ዝኣመሰሉ ዝተፈጸሙ ገበናት ኲናት ኣመልኪቱ ዝሓለፈ ዓርቢ ትእዛዝ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከምዘውጽአ ይፍለጥ።

በዚ መሰረት፡ ፑቲን ኣብ ዝዀነት ካብተን 123 ኣባል ሃገራት እቲ ቤት ፍርዲ እግሩ እንተ ኣንቢሩ ክእሰር ይኽእል እዩ።

ብኻልእ ወገን ነቲ ሩስያ ንክረሚያ ናብ ግዝኣታ ዝጸንበረትሉ መበል ታሽዓይ ዓመት ንምዝካር፡ ፕረዚደንት ፑቲን ትማሊ ቀዳም ኣብ ክረሚያ ብወግዒ ዘይተነግረ ዑደት ከም ዘካየደ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ንሱ ኣብ ዑደቱ፡ ኣብ ሓድሽ ቤት ትምህርቲ ስነጥበብ ሩስያ፡ ክረምታዊ መዓስከር ህጻናትን መጻኢ ባህላዊ ፕሮጀክትታትን፣ ከም ቤተ መዘክር ሓዳስ ሩስያን ቤተ መዘክር ክርስትናን ከምዝበጽሐ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ሓቢረን።

ሰበስልጣን ዩክረይን፡ ነታ ኣብ 2014 ብሩስያ ዝተጐብጠት ክሪሚያ እትርከቦ ንዅሉ ብሩስያ ዝተታሕዛ ግዝኣታት ሓራ ከውጽኡ ምዃኖም ተሓንዮም ኣለዉ።

ፑቲን ኣብ ዑደቱ ኣብታ ጥቓ ምብራቓዊ ሸነኽ ማሪዩፖል እትርከብ ሩስያዊት ከተማ ሮስቶቭ-ኦን-ዶን ምስ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ሩስያ ተራኺቡ ከምዝተመያየጠ’ውን ተፈሊጡ።