ኵናት ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ወደባዊት ከተማ ማሪፖል በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ኣዊጃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ፡ ሰለማውያን ሰባት ብሰላም ንኽወጽኡ ብምሕላን ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሩ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ወደባዊት ከተማ ማሪፖል ምቁራጽ ቶዂሲ ከምዝኣወጀ ገሊጹ።
እቲ ሚኒስተር "እቲ ምውጻእ ሰለማውያን ሰባትን ሰብኣዊ ሓገዛት ዕዉት ንኽኸውንን ፡ እቲ ምውጻእ ሰላማውያን ሰባት ብመንገዲ ዩኤንኤችስኣርን ዓለማለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ዝተማእከለ ክኸውን'ዩ" ምባሉ ኣጃንስ ፈራንስ ፕረስ ትማሊ ሮቡዕ ኣቃሊሓ።
እቶም ሰለማውያን ሰባት ካብ ከተማ ሞሪፖል ናብ ዛፖሪዝዘህያ ብሰላም ንኽሰግሩ፥ ነታ ሬስያ ተቆጻጺራታ ዘላ ወደባዊት ከተማ ብርድያንስክ ኣቢሎም ዝሓልፍሉ መንገዲ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ካብ ሎሚ ሰዓት 10 ክፉት መስመር ተዳልይሎም ከምዘሎ'ውን እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ።
መንግስቲ ዩክረይን ነዚ ኣመልኪቱ ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ቃል የለን።
ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ከተማ ማሪፖል ዝተፈተነ ምቁራጽ ተጻብኦ፡ ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ስለዘይተኣማመኑ ክሰልጥ ኣይክኣለን።
ብዘይካ እዚ ሩስያ፡ ኣሽሓት ሰባት ናብ ሩስያ ወይ ሩስያ ኣብ ተቆጻጸሮ ከባቢታት እንወሰደት ተጣይሶም ኣላ ዝብል ክሲ'ውን ይቐርበላ ኣሎ።
መንግስቲ ሩስያ ንከተማ ማሪፖል ቅድምን ድሕርን ደብዳብ ሩስያ ዘርኢ ናይ ሳተላይት ስእሊ ኣብ ዝተዘርግሓሉ'ዩ ኣብታ ከተማ በይንኣዊ ምቁራጽ ቶኵሲ ከምዝኣወጀ ዝሕብር ዘሎ።
እቲ ብማክሰር ዝትብሃለ ካምፓኒ ዝተዘርግሐ ስእሊ ከተማ ማሪፖል፡ መንበሪ ኣባይቲ እታ ከተማ ብደብዳብ ሩስያ ኣዝዮም ዓንዮም ምህላዎም'ዩ ዘርኢ።
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲን ኣቀድም ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ ማሪፖል ዝግበር ደብዳብ፡ ኣብታ ከተማ ዘለዉ ሰራዊት ዩክረይን ኢዶም ምስ ሃቡ ጥራይ ደው ከምዝብል ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኡማንዉል ማክሮን ብሰሉስ ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ድሕሪ ምግባሩ ነዚ ቃል ከምዝበለ ጋዜጣዊ መግለጺ ክረምሊን ይሕብር።
እንተኾነ ኣብቲ መግለጺ ክልቲኦም መራሕቲ ሰለማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ብሰላም ዝወጽእሉ ኣብ ግምት ክኣቱ ከምዝተሰማምዑ'ውን ተገሊጹ።
ካብዚ ስምምዕ እዚ ብምብጋስ ሩስያ ንሓደ መዓልቲ ዝጸንዕ በይንኣዊ ቶኵሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ከምዝወሰደት'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ብዘይካ ፈረንሳ ቱርኪ፡ ግሪኽን ጉጅለታት ተጣበቕቲ መሰል ደቂሰባትን ፕረዚደንት ፑቱን ሰለማውያን ሰባት ዝወጽእሉ መንገዲ ከጣጥሕ ሕቶ ከቕርቡ ጸኒሖም'ዮም።
በቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ እታ ወደባዊት ከተማ ዘካየደቶ ደብዳብ ኣሽሓት ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ'ዩ ዝግለጽ።
ካብታ ከተማ ብሰላም ዝወጽአ ቫዲም ቦይቾንኮ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብታ ከተማ ብሰንኪ ደበዳብ ሩስያ 210 ህጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 5000 ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ።
ኣብ ዩክረይን ላዕለወይቲ ሓላፊት ሕቡራት ሃገራት ማቲልዳ ቦንገር ብወገና ኣብ ማሪፖል ኣሽሓት ሰለማውያን ሰባት ብደብዳብ ሩስያ ከምዝሞቱ ንሮይተርስ ገሊጻ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







