ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ቤትፍርዲ ዓለምለኻዊ ገበናት ኣዚዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ኲናት ዩክረይን ብዝተፈጸሙ ገበናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ዓለምለኻዊ ገባናዊ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ብገበናት ኲናት ተኸሲሱ ዘሎ ፑቲን፡ ህጻናት ዩክረይን ካብ ሕጊ ወጻኢ ብምግዓዝ ከምዝድለ'ውን እቲ ቤት ፍርዲ ጠቒሱ'ሎ።
ሰብመዚ ዩክረይን ከምዝብልዎ፡ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ልዕሊ 16,000 ህጻናት ብኣስገዳድ ናብ ሩስያ ወይ ናብቲ ብሩስያ ዝድገፉ ተቓወምቲ ዝቆጻጸርዎ ቦታታት ተወሲዶም ኣለዉ።
ኣፈኛ ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ እቲ "ዘቖጥዕን ዘይቅቡልን" ክብል ዝገለጾ ትእዛዝ ናይቲ ቤትፍርዲ ኣብ ሩስያ ተፈጻምነት የብሉን ክብል ኣነኣኢስዎ።
እታ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ዝኣወጀት ሩስያ፡ ግን ሓይልታታ ገበናት ኲናት ከምዘይፈጸሙ ብምግላጽ ነቲ ክስታት ክትነጽጎ'ያ ጸኒሓ።
እቲ ስጉምቲ ንፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ምስይጣን ከምኡ'ውን ንዝገብሮ መገሻታት ኣብ ምድራትን ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
"ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ሰባት ከቢድ ገበናት ክፍጸም ትእዛዝ ምሃብ ወይ ምርዓም ናብ ክፍሊታት ቤት ማእሰርቲ ሄግ ዘምርሕ ምዃኑ ንጹር መልእኽቲ ዘመሓላልፍ'ዩ" ክብል ተሓላቒ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ነቲ ስጉምቲ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ።
እንተኾነ ግን፡ ሩስያ ኣባል ናይቲ ቤት ፍርዲ ስለዘይኮነት፡ ጥርጡራት ናብቲ ቤትፍርዲ ክርከቡ'ዮም ዝብል ትጽቢት የለን።
ኣባላት ናይቲ ኣብ ሆላንዳዊት (ነዘርላንዳዊት) ከተማ ሄግ ዝመደበሩ ቤት ፍርዲ ዝኾና ሃገራት ግን ኣብ ቀይዲ ክእትውኦ ክግደዳ እየን።
ፕረዚደንት ሩስያ ነበርን ምክትል ኣቦምንበር ቤት ምኽሪ ጸጥታ እታ ሃገርን ዝኾነ ዲሚትሪ መድቨደብ ብወገኑ፡ እቲ ትእዛዝ ካብ "ናይ ሽቓቕ ወረቐት" ፈልዩ ከምዘይርእዮ ተዛሪቡ።
እቲ ቤት ፍርዲ ስጉምቲ ክወስድ ጻውዒት ክቐርበሉ'ኳ እንተጸንሐ፡ ናብ ፕረዚደንት ፑቲን ከነጻጽር ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣይነበረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







