ሰርብያ፡ ወዲ 13 ዓመት ከም ዝፈጸሞ ብዝተጠርጠረ መጥቃዕቲ 9 ሰባት ተቐቲሎም

ፖሊስን ኣምቡላንስን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሰርብያ ኣብ ርእሰ ከተማ ቤልግሬድ ኣብ ዝርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ብውሕዱ ሸሞንተ ተማሃሮን ሓደ ሓላዊ ጸጥታን ተቐቲሎም።

ብሰንኪ እቲ ቤት ትምህርቲ ቭላድስላቭ ሪብኒካር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት ሽዱሽተ ተማሃሮን ሓደ መምህርን ከምዝቖሰሉን ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን መግለጺ መንግስቲ እታ ሃገር ይሕብር።

ፖሊስ ምስቲ መጥቃዕቲ ብዝተኣሳሰር ወዲ 13 ዓመት ቆልዓ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ።

እቲ ጥርጡር፡ ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም ንሓደ ወርሒ ዝኣክል መደብ ከም ዝሓዘን ዝርዝር ዒላማታት ከም ዝነበሮን ፖሊስ ይገልጽ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ እቲ ጥርጡር ኣቡኡ ዝውንኖም ክልተ ጠበንጃታት ከም ዝተጠቕመ ይገልጹ።

ኣቦ እቲ መንእሰይ’ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ተፈሊጡ ኣሎ።

መማህርቲ እቲ ጥርጡር፡ እቲ መንእሰይ ናብ ሓደ ክፍሊ ኣትዩ፡ መጀመርታ ነቲ መምህር ብጥይት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣብ ልዕሊ ተማሃሮ ብጾቱ ምትኳስ ከም ዝጀመረ ይገልጹ።

መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ከባቢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣቦ ሓንቲ ካብቶም ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ተማሃሮ ዝዀነ ሚላን ሚሎሰቪች፡ ጓሉ ኣብቲ ዝተተኮሰሉ ክፍሊ ከም ዝነበረትን ክትሃድም ከም ዝኸኣለትን ገሊጹ።

ሚሎሰቪች ንፈነወ ኤንዋን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "[እቲ ወዲ] መጀመርታ ነቲ መምህር ብጥይት ቀቲልዎ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣልሚሙ ክተኩስ ጀሚሩ" ኢሉ።

"እቲ ሓላዊ ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ደቂሱ ርእየዮ። ክልተ ኣብ ስረአን ደም ዝነበረ ኣዋልድ እውን ርእየ።"

ብተወሳኺ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ከይኣቱ ክኽልክሎ ዝፈተነ ሓደ ሓላዊ ጸጥታ ብጥይት ከም ዝቐተለ ይንገር።

እዚ ፍጻመ ኣብ ሰርብያ ዓቢ ስንባደ ኣስዒቡ'ሎ።

መንግስቲ ሰርብያ፡ ኣብ መላእ ሃገር ካብ ግንቦት 5 ክሳዕ ግንቦት 7 ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሕ ናይ ሓዘን ግዜ ከም ዝእውጅ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ሰርብያ ዋላ'ኳ ሰፊሕ ዋንነት ኣጽዋር እንተሃለወ፡ ገበናት ብረት ሳሕቲ'ዩ ዘጋጥም፤ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝፍጸም ተኹሲ ድማ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን።