ኣሜሪካ፡ ኣብ ኬንታኪ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ሞይቶም

ፖሊስ ኬንታኪ

ምንጪ ስእሊ, USA TODAY NETWORK/Reuters

ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ሉዊስቪል ኬንታኪ ብዝተፈጸመ ጃምላዊ መጥቃዕቲ ሓሙሽተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሽዱሽተ ድማ ከም ዝቖሰሉ ፖሊስ ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ጉዳይ ምስ ወከልቲ ኤፍ.ቢ.ኣይ ዝሰርሕ ዘሎ ፖሊስ፡ እቲ ተኹሲ ኣብታ ኣብ ክፍለሃገር ኬንታኪ ዝዓበየት ከተማ ኣብ ዝርከብ ኦልድ ናሽናል ባንክ ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ።

እቲ ጥርጡር ኣብ ኦልድ ናሽናል ባንክ ምስ ኣባላት ፖሊስ ተኹሲ ድሕሪ ምልውዋጥ ከም ዝሞተ ተፈሊጡ ኣሎ።

ብናይ ፖሊስ ብጥይት ተሃሪሙ ድዩ ወይስ ባዕሉ ቐቲሉ ዝብል ግን ዛጊት ንጹር ከም ዘይኰነ ምክትል ሓላፊ ፖል ሃምፍሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ተዛሪቡ።

ካብቶም ዝቖሰሉ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ይርከብዎም።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ "ብብረት ዝተፈጸመ ጨካን ናይ ዕሽነት ጎነጽ" ክብል ነቲ ቅትለት ኮኒኑዎ'ሎ።

"ክሳብ መዓስ'ዮም ሪፓብሊካውያን ኣባላት ኮንግረስ ድሕነት ማሕበረሰባትና ንምውሓስ ዝሰርሑ" ክብል፡ ተሪር ምቁጽጻር መሸጣ ብረት ክህሉ ደጊሙ ጸዊዑ።

እንተኾነ ግን፡ እቶም ንባይቶ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ሪፓብሊካውያን ንዝጸንሐ ፖሊሲኦም ክቕይሩ ዘሎ ትጽቢት ትሑት'ዩ። ሪፓብሊካውያን ብረት ምውናን ሕገ-መንግስታዊ መሰል'ዩ ብምባል'ዮም ንዝኾነ ተሪር ምቁጽጻር ብረት ክቃወምዎ ጸኒሖም።

ቦታ መጥቃዕቲ

ምንጪ ስእሊ, CBS

ከንቲባ ሉዊስቪል ክሬግ ግሪንበርግ፡ ኩሎም ህጹጽ ግብረመልሲ ዝሃቡ ኣካላት፡ ተግባራቶም "ብዘይ ጥርጥር" ህይወት ኣድሒኑ ክብል ተዛሪቡ።

"ተብዓት ጀጋኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን [ክፍሊ ፖሊስ ሜትሮ ሉዊስቪል]" ብምባል ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ።

ሰባት፡ ነቶም ኣብ ሆስፒታል ዝረከቡ ጉዱኣት ክጽልዩ’ውን ተማሕጺኑ።

ኣመሓዳሪ ኬንታኪ በሸር ብወገኑ ንጋዜጠኛታት እናነብዐ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንሓደ ካብቶም ግዳያት ብውልቁ ከም ዝፈልጦ ገሊጹ።

"እዚ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ። ካብቶም ሎሚ ህይወቶም ዝሓለፈ እቲ ሓደ ቀረባ ዓርከይ’ዩ" ኢሉ።

ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ 140 ጃምላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ፡ ማህደር ዓመጽ ብረት የመልክት። እቲ ትካል ከም ዝብሎ፡ "ጃምላዊ ተኹሲ" ብውሑዱ ኣርባዕተ ግዳያት ብጥይት ዝቕተሉሉ፡ ዝቖሰሉ ወይ ዝሞቱሉ ፍጻመ እዩ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 100 መዓልታት ናይዚ ዓመት ጥራይ 140 ጃምላዊ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙ'ሎ፡ እዚ ማለት ድማ ብገምጋም ኣብ መዓልቲ 1.5 መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ነይሩ።