ኣሜሪካ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ናሽቪል ተነሲ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ብሓደ ተመሃራይ ነበር ብዝተፈጸመ ተዅሲ ሽዱሽተ ሰባት - ሰለስተ ህጻናትን ሰለስተ ሰራሕተኛታትን - ሞይቶም።
ሰለስተ ካብቶም ግዳያት ትሕቲ 9 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ኮቬናንት ኰይኖም ኤቨሊን ዲክሃውስ፡ ሃሊ ስክሩግስን ዊልያም ኪኒን ከም ዝበሃሉ ፖሊስ ገሊጹ።
እቶም ዓበይቲ ግዳያት ድማ፡ ጓል 61 ዓመት ሲንቲያ ፒክ፡ ጓል 60 ዓመት ካትሪን ኩንስን ወዲ 61 ዓመት ማይክ ሂልን ከም ዝዀኑ ተገሊጹ ኣሎ።
እቲ ናይ ብሕቲ ክርስትያናዊ ቤት ትምህርቲ ኣስታት 200 ተመሃሮ ኣለውዎ።
ካብ ሰለስተ ዓመት ክሳብ ከባቢ 12 ዓመት ዝዕድመኦም ተመሃሮ ይምህር።
ሚስ ፒክ ኣብታ መዓልቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እትሰርሕ ተካኢት መምህር እያ ነይራ። ሚስተር ሂል ስራሕ ጽሬት ዘካይድ ክኸውን ከሎ፡ ሚስ ኩንስ ድማ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኮቨናንት ሓላፊት ቤት ትምህርቲ ነይራ።
ፖሊስ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ጥርጡር ወዲ 28 ዓመት ኦድሪ ሄል ኰይኑ፡ ልውጠ-ጾታ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሄል ፍርቂ ኣውቶማቲክ ሽጉጥ ሓዊሱ ሰለስተ ጠበንጃታት ተዓጢቝ ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፡ ብፖሊስ ብጥይት ተቐቲሉ።
እቲ ጥርጡር ብሆንዳ መኪና ናብቲ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ናብ ሓደ ካብቲ ኵሉ ተዓጽዩ ዝነበረ ማዕጾ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ብምትኳስ ኣትዩ።
ኣብቲ ናይ ሲሲቲቪ ቪድዮ፡ ሄል መከላኸሊ ቬስት ዝመስል ተኸዲኑን ኣብ ሓደ ኢዱ ጠበንጃ ሒዙን ከምኡ’ውን ካልኣይ ጠበንጃ እውን ኣብ ጸጋማይ መንኵቡ ተሰቒሉ ይርአ።
ሄል ናብ ካልኣይ ደርቢ ናይቲ ህንጻ ቅድሚ ምግዓዙ ኣብ ታሕተዋይ ደርቢ ተኲሱ።
መካይን ፖሊስ ኣብ ዝመጻሉ ዝነበራ እዋን፡ ሄል ካብ ካልኣይ ደርቢ ከም ዝተኮሰሎም ፖሊስ ገሊጹ።
ፖሊስ ብቕልጡፍ ናብቲ ህንጻ ብምእታው ነቲ ጥርጡር ሰዓት 10፡27 ብጥይት ቀቲልዎ።
ብዛዕባ ጾታዊ መንነት ሄል ገለ ምድንጋር ተፈጢሩ'ዩ - ፖሊስ ኣብ መጀመርታ እቲ መጥቃዕቲ ብጓል ኣንስተይቲ ከም ዝተፈጸመ ገሊጹ ነይሩ፡ ድሒሩ ድማ ልውጠ-ጾታ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ንዋሽንግተን ፖስት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሄል "ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፕሮፋይል ተውላጠ-ስማት ደቂ ተባዕትዮ ዝጥቀም ብስነ-ህይወታዊት ግን ጓል ኣንስተይቲ እያ" ኢሉ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣሜሪካ ኣብ 2023 መበል 129 ጃምላዊ ተኹሲ ከም ዝዀነ፡ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ጋን ቫይለንስ ኣርካይቭ ይሕብር።
ብመሰረት ኢጁኬሽን ዊክ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኣሜሪካ ክሳዕ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን 12 ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተፈጸሙ ተኹሲ ሞት ወይ መጉዳእቲ ኣስዒቦም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







