ጀርመን፡ ዩክረይን ክትጽበየን ዝጸንሐት ዘመናውያን ታንክታት ‘ሊዮፓርድ’ ልኢኻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓገዝ ኣጽዋር እንተዘይቀሪቡለይ “ጸረ-መጥቃዕቲ ኣይጅምርን” ክብል ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዩክረይን ዘለንስኪ ካብ ጀርመን ታንክታት ከምዝተለኣኸሉ ተፈሊጡ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ጀርመን ፈላማይ ጽዕነት ታንክታት ‘ሊዮፓርድ 2’ ካብ ጀርመን ናብ ዩክረይን ከምዝተላእከ ሓቢሩ’ሎ።
ንገለ ኣባላት ሰራዊት ዩክረይን ብዛዕባ ኣጠቓቕማአን ስልጠና ምስተዋህበ እየን እተን ዓሰርተ ሸሞንተ ምዕቡላት ታንክታት ውግእ ተላኢኸን ዘለዋ።
ሚኒስተር ምክልኻል ጀርመን ቦሪስ ፒስቶርየስ፡ እተን ታንክታት ኣብ ግንባር ኲናት "ወሳኒ ኣበርክቶ ክገብራ" ከምዝኽእላ ርግጸኛ ምዃኑ ገሊጹ።
ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተወፈያ ‘ቻለንጀር 2’ ዝበሃላ ታንክታት እውን ናብታ ሃገር ከምዝበጽሓ ካብ ዩክረይን ዝተረኽቡ ጸብጻባት የመልክቱ።
ዩክረይን ወራር ሩስያ ንምምካት ዝሕግዝ ተወሰኽቲ ዘመናዊ ተሽከርከርቲ ውግእን ኣጽዋርን ክልገሰላ ንኣዋርሕ ክትምሕጸን ጸኒሓ’ያ።
መንግስቲ ዩክረይን እተን ‘ሊዮፓርድ 2’ ዝዓይነተን ታንክታት ጀርመን ብዛዕባ ምእታወን ዛጊት ዝበሎ ነገር የለን፤ ምምጻእ ናይተን ፈላሞት ስርሒት ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀና ‘ቻለንጀር 2’ ታንክታት ግን ኣረጋጊጹ’ሎ።
ካብተን ብሃገራት ኔቶ ዝፈርያ ቀንዲ ታንክታት ውግእ ተባሂለን ዝግለጻ ኣስታት 2000 ‘ሊዮፓርድ 2’፡ ብሰፊሑ ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ኣገልግሎት ይርከባ።
ዋላ’ኳ ጀርመን ኣብ መጀመርታ ንሳ ክትልእኽ ወይ'ውን ካልኦት ሃገራት ነተን ታንክታት ከይልእካ ፍቓደኛ እንተዘይነበረት፡ ኣብ ጥሪ ግን ናብ ዩክረይን ከተቕርበን ከምዝተሰማምዐት ይግለፅ።
ብመሰረት ሕጊ ጀርመን ታንክታት ‘ሊዮፓርድ 2’ ብዝዀነት ትኵን ሃገር ዳግማይ ናብ ወጻኢ ብመሸጣ ወይ ሓገዝ ክቐርባ እንተዀይነን ፍቓድ እታ ሃገር ክረኽባ ይግደዳ።
ሚኒስተር ምክልኻል ጀርመን ቦሪስ ፒስቶርየስ፡ እተን ታንክታት "ከምቲ ቃል ዝኣተወ ኣብ ግዚኡ ናብ ኢድ ዩክሬናውያን መሻርኽትና ኣትየን ኣለዋ" ኢሉ።
ሰራዊት ጀርመን ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ንኣባላት ኣሃዱ ታንክታት ዩክረይን ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እቲ ምዕቡል ሊዮፓርድ 2 ከሰልጥኖም ጸኒሑ’ሎ።
እዘን ዓይነታት ታንክ ብፍላይ ምስታ ብሩስያ እትውነን ቀንዲ ታንኪ ውግእ “ቲ-90” ዝዓይነታ ታንክ ንኽወዳደራ ዝተዳለዋ ኰይነን፡ ካብተን ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮጳ ዘለዋ ታንክታት ድማ ንኣጠቓቕማ ዘየጸግማን ብዙሕ ነዳዲ ዘይውድኣን ተባሂለን ይግለጻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጀርመን ብዘይካ እተን ‘ሊዮፓርድ 2’ ታንክታት፡ ነተን ዝወድቃን ኣብ ኣጸጋሚ ኵነታት ዝኣተዋን ታንክታት ዘልዕላ ዘመናውያን ተሽከርከርቲ ከምኡ’ውን 40 መካይን ኣጋር ሰራዊት ሰዲዳ ኣላ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመጻ ታንክታት ‘ቻለንጀር 2’ "ድሮ ኣብ ዩክረይን ከምዘለዋ" ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኢሪና ዞሎታር ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣፍሊጣ።
ሚኒስተር ምክልኻል ኦሌክሲ ረዝኒኮቭ ን ‘ቻለንጀር 2’ ጐድኒ ንጐድኒ ምስተን ኣብ ካልኦት ሃገራት ምዕራባውያን ዝሰርሓ ወተሃደራዊ ተሽከርከርቲ ዘርኢ ስእሊ ኣብ ፈይስቡክ ብምጥቃዕ፡ ነታ ስርሓት ብሪጣንያ ዝዀነት ታንክ ውጽኢት “ወተሃደራዊ ስነ-ጥበብ” ክብል ገሊጽዋ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ኣቐዲሙ ግን ኣብ ብሪጣንያ ዝስልጥኑ ኣባላት ኣሃዱ ታንክ ዩክረይን ልምምዶም ብምውዳእ ናብ ዓዶም ከምዝተመልሱ ኣረጋጊጹ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







