ፑቲን፡ ምዕራብን ኪቭን ድሉዋት እንተዀይኖም እቲ ኲናት ብውጥን ቻይና ከብቅዕ’ዩ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሃገራት “ምዕራብን ኪቭን” ድሉዋት ምስ ዝዀኑ ጥራይ፡ ቻይና ኣብ ዩክረይን ሰላም ንምምጻእ ዘዳለወቶ ውጥን ነቲ ኲናት ንምቍራጽ ባይታ ከንጽፍ ከም ዝኽእል ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ገሊጹ።
መራሒ ሩስያ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሞስኮ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን ብምርኻብ ብዛዕባ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዩክረይንን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ዝምድናን ተዘራሪቦም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝወጽአ ውጥን ቻይና፡ ሩስያ ካብ ዩክረይን ክትወጽእ ብግልጺ ዝጽውዕ ኣይኰነን።
እዚ 12 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ፍሉይ እማመታት ዘይብሉ፡ ዝርርብ ሰላምን ምኽባር ሃገራዊ ልኡላውነትን ይጽውዕ።
ዩክረይን ግን ዝዀነ ዓይነት ዝርርብ ንምጅማር ሩስያ ካብ ግዝኣታ ክትወጽእ ቅድመ ኵነት ገይራ ተቕርብ። እንተዀነ ክሳብ ሕጂ ሩስያ ነዚ ክትገብር ድልውቲ ምዃና ዘርኢ ምልክት የለን።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ቅድሚ ምስሓባ ተዅሲ ደው ክብል ምጽዋዕ "ንወራር ሩስያ ብኣድማዒ መንገዲ ምድጋፍ'ዩ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ፑቲን ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ሺ ጂንፒን ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ምዕራባውያን ሃገራትን ኪቭን ድሉዋት ኣብ ዝዀናሉ እዋን፡ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ ብዙሓት ድንጋገታት ውጥን ሰላም ቻይና ከም መሰረት ክውሰዱ ይኽእሉ" ኢሉ።
ሩስያ ግን ገና ከምዚ ዓይነት "ድልውነት" ካብቲ ካልእ ወገን ከም ዘይርኣየት ወሲኹ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ሺ ብወገኑ፡ መንግስቱ ንሰላምን ዘተን ዝድግፍ ምዃኑ ብምግላጽ ቻይና ኣብ "የማናይ ሸነኽ ታሪኽ" ከም ዘላ ተዛሪቡ።
በይጂን ኣብ መንጐ ክልቲአን ኣብ ጐንጺ ዘለዋ ሃገራት ሰላም እተምጽእ ሃገር ገይሩ ብምርኣይ፡ ቻይና ኣብ ዩክረይን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት "ዘይሻራዊ መርገጺ" ከም ዘለዋ ደጊሙ ገሊጹ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ መንጐ እተን ሃገራት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ንግዳዊ፡ ጸዓትን ፖለቲካዊ ርክብን እውን ተዘራሪቦም።
"ቻይና ቀዳመይቲ መሻርኽቲ ንግዲ ወጻኢ ሩስያ እያ" ዝበለ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኽበ "ልዑል ደረጃ" ንግዲ ክቕጽልን ክሓልፎን ቃል ኣትዩ።
ኣቐዲሙ ሺ ንቻይናን ሩስያን "ዓበይቲ ጐረባብቲ ሓይልታትን ኵለ መዳያዊ ስትራተጂያዊ መሻርኽትን" እየን ምባሉ ይፍለጥ።
ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ጸብጻብ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፤
- ክልተ ናይ ሓባር ሰነዳት ፈሪሞም - እቲ ሓደ ዝርዝር መደባት ቁጠባዊ ምትሕብባር ዝገልጽ ኰይኑ እቲ ካልኣይ ድማ ሽርክነት ሩስያን ቻይናን ንምዕማቝ ዝዓለሙ መደባት ዝገልጽ እዩ
- ነዳዲ ሩስያ ብሞንጐልያ ኣቢሉ ናብ ቻይና ንምብጻሕ ኣብ ሳይበርያ ዝተወጠነ መስመር ሻምብቆ ንምህናጽ ኣብ ስምምዕ በጺሖም
- ኲናት "ፈጺሙ ብኑክሌር ክፍታሕ የብሉን" ክብሉ ተሰማሚዖም
- ኣብ ሓድሽ ውዕል ‘ኣውኩስ’ - ኣብ መንጐ ኣውስትራልያ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ዝተገብረ ስምምዕ ምክልኻል - ዘለዎም ስክፍታ ኣልዒሎም
- ኔቶ፡ ኣብ ኤስያ ኣብ "ወተሃደራውን ጸጥታውን ጉዳያት" እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ህላወ ስክፍታኦም ገሊጾም
ቻይና ንሩስያ ወተሃደራዊ ደገፍ ክትገብረላ ትኽእል እያ ዝብል ስክፍታታት ኣብ ምዕራባውያን እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ።
ሓላፊ ኔቶ ጀንስ ስቶልተንበርግ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ልፍንቲ "ቻይና ናብ ሩስያ ቀታሊ ኣጽዋር ከም እተብጽሕ ዝሕብር መርትዖ ኣይረኣየን" ኢሉ።
እንተዀነ፡ ሩስያ ኣጽዋር ከም ዝሓተተት ዘርኢ "ምልክታት" ከም ዘሎን፡ እቲ ሕቶ ድማ ኣብ በይጂን ይረአ ከም ዘሎን ገሊጹ።
ቻይናን ሩስያን ግን እቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጥቡቕ ምሕዝነት "ወተሃደራዊ-ፖለቲካዊ ምሕዝነት" ከም ዘይኰነ ገሊጸን ኣለዋ።
ዝምድናታት እቲ "ብጕጅለ ዝቘመ ኣይኰነን፡ ናይ ምርጻም ባህሪ ዘይብሉን ኣንጻር ሳልሳይ ሃገራት ዘቕንዐ ከም ዘይኰነን” ወሲኸን ሓቢረን።
ፕረዚደንት ፑቲን ብተወሳኺ ምዕራባውያን ሃገራት "ኑክሌራዊ ትሕዝቶ" ዘለዎ ኣጽዋር ከም ዘዋፍራ ብምኽሳስ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ብዝተወድኡ ዩራንየም ዝተሰርሑ ኣጽዋራት ናብ ዩክረይን እንተሰዲዳ ሩስያ "መልሲ ክትህብ ክትግደድ እያ" ኢሉ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዝተወድአ ዩራንየም "ምስ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ዝዀነ ርክብ ዘይብሉ ስሩዕ ባእታ" ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







