ፑቲን ንሺ፡ ኲናት ዩክረይን ንኸብቅዕ ዘውጻእካዮ ውጥን ክንዝትየሉ ኢና

ፕሬዝደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ቭላድሚር ፑቲን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ “ኣብ ዩክረይን ዘሎ ጽዑቕ ቅልውላው ንኸብቅዕ” ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን ዘቕረቦ 12 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ክዝትየሎም ምዃኑ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ቻይና ኣብ ሩስያ ምብጻሕ ይገብር ከም ዘሎ ይፍለጥ።

እቶም መራሕቲ ንሓድሕዶም "ክቡር ዓርኪ" እናበሉ ዝጸዋውዑ ኰይኖም፡ "ንመስርሕ ዝርርብ ኵሉ ግዜ ክፉታት ኢና" ኢሉ።

ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ እቲ ኲናት ደው ንምባል፡ "ተጻብኦታት ምቍራጽ"ን ዳግማይ ዝርርብ ሰላም ምጅማርን ዘጠቓልል ውጥናት ኣውጺኣ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ግን ኣሜሪካ እቲ ውጥን ሰላም፡ "ናይ ምዕንቃፍ ሜላ" ክኸውን ይኽእል’ዩ ምባላ ይዝከር።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ "ዓለም ብቻይና ይዅን ካልእ ሃገር ዝድገፍ ውዕላት ሩስያ ብናይ ገዛእ ርእሳ መገዲ እቲ ኲናት ደው ንምባል እትገብሮ ዝዀነ ይዅን ታክቲካዊ ስጕምቲ ክትታለል የብላን" ኢሉ።

ወሲኹ፡ "ሓይልታት ሩስያ ካብ መሬት ዩክረይን ምእላይ ዘየጠቓልል ተዅሲ ደው ምባል ምጽዋዕ፡ ብኻልእ መንገዲ ንድልየት ሩስያ ምድጋፍ'ዩ" ምባሉ ይፍለጥ።

ሕጂ ቻይና ዘውጽኣቶ ውጥን ምውጻእ ሩስያ ካብ ዩክረይን ብፍሉይ ኣይጠቅስን - እዚ ድማ ዩክረይን ንዝዀነ ይዅን ዝርርብ ቅድመ ኩነት ገይራ ዘቐመጠቶ እዩ።

ኣብ ክንድኡ፡ "ልኡላውነት ኵለን ሃገራት ምኽባር" ክለዓል እንከሎ፡ "ኵሎም ወገናት ርትዓውያን ኰይኖም ክጸንሑን ልጓም ክገብሩን ኣለዎም" ከምኡ'ውን "በብቝሩብ ነቲ ኵነታት ከህድኦ ይኽእል’ዩ” ትብል።

ብተወሳኺ፡ እቲ ውጥን ምዕራባውያን ሃገራት መሓዙት ዩክረይን ምዃነን ብምንቃፍ ኣብ "ሓደ ወገን ጥራይ ዘቕንዐ እገዳ" ይዅንን።

ትማሊ ሰኑይ ወተሃደራዊ ባንድ ሩስያ ንፕረዚደንት ዢ ኣብ ሞስኮ ምዉቕ ኣቀባብላ ዝገበረሉ ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ፑቲን፡ ቻይና "መትከላት ፍትሒ ብምኽባር" ከምኡ'ውን "ንነፍሲ ወከፍ ሃገር ዘይተመቓቐለ ድሕነት" ትደፍእ ምዃና ንኢዱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ዢንፒን ብወገኑ፡ "ኣብ ትሕቲ ሓያል መሪሕነትካ ሩስያ ዓቢ ስጕምቲ ምዕባለን ብልጽግናን ኣመዝጊባ እያ። ህዝቢ ሩስያ ጽኑዕ ደገፉ ክህበካ ምዃኑ ርግጸኛ እየ" ኢልዎ።

ቅድሚ ምምጻእ ሚስተር ዢ፡ ፑቲን ክልቲአን ሃገራት ብ "ተጻባኢ" ፖሊሲ ኣሜሪካ ኣይዳኸማን ክብል ኣብ ጋዜጣ ፒፕልስ ደይሊ ቻይና ጽሒፉ ነይሩ።

ብግልጺ መራሕቲ ዩክረይን ምስ ቻይና ኣብ ዘለዎም ሓባራዊ መርገጺ፡ ምኽባር ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከጕልሑ ጸኒሖም እዮም።

ብውልቂ ግን ኣብ መንጐ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪን ቻይናዊ መዘናኡ ዢን ብኣካል ወይ ብቴሌፎን ንምርኻብ ክሓቱ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ኪቭ ዘሎ ስግኣት፡ ቻይና ንሩስያ እትህቦ ደገፍ (ኣብዚ ሕጂ እዋን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዙርያ ቴክኖሎጅን ንግድን ዝሞርኰሰ’ዩ)- ወተሃደራዊ መዳይ ክኸውን ይኽእል'ዩ፣ እዚ ድማ መዳፍዕ ከጠቓልል ይኽእል'ዩ ዝብል’ዩ።

ሚኒስትሪ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነትን ምክልኻልን ዩክረይን ኦሌክሲ ዳኒሎቭ፡ "ቻይና ንሩስያ ብግልጺ ኣጽዋር ናብ ምቕራብ እንተተሰጋጊራ፡ ብሓቂ ኣብ ጐድኒ እቲ ወራሪ ኰይና ክትሳተፍ እያ" ኢሉ።

ሩስያ፡ ንገዚፍ ቁጠባ በይጂን ምንጪ ነዳዲ ኰይና፡ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ዘጋጥመን ምስሕሓብ ድማ ብሓባር ደው ኣብ ምባል ከም መሻርኽቲ ትርእያ።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ብዛዕባ እተካይዶም ዘላ ስርሒታት መብርሂ ከም እትህብ ብምግላጽ፡ ልኡኻት ሩስያን ቻይናን ሎሚ ሰሉስ ክዘራረቡ ምዃኖም ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ኣይሲሲ) ፕረዚደንት ሩስያ ብገበን ኲናት ብዝቐረበሉ ዘሎ ክሲ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከም ዘውጽአ ይፍለጥ።

እዚ ማለት ፑቲን ኣብ 123 ኣባል ሃገራት እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ሓዲአን ምብጻሕ ምስ ዝገብር ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ይኽእል እዩ።

ቻይና ትዅን ሩስያ ግን ኣባላት'ቲ ቤት ፍርዲ ኣይኰናን።

ሃገራት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ለካቲት ጀሚሩ ብሰንኪ እቲ ኲናት ንሩስያ ንምንጻል ሓያሎ ጻዕሪታት ክገብራ ጸኒሐን እየን።

እንተዀነ፡ ቻይና፡ ህንድን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃን ንፑቲን ክዅንናኦ ፍቓደኛታት ብዘይምዃነን ሓደ ዓይነት ዓለማዊ ምርድዳእ ክፈጥራ ኣይክኣላን።