ፖሊስ፡ ብዛዕባ ሞት ኢትዮጵያዊት ሞዴል ቀነኒ እንታይ ሓድሽ ሓበሬታ ኣውጺኡ?

ቀነኒ ባህላዊ ክዳን ህዝቢ ኦሮሞ ተኸዲና

ምንጪ ስእሊ, KeneniAdugna

ፖሊስ፡ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ሞይታ ዝተረኸበት ጓል 25 ዓመት 'ሞዴልን' ብዓልቲ ሞያ ምውዕዋዕን ቀነኒ ኣዱኛ ሕክምናዊ ክትትል ትገብረሎም ካብ ዝነበረት ትካላት ጥዕና መርትዖታት ይእክብ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ፖሊስ ብሰኑይ 28 መጋቢት 2017 (07 መጋቢት 2025) ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ እዩ ንቤትፍርዲ እዚ ጸብጻብ ኣቕሪቡ ዘሎ።

ምስ ሞት እታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፍልጥቲ ዝዀነት ብዓልቲ ሞያ ሞዴልን መወዓውዕን ብዝተሓሓዝ፡ ካብ 15 ተወሰኽቲ ሰባት ሓበሬታ ከም ዝኣከበ'ውን ገሊጹ።

ብ1 መጋቢት 2017 (ግእዝ) ምሸት ሰዓት 10፡00፡ ካብቲ ምስ ሕጹያ ዝነብርሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ህንጻ ሓምሻይ ደብሪ ምውዳቓ መንቀሊ ሕልፈታ ከም ዝዀነ ይዝከር። ምኽንያት መውደቒኣ ግን ዛጊት ዝተፈለጠ ነገር ከም ዘየሎ ፖሊስ ኣፍሊጡ'ሎ።

ምስ ሞት ቀነኒ ብዝተኣሳሰር ብቕትለት ተጠርጢሩ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ሕጹያ ድምጻዊ ኣንዱኣለም ጎሳ ዘቕረቦ ሕቶ ዋሕስ "ብቕትለት ስለ ዝተጠርጠረ፡" ከም ዝተነጽገ ይዝከር።

ፖሊስ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ውዕሎ ቤትፍርዲ፡ ካብቶም ክትትል ትገብረሎም ዝነበረት ትካላት ጥዕና መብርሂ ክኢላታት ሕክምና፡ መርትዖታት ከምኡ'ውን ካልኦት ናይ ሰብ መረዳእታ ንምእካብ ተወሳኺ ግዜ ምሕታቱ ተፈሊጡ።

ንቤትፍርዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቅድሚ ሕጂ ቃሎም ዝሃቡ 13 ሰባት ሓዊሱ፡ ብድምር ካብ 28 ሰባት ቃል ምስክርነት ከም ዝተቐበለ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ስልክታት መዋቲትን ጥርጡርን ናይ ዝተገብረ መርመራ ውጽኢት ክበጽሕ ብዘይምኽኣሉ እዩ ተወሳኺ መዓልታት ክፍቀደሉ ሓቲቱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጠበቓ ድምጻዊ ዓንዱኣለም ጎሳ ብወገና፡ ፖሊስ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ተወሳኺ መዓልታት ይሓትት ከም ዘሎ ጥርዓን ኣቕሪባ።

እታ ጠበቓ ብተወሳኺ፡ እታ ግዳይ ብህይወት ከላ ካብቲ ህንጻ ምስ ወደቐት ምማታ ውጽኢት መርመራ ሬሳ ከም ዘመልክት ብምሕባር፡ "ተቐቲላ ካብቲ ህንጻ ከም ዝተደርበየት ዝሕብር ጭብጢ የሎን፡" ክትብል ሞጒታ።

በታ ግዳይ ዝተጻሕፈ 'ዳየሪ' (ዕለታዊ መዝገብ) ከም ዝተረኽበ ዝገለጸ ጠበቓ እቲ ድምጻዊ፡ ቀነኒ "ነብሰ ቅትለት ከም እትፍጽም ንስድራኣ፡ ንሕጹያ ኣንዱኣለምን መሓዙታን ጽሒፋ ነይራ፡" ኢላ።

እታ ግዳይ ቅድሚ ሕጂ'ውን ነብሰ ቅትለት ንምፍጻም ብተደጋጋሚ መድሃኒት ከም ዝወሰደት ብምጥቃስ ተኻቲዓ።

ጠበቓ ዓሚላ ካብ ከም ፈደራል ፖሊስን ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ድሕንነትን ዝኣመሰሉ ትካላት መርትዖ ናይ ምጥፋእ ዓቕሚ ስለ ዘይብሉ፡ መሰል ዋሕስ ክወሃቦ ሓቲታ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ውልቀሰባትን መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ እዋን ፍርዲ ዘይተባህለ ነገራት ይጽብጽቡ ኣለዉ ክትብል ጠበቓ እቲ ጥርጡር ጥርዓን ኣቕሪባ።

ቤትፍርዲ ብወገኑ መራኸቢ ብዙሓን ብየማነ ጸጋም ንዘሎ ክትዕ ብሚዛናዊ ኣገባብ ካብ ምጽብጻብ ብተወሳኺ፡ ስኑዕን ዘይተመጣጠነን ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ክቝጠባ ኣጠንቂቑ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ቤትፍርዲ ነቲ ፖሊስ ዘቕረቦ ሕቶን ምጕት ጠበቓን ንምምርማር ን30 መጋቢት 2017 [ግእዝ] ቈጸራ ሂቡ'ሎ።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ዝተወልደት ቀነኒ፡ ካብ ግዜ ቍልዕነታ ጀሚራ ኣብ ትምህርታ ንፍዕቲ ምንባራ ታሪኽ ህይወታ የመልክት።

ኣብ 2011 ከኣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ብ'ሃይድሮሊክን ዋተር ኢንጂነሪንግን' ብቐዳማይ ዲግሪ ተመሪቓ።

ብድሕሪኡ ኣብ ቢሮ ማይን ኢነርጂን ክልል ኦሮምያ ንዝተወሰነ እዋን ሰሪሓ።

ቀናኒ ብሞዴልነት፡ ምውዕዋዕን መዘናግዕን ሞያኣ ትፍለጥ።