ነብሰ ቅትለት ገበን ድዩ? ሕጊ ኢትዮጵያኸ እንታይ ይብል?

ምንጪ ስእሊ, FAMILY
ቻሪቲ ሙቱሪ ገና ካብ ንእስነታ ጀሚራ ነብሰ ቅትለት ንምፍጻም ክትሓስብ ጸኒሓ እያ።
ኣብ 30ታት ዕድሚኣ ከላ፡ 'ባይፖላር ዲስኦርደር' (ክቱር ምልውዋጥ ስምዒት) ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ።
ነቲ ብቐጻሊ ኣብ ኣእምሮኣ ዝመላለስ ዝነበረ ናይ ነብሰ ቕትለት ሓሳባት ክትቃለሶ ኣይከኣለትን።
እዚ ከምዚ ዓይነት ሓሳባት፡ ካብ ሕብረተሰብ፡ ቤተሰብን ፈተውትን ከስዕቦ ዝኽእል ተነጽሎ ኣጸቢቓ እትፈልጥ ቻሪቲ፡ እቶም ኣብ ልዑል ጸቕጥን ጭንቀትን ዝርከቡ ሰባት መቕጻዕቲ ዘይኰነስ ግቡእ ሕክምናን ክንክንን ክግበረሎም ይግባእ እናበለት፡ መንግስቲ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዩ ነቲ ጉዳይ ቈላሕታ ክገብረሉ ከይተሓለለት ክትሰርሕ'ያ መሪጻ።
ንቻሪቲ ዝፈልጥዋ ኵሎም፡ ንኻልኦት ቅድሚ ገዛእ ርእሳ ቀዳምነት ከም እትህብ፡ ብርትዕቲ፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ግዜኣ እትውፊ ክብሉ ተመሳሳሊ ምስክርነት ይህቡ።
ቻሪቲ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ነብሰ ቅትለት ፈጺማ።
ብህይወት ኣብ ዝነበረትሉ ኣብ ጉዳይ ጥዕና ኣእምሮ ዝሰርሓቶም ስራሕቲ ግን ነቲ ኣብ ኬንያ ዝነበረ ኣረኣእያ ቀይርዎ ኣሎ።
ለውጢ ኣብ ሕጊ
ቻሪቲ ኣብ ጉዳይ ጥዕና ኣእምሮ ዝገበረቶ ዘይሕለል ጻዕርን ጐስጓስን፡ ኬንያ ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ንዝምልከት ሕግታታ ዳግማይ ክትምርምሮ ዓቢይ ተራ ከም ዝተጻወተ ክኢላታት ጥዕና ኣእምሮ ይገልጹ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ኣብ 2025 ፈተነ ነብሰ ቅትለት ከም ገበን ንዝቘጽር ሕጊ፡ ዘይሕገ መንግስታዊ ክብል ኣዊጁ።
ቅድሚ ሕጂ ነብሰ ቅትለት ክፍጽም ዝፈተነ ሰብ ብማእሰርቲ ክልተ ዓመት ወይ መቕጻዕቲ ገንዘብ ወይ ክልቲኡ ይቕጻዕ ነይሩ።
ነብሰ ቅትለት ዝፈተኑ ውልቀሰባት፡ ደገፍን ሕክምናን ጥዕና ኣእምሮ ኣብ ክንዲ ዝረኽቡ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፖሊስ ብምእታው ይቕጽዑ ነይሮም።
ምስቲ ቻሪቲ ብቐረባ ትሰርሐት ዝነበረት ክኢላ ስነ-ኣእምሮን ተጣባቒት ጥዕና ኣእምሮን ኣሚሳ ራሺድ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ንኬንያውያን ዓወት ምዃኑ ብምንኣድ፡ ኣብዚ ለውጢ ተራ ቻሪቲ ዝለዓለ ምንባሩ ገሊጻ።
"ሞታ ነቶም ንፈልጣ ኣዝዩ መሪር እዩ ነይሩ፤ እዚ ውሳነ ከኣ ኣብ መጻኢ እትዝከረሉ ውሳነ ክኸውን'ዩ፡" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
ሕጊ ኢትዮጵያ ንነብሰ ቅትለት ብኸመይ ይርእዮ?
ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ዓለም፡ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ከም ገበናዊ ተግባር ዘይኰነስ ከም ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዝቘጸር ኰይኑ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ድማ ብገበን ዘሕትትን መቕጻዕቲ ዘኸትልን እዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ ሃገራት ጋምብያ፡ ማላዊ፡ ናይጀርያ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ታንዛንያን ኡጋንዳን፡ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ከም ገበን ኣስፊረንኦ ኣለዋ። ስለዚ፡ ኣብተን ሃገራት ፈተነ ነብሰ ቅትለት ብቐሊል ማእሰርቲ ክሳብ 1 ዓመት ወይ ካልኦት ከበድቲ ዘይኰኑ መቕጻዕቲ የስዕብ።
ኣብ ሕጊ ገበን ኢትዮጵያ፡ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ከም ገበን ብግልጺ ኣይሰፈረን። ኣብ ሕጊ ገበን ብግልጺ ዘይተቐመጠ ተግባር ከኣ ከም ገበን ተቘጺሩ ከም ዘየቕጽዕ ኣብቲ ሕጊ ሰፊሩ ከም ዝርከብ ፕሮፌሰር ሕጊ ኣበባየሁ ጌታ ካብ ዩኒቨርሲቲ ወላይታ ይዛረብ።
ምስ ነብሰቅትለት ብዝተሓሓዝ መቕጻዕቲ ከስዕብ ዝኽእል ተግባር፡ ሓደ ሰብ ነብሰ ቅትለት ንኽፍጽም ምልዕዓልን ምሕጋዝን ኰይኑ፡ ኣብ ሕጊ ገበን ኢትዮጵያ ዓንቀጽ 542 ሰፊሩ'ሎ።
ብመሰረት እዚ ድንጋገ፡ ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ነብሰ ቅትለት ንኽፍጽም እንተ ኣለዓዒሉ ወይ እንተ ሓጊዙ፡ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ጥራሕ እንተ ተፈጺሙ፡ ብቐሊል ማእሰርቲ ይቕጻዕ።
ጭቡጥ ተግባር ነብሰ ቅትለት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ከኣ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ብዘይበዝሕ ጽኑዕ ማእሰርቲ ከም ዝቕጻዕ ፕሮፌሰር ኣበባየሁ የረድእ።
ኣብ ኢትዮጵያ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ብሕጊ ከም ዘቕጽዕ ዝዝረብ'ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ገበናዊ ሕጊና ግን ንጹር ድንጋገ የሎን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንለውጢ ዝገትኡ ባህላዊ ኣረኣእያታት
ጉዳይ ነብሰ ቅትለት ኣብ ብዙሓት ህዝብታት ኣፍሪቃ ብግልጺ ዘይዝረበሉ ኣርእስቲ እዩ።
ሃይማኖታውን ባህላውን እምነታት መብዛሕትኡ ግዜ ከም ናይ ጥዕና ጉዳይ ዘይኰነስ ከም ሞራላዊ ውድቀት እዮም ዝቘጽርዎ። እዚ ድማ እቶም ዝተጐድኡ ስድራቤታት ሓዘኖም ብቕሉዕ ከይገልጹ ኣጸጋሚ ይገብሮ።
ኣብ ኬንያ፡ ስድራቤታት ጸለመ ፈሪሐን ጠንቂ ናይቲ ዝፍጸም ነብሰ ቅትለት ክሓብኣ ልሙድ እዩ።
ኣብ ገለ ሕብረተሰባት ብነብሰ ቅትለት ንዝሞቱ ሰባት ባህላዊ ስርዓት ቀብሪ ክልኩል እዩ። ስድራቤታት እውን ተነጽሎ ከጋጥሞም ይኽእል።
ሃገራት ኣብ ሕግታተን ምምሕያሻት እንተ ገበራ'ውን እዚ ባህላዊ ብድሆታት ግን ውልቀሰባት ደገፍ ንኸይሓቱ ይዓግቶም ኣሎ።
ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ፈተነ ነብሰ ቅትለት ብትሪ ይቃወሙ።
ኬንያዊት ተጣባቒት ጥዕና ኣእምሮ ኣሚሳ ራሺድ፡ ካብ ሃይማኖት ወጻኢ፡ ከም ቋንቋ ዝኣመሰሉ ባህላዊ ረቛሒታት እውን ጽልዋ ከም ዘለዎም ትኣምን።
ንኣብነት ቋንቋ ስዋሂሊ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ንዘለዎም ሰባት "ጽሉላት" ኢሉ ከም ዝገልጾም ብምጥቃስ፡ እዚ ኣገላልጽዋ ድማ ንሕማም ኣእምሮ ዘለዎም ሰባት ከም ዘጓንዮም፡ ከም ዝግለሎምን ንመጥቃዕቲ ከም ዘቃልዖምን ትዛረብ።
ብመንጽር ቋንቋ፡ ኣብ ኣገላልጻ ለውጢ ክመጽእ እንተ ክኢሉ ርህራሄን ደገፍን ንኽውስኽ ከም ዝሕግዝ'ውን ትገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







